መዝሙር 5
ክርስቶስ ኣርኣያና
(ሮሜ 5:8)
1. የሆዋ ብፍቕሩ፡
ዓብዪ ግብሪ ገይሩ፣
ንዅሎም ሰባት ወዱ’ዩ ሂቡ፣
እንጌራ ሂቡና፡
’ንበልዖ ዅልና፣
ህይወት ዘልኣለም ሰባት ኪረኽቡ።
2. የሱስ ምሂሩና፡
ክንጽሊ ’ዘውቲርና፣
ናይ የሆዋ ስም ኪቕደስ ኢልና፣
ክትመጽእ መንግስቱ፡
ኪኸውን ፍቓዱ፣
ዕለት እንጌራ ንኺህበና።
3. ክርስቶስ ምሂሩ፡
ሓቂ ኣበሲሩ፣
ነቶም ሰዓብቱ፡ ናቱ እሙናት፣
ንዝራእ መመዓልቲ፡
ዘርኢ ’ታ መንግስቲ፣
ሽዑ ኽንረክብ ሓጐስ ምስ ዕግበት።
(ማቴ. 6:9-11፣ ዮሃ. 3:16፣ 6:31-51፣ ኤፌ. 5:2 እውን ርአ።)