ነታ ልዕሊ ዅሉ እተገድስ መዓልቲ ኸተኽብር ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧
የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ፡ ሞቱ ዚኽበረሉ ፍሉይ በዓል ሰርዐ። እዚ በዓል እዚ ኸኣ “መኣዲ ጐይታ” ወይ “ድራር ጐይታ” ተባሂሉ ይፍለጥ። (1 ቈረንቶስ 11:20, 21፣ ኢንግሊሽ ስታንዳርድ ቨርሽን) የሱስ ነዚ ኣገዳሲ በዓል እዚ ኣመልኪቱ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ኣዘዘ። (ሉቃስ 22:19) ንስኻኸ ንየሱስ ክትእዘዞ ትደሊዶ፧ ክትእዘዞ ትደሊ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ነታ ዝኽሪ ሞት የሱስ እትኽበረላ ዕለት ልዕሊ ዅሉ ኸም እተገድስ መዓልቲ ጌርካ ኽትርእያ ኢኻ።
እንተዀነ ግን፡ ነዚ በዓል እዚ ኸተኽብሮ ዘለካ መዓስ ኢኻ፧ እዚ ኣገዳሲ በዓል እዚ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ንኽትርዳእ፡ ምሉእ ብምሉእ ከም እተዳለኻ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ተጠንቂቑ ኺሓስበለን ይግባእ።
ክንደይ ሳዕ እዩ ኺበዓል ዘለዎ፧
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንኣገዳሲ ፍጻመታት ኣብ ዓመት ሓንሳእ ኢና እነብዕሎ። ንኣብነት፡ እቶም ብሰንኪ እቲ ብ11 መስከረም 2001 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ማእከል ንግዲ ዓለም ብዝወረደ መጥቃዕቲ ፈተውቶም ዝሞትዎም ሰባት፡ ነቲ ሽዑ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ኻብ ኣእምሮኦም ምሉእ ብምሉእ ኪሓክዎ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ እታ መዓልቲ ኣብ ዓዓመት ኣብ እትመጻሉ እዋን ግን ኣገዳሲት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ።
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣገዳሲ ፍጻመታት ኣብ ዓዓመት እዩ ዚዝከር ነይሩ። (ኣስቴር 9:21, 27) የሆዋ ንእስራኤላውያን ነቲ ኻብ ባርነት ግብጺ ብተኣምራዊ መገዲ ሓራ ዝወጽሉ እዋን፡ ኣብ ዓዓመት ኬኽብርዎ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ በዓል እዚ ፋስጋ ብምባል ይጠቕሶ፣ እስራኤላውያን ድማ ነዚ ፍጻመ እዚ፡ ኣብታ ዝደሓኑላ መዓልቲ ኣብ ዓመት ሓንሳእ የኽብርዎ ነበሩ።—ዘጸኣት 12:24-27፣ 13:10።
የሱስ ምስ ሃዋርያቱ በዓል ፋስጋ ደድሕሪ ምብዓሉ፡ ንሞቱ ንምዝካር ከም መርኣያ ዚኸውን ፍሉይ መኣዲ ሰርዐ። (ሉቃስ 22:7-20) ፋስጋ ኣብ ዓዓመት እዩ ዚበዓል ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ንፋስጋ ዝተክአ ሓድሽ በዓል እውን፡ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ ኪበዓል ይግባእ። ኰይኑ ግን፡ ኣበየነይቲ መዓልቲ እዩ ኺበዓል ዘለዎ፧
መዓስ፧
ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ክልተ ነገራት ክንርዳእ የድሊ። ቀዳማይ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ጀሚራ፡ ንጽብሒቱ ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ትውድእ ስለ ዝነበረት፡ ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ንዘሎ ግዜ እያ እተመልክት ነይራ።—ዘሌዋውያን 23:32።
ካልኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣይጥቀምን እዩ። ንኣብነት፡ መጋቢትን ሚያዝያን ዚበሃል ኣዋርሕ ዘይኰነስ፡ ኣዳርን ኒሳንን ዚበሃል ኣዋርሕ እዩ ዚጥቀም ነይሩ። (ኣስቴር 3:7) እቶም ኣይሁድ ንኣዋርሖም ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ እዮም ዚቘጽሩ ነይሮም። ኣብታ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሖም ቀዳመይቲ ዝዀነት ወርሒ ኒሳን፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እዮም ፋስጋ ዜብዕሉ ነይሮም። (ዘሌዋውያን 23:5፣ ዘሁልቍ 28:16) ሮማውያን ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንጸይቲ ዝሰቐልዎ እውን፡ ብ14 ኒሳን እዮም። የሱስ ካብቲ እቲ ናይ መጀመርታ ፋስጋ እተባዕለሉ ዕለት፡ 1,545 ዓመት ጸኒሑ እዩ ሞይቱ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ኒሳንሲ ኣየ ኸመይ ዝበለት እተፈልየት ዕለት ኰን እያ!
ኰይኑ ግን፡ ኣብዚ ሎሚ እንጥቀመሉ ዓውደ-ኣዋርሕ፡ 14 ኒሳን መዓስ እያ እትውዕል፧ ነቲ ልክዕ ዕለት ንኽንፈልጦ፡ ቀሊል ቀመር ጥራይ እዩ ዜድሊ። ሓደ ኒሳን እትጅምር፡ እታ ኣብ ጥቓ እቲ ኤኲኖክስ ጽድያ (ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ኽቢ ጽድያ ዚጅምረሉ፡ መዓልትን ለይትን ከኣ ማዕረ ዝዀነሉ) እትህሉ ሰርቂ ወርሒ፡ ኣብ የሩሳሌም ድሕሪ ጸሓይ ዕራርቦ ኽትርአ ኸላ እዩ። ካብዚ ግዜ እዚ ኣትሒዝና 14 መዓልቲ እንተ ደኣ ቘጺርና፡ ኣብ 14 ኒሳን ንበጽሕ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምልእቲ ወርሒ እያ እትርአ። ስለዚ፡ ብመሰረት እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣቈጻጽራ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ 14 ኒሳን እትጅምር፡ ሰንበት 17 ሚያዝያ 2011 ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ እዩ።a
በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዓመት እዚ ምስ ኵሎም እቶም ዝኽሪ ሞት የሱስ ኬብዕሉ ዚደልዩ ሰባት ሓቢሮም ኪእከቡ ይዳለዉ ኣለዉ። ምስኣቶም ሓቢርካ ንኽትእከብ ብኽብሪ ይዕድሙኻ ኣለዉ። እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ንኽትፈልጥ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ። ነዚ በዓል እዚ፡ ንግሆ ወይ ድሕሪ ቐትሪ ዘይኰነስ፡ ምሸት ጸሓይ ምስ ዓረበት እዮም ዜብዕልዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ በዓል፡ “ድራር” ተባሂሉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 11:25) ኣብታ ሰንበት 17 ሚያዝያ 2011 እትውዕል ምሸት፡ እቲ የሱስ 1,978 ዓመት ይገብር ብመጀመርታ ዝሰርዖ በዓል ኪዝከር እዩ። እታ የሱስ ዝሞተላ 14 ኒሳን እውን ኣብዛ ዕለት እዚኣ እያ እትጅምር። ካብዛ ዕለት እዚኣ ሓሊፍና እሞ መዓስ ኢና ዝኽሪ ሞት የሱስ ከነብዕል እንኽእል፧
ብኸመይ ከም እትዳሎ
ነዚ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ዚበዓል በዓል ንኽትዳለወሉ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበረልና ነገራት ምስትንታን እዩ። እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧b እትበሃል መጽሓፍ፡ ንሚልዮናት ሰባት ብዛዕባ እቲ ሞት የሱስ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ብዝያዳ ንኺርድኡ ሓጊዛቶም እያ።—ማቴዎስ 20:28።
ነዚ ፍሉይ በዓል እዚ ንምኽባር ልብና እነዳልወሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ህይወት የሱስ ዘጋጠመ ፍጻመታት ብምንባብ እዩ። ኣብዚ ዚስዕብ ገጻት፡ ነዚ ዚሕግዝ ሰሌዳ ኽትረክብ ኢኻ። ኣብቲ ቐዳማይ ዓምዲ ብመሰረት ዘመናውን መጽሓፍ ቅዱሳውን ኣቈጻጽራ እተመዝገበ ዕለት ኣሎ። ኣብቲ ኻልኣይ ዓምዲ ብዛዕባ እቲ ፍጻመታት ዚገልጽ ሓጺር ሓሳባት ተዘርዚሩ ኣሎ። ኣብቲ ሳልሳይ ዓምዲ ኸኣ ነዚ ፍጻመታት እዚ ዚሕብር ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይc ዘርእስታ መጽሓፍ ዚርከብ ምዕራፋትን ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብተን ቀቅድሚ ድራር ጐይታ ዘለዋ መዓልትታት ግዜ መዲብካ እንተ ወሓደ ንገለ ኻብቲ ጥቕስታት ስለምንታይ ዘይተንብቦ፧ ከምዚ ምስ እትገብር፡ ነታ ልዕሊ ዅሉ እተገድስ መዓልቲ ንኽትዳሎ ኺሕግዘካ እዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ምስታ ሎሚ ኣይሁድ ዜኽብርዋ መዓልቲ ፋስጋ ኣይትገጥምን ትኸውን። ስለምንታይ፧ ሎሚ መብዛሕትኦም ኣይሁድ፡ ነቲ ኣብ ዘጸኣት 12:6 ዘሎ ትእዛዝ፡ ን15 ኒሳን ከም ዚሕብር ገይሮም ስለ ዚኣምኑሉ፡ ንፋስጋ ብ15 ኒሳን እዮም ዜብዕልዎ። (ኣብ ናይ 4/2/111 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 7-8 ወይ፡ ናይ 15 ለካቲት 1990 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 14 ርአ።) የሱስ ግን ምስቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ትእዛዝ ብምስምማዕ፡ ንፋስጋ ብ14 ኒሳን እዩ ኣብዒልዎ። ነዛ መዓልቲ እዚኣ ብዛዕባ እንቕምረሉ መገዲ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ሰነ 1977 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 383-384 ርአ።
b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት። ኣብ ገጽ 47-56, 206-208ርአ። ነዚ ጽሑፍ እዚ፡ www.watchtower.org ኣብ ዚበሃል ወብ ሳይት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።
c ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ-ሓሳብ]
ሰንበት 17 ሚያዝያ 2011 ዝኽሪ ሞት የሱስ ኣብዕል
[ኣብ ገጽ 23, 24 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]
(For fully formatted text, see publication)
እታ ናይ መወዳእታ ሰሙን
2011 ሰሉስ 12 ሚያዝያ ▪ ሰንበት ማቴዎስ
2012 ․․․․․ ማርቆስ
2013 ․․․․․ ሉቃስ
9 ኒሳን (ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ትጅምር)
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ▪ ምስ ስምኦን □ ማቴዎስ 26:6-13
ሓንቲ መዓልቲ፡ እቲ ለምጻም ተመስሐ
ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ጀሚራ፡ ▪ ማርያም ብናርዶስ □ ማርቆስ 14:3-9
ንጽብሒቱ ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ቀብኣቶ
ትውድእ ነበረት ▪ ኣይሁድ ንየሱስን ሉቃስ
ንኣልኣዛርን □ ዮሃንስ 12:2-11
ኪበጽሕዎም መጹ □ gt 101፡ ሕ.ጽ. 5-9
2011 ረቡዕ 13 ሚያዝያ ▪ ናብ የሩሳሌም □ ማቴዎስ 21:1-11, 14-17
2012 ․․․․․ ተዓጂቡ ኣተወ
2013 ․․․․․ ▪ ኣብ ቤተ መቕደስ መሃረ □ ማርቆስ 11:1-11
□ gt 102
10 ኒሳን (ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ትጅምር)
▪ ኣብ ቢታንያ ሓደረ
2011 ሓሙስ 14 ሚያዝያ ▪ ኣንጊሁ ናብ የሩሳሌም □ ማቴዎስ 21:12, 13,
2012 ․․․․․ ተጓዕዘ 18, 19
2013 ․․․․․ ▪ ቤተ መቕደስ ኣጽረየ □ ማርቆስ 11:12-19
▪ የሆዋ ኻብ ሰማይ □ ሉቃስ 19:45-48
ተዛረበ □ ዮሃንስ 12:20-50
11 ኒሳን (ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ትጅምር)
2011 ዓርቢ 15 ሚያዝያ ▪ ኣብ ቤተ መቕደስ □ ማቴዎስ 21:19–25:46
2012 ․․․․․ ብምስላታት መሃረ
2013 ․․․․․ ▪ ንፈሪሳውያን □ ማርቆስ 11:20–13:37
ኰነኖም
▪ ብዛዕባ ውድቀት ዮሃንስ
የሩሳሌም ተነበየ
▪ ብዛዕባ መጻኢ ህላወኡ □ gt 105 ክሳብ 112፡ ሕ.ጽ. 1
ምልክት ሃበ
12 ኒሳን (ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ትጅምር)
▪ ይሁዳ ኣሕሊፉ □ ማርቆስ 14:1, 2, 10, 11
ኺህቦ ተዳለወ
ዮሃንስ
13 ኒሳን (ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ትጅምር)
14 ኒሳን (ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ትጅምር)
▪ የሱስ ፋስጋ ኣብዓለ □ ማቴዎስ 26:20-35
▪ ኣእጋር ሃዋርያቱ ሓጸበ □ ማርቆስ 14:17-31
▪ ንይሁዳ ሰጐጎ □ ሉቃስ 22:14-38
2013 ․․․․․ ▪ ሃዋርያት ሃደሙ □ ማርቆስ 14:32-72
▪ ብዋዕላ ኣይሁድ ተመርመረ □ ሉቃስ 22:39-62
▪ እንደገና ኣብ ቅድሚ □ ማቴዎስ 27:1-61
እቲ ዋዕላ ቐረበ
▪ ንሞት ተፈሪዱ ተሰቕለ □ ሉቃስ 22:63–23:56
▪ ንስጋኡ ኣልዒሎም ቀበርዎ □ gt 121 ክሳብ 127፡ ሕ.ጽ. 7
15 ኒሳን (ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ትጅምር)
▪ ሰንበት
ዮሃንስ
16 ኒሳን (ኣብ ጸሓይ ዕራርቦ ትጅምር)
2011 ረቡዕ 20 ሚያዝያ ▪ ተንስአ □ ማቴዎስ 28:1-15
2012 ․․․․․ ▪ ንደቀ መዛሙርቱ □ ማርቆስ 16:1-8
2013 ․․․․․ ተራእዮም □ ሉቃስ 24:1-49
[እግረ-ጽሑፋት]
d እቲ ኣብዚ ተሓቢሩ ዘሎ ቝጽርታት፡ ኣብታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (gt) ዘርእስታ መጽሓፍ ንዘሎ ምዕራፋት የመልክት። ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት የሱስ ዚገልጽ ዝርዝር ጥቕስታት ዝሓዘ ሰሌዳ፡ ኣብታ “‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ’—ሓቅነቱ እተረጋገጸን ጠቓምን እዩ (መጽናዕቲ ቝጽሪ 3)” ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ገጽ 15-16፡ ወይ ኣብታ “ኦል ስክሪፕቸር ኢዝ ኢንስፓየርድ ኦቭ ጎድ ኤንድ በነፊሻል” ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 290 ርአ። እዚ ጽሑፋት እዚ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓተመ እዩ።