ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 32 ገጽ 194-ገጽ 196 ሕ.ጽ. 3
  • ብምትእምማን ምዝራብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብምትእምማን ምዝራብ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ብስራት ኣጸቢቕካ ተረዲእካ ምስባኽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • እምነትካ ዜርኢ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ምሉኣትን ርዱኣትን ኴንኩም ደው በሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንውሉዳትኩም ‘ንድሕነት ኪልብሙ’ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 32 ገጽ 194-ገጽ 196 ሕ.ጽ. 3

መጽናዕቲ 32

ብምትእምማን ምዝራብ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ንሓቅነትን ኣገዳስነትን እቲ እትብሎ ዘለኻ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኣመንካሉ ብዜርኢ መገዲ ተዛረብ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ምትእምማንካ ንኻልኦት ነቲ እትብሎ ዘለኻ ኣርዚኖም ንኺርእይዎን ንኺዓዩሉን ኬተባብዖም እዩ።

ሓደ ሰብ ብምትእምማን ምስ ዚዛረብ: ካልኦት ሰባት ነቲ ዚዛረቦ ዘሎ ኸም ዚኣምነሉ ይርእዩ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን: ኣብ ኣገልግሎት ጳውሎስ ተራእዩ እዩ። ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣመንቲ: “እቲ ወንጌልና . . . ብብዙሕ ምርዳእ . . . እዩ እምበር: ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን” በሎም። (1 ተሰ. 1:5) እቲ ምትእምማኑ ኣብ ኣዘራርባኡን ኣነባብራኡን ንጹር ነበረ። ንሕና እውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቅታት ኣብ እነቕርበሉ መገዲ ሓያል ምትእምማን ከም ዘሎና ኺርአ ኣለዎ።

ምትእምማንካ ምግላጽ ኪበሃል ከሎ: ገታር: ብዕሙት እመኑኒ እትብል: ወይ ትዕቢተኛ ምዃን ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ሓደ ምትእምማን ዚንጸባረቖ ሰብ ብዛዕባ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ነገር ኪዛረብ ከሎ: ሓያል እምነት ከም ዘለዎ ብዜርኢ መገዲ እዩ ዚዛረብ።—እብ. 11:1

ብምትእምማን ንምዝራብ ዜድልየሉ ኣጋጣሚታት። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ እትህልወሉ እዋን ብምትእምማን ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ንኣዘራርባኻን ንመልእኽትኻን የስተብህሉሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ እትብሎ ብሓቂ ኸመይ ከም ዚስምዓካ ይፈልጡ እዮም። ምትእምማንካ ኻብ ቃላት ንላዕሊ: ከተካፍሎም እትኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ከም ዘሎ ኼመሓላልፈሎም ይኽእል እዩ።

ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና መደረ ኸነቕርበሎም ከለና እውን: ምትእምማን ከነርኢ ኣሎና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነታ መንፈስ ዝነፈሳ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ዝጸሓፋ: ‘ንኼተባብዖምን እዚ ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ንኺምስክርን’ ኢሉ እዩ። ኣብታ መልእኽቱ ኸኣ ‘ጸኒዖም ደው ኪብሉ’ ተማሕጸኖም። (1 ጴጥ. 5:12 ትርጕም 1990) ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ኺጽሕፍ ከሎ: እቲ ንዕኡ ዝጠቐሞ ምትእምማን ገሊጹ ኣሎ። “ሞት ኰነ ወይ ህይወት: መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ: ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ: ወይ ሓይልታት: ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ: ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ: ኣርጊጸ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 8:38, 39) ብዛዕባ ኣገዳስነት ስብከት እውን ብዜእምን መገዲ ጽሒፉ ኣሎ: ኣብቲ ንጥፈት እቲ ዘርኣዮ ቕንኣት ከኣ ብዛዕባ ኣገዳስነቱ ብብሕቱ ኸም ዝኣመነሉ ዜርኢ ንጹር መርትዖ እዩ። (ግብ. 20:18-21፣ ሮሜ 10:9, 13-15) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ካብ ቃል ኣምላኽ ኪምህሩ ኸለዉ ተመሳሳሊ ምትእምማን ኬርእዩ ኣለዎም።

ወለዲ ምስ ደቆም መጽናዕቲ ኣብ ዚገብሩሉ እዋን ኰነ ኣብ ካልእ እዋን ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ኪመያየጡ ኸለዉ: ብምትእምማን ሓሳቦም ኪገልጹ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ወለዲ ኣብ ልቦም ንኣምላኽን ንመገድታቱን ፍቕሪ ኼማዕብሉ ዚሓትት እዩ። ድሕሪኡ ኻብ ልቢ ብዝመነጨ ምትእምማን ንደቆም ኪዛረብዎም ይኽእሉ፣ ከመይሲ: “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ።” (ሉቃ. 6:45፣ ዘዳ. 6:5-7) ወለዲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ምስ ዚህልዎም: ‘ልግሚ ዜብላ እምነት’ ንኼርእዩ ይድርኾም።—2 ጢሞ. 1:5

ብፍላይ እምነትካ ኣብ ሕቶ ምስ ዚኣቱ: ብምትእምማን ሓሳብካ ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ። መማህርትኻ: መምህርካ: ወይ መሳርሕትኻ ኣብ እተወሰነ በዓላት ከም ዘይትካፈል ምስ ፈለጠ: ኪግረም ይኽእል እዩ። ጽቡቕ መረዳእታ ዘለዎ መልሲ ብቘራጽነት ምስ እትህቦ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ኣቕዋምካ ንኬኽብሮ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ከም ምትላል: ሓሽሽ ምውሳድ: ወይ ጾታዊ ርኽሰት ዝኣመሰለ ሕማቕ ተግባር ንኽትገብር ኬስድዓካ እንተ ፈተነኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ከቶ ኸም ዘይትጽመድን ንኼእምነካ ዝገበረ እንተ ገበረ ሓሳብካ ኸም ዘይትቕይርን ንጹር ምግባር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝቐረበልካ ኽትነጽጎ ኸለኻ ብምትእምማን ክትዛረብ ዚሓትት እዩ። ዮሴፍ ነቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ዝሓተተቶ ብዕሉግ ተግባር ኪነጽጎ ኸሎ: “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ኢሉ ብጽኑዕ ተዛረባ። ግዲ ምስ በለቶ: ካብቲ ቤት ሃደመ።—ዘፍ. 39:9, 12

ምትእምማን ብኸመይ ከም ዚግለጽ። እቲ እትጥቀመሉ ቓላት: ምትእምማንካ ንምግላጽ ብዙሕ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። የሱስ ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ኣገዳሲ ነገር ኪዛረብ ከሎ: “ብሓቂ: ብሓቂ እብለካ (እብለኩም) አሎኹ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 3:3, 5, 11፣ 5:19, 24, 25) ጳውሎስ ዝነበሮ ምትእምማን እውን ኣብቲ “ኣርጊጸ አሎኹ:” “እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ:” ከምኡውን “ሓቂ እብል አሎኹ: ኣይሕሱን እየ” ዚብል ቃላት ተንጸባሪቑ ኣሎ። (ሮሜ 8:38፣ 14:14፣ 1 ጢሞ. 2:7) የሆዋ ቓሉ ኸም ዚፍጸም ኪገልጽ ከሎ: ንነብያቱ ዜጕልሕ ቃላት ንኺጥቀሙ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ፣ ንኣብነት: ንሓደ ነብዪ “ብርግጽ ኪመጽእ . . . እዩ” ኢሉ ኸም ዚጽሕፍ ገይርዎ እዩ። (ኣን. 2:3) ነዚ ትንቢታት እዚ ኽትጠቅስ ከለኻ: ተመሳሳሊ ቓላት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ርእስኻ ዘይኰነስ ኣብ የሆዋ ምትእምማን እንተ ኣሕዲርካ ኸምኡውን ንኻልኦት ብኣኽብሮት እንተ ኣዘራሪብካዮም: እቲ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዚመሳሰል ምትእምማን ዜንጸባርቕ መግለጺታትካ ሓያል እምነት ከም ዘሎካ ኼርኢ እዩ።

ምትእምማንካ ኣብቲ ዕቱብነትን ትረትን ኣገላልጻኻ እውን ኪርአ ይከኣል እዩ። ናይ ገጽ መግለጺታት: ናይ ኣእዳው ምንቅስቓስ: ከምኡውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኪፈላለ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ነዚ ግን ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ብተፈጥሮኻ ሓፋር ወይ ልኡም እኳ እንተ ዀንካ: እቲ እትብሎ ዘለኻ ሓቂ ምዃኑን ካልኦት ኪሰምዕዎ ኸም ዜድልዮምን ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣመንካሉ: ምትእምማንካ ንጹር እዩ ዚኸውን።

ልክዕ እዩ: ዝዀነ ይኹን ምትእምማንካ እትገልጸሉ መገዲ: ናይ ሓቂ ኪኸውን ኣለዎ። ሰባት እቲ እንዛረቦ ዘረባ ኻብ ልብና ኸም ዘይኰነ: የግዳስ እነምስል ከም ዘለና እንተ ኣስተውዒሎም: መልእኽትና ርዝነት ከም ዘይብሉ ገይሮም ኪድምድሙ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: ልዕሊ ዅሉ ገዛእ ርእስኻ ኹን። ከከም መጠን እቶም ሰማዕትኻ: ካብቲ ልሙድ ብዝያዳ ድምጺ ኽትጥቀምን ኣትርር ኣቢልካ ኽትዛረብን የድልየካ ይኸውን። ዕላማኻ ግን ካብ ልቢ ብዝመነጨ ባህርያዊ መገዲ ሓሳብካ ንምግላጽ ኪኸውን ኣለዎ።

ብምትእምማን ንምዝራብ ዚሕግዝ ነገራት። ምትእምማንካ ነቲ ብዛዕባ እቲ እትዛረቦ ነገር ዘሎካ ስምዒት ስለ ዜጠቓልል: ጽቡቕ ጌርካ ምድላው ኣገዳሲ እዩ። ካብ ጽሑፋት እተወሰነ ኽፋል ምቕዳሕን ንዕኡ ኸም ዘለዎ ምዝራቡን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ነቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ብናትካ ቓላት ምእንቲ ኽትገልጾ: ብንጹር ክትርድኦ ኣሎካ። ሓቂ ምዃኑን ነቶም ሰማዕቲ ኣገዳሲ ምዃኑን ምሉእ ብምሉእ ክትኣምነሉ ኣሎካ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ነቲ እተቕርቦ ኽፍሊ ኽትዳሎ ኸለኻ: ኵነታት እቶም ሰማዕቲ ኸምኡውን ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ኣቐዲሞም ዚፈልጥዎ ነገር ወይ ዚስምዖም ስምዒት ኣብ ግምት ተእቱ ማለት እዩ።

ሰጋእ ከይበልና ምስ እንዛረብ: ካልኦት ብምትእምማን ንዛረብ ከም ዘለና ንኺርእዩ ዝቐለለ እዩ ዚዀነሎም። ስለዚ: ኣብ ርእሲ እቲ ጽቡቕ ትምህርቲ: ኣብ ኣቀራርባኻ እውን ኣበርቲዕካ ዕየ። ነቲ ዝያዳ ዕቱብነት ዜድልዮ ኽፋል ከተቕርብ ከለኻ: መዘኻኸሪኻ ንምርኣይ ምእንቲ ኸይትግደድ: ፍሉይ ቈላሕታ ግበረሉ። ነቲ ጻዕርታትካ የሆዋ ኺባርኾ ምጽላይ እውን ኣይትረስዕ። በዚ ኸምዚ ንሓቅነትን ኣገዳስነትን መልእኽትኻ ምትእምማን ከም ዘሎካ ብዜንጸባርቕ መገዲ ንኽትዛረብ ‘ብኣምላኽና ኽትተብዕ’ ኢኻ።—1 ተሰ. 2:2

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • ምስቲ ርእሰ ነገርካ ብዚሰማማዕ ስምዒት ተዛረብ።

  • ምትእምማን ዜንጸባርቕ ቃላት ተጠቐም።

  • ነቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ኽሳዕ ብንጹር እትርድኦን ብናትካ ቓላት እትገልጾን ኣጽንዓዮ። ብዛዕባ ሓቅነቱን ብዛዕባ እቲ ንሰማዕትኻ ዘለዎ ኣገዳስነትን ምሉእ ብምሉእ ክትኣምነሉ ኣሎካ።

መላመዲ:- ነዚ ዚስዕብ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዓዮ:- ዘጸኣት 14:10-14፣ 2 ነገስት 5:1-3፣ ዳንኤል 3:13-18፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:22-36። ኣብቲ እተገልጸ ኣጋጣሚታት: እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምትእምማኖም ዝገለጹ ብኸመይ እዮም፧ ንምትእምማኖም መሰረት ዝዀኖም እንታይ እዩ፧ ሎሚ ንስኻ ተመሳሳሊ ምትእምማን ከተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ