ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w16 ነሓሰ ገጽ 30
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰብ ዜርክሶ እንታይ እዩ፧
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበረ ሕጊ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንሰብ ዘርክሶ ነገር እንታይ ኢዩ፧
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • 5 ኣምላኽ ንዅሉ ብቕንዕና ዚቐርበሉ ኣምልኾ ይቕበሎ እዩ እዝስ ሓቂ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
w16 ነሓሰ ገጽ 30
ደ ፈሪሳዊ ከም ስርዓት ንጽህና ገይሩ ኣእዳዉ እናተሓጽበ ንሓደ ኺበልዕ ዝጀመረ ሰብኣይ ብዓይኒ ነቐፌታ ይጥምቶ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ተጻረርቲ የሱስ ብዛዕባ ምሕጻብ ኢድ ክርክር ዜልዕሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

እዚ ጕዳይ እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ጸላእቲ የሱስ ኣብኡን ኣብ ደቀ መዛሙርቱን ጕድለት ኪኣርዩ ኸለዉ ዜልዕልዎ ዝነበሩ ሓያሎ ጕዳያት እዩ ነይሩ። ኣብ ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ኻብ ሰብነት ዚክዖ ፈሳሲ፡ ደዌ፡ ኣተሓሕዛ ሬሳ ሰብን እንስሳን ዚምልከት ሕጊ ንጽህና ነይሩ እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ርኽሰቱ ብኸመይ ኪነጽህ ከም ዚኽእል ዚገልጽ መምርሒታት እውን ነይሩ እዩ። እዚ ድማ መስዋእቲ ብምቕራብ፡ ብምሕጻብ፡ ወይ ብምንጻግ ኪግበር ይከኣል ነይሩ።—ዘሌ.፡ ምዕ. 11-15፣ ዘሁ.፡ ምዕ. 19።

ናይ ሃይማኖት መምህራን ኣይሁድ ግና ነዚ ሕጊ እዚ ብዝርዝር ተንተንዎ። ሓደ መወከሲ ኸም ዝሓበሮ፡ ብዛዕባ ዅሉ ዜርክስ ዘበለ፡ “ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዚመሓላለፍ፡ ብኸመይን ክሳዕ ክንደይን ናብ ካልኦት ከም ዚመሓላለፍ፡ ኪረክስ ዚኽእልን ዘይክእልን ኣቕሑን ካልእ ነገራትን ኣየናይ ከም ዝዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብኸመይ ስርዓት ምንጻህ ኪካየድ ከም ዚኽእል ይምርምሩ ነበሩ።”

ተጻረርቲ የሱስ፡ “ስለምንታይ እዮም ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ቀዳሞት ከይሕልዉስ፡ ብዝረኸሳ ኣእዳው ዚበልዑ፧” ኢሎም ሓቲቶምዎ ነይሮም። (ማር. 7:5) እዞም ሃይማኖታውያን ጸላእቲ እዚኦም፡ ኣእዳውካ ኸይተሓጸብካ ምብላዕ ንጥዕና ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ኣይኰኑን ዚእምቱ ነይሮም። እቶም መምህራን፡ ምግቢ ቕድሚ ምብላዖም ማይ ኣብ ኣእዳዎም ኣፍሲሶም ናይ ምሕጻብ ስርዓት ነይርዎም እዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መወከሲ ብተወሳኺ ኸምዚ ይብል፦ “ኣየናይ ኣቕሓ ንመንጠብጠቢ ኸም ዚኸውን፡ እንታይ ዓይነት ማይ ኪኸውን ከም ዘለዎ፡ መን ኬንጠብጥብ ከም ዘለዎ፡ ኣእዳውካ ኽሳዕ ኣበይ ኪሕጸብ ከም ዘለዎ እውን ክትዕ ነበረ።”

የሱስ ነዚ ዅሉ ብሰብ ዝቘመ ሕጊ እተጻረረሉ ምኽንያት ንጹር እዩ ነይሩ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ እዩ ተነብዩ፦ ‘እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።’ ትእዛዝ ኣምላኽ ሓዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣለኹም።”—ማር. 7:6-8።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ