ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 34 ገጽ 82-ገጽ 83 ሕ.ጽ. 6
  • የሱስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሃዋርያት ዝዀንዎ ይመርጽ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀኑ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ ኣብ ከረን ይምህር
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሱስ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 34 ገጽ 82-ገጽ 83 ሕ.ጽ. 6
የሱስ ናብ ከረን ይኸይድ

ምዕራፍ 34

የሱስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ

ማርቆስ 3:13-19 ሉቃስ 6:12-16

  • እቶም 12 ሃዋርያት

ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ከም ገንሸል ኣምላኽ ካብ ዜፋልጦ ዳርጋ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ሓሊፉ ነይሩ። የሱስ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ፡ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ደቀ መዛሙርቱ ዀይኖም እዮም። ካባታቶም እኒ እንድርያስ፡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ዮሃንስ፡ ምናልባት እውን ያእቆብ (ሓው ንዮሃንስ)፡ ፊልጶስ፡ በርተሎሜዎስ (ናትናኤል እውን ዚብሃል) ኪጥቀሱ ይከኣሉ። ድሕሪ ግዜ ብዙሓት ካልኦት እውን ንክርስቶስ ሰዓብዎ።—ዮሃንስ 1:45-47።

ድሕርዚ፡ የሱስ፡ ሃዋርያት ዚዀንዎ ኺሓሪ ድሉው ኰነ። ንሳቶም ከኣ ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ዚዀኑን ፍሉይ ስልጠና ዚውሃቦምን እዮም። ቅድሚ ምሕራዩ ግና ናብ ከረን ደየበ፣ እዚ ኸረን እዚ ድማ ምናልባት እቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኻብ ቅፍርናሆም ብዙሕ ዘይርሕቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብኡ ኸኣ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ሓደረ፣ ካብ ኣምላኽ ጥበብን በረኸትን ኪውሃቦ እዩ ዚልምን ነይሩ ዚኸውን። ንጽብሒቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ሃዋርያት ዝዀኑ 12 ኻባታቶም ሓረየ።

የሱስ ነቶም ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ ተጠቒሶም ዘለዉ ሽዱሽተ ሓረዮም፣ ብዘይካኦም ከኣ ነቲ ኻብ መደበር ቀረጽ ዝጸውዖ ማቴዎስ ሓረዮ። እቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ድማ ይሁዳ (ታዴዎስን “ወዲ ያእቆብን” እውን ዚብሃል)፡ ስምኦን እቲ ቐነናዊ፡ ቶማስ፡ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እዮም።—ማቴዎስ 10:2-4፣ ሉቃስ 6:16።

የሱስ ነቶም ዓሰርተው ሃዋርያቱ ቕድሚ ምሕራዩ ይጽሊ

ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ እዞም 12 እዚኦም ምስ የሱስ ይጓዓዙ ነይሮም እዮም፣ ንሱ ድማ ኣጸቢቑ ይፈልጦም ነይሩ እዩ። ብዙሓት ካባታቶም ኣዝማዱ እዮም። ያእቆብን ሓዉ ዮሃንስን ንየሱስ ደቂ ሓትኖኡ እዮም። ከምቲ ገሊኦም ዚብልዎ፡ እልፍዮስ ነቲ ንየሱስ ዘዕበዮ ዮሴፍ ሓዉ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ሃዋርያ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ ንየሱስ ወዲ ሓው ኣቦኡ ይኸውን ማለት እዩ።

የሱስ መሸም ንስም ሃዋርያቱ ምዝካር ኣይሽገርን እዩ ነይሩ። ንስኻ ግና ትዝክሮምዶ፧ እዚ ዚስዕብ ሜላ ንምዝካሮም ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ፦ ክልተ ስምኦን፡ ክልተ ያእቆብ፡ ክልተ ይሁዳ ዚብሃሉ ነይሮም እዮም። ስምኦን (ጴጥሮስ) ከኣ እንድርያስ ዚብሃል ሓው ነይርዎ፡ ያእቆብ (ወዲ ዘብዴዎስ) ድማ ዮሃንስ ዚብሃል ሓው ነይርዎ። በዚ ኸምዚ ሸሞንተ ሃዋርያት ክትዝክር ክኢልካ ማለት እዩ። እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ኸኣ እቲ ኣካብ ቀረጽ ማቴዎስን እቲ ደሓር እተጠራጠረ ቶማስን እቲ ኻብ ትሕቲ ኦም እተጸውዐ ናትናኤልን ዓርኩ ፊልጶስን እዮም።

ዓሰርተው ሓደ ኻብቶም ሃዋርያት፡ ካብቲ ዓዲ የሱስ ዝዀነ ገሊላ እዮም። ናትናኤል ካብ ቃና እዩ። ፊልጶስን ጴጥሮስን እንድርያስን ካብ ቤት-ሳይዳ እዮም። ጴጥሮስን እንድርያስን ግና ደሓር ናብ ቅፍርናሆም ግዒዞም እዮም፣ ማቴዎስ እውን ኣብኣ ዚነብር ዝነበረ እዩ ዚመስል። ያእቆብን ዮሃንስን ኣብ ቅፍርናሆም ወይ ኣብ ጥቓኡ እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ ዕዮኦም ድማ ምግፋፍ ዓሳ እዩ ነይሩ። እቲ ደሓር ዝኸድዖ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ጥራይ እዩ ኻብ ምድሪ ይሁዳ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።

  • የሱስ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ድሕሪ ምሕዳሩ፡ እንታይ ከቢድ ውሳነ እዩ ዝገበረ፧

  • ሃዋርያት የሱስ መነመን እዮም፧ ስሞምከ ብኸመይ ክትዝክሮ ትኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ