ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lv ምዕ. 4 ገጽ 36-49
  • ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
  • “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • በዳሂ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
  • ኣብ ስድራ ቤት ኪህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት
  • ኣብ ጉባኤ ኺህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት
  • ንዓለማዊ ስልጣን ኪህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት
  • ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ነቶም ኣብ ልዕሌኹም ስልጣን እተዋህቦም ኣኽብርዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ክርስትያናዊ ኣረኣእያ ኣብ ስልጣናት እንታይ ኢዩ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንስልጣን የሆዋ ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
lv ምዕ. 4 ገጽ 36-49
ኣቦ ንስድራ ቤቱ ይምህር

ምዕራፍ 4

ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

“ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ።”—1 ጴጥሮስ 2:17

1, 2. (ሀ) ንስልጣን ብዚምልከት እንታይ ቃልሲ እዩ ዜጋጥመና፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

ንእሽቶ ቘልዓ ኺገብሮ ዘይደሊ ነገር ኪገብር ኪሕተት ከሎ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ኪገብሮ ኸም ዘይደለየ ኣብ ገጹ ተንብቦ ትኸውን። ድምጺ ወላዲኡ ይሰምዕ: ንስልጣን ወላዲኡ ድማ ኬኽብር ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ግን ኪእዘዝ ኣይደለየን። እዚ ቓልሲ እዚ ንዅላትና የጋጥመና እዩ።

2 ንስልጣን ምኽባር ወትሩ ብቐሊሉ ዚመጸልና ነገር ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ ነቶም ኣብ ልዕሌኻ እተወሰነ ስልጣን ዘለዎም ምኽባሮም የጸግመካዶ፧ ዜጸግመካ እንተ ዀይኑ: ንዓኻ ጥራይ ኣይኰነን ከምዚ ዝኣመሰለ ቓልሲ ዜጋጥመካ። ንስልጣን ዚግባእ ኣኽብሮት ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። ኰይኑ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብ ልዕሌና ስልጣን ዘለዎም ከነኽብሮም ከም ዘሎና ይነግረና። (ምሳሌ 24:21) ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ እንተ ደሊና: ንስልጣን ከነኽብር ኣሎና። እዚ ድማ ገለ ሕቶታት የበግስ። ንስልጣን ምኽባር ኣመና ኣጸጋሚ ዚዀነና ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ የሆዋ እዚ ብቕዓት እዚ ኸነማልእ ዚሓተና ስለምንታይ እዩ፧ ንምምላኡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ንስልጣንከ ብኸመይ ኢና ኣኽብሮት ከነርኢ እንኽእል፧

በዳሂ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3, 4. ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ብኸመይ ጀመረ፧ ንስልጣን ኣኽብሮት ከነርኢ ኸለና ሓጥእ ዝንባለና ዚብድሃናኸ ስለምንታይ እዩ፧

3 ስልጣን ንዘለዎም ኣኽብሮት ምሃብ በዳሂ ዝዀነሉ ኽልተ ምኽንያታት እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንርአ። ቀዳማይ: ንሕና ዘይፍጹማት ኢና፣ ካልኣይ: እቶም ኣብ ልዕሌና ስልጣን ዘለዎም ሰባት ዘይፍጹማት እዮም። ሰብኣዊ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ካብ ስልጣን የሆዋ ምስ ዓለዉ እዩ ጀሚሩ። ስለዚ: ሓጢኣት ምስ ዕልወት እዩ ጀሚሩ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ናይ ዕልወት ዝንባለ ወሪስና ኢና እንውለድ።—ዘፍጥረት 2:15-17፣ 3:1-7፣ መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 5:12

4 ሓጥእ ዝንባለ ስለ ዘሎና: ኵርዓትን ትዕቢትን ንመብዛሕትና ብቐሊሉ ኺጠብቀና ኸሎ: ትሕትና ንኸነማዕብልን ንኽንዕቅብን ግን ክንጽዕር ኣሎና። ንሓያሎ ዓመታት ንኣምላኽ ብተኣማንነት ድሕሪ ምግልጋልና እውን: ብቐሊሉ ንቕጽናን ኵርዓትን ኪሓድረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ቆራሕ እስከ ንውሰድ። ንሱ ኣብ ሓያሎ ጸገማት ምስ ህዝቢ የሆዋ ብተኣማንነት ጸኒዑ ቐጸለ። ኰይኑ ግን: ዝያዳ ስልጣን ስለ ዝደለየ: ነቲ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ዝነበረ ሙሴ ንምግልባጥ እተገብረ ዕልወት ብድፍረት መርሐ። (ዘሁልቍ 12:3፣ 16:1-3) ብዛዕባ ንጉስ ዑዝያ እውን እሞ ሕሰብ። ንሱ ብትዕቢት ተመሪሑ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣትዩ ንኻህናት ጥራይ እተሓዝአ ቕዱስ ዕዮ ኺዓዪ ፈተነ። (2 ዜና መዋእል 26:16-21) እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ብሰንኪ ዕልወቶም ከቢድ መቕጻዕቲ ተቐጽዑ። ኰይኑ ግን: እቲ ዝገደፉልና መለበሚ: ንዅላትና ጠቓሚ መዘኻኸሪ እዩ። ነታ ንስልጣን ኣኽብሮት ንኸይንህብ እተሸግረና ትዕቢት ንኸነሰንፍ ክንቃለስ ኣሎና።

5. ዘይፍጹማት ሰባት ንስልጣኖም ብዘይግቡእ እተጠቕሙሉ ብኸመይ እዮም፧

5 በቲ ኻልእ ሸነኽ: ስልጣን ዘለዎም ዘይፍጹማት ሰባት ንስልጣን ዚግባእ ኣኽብሮት ከም ዚንኪ ገይሮም እዮም። ብዙሓት ጨካናት: ዓመጽቲ: ወይ ጨቈንቲ እዮም። አረ ታሪኽ ወዲ ሰብሲ ስልጣን ብዘይግቡእ ብምጥቃም ዝመልአ እዩ። (መክብብ 8:9) ንኣብነት: ሳኦል ንጉስ ኪኸውን ብየሆዋ ኣብ እተመርጸሉ እዋን ጥዑይን ትሑትን ሰብ ነበረ። ጸኒሑ ግን: ትዕቢትን ቅንእን ኣሕደረ፣ ድሕሪኡ ነቲ እሙን ዝነበረ ዳዊት ሰጐጎ። (1 ሳሙኤል 9:20, 21፣ 10:20-22፣ 18:7-11) ዳዊት ጸኒሑ ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዝነገሱ ብሉጻት ነገስታት ኰነ: እንተዀነ ግን ሰበይቲ ኡርያ እቲ ሔታዊ ሰሪቑ ነቲ ንጹህ ሰብኣያ ኣብ ግንባር ውግእ ከም ዚቕተል ምስ ገበረ: ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ተጠቕመሉ። (2 ሳሙኤል 11:1-17) እወ: ሰባት ዘይፍጽምና ስለ ዘለዎም: ንስልጣኖም ብግቡእ ምጥቃም የጸግሞም እዩ። እቶም ስልጣን ዘለዎም ንየሆዋ ዘየኽብሩ ምስ ዚዀኑ ኸኣ: ዝገደደ እዮም ዚገብሩ። ሓደ ናይ ብሪጣንያ ብዓል ስልጣን ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊክ ዘተኣታተውዎ መስጐጕቲ ድሕሪ ምግላጹ: “ስልጣን የበላሹ: ምሉእ ዘይጕዱል ስልጣን ከኣ ምሉእ ብምሉእ የበላሹ” ኢሉ ጸሓፈ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ‘ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧’ ንእትብል ሕቶ እስከ ንመርምር።

ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6, 7. (ሀ) ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እንታይ ክንገብር እያ እትድርኸና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ተኣዛዝነት እንታይ ኣረኣእያ የጠቓልል፧ ብኸመይከ ነዚ ኸነርኢ ንኽእል፧

6 ንስልጣን እነኽብረሉ ብሉጽ ምኽንያታት ካብ ፍቕሪ እዩ ዚምንጭ፣ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ድማ ንየሆዋን ንብጻይናን ንርእስናን ዘላትና ፍቕሪ እያ። ንየሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ስለ እነፍቅሮ: ንልቡ ኸነሐጕሶ ንደሊ ኢና። (ምሳሌ 27:11፣ ማርቆስ 12:29, 30) ልዑላውነቱ: ማለት ንዅሉ ፍጥረት ኪገዝእ ዘለዎ መሰል: ካብቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ዕልወት ንደሓር ብድሆ ኸም ዘጋጠሞ: ከምኡውን መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ምስ ሰይጣን ወጊኖም ንግዝኣት የሆዋ ኸም ዝነጸጉ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ግን ተሓጒስና ኣብ ጐድኒ የሆዋ ንቐውም ኢና። ነቲ ኣብ ራእይ 4:11 ዚርከብ ግርማ ዝዓሰሎ ቓላት ከነንብብ ከለና: ልብና ይትንከፍ እዩ። የሆዋ ንዅሉ ፍጥረት ኪገዝእ መሰል ዘለዎ ምዃኑ ብንጹር ይርድኣና እዩ። ንልዑላውነት የሆዋ ንድግፍ: ግዝኣቱ እውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንቕበሎ ኢና።

7 እዚ ኣኽብሮት እዚ ተኣዛዝነትን ካልእ ነገራትን የጠቓልል። ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ ብፍታው ኢና እንእዘዞ። ይኹን እምበር: ተኣዛዝነት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዚዀነሉ እዋን ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን: ከምቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ንእሽቶ ቘልዓ: ተገዛእነት ክንመሃር የድልየና። የሱስ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዚመስል ኵነታት እውን ንኣቦኡ ተገዚእዎ እዩ። ንኣቦኡ: “ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን” በሎ።—ሉቃስ 22:42

8. (ሀ) ሎሚ ንስልጣን የሆዋ ዘሎና ተገዛእነት መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ የጠቓልል፧ ኣብዚ መዳይ እዚ የሆዋ ዚስምዖ ስምዒት ዚገልጽከ እንታይ እዩ፧ (ለ) ምኽሪ ንኽንሰምዕን ተግሳጽ ንኽንቅበልን ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 46-7 እትርከብ ሳጹን ርአ።)

8 የሆዋ ሎሚ በብውልቂ ኣየዘራርበናን እዩ፣ የግዳስ: ቃሉን ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰብኣውያን ወኪላቱን እዩ ዚጥቀም። መብዛሕትኡ ግዜ እምበኣር ንስልጣን የሆዋ ዘሎና ተገዛእነት በቲ ነቶም ኣብ ልዕሌና ስልጣን ዝሃቦም ወይ ስልጣን ኪህልዎም ዝፈቐደሎም ሰባት ብምኽባር ኢና እነርኢ። ካብዞም ሰባት እዚኣቶም እንተ ዓሊና—ንኣብነት: ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ወይ መአረምታ ምቕባል እንተ ኣቢና—ንኣምላኽ ኢና እነጕህዮ። እስራኤላውያን ኣብ ሙሴ ምስ ኣጕረምረሙ: የሆዋ ኣብኡ ኸም ዘጕረምረሙ ገይሩ እዩ ርእይዎ።—ዘሁልቍ 14:26, 27

9. ንብጻይና ዘላትና ፍቕሪ ንስልጣን ንኸነኽብር እትድርኸና ስለምንታይ እያ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

9 ንብጻይና ብዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና እውን: ንስልጣን ኣኽብሮት ነርኢ ኢና። ብኸመይ፧ ኣብ ሓደ ሰራዊት እተገልግል ወተሃደር ከም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ዓወትን ህልውናን እቲ ሰራዊት: ኣብቲ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ንመዋቕር ትእዛዝ ዘለዎ ምትሕብባርን ተኣዛዝነትን ኣኽብሮትን እዩ ዚምርኰስ። ትእዛዝ ብምሕንጋድ ነቲ ውድብ እንተ ኣዳኺምካዮ: ኵሎም ብጾትካ ወተሃደራት ኣብ ሓደጋ እዮም ዚወድቁ። ልክዕ እዩ: ሎሚ ሰብኣዊ ሰራዊት ኣብ ዓለም ዜስካሕክሕ ዕንወት እዩ ዜስዕብ ዘሎ። ይኹን እምበር: የሆዋ ሰናይ ጥራይ ዚገብር ሰራዊት ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ኣማእታት ሳዕ “ጐይታ ሰራዊት” ኢሉ ይጽውዖ። (1 ሳሙኤል 1:3) ኣዛዚ እቶም ኣዝዮም ብዙሓት ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት እዩ። ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ነቶም ምድራውያን ኣገልገልቱ ምስ ጭፍራ ሰራዊት የመሳስሎም እዩ። (መዝሙር 68:11፣ ህዝቅኤል 37:1-10) ካብቶም የሆዋ ኣብ ልዕሌና ስልጣን ዝሃቦም ሰባት እንተ ዓሊና: ነቶም ብጾትና ዝዀኑ ወተሃደራት ደይኰንናን ኣብ ሓደጋ እነእትዎም፧ ሓደ ክርስትያን ካብ እተሸመ ሽማግለ ኺዓሉ ኸሎ: ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ እውን ይጕድኡ እዮም። (1 ቈረንቶስ 12:14, 25, 26) ሓደ ቘልዓ ዓለወኛ ምስ ዚኸውን: ብምልእታ እታ ስድራ ቤት እያ እትሳቐ። ስለዚ: ናይ ኣኽብሮትን ናይ ምትሕብባርን መንፈስ ብምምዕባል: ንብጻይና ፍቕሪ ኸም ዘላትና ኸነርኢ ንኽእል።

10, 11. ርእስና ንምጥቃም ዘሎና ግቡእ ድሌት ንስልጣን ንኽንእዘዝ ዚድርኸና ብኸመይ እዩ፧

10 ንስልጣን እነኽብረሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ ንጥቕምና ስለ ዝዀነ እዩ። የሆዋ ንስልጣን ከነኽብር ኪሓተና ኸሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸምኡ ብምግባርና ዚርከብ ረብሓታት ይጠቕሰልና እዩ። ንኣብነት: ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዙ ኸም ዘለዎም ኪነግሮም ከሎ: ነዊሕን ጽቡቕን ህይወት ምእንቲ ኺህልዎም ምዃኑ ገሊጹሎም እዩ። (ዘዳግም 5:16፣ ኤፌሶን 6:2, 3) ንሽማግለታት ጉባኤ ኻብ እነኽብረሉ ሓደ ምኽንያት: ከምኡ እንተ ዘይጌርና መንፈሳዊ ጕድኣት ስለ ዜምጽኣልና ምዃኑ ነጊሩና ኣሎ። (እብራውያን 13:7, 17) ንዓለማውያን ሰበ-ስልጣን እውን ንዕቝባና ኢልና ኽንእዘዞም ነጊሩና ኣሎ።—ሮሜ 13:4

11 የሆዋ ኽንእዘዝ ዝደለየሉ ምኽንያት ምፍላጥና: ንስልጣን ከነኽብር ይሕግዘናዶ ኣይምበልካን፧ እምበኣር ኣብ ሰለስተ ቐንዲ መዳያት ህይወትና ብኸመይ ንስልጣን ኣኽብሮት ከም እነርኢ እስከ ንመርምር።

ኣብ ስድራ ቤት ኪህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት

12. የሆዋ ንሰብኣይን ኣቦን ኣብ ስድራ ቤት እንታይ ግደ እዩ ሂብዎ፧ ሓደ ሰብኣይከ ነዚ ሓላፍነቱ ብኸመይ ኪፍጽሞ ኣለዎ፧

12 ስርዓት ስድራ ቤት ዝሰርዐ የሆዋ ባዕሉ እዩ። ንሱ ወትሩ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ንስድራ ቤት ብግቡእ ከም እትዓዪ ገይሩ እዩ ሰሪዕዋ። (1 ቈረንቶስ 14:33) ንሰብኣይን ኣቦን ርእሲ ስድራ ቤት ናይ ምዃን ስልጣን ሃቦ። ሰብኣይ ነቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ እታ ጉባኤ ዘለዎ ርእስነት ዚጥቀመሉ ኣገባብ ብምቕዳሕ: ነቲ ርእሱ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ኣኽብሮት የርእዮ እዩ። (ኤፌሶን 5:23) በዚ ኸምዚ: ሰብኣይ ሓላፍነቱ ኽርሕርሖ ዘይኰነስ: ብስብእነት ኪፍጽም ኣለዎ፣ ጨቋኒ ወይ ሕሱም ኪኸውን የብሉን: የግዳስ ፈቃርን ርትዓውን ሕያዋይን ኪኸውን ኣለዎ። ስልጣኑ ድሩትን ኣብ ትሕቲ ስልጣን የሆዋን ምዃኑ ኺዝክር ይግባእ።

ክርስትያን ኣቦ ነቲ ክርስቶስ ንርእስነቱ ዚሕዘሉ መገዲ ይቐድሖ

13. ሓንቲ ሰበይትን ኣደን ኣብ ስድራ ቤት ንዘለዋ ግደ ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ ብኸመይ ክትፍጽም ትኽእል፧

13 ሓንቲ ሰበይትን ኣደን ከኣ ንሰብኣያ ደጋፊት ወይ መመላእታ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ትምህርቲ ወላዲት” ስለ ዚዛረብ: ንሳ እውን ኣብታ ስድራ ቤት ስልጣን ኣለዋ። (ምሳሌ 1:8) ልክዕ እዩ: ስልጣና ኻብ ናይ ሰብኣያ ዝተሓተ እዩ። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንሰብኣያ ኸም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ዘለዎ ግደ ንኺፍጽም ብምድጋፍ: ንስልጣኑ ኣኽብሮት ተርኢ። ኣይተቈናጽቦን: ኣይትዝውሮን: ወይ ንስልጣኑ ኣይትምንዝዖን። ኣብ ክንዳኡስ: ትድግፎን ትተሓባበሮን። ንውሳነታቱ እንተ ዘይተሰማሚዓትሉ: ብኣኽብሮት ሓሳባታ ኽትገልጽ ትኽእል እኳ እንተ ዀነት: ወትሩ ግን ትግዝኦ እያ። ሰብኣያ ዘይኣማኒ እንተ ዀይኑ: ኣጸጋሚ ዅነታት የጋጥማ ይኸውን፣ ግናኸ እቲ ተገዛእነታ ንሰብኣያ ናብ የሆዋ ንኪቐርብ ኪድርኾ ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:1

ኣቦ ነቲ ገዛ ብጭቃ ዘባላሸወ ወዱ ብፍቕሪ ይእርሞ

14. ውሉዳት ንወለዶምን ንየሆዋን ሓጐስ ኬምጽኡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

14 ውሉዳት ንኣቦኦምን ኣዴኦምን ኪእዘዙ ኸለዉ ንልቢ የሆዋ የሐጕስዎ። ንወለዶም እውን ክብርን ሓጐስን የምጽኡ። (ምሳሌ 10:1) ንጽል ወላዲ ኣብ ዘለወን ስድራታት: ውሉዳት እቲ ወላዲኦም ዝያዳ ደገፍን ምትሕብባርን ከም ዜድልዮ ብምፍላጥ: ነቲ ስርዓት ተኣዛዝነት ይዓዩሉ እዮም። ኣብተን ኵሎም ኣባላተን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ግደ ዚፍጽሙለን ስድራታት: ብዙሕ ሰላምን ሓጐስን ይፈሪ። እዚ ኸኣ ነቲ ዅሉ ስድራታት ካብኡ ዝመነጨ የሆዋ ኣምላኽ ክብሪ የምጽኣሉ።—ኤፌሶን 3:14, 15

ኣብ ጉባኤ ኺህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት

15. (ሀ) ኣብ ጉባኤ ንስልጣን የሆዋ ኸም እነኽብር ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (ለ) ነቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ንኽንእዘዝ እንታይ መሰረታዊ ስርዓት ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ኣብ ገጽ 48-9 እትርከብ ሳጹን ርአ።)

15 የሆዋ ንወዱ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ገዛኢ ገይሩ ሸይምዎ እዩ። (ቈሎሴ 1:13) የሱስ እውን ብግዲኡ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ንኺከናኸን መዚዝዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47) እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ እዩ ዚውክል። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዝነበራ ክርስትያናዊ ጉባኤታት ዚግበር ዝነበረ: ሎሚ እውን ሽማግለታት ካብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብቐጥታ ወይ ብኸም ገየሽቲ ሓለውቲ ዝኣመሰሉ ወኪላቱ ኣቢሎም መምርሕን ምኽርን ይቕበሉ እዮም። ንሕና ብውልቂ ንስልጣን ክርስትያን ሽማግለታት ምስ እነኽብር: ንየሆዋ ኢና እንእዘዞ።—እብራውያን 13:17

16. ሽማግለታት ብመንፈስ ቅዱስ ይሽየሙ ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

16 ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ፍጹማት ኣይኰኑን። ከማና ጕድለት ኣለዎም። ኰይኑ ግን: ሽማግለታት ንጉባኤ ብመንፈስ ድልድልቲ ንኽትከውን ኪሕግዙ እተዋህቡ “ውህበት” እዮም። (ኤፌሶን 4:8) ብመንፈስ ቅዱስ እዮም ተሸይሞም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ብኸመይ፧ እቶም ሰብኡት ቅድሚ ምሻሞም ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ዚርከብ ብቕዓታት ኬማልኡ ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7, 12፣ ቲቶስ 1:5-9) ብተወሳኺ: እቶም ንብቕዓት ሓደ ሓው ዚግምግሙ ሽማግለታት ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኪመርሖም ልባዊ ጸሎት ይገብሩ እዮም።

17. ሓድሓደ ግዜ ክርስትያን ኣንስቲ ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ ርእሰን ዚጕልበባ ስለምንታይ እየን፧

17 ሓድሓደ ግዜ ኣብ ጉባኤ ነቲ ኣብ ንቡር ኵነታት ንሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዚወሃብ: ከም ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምምራሕ ዝኣመሰለ ዕዮ ዚዓዩ ኣይርከቡን ይዀኑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ካልኦት እተጠምቁ ኣሕዋት ነቲ ዕዮ ኺዓይዎ ይኽእሉ እዮም። ኣሕዋት እንተ ተሳኢኖም ከኣ: ብቕዓት ዘለወን ክርስትያን ኣሓት ኪዓይኦ ይኽእላ እየን። ይኹን እምበር: ሓንቲ ሓብቲ ነቲ ብንቡር ንእተጠምቀ ወዲ ተባዕታይ ዚወሃብ ዕዮ ኽትፍጽም ከላ: ርእሳ ትጕልበብ እያ።a (1 ቈረንቶስ 11:3-10) እዚ ነገር እዚ ንኣንስቲ ዜዋርድ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ የሆዋ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ጉባኤን ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት: ኣኽብሮት ንኸርእያ ኣጋጣሚ ይኸፍተለን።

ንዓለማዊ ስልጣን ኪህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት

18, 19. (ሀ) ኣብ ሮሜ 13:1-7 ሰፊሩ ዘሎ ስርዓታት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ለ) ንዓለማውያን ስልጣናት ብኸመይ ኣኽብሮት ነርኢ፧

18 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ሮሜ 13:1-7 ዚርከብ ስርዓት ተጠንቂቖም ይሕልውዎ እዮም። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስ እተንብባ: እቶም ኣብኡ ተጠቒሶም ዘለዉ ‘ላዕለዎት ስልጣናት’ ንናይ ዓለማውያን መንግስትታት ሰበ-ስልጣን ዜመልክት ምዃኑ ኽትርዳእ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ነዞም ሰብኣውያን ሰበ-ስልጣን ኪቕጽሉ ኽሳዕ ዝፈቐደሎም: እተወሰነ ስርዓትን ኣድላዪ ኣገልግሎትን ብምሃብ: እተወሰነ ስርዓት ከም ዚሰፍን ይገብሩ። ነዞም ስልጣናት እዚኣቶም ዘሎና ኣኽብሮት: ሕጊ ብምኽባር ነርኢ ኢና። ዝዀነ ይኹን እተሰልዓልና ግብሪ ተጠንቂቕና ንኸፍል: መንግስቲ ዚደልዮ ዝዀነ ይኹን ፎርም ወይ ሰነድ ተጠንቂቕና ንመልእ: ከምኡውን ንዓና: ንስድራ ቤትና: ንስራሕና: ወይ ንንብረትና ዚምልከት ዝዀነ ይኹን ሕግታት ተጠንቂቕና ንሕሉ ኢና። ዓለማውያን ስልጣናት ንኣምላኽ ከይንእዘዝ እንተ ሓቲቶምና ግን: ኣይንግዝኦምን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ: ከምቲ ጥንቲ ዝነበሩ ሃዋርያት ዝገበርዎ: “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢልና ንምልስ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:28, 29፣ ኣብ ገጽ 42 እትርከብ “ንስልጣን መን እየ ኽእዘዝ ዘሎኒ፧” እትብል ሳጹን ርአ።

ንስልጣን መን እየ ኽእዘዝ ዘሎኒ፧

መሰረታዊ ስርዓት:- “የሆዋ ፈራዲና እዩ: የሆዋ ሓጋግ ሕግና እዩ: የሆዋ ንጉስና እዩ።”—ኢሳይያስ 33:22 NW

ንርእስኻ ኽትሓታ ዘሎካ ገለ ሕቶታት

  • መለክዒታት የሆዋ ኽጥሕስ እንተ ዝሕተት: እንታይ ምገበርኩ፧—ማቴዎስ 22:37-39፣ 26:52፣ ዮሃንስ 18:36

  • ትእዛዛት የሆዋ ኻብ ምፍጻም ደው ከብል ትእዛዝ እንተ ዚወሃበኒ: እንታይ ምገበርኩ፧—ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29፣ እብራውያን 10:24, 25

  • ነቶም ስልጣን ዘለዎም ክእዘዞም ድሌት ንኺሓድረኒ እንታይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧—ሮሜ 13:1-4፣ 1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 6:1-3

19 ንዓለማውያን ስልጣናት ዘሎና ኣኽብሮት ብጠባይና እውን ነርእዮም ኢና። ሓድሓደ ግዜ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ብቐጥታ ንራኸብ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ከም እኒ ንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳን ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌስጦስን ዝኣመሰሉ ገዛእቲ እተራኸበሉ እዋን ነይሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ከቢድ ጕድለት እኳ እንተ ነበሮም: ጳውሎስ ግን ብኣኽብሮት እዩ ተዛሪብዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 26:2, 25) እቲ እነዘራርቦ ብዓል ስልጣን ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ገዛኢ ይኹን ተራ ፖሊስ ብዘየገድስ: ኣብነት ጳውሎስ ንስዕብ ኢና። መንእሰያት ክርስትያናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ንመምህራኖም ኰነ ንሓለፍትን ንሰራሕተኛታትን ቤት ትምህርቲ ተመሳሳሊ ኣኽብሮት ኬርእዩ ይጽዕሩ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት ነቶም ንእምነትና ዜኽብሩልና ጥራይ ኣይኰንናን እንህብ፣ ነቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጻረሩ እውን ኣኽብሮት ነርእዮም ኢና። እምበኣር: ኣኽብሮት ከም እነርኢ: ዘይኣመንቲ ብሓፈሻ ኼስተውዕሉ ኪኽእሉ ኣለዎም።—ሮሜ 12:17, 18፣ 1 ጴጥሮስ 3:15

20, 21. ንስልጣን ግቡእ ኣኽብሮት ብምሃብ ዚርከብ ገለ በረኸት እንታይ እዩ፧

20 ኣኽብሮት ንምሃብ ድሕር ምሕር ኣይንበል። ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:17) ሰባት ናይ ብሓቂ ኸም እነኽብሮም እንተ ተረዲኦም: ኣመና ኺምሰጡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ባህርይ እዚ እናጠፍአ ይኸይድ ምህላዉ ኣይትረስዕ። ኣኽብሮት ምሃብ እምበኣር ሓደ ኻብቲ ነዚ ዚስዕብ ትእዛዝ የሱስ እንስዕበሉ መገዲ እዩ:- “ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።”—ማቴዎስ 5:16

21 ኣብዛ ጸልማት ዝመልኣ ዓለም: ጽቡቕ ዝልቦም ሰባት ናብ መንፈሳዊ ብርሃን ይሰሓቡ እዮም። ስለዚ: ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ጉባኤን ንዓለማውያንን እነርእዮ ኣኽብሮት: ንገሊኦም ኪስሕቦምን ምሳና ብብርሃን ንኺመላለሱ ኺድርኾምን ይኽእል እዩ። እዚ ብሓቂ ዜደንቕ ተስፋ እዩ! ዋላ እውን ከምኡ እንተ ዘይኰነ: ሓደ ኽንጠራጠረሉ ዘይብልና ነገር ኣሎ። ንሰባት እነርእዮ ኣኽብሮት ንየሆዋ ኣምላኽ የሐጕሶ: ኣብ ፍቕሩ ንኽንጸንዕ ድማ የኽእለና። ካብዚ ዚዓቢ እንታይ ዓስቢ ኺህሉ ይኽእል፧

a ኣብ መመላእታ ጽሑፍ: ኣብ ገጽ 209-12 ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ግብሪ ዚውዕለሉ ገለ ግብራዊ መገድታት ይሕብር።

“ምኽሪ ስማዕ: ተግሳጽውን ተቐበል”

መንፈስ ሰይጣን: ማለት ናይ ዕልወትን ባእስን ባህርይ: ነዛ ሎሚ ዘላ ዓለም መሊእዋ ኣሎ። ስለዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን “ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ኢሉ ይጽውዖ: “መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ” ምዃኑ ድማ ይጠቅስ። (ኤፌሶን 2:2) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ኻልኦት ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎም ስልጣን ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዀይኖም ብርእሶም ኪመሓደሩ እዮም ዚደልዩ። እቲ ዜሕዝን ከኣ እዚ ብርእስኻ ናይ ምምሕዳር መንፈስ እዚ ንገሊኦም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ እውን ጸልይዎም እዩ። ንኣብነት: ሓደ ሽማግለ ርኽሰት ወይ ዓመጻ ዝመልኦ መዘናግዒ ሓደገኛ ምዃኑ ብሕያውነት ምኽሪ ይህብ ይኸውን: ገሊኦም ግን ነቲ ምኽሪ ኣይቅበልዎን ወይ ሕሉፍ ሓሊፎም ይቕየሙ ይዀኑ። ነፍሲ ወከፍና: ነቲ ኣብ ምሳሌ 19:20 ዚርከብ: “ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ: ምኽሪ ስማዕ: ተግሳጽውን ተቐበል” ዚብል ቃላት ክንዓየሉ ኣሎና።

ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ሰባት ምኽርን ተግሳጽን ዘይቅበሉሉ ሰለስተ ልሙድ ምኽንያታት እስከ ንርአ፣ ድሕሪኡ ነቲ ስዒቡ ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ነስተብህለሉ።

  • “እዚ ምኽሪ እዚ ግቡእ ኣይመስለንን።” እቲ እተዋህበና ምኽሪ ምስ ኵነታትና ዘይሰማማዕ ወይ እቲ ምኽሪ ዝሃበና ሰብ ንዅሉ እቲ ረቛሒታት ከም ዘይተረድኦ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ፈለማ ዚመጸና ሓሳብ እውን ነቲ ምኽሪ ምስትንዓቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እብራውያን 12:5) ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: ኣረኣእያና ኸነተዓራሪ የድልየና ደዀን ይኸውን፧ (ምሳሌ 19:3) እቲ ምኽሪ እተዋህበሉ ገለ ብቑዕ ምኽንያት ኣይነበረንዶ፧ እምበኣር ኣብቲ ምኽንያት እቲ ኢና ኸነተኵር ዘሎና። ቃል ኣምላኽ: “ህይወትካ እያ እሞ: ንተግሳጽ ሐዛ: ኣይትሕደጋ: ሐልዋውን” ኢሉ ይምዕደና።—ምሳሌ 4:13

  • “እቲ ምኽሪ እተዋህበሉ መገዲ ኣይተፈተወንን።” ልክዕ እዩ: ቃል ኣምላኽ ነቲ ምኽሪ ዚወሃበሉ መገዲ ልዑል መለክዒ እዩ ዚሰርዕ። (ገላትያ 6:1) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ: “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” እውን ይብል እዩ። (ሮሜ 3:23) ፍጹም ምኽሪ ብቕኑዕ መገዲ ኪቐርበልና ዚኽእል: ካብ ፍጹም ሰብ ጥራይ እዩ። (ያእቆብ 3:2) የሆዋ ንኺመኽረና ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዚጥቀም: ኣብቲ እቲ ምኽሪ እተዋህበሉ መገዲ እንተ ዘየተኰርና ይሓይሽ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ ትሕዝቶ እቲ ምኽሪ ነተኵር: ብኸመይ ከም እንዓየሉ ድማ ብጸሎት ንሕሰበሉ።

  • “ንሱ ንዓይ ምኽሪ ኺህብ ብቕዓት የብሉን!” እቲ ምኽሪ ዚህበና ዚገብሮ ጕድለታት ንምኽሩ ዋጋ ዘይብሉ ዚገብሮ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና: ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነጥብታት ክንዝክር ኣሎና። ብተመሳሳሊ: ብምኽንያት ዕድመና: ተመክሮና: ወይ ኣብ ጉባኤ ዘሎና ሓላፍነታት ምኽሪ ዘየድልየና ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና: ኣተሓሳስባና ኸነዕሪ ኣሎና። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ንጉስ ዓብዪ ሓላፍነታት እኳ እንተ ነበሮ: ካብቶም ተገዛእቱ ዝዀኑ ነብያትን ካህናትን ካልኦትን ግን ምኽሪ ኪቕበል ነበሮ። (2 ሳሙኤል 12:1-13፣ 2 ዜና መዋእል 26:16-20) ሎሚ: ውድብ የሆዋ ምኽሪ ንኺህቡና ኢሉ ዘይፍጹማት ሰባት እዩ ሸይሙ: ብሱላት ክርስትያናት ከኣ ነቲ ምኽሪ ተሓጒሶም ይቕበልዎን ኣብ ግብሪ የውዕልዎን እዮም። ካብ ካልኦት ዝያዳ ሓላፍነታት ወይ ተመክሮ እንተ ኣልዩና: ምኽሪ ብምቕባልን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ብልእመትን ብትሕትናን ኣብነት ንኽንከውን ዝያዳ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና።—1 ጢሞቴዎስ 3:2, 3፣ ቲቶስ 3:2

ዋላ ሓደ ኻባና ምኽሪ ዘየድልዮ ኸም ዘየልቦ ንጹር እዩ። ስለዚ: ብፍታው ምኽሪ ንኽንቅበል: ብተኣዛዝነት ንኽንዓየሉ: ከምኡውን የሆዋ ነዚ ህይወት ዜድሕን ውህበት ስለ ዝሃበና ኻብ ልብና ንኸነመስግኖ ቘራጽነት ንግበር። ምኽሪ ብሓቂ መግለጺ እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ እዩ: ንሕና እውን ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ ንደሊ ኢና።—እብራውያን 12:6-11

“ንመራሕትኹም ተአዘዝዎም”

ኣብ ሓደ እዋን ጥንታውያን እስራኤላውያን ብህጹጽ ኪውደቡ ዘድለየሉ እዋን ነይሩ። ሙሴ በይኑ ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ህዝቢ በቲ ሓደገኛ በረኻ ንኺጐዓዙ ኺኣልዮም ኣይክእልን እዩ ነይሩ። እሞኸ እንታይ ገበረ፧ “ሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ሐርዩ: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓላቑ ኪዀኑ: ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ዓሰርተን ገበሮም።”—ዘጸኣት 18:25

ሎሚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመሳሳሊ ውዳበ የድሊ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ኣብ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ሓላዊ: ኣብ ጉባኤ ሽማግለታት: ኣብ ጕጅለ ጉባኤታት ሓላው ወረዳ: ኣብ ጕጅለ ወረዳታት ሓላው ኣውራጃ: ኣብ ሃገር ከኣ ኮሚተ ሃገር ወይ ኮሚተ ጨንፈር ዘሎ። ሳላ እዚ ኣወዳድባ እዚ: ነፍሲ ወከፍ ጓሳ ዀይኑ ዜገልግል ሰብኣይ: ነተን ዚጓስየን መጓሰ የሆዋ ተጠንቂቑ ይሕሉ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጓሶት ንየሆዋን ንክርስቶስን ጸብጻብ ይህቡ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:28

እዚ ውድባዊ ስርዓት እዚ ዅላትና እዙዛትን ተገዛእትን ክንከውን ዚሓትት እዩ። ኣረኣእያ እቲ ነቶም ብግዜኡ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኣኽብሮት ዘይነበሮ ድዮትሬፌስ ኪህልወና ኸቶ ኣይንደልን ኢና። (3 ዮሃንስ 9, 10) ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፎ ቓላት ኢና ኽንስዕብ እንደሊ:- “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።” (እብራውያን 13:17) ገሊኦም ነቲ ኻብቶም መሪሕ ግደ ዘለዎም ዚመጽእ መምርሒ ኺሰማምዑሉ ኸለዉ ይእዘዙ: ነቲ መምርሒ እንተ ዘይተሰማሚዖምሉ ወይ እንተ ዘይተረዲእዎም ግን ኪግዝኡ ኣይደልዩን። ተገዛኢ ምዃን ኪበሃል ከሎ ግን: ክንእዘዝ ኣብ ዘይንደልየሉ እዋን እኳ እዙዛት ምዃን ከም ዜጠቓልል ኣይትረስዕ። እምበኣር: ነፍሲ ወከፍና ንርእስና: ‘ነቶም ዚመርሑኒ ተኣዛዝን ተገዛእን ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።

ልክዕ እዩ: ሓንቲ ጉባኤ ዕዮኣ ንኽትፍጽም ዚሕግዝ ኵሉ ስርዓት ወይ ኣሰራርሓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርዚሩ ኣይንረኽቦን ኢና። ኰይኑ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ: “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” ይብል። (1 ቈረንቶስ 14:40) እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ነዚ መምርሒ እዚ ብምስዓብ: እታ ጉባኤ ብዘይ ሽግርን ብስርዓትን ንኽትከይድ ዚሕግዝ ኣሰራርሓን መምርሒታትን ይህብ እዩ። ሓላፍነት ዘለዎም ክርስትያን ሰብኡት ነዚ ስርዓታት እዚ ኺዓዩሉ ኸለዉ እዙዛት ብምዃን ኣብነት ይዀኑ። ‘ልኡማት’ ወይ ርትዓውያን ከምኡውን ነቶም ሓለውቲ ‘ዚሰምዑዎም’ ወይ እዙዛት ምዃኖም የርእዩ እዮም። (ያእቆብ 3:17) በዚ ኸምዚ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ: ጉባኤ: ወረዳ: ኣውራጃ: ሃገር ነቲ ‘ሕጉስ ኣምላኽና’ ውዳሰ ብዜምጽኡ ሓድነትን ስርዓትን ብዘለዎም ኣመንቲ ይመልእ።—1 ቈረንቶስ 14:33፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW

በቲ ኻልእ ሸነኽ: ኣብ እብራውያን 13:17 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ: ዘይተኣዛዝነት ጐዳኢ ዝዀነሉ ምኽንያት እውን የጕልሕ እዩ። ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ዕዮኦም “ብጓሂ” ኸም ዚገብርዎ ይገብሮም። ሓደ ሓው ኣብተን መጓሰ ናይ ዘይምትሕብባርን ዕልወትን መንፈስ ኬጋጥሞ ኸሎ: እቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ንምቕራብ ፍሉይ መሰል ኪዀኖ ዝነበሮ ዕዮ: ጾር ይዀኖ። እዚ እውን ብግዲኡ “ንኣኻትኩም” ማለት ንብምልእታ እታ ጉባኤ ይጐድኣ። ሓደ ሰብ ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ዘይግዛእ እንተ ዀይኑ: ካልእ ዓይነት ጕድኣት እውን የምጽእ እዩ። ካብ ኵርዓቱ እተላዕለ ዘይግዛእ እንተ ዀይኑ: መንፈሳውነቱ ይጕዳእ: ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ሰማያዊ ኣቦኡን ከኣ ጋግ ይፍጠር። (መዝሙር 138:6) እምበኣር: ኵላትና ተኣዘዝትን ተገዛእትን ንምዃን ቈራጽነት ንግበር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ