ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 91
  • የሱስ ኣብ ከረን ይምህር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ኣብ ከረን ይምህር
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሃዋርያት ዝዀንዎ ይመርጽ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀኑ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 91

ዛንታ 91

የሱስ ኣብ ከረን ይምህር

የሱስ ኮፍ ኢሉ እሞ ርኣዮ። ንዅሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ገሊላ ኣብ ሓደ ኸረን ኰይኑ ኢዩ ዝምህሮም ዘሎ። እቶም ኣብ ጥቕኡ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ደቀ መዛሙርቱ ኢዮም። ካብኣቶም 12 ሃዋርያት ክዀኑ መረጸ። ሃዋርያት ፍሉያት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኢዮም። ስሞም ትፈልጦዶ፧

ስምኦን ጴጥሮስን ሓዉ እንድርያስን ኣለዉ። ካብኡ ኸኣ ያእቆብን ዮሃንስን ንሳቶም እውን ኣሕዋት ነበሩ። ያእቆብን ስምኦንን ዝበሃሉ ካልኦት ሃዋርያት እውን ነበሩ። ክልተ ካብቶም ሃዋርያት ይሁዳ ይበሃሉ ነበሩ። ሓደ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኢዩ: እቲ ሓደ ይሁዳ ኸኣ እቲ ታዴዎስ እውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኢዩ። ድሕርዚ ፊልጶስን ናትናኤልን (በርተሎሜዎስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ) ማቴዎስን ቶማስን ነበሩ።

ካብ ሰማርያ ድሕሪ ምምላሱ የሱስ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ’ እናበለ ንመጀመርታ ግዜ ክሰብኽ ጀመረ። እታ መንግስቲ እንታይ ምዃና ትፈልጥዶ፧ ናይ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ። ንጉሳ ኸኣ የሱስ ኢዩ። ኣብ ሰማይ ኰይኑ ብምግዛእ ንምድሪ ሰላም ከምጽኣላ ኢዩ። ብመንግስቲ ኣምላኽ ምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን ኢያ።

የሱስ ኣብዚ ነቶም ሰባት ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኢዩ ዝምህሮም ዘሎ። ‘ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢለኩም ደኣ ጸልዩ: ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ኸኣ ኣብ ምድሪ ይኹን’ እናበለ ኢዩ ዝገልጸሎም ዘሎ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ጸሎት እዚ ‘ናይ ጐይታ ጸሎት’ ኢሎም ይጽውዕዎ። ካልኦት ከኣ ‘ኣቡነ ዘበሰማያት’ ኢሎም ይጽውዕዎ። ንብምሉኣ እዛ ጸሎት ትፈልጣዶ፧

የሱስ እቶም ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ብኸመይ ክመላለሱ ከም ዘለዎም እውን ኢዩ ዝምህሮም ዘሎ። ‘ከምቲ ካልኦት ክገብርልኩም እትደልይዎ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ’ በሎም። ካልኦት ብሕያውነት ክርእዩኻ ከለዉስ ባህ ኣይብለካንዶ፧ ስለዚ የሱስ ንኻልኦት ሰባት ብሕያውነት ክንርእዮም ኣሎና ኢዩ ዝበለ። ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ኵሉ ሰብ ከምኡ ክገብርሲ ባህ ዘብልዶ ኣይኰነን፧

ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳዕ 7፣ 10:⁠1⁠-​4

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ