ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 80 ገጽ 188-ገጽ 189 ሕ.ጽ. 1
  • የሱስ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ሃዋርያት ዝዀንዎ ይመርጽ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ኣብ ከረን ይምህር
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀኑ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 80 ገጽ 188-ገጽ 189 ሕ.ጽ. 1
የሱስን 12 ሃዋርያቱን

ትምህርቲ 80

የሱስ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ

የሱስ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምስባኹ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኺገብር ነበሮ። ምስኡ ብቐረባ ዚዓይዩ ሰባት ኪመርጽ ነበሮ። ንዓታቶም ከኣ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ምእንቲ ኺመርሑ፡ ኬሰልጥኖም ነበሮ። ነዚ ውሳነ እዚ ንምግባር፡ የሱስ ካብ የሆዋ መምርሒ ደለየ። ስለዚ፡ ንበይኑ ናብ ከረን ከይዱ፡ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ሓደረ። ምስ ነግሀ ኸኣ፡ የሱስ ንገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ 12 ሃዋርያቱ ሓረየ። ካባታቶም ንመነመን ትዝክር፧ ስማቶም እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ጴጥሮስ፡ እንድርያስ፡ ያእቆብ፡ ዮሃንስ፡ ፊልጶስ፡ በርተሎሜዎስ፡ ቶማስ፡ ማቴዎስ፡ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፡ ታዴዎስ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ።

እንድርያስ፡ ጴጥሮስ፡ ፊልጶስ፡ ያእቆብ

እንድርያስ፡ ጴጥሮስ፡ ፊልጶስ፡ ያእቆብ

እቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ምስኡ ይጕዓዙ ነበሩ። ምስ ኣሰልጠኖም ከኣ፡ ኪሰብኩ ለኣኾም። የሆዋ ድማ፡ ኣጋንንቲ ኼውጽኡን ሕሙማት ኬሕውዩን ሓይሊ ሃቦም።

ዮሃንስ፡ ማቴዎስ፡ በርተሎሜዎስ፡ ቶማስ

ዮሃንስ፡ ማቴዎስ፡ በርተሎሜዎስ፡ ቶማስ

የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ “ኣዕሩኸይ” ኢሉ ጸዊዕዎም እዩ፣ ይኣምኖም እውን ነይሩ እዩ። ፈሪሳውያን ግና ነቶም ሃዋርያት ከም ዘይተማህሩ ተራ ሰባት ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ነቲ ዕዮኦም ዚኸውን ስልጠና ሃቦም። ኣብቲ ኣብ ህይወቱ ዘጓነፎ ወሳኒ ግዜያት፡ ንኣብነት ቅድሚ ሞቱን ድሕሪ ትንሳኤኡን ካብኡ ኣይተፈልዩን። መብዛሕትኦም እቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ከም የሱስ ካብ ገሊላ ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ ምርዑዋት ነበሩ።

ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ታዴዎስ፡ ስምኦን

ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ታዴዎስ፡ ስምኦን

እቶም ሃዋርያት ዘይፍጹማት ብምንባሮም፡ ጌጋታት ይገብሩ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከይሓሰቡ ይዛረቡን ሕማቕ ውሳነታት ይገብሩን ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ትዕግስቲ ኣይነበሮምን። መኖም ከም ዚዓቢ እውን ይከራኸሩ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሕያዎት ሰባት እዮም ነይሮም። የሱስ ምስ ከደ ኸኣ፡ መሰረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኖም እዮም።

“ኵሉ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዘፍለጥኩኹም፡ ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ።”—ዮሃንስ 15:15

ሕቶታት፦ የሱስ ንመነመን እዩ 12 ሃዋርያቱ ኪዀኑ ዝሓረዮም፧ የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ኪገብሩ እዩ ልኢኽዎም፧

ማቴዎስ 10:1-10፣ ማርቆስ 3:13-19፣ 10:35-40፣ ሉቃስ 6:12-16፣ ዮሃንስ 15:15፣ 20:24, 25፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:7፣ 4:13፣ 1 ቈረንቶስ 9:5፣ ኤፌሶን 2:20-22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ