ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lr ምዕ. 13 ገጽ 72-76
  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀኑ
  • ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብር ጀመረ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • እቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ሃዋርያት ዝዀንዎ ይመርጽ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
lr ምዕ. 13 ገጽ 72-76

ምዕራፍ 13

እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀኑ

ናትናኤል (በርተሎሜዎስ እውን ዚብሃል) ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢሉ

እዚ ሰብኣይ እዚ መን እዩ፧ ከመይ ገይሩ እዩኸ ወደ መዝሙር የሱስ ኰይኑ፧

ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ሰባት እቲ ዝበለጸ ኣገልጋሊ ኣምላኽ መን እዩ ምበልካ፧⁠— ልክዕ ኣለኻ: የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእልዶ ይመስለካ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ ንኽንስዕቦ ኣብነት ከም ዝገደፈልና ይነግረና። ደቀ መዛሙርቱ ንኽንከውን ከኣ ዓዲሙና እዩ።

ወደ መዝሙር የሱስ ኪበሃል ከሎስ እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጥዶ፧⁠— ብዙሕ ነገራት ዝሓቘፈ እዩ። ብመጀመርታ ኻብኡ ኽንመሃር ኣሎና። እዚ ጥራይ ግን እኹል ኣይኰነን። ነቲ ዚብሎ ብሓቂ ኽንኣምነሉ ይግብኣና። እንተደኣ ኣሚንናሉ ድማ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኢና።

ብዙሓት ሰባት ብየሱስ ንኣምን ኢና ይብሉ። ኵላቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱዶ ይመስለካ፧⁠— መብዛሕትኦም ኣይኰኑን። ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ይኸዱ ይዀኑ። ሓያሎ ኻባታቶም ግን ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝመሃሮ ንኺፈልጡ ግዜ ኣይምድቡን እዮም። ብሓቂ እምበኣር: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዚበሃሉ እቶም ኣብነቱ ዚስዕቡ ጥራይ እዮም።

ብዛዕባ እቶም የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሩ ገለ ሰባት እስከ ንዘራረብ። ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ፊልጶስ እዩ። ፊልጶስ ነዚ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢሉ እትርእዮ ዘለኻ ዓርኩ ናትናኤል (በርተሎሜዎስ እውን ዚበሃል) ይረኽቦ። ናትናኤል ናብ የሱስ ምስ መጸ: የሱስ “እንሆ: ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ” በሎ። ናትናኤል በዚ ተገሪሙ “ኣበይ ትፈልጠኒ፧” ኢሉ ሓተቶ።

የሱስ ንዮሃንስን ንያእቆብን ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ኺጽውዖም ከሎ ጴጥሮስን እንድርያስን ይርእዩ

የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ዚጽውዖም ዘሎ ንመን እዩ፧

የሱስ ከኣ “ፊልጶስ ከይጸውዓካ: ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ” በሎ። የሱስ ንናትናኤል ኣበይ ከም ዝነበረ ፈልዩ ስለ ዝነገሮ: ናትናኤል “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ: ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።​—⁠ዮሃንስ 1:49

ይሁዳ ኣስቆሮታዊን ይሁዳ (ታዴዎስ እውን ዚብሃልን) ስምኦንን

ይሁዳ ኣስቆሮታዊን ይሁዳ (ታዴዎስ እውን ዚብሃልን) ስምኦንን

ቀቅድሚ እታ ፊልጶስን ናትናኤልን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀኑላ መዓልቲ ኻልኦት እውን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኰይኖም ነበሩ። እዚኣቶም ከኣ እንድርያስን ጴጥሮስ ሓዉን ከምኡውን ዮሃንስን ምናልባትውን ያእቆብ ሓዉን እዮም። (ዮሃንስ 1:35-51) ይኹን እምበር: ቍሩብ ጸኒሖም እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብቲ ናይ ምግፋፍ ዕዮኦም ተመሊሶም እዮም። ሓደ መዓልቲ የሱስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኪኸይድ ከሎ: ጴጥሮስን እንድርያስን መርበቦም ኣብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣዮም እሞ: “ንዑ ስዐቡኒ” በሎም።

ያእቆብ (ወዲ እልፍዮስን) ቶማስን ማቴዎስን

ያእቆብ (ወዲ እልፍዮስን) ቶማስን ማቴዎስን

የሱስ ቍሩብ ምስ ከደ: ንያእቆብን ንዮሃንስን ረኣዮም። ኣብ ጃልባ ምስ ኣቦኦም ኰይኖም መርበቦም ኬዕርዩ ኸለዉ ረኣዮም እሞ: ንዓታቶም እውን ኪስዕብዎ ነገሮም። ንስኻኸ የሱስ እንተ ዚጽውዓካ ነይሩ: እንታይ ምገበርካ ኔርካ፧ ብኡንብኡዶ ምስኡ ምኸድካ፧⁠— እዞም ሰባት እዚኣቶም ንየሱስ መን ምዃኑ ፈሊጦምዎ እዮም። ብኣምላኽ እተላእከ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ: ብኡንብኡ ነቲ ናይ ምግፋፍ ዕዮኦም ገዲፎም ሰዓብዎ።​—⁠ማቴዎስ 4:18-22

ናትናኤልን ፊልጶስን ዮሃንስን

ናትናኤልን ፊልጶስን ዮሃንስን

እዞም ሰባት እዚኣቶም ሰዓብቲ የሱስ ምስ ኰኑ: ድሕሪኡ ዅሉ ሳዕ ቅኑዕ ጥራይ ይገብሩ ነይሮም ማለት ድዩ፧⁠— ኣይፋሎምን። እዞም ሰባት እዚኣቶም መን ከም ዚዓቢ ንሓድሕዶም ይካትዑ ኸም ዝነበሩ ትዝክሮ ትኸውን ኢኻ። ይኹን እምበር: ንየሱስ ሰሚዖምዎ እዮም: ንኺልወጡ ድማ ፍቓደኛታት ነበሩ። ንሕናውን ንኽንልወጥ ፍቓደኛታት እንተደኣ ዄንና: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክንከውን ንኽእል ኢና።

ያእቆብ (ሓው ዮሃንስን) እንድርያስን ጴጥሮስን

ያእቆብ (ሓው ዮሃንስን) እንድርያስን ጴጥሮስን

የሱስ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ዓዲምዎም እዩ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ሃብታም መራሒ ናብ የሱስ መጺኡ: ከመይ ገይሩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ ከም ዚኽእል ሓተቶ። እቲ ሃብታም መራሒ ንዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ኸም ዚሕልዎ ምስ ገለጸሉ: የሱስ ‘ንዓ ስዓበኒ’ በሎ። ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧⁠—

እቲ ሰብኣይ: ወደ መዝሙር የሱስ ምዃን: ሃብታም ካብ ምዃን ንላዕሊ ኣገዳሲ ጌርካ ኺርአ ኸም ዘለዎ ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ጐሃየ። ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ነቲ ዝነበሮ ገንዘብ ስለ ዘፍቀረ ኸኣ: ወደ መዝሙር የሱስ ኪኸውን ኣይከኣለን።​—⁠ሉቃስ 18:18-25

የሱስ ዳርጋ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ምስ ሰበኸ: ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሃዋርያት ዚዀኑ 12 መረጸ። እቶም ሃዋርያት: የሱስ ንሓደ ፍሉይ ዕዮ ዝመዘዞም ሰብኡት እዮም ነይሮም። ስሞም ትፈልጦዶ፧⁠— ከነጽንዖ ንኽእል እንተደኣ ዄንና እስከ ንርአ። ነቲ ኣብዚ ዘሎ ስእሊ ረኣዮ እሞ: ስሞም ክትረቍሕ ወይ ክትጽውዕ እስከ ፈትን። ድሕርዚ ኸይረኣኻ ስሞም ክትረቍሕ ፈትን።

ደቀ መዛሙርቱ ዝዀና ኣንስቲ ምስኡ ይጕዓዛን ክዳውንቱ ይሓጽባን ምግቢ የዳልዋሉን ነይረን

እዘን የሱስ ኪሰብኽ ከሎ ዚሕግዛኦ ዝነበራ ኣንስቲ መነመን ይበሃላ፧

ደሓር ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት እከይ ኰነ። ንሱ ኸኣ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እዩ። ድሕርዚ ኻልእ ወደ መዝሙር ሃዋርያ ኪኸውን ተመርጸ። ስሙ ትፈልጦዶ፧⁠— ማትያስ ይበሃል። ድሕርዚ ጳውሎስን በርናባስን ሃዋርያት ኰኑ: ካብቶም 12 ግን ኣይነበሩን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:23-26፣ 14:14

ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝረኣናዮ: የሱስ ንንኣሽቱ ቘልዑ ይግደሰሎም ነይሩ እዩ። ስለምንታይ እዩ ግን ዚግደሰሎም ነይሩ፧⁠— ንሳቶም እውን ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ቘልዑ: ንዓበይቲ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ መምህር ኪሰምዑን ኪመሃሩን ድሌት ኬሕድረሎም ዚኽእል ሓሳባት የቕርቡ እዮም።

ሓያሎ ኣንስቲ እውን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኰይነን እየን። ገሊኣተን ንኺሰብኽ ናብ ካልእ ከተማታት ኪኸይድ ከሎ: ምስኡ ሓቢረን ተጓዒዘን እየን። ማርያም መግደላዊት: ዮሃና: ሱሳና ኸምኡ እየን ገይረን። ምግቢ ብምድላውን ክዳውንቱ ብምሕጻብን ይሕግዛኦ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን።​—⁠ሉቃስ 8:1-3

ወደ መዝሙር የሱስ ክትከውን ትደሊዶ፧⁠— ደቀ መዛሙርቱ ኢና ብምባል ጥራይ ደቀ መዛሙርቱ ኽንከውን ከም ዘይንኽእል እተመሃርናዮ ሓሳባት ኣይትረስዓዮ። ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንከይድ ከለና ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ደቀ መዛሙርቱ ምዃንና ብግብሪ ኸነርኢ ይግባእ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃንና ብግብሪ ኸነርኢ ዜድልየሉ ገለ ቦታታት ክትጠቅስ ምኸኣልካዶ፧⁠—

እወ: ኣብ ገዛ ብግብሪ ኸነርኢ ኣሎና። ካልእ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣነን ንስኻን ፈጺምና ኽንርስዖ ዘይብልና ነገር እምበኣር: ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር የሱስ ንምዃን ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ዅሉ ሳዕ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ኽንገብር ይግብኣና።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ኺርብሹ ኸለዉ፡ ሓደ ቘልዓ ግና የጽንዕ

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃንና ብግብሪ ኸነርኢ ዜድልየሉ ቦታ ኣበይ እዩ፧

ሕጂ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ከም ዚብል ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20፣ ሉቃስ 6:13-16፣ ዮሃንስ 8:31, 32፣ ከምኡውን 1 ጴጥሮስ 2:21 ሓቢርና ነንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ