መዝሙር 32
ጽኑዓት ኩኑ!
1. ህዝብታት ኣመና ተረቢሾም፡
ብጽባሕ እምብዛ ተጨኒቖም፣
ንሕና ግን ንመላለስ ብጽንዓት፡
ነርኢ ተኣማንነት።
(ኣዝማች)
ንመላለስ ጸኒዕና፡
ካብዛ ዓለም ርሒቕና፡
ብቓል ኣምላኽ ንንበር፡ ’ወ ብንጽህና።
2. ’ዛ ዓለም መሊኣ ብፈተና፡
ክንስዕራ ንኽእል ብልቦና፣
ናብ ቃል የሆዋ እንተ ለጊብና፡
ንሱውን የድሕነና።
(ኣዝማች)
ንመላለስ ጸኒዕና፡
ካብዛ ዓለም ርሒቕና፡
ብቓል ኣምላኽ ንንበር፡ ’ወ ብንጽህና።
3. ንኣምላኽ ካብ ልቢ ነገልግሎ፡
ንዕዮ ጐይታ ናትና ንበሎ፣
ከይተወድኣ ዳሕሮት መዓልታት፡
ሃየ ንስበኽ ብስራት።
(ኣዝማች)
ንመላለስ ጸኒዕና፡
ካብዛ ዓለም ርሒቕና፡
ብቓል ኣምላኽ ንንበር፡ ’ወ ብንጽህና።