መዝሙር 31
መሰኻኽር የሆዋ ኢና!
1. ሰባት ጣኦት ሰሪሖም፡
ኣምላኽ ሓቂ ረሲዖም፣
ኵሉ ዚኽእል’ዩ፡
ብብዙሕ ኣርእዩ።
ኣይፈልጡን’ዮም ጣኦታት፡
ናይ ዚመጽእ እዋናት፣
ብላሽ ’ደልዩ ዚምስክረሎም፡
የለን ዚቐውም ንዕኦም።
(ኣዝማች)
ምስክር የሆዋ’ና፡
ንዛረብ ከይፈራህና፣
ትንቢት ኣምላኽና ብምሉኡ፡
ይፍጸም ኣብ ግዜኡ።
2. ንጽዋዕ ብስም ኣምላኽ፡
ተቢዕናውን ንሰብኽ፡
ብስራት መንግስቱ፡
ኰነ መልእኽቱ።
ንሰባት ንዕድሞም፡
ሓቂ ኺፈልጡ መምዮም፡
ኪውድሱ ድምጾም ኣልዒሎም፡
ኬመስግንዎ ሓቢሮም።
(ኣዝማች)
ምስክር የሆዋ’ና፡
ንዛረብ ከይፈራህና፣
ትንቢት ኣምላኽና ብምሉኡ፡
ይፍጸም ኣብ ግዜኡ።
3. ስብከት ስሙ ይውድስ፡
ጸርፊ፡ ሕፍረት የልግስ፣
ስሙ ንዘናእስ፡
ስምዕታ ’ልግስ።
ነቲ ናብኡ ዚምለስ፡
ምሕረት እዩ ዜፍስስ፣
ምምስካር ይህብ ሓጐስ፡ ሰላም፡
ከምኡውን ተስፋ ዘልኣለም።
(ኣዝማች)
ምስክር የሆዋ’ና፡
ንዛረብ ከይፈራህና፣
ትንቢት ኣምላኽና ብምሉኡ፡
ይፍጸም ኣብ ግዜኡ።
(ኢሳ. 37:19፣ 55:11፣ ህዝ. 3:19 እውን ርአ።)