ትምህርቲ 80
የሱስ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ
የሱስ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምስባኹ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ኺገብር ነበሮ። ምስኡ ብቐረባ ዚዓይዩ ሰባት ኪመርጽ ነበሮ። ንዓታቶም ከኣ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ምእንቲ ኺመርሑ፡ ኬሰልጥኖም ነበሮ። ነዚ ውሳነ እዚ ንምግባር፡ የሱስ ካብ የሆዋ መምርሒ ደለየ። ስለዚ፡ ንበይኑ ናብ ከረን ከይዱ፡ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ሓደረ። ምስ ነግሀ ኸኣ፡ የሱስ ንገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ 12 ሃዋርያቱ ሓረየ። ካባታቶም ንመነመን ትዝክር፧ ስማቶም እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ጴጥሮስ፡ እንድርያስ፡ ያእቆብ፡ ዮሃንስ፡ ፊልጶስ፡ በርተሎሜዎስ፡ ቶማስ፡ ማቴዎስ፡ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፡ ታዴዎስ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ።
እንድርያስ፡ ጴጥሮስ፡ ፊልጶስ፡ ያእቆብ
እቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ምስኡ ይጕዓዙ ነበሩ። ምስ ኣሰልጠኖም ከኣ፡ ኪሰብኩ ለኣኾም። የሆዋ ድማ፡ ኣጋንንቲ ኼውጽኡን ሕሙማት ኬሕውዩን ሓይሊ ሃቦም።
ዮሃንስ፡ ማቴዎስ፡ በርተሎሜዎስ፡ ቶማስ
የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ “ኣዕሩኸይ” ኢሉ ጸዊዕዎም እዩ፣ ይኣምኖም እውን ነይሩ እዩ። ፈሪሳውያን ግና ነቶም ሃዋርያት ከም ዘይተማህሩ ተራ ሰባት ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ነቲ ዕዮኦም ዚኸውን ስልጠና ሃቦም። ኣብቲ ኣብ ህይወቱ ዘጓነፎ ወሳኒ ግዜያት፡ ንኣብነት ቅድሚ ሞቱን ድሕሪ ትንሳኤኡን ካብኡ ኣይተፈልዩን። መብዛሕትኦም እቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ከም የሱስ ካብ ገሊላ ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ ምርዑዋት ነበሩ።
ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ታዴዎስ፡ ስምኦን
እቶም ሃዋርያት ዘይፍጹማት ብምንባሮም፡ ጌጋታት ይገብሩ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከይሓሰቡ ይዛረቡን ሕማቕ ውሳነታት ይገብሩን ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ትዕግስቲ ኣይነበሮምን። መኖም ከም ዚዓቢ እውን ይከራኸሩ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሕያዎት ሰባት እዮም ነይሮም። የሱስ ምስ ከደ ኸኣ፡ መሰረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኖም እዮም።
“ኵሉ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዘፍለጥኩኹም፡ ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ።”—ዮሃንስ 15:15