ንኽፋላት ደምን ብደመይ ንዚግበር ሕክምናን ብኸመይ እየ ዝርእዮ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ‘ካብ ደም ተኸልከሉ’ ኢሉ ይእዝዝ። (ግብ. 15:20) በዚ ምኽንያት እዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ምሉእ ደም ይኹን ኣርባዕቲኡ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም: ማለት ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም: ጸዓዱ ዋህዮታት ደም: ፕላትለት: ከምኡውን ፕላዝማ ኣይቅበሉን እዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ደም እውን ኣይልግሱን ወይ ኣይክዝኑን እዮም።—ዘሌ. 17:13, 14፣ ግብ. 15:28, 29
ክፋላት ደም እንታይ እዩ፧ ክፋላት ደም ምጥቃምን ዘይምጥቃምን ውሳነ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
ክፋላት ደም: ፍራክሽኔሽን ማለት ምክፍፋል ብዚበሃል ኣገባብ ካብ ደም ዚውሰድ ባእታታት እዩ። ንኣብነት: ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዝዀነ ፕላዝማ ናብዞም ዚስዕቡ ባእታታት ኪከፋፈል ይኽእል:- 91 ሚእታዊት ዚኸውን ማይ፣ 7 ሚእታዊት ዚኸውን ኣልቡሚንን ግሎቡሊንን ፊብሪኖጀንን ዚበሃል ዓይነት ፕሮቲን፣ 1.5 ሚእታዊት ዚኸውን ድማ ከም እኒ ምግቢ: ሆርሞናት: ጋዛት: ቫይታሚናት: ጓሓፋት: ኤሌክትሮላይት ዝኣመሰለ ኻልእ ነገራት።
እቲ ኻብ ደም ንኽንክልከል እተዋህበ ትእዛዝ ንኽፋላት ደም ዚምልከት ድዩ፧ ርግጽ መልሲ ኺወሃቦ ዚከኣል ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኽፋላት ደም ዚምልከት ንጹር መምርሒ ኣይህብን እዩ። ልክዕ እዩ: ብዙሕ ክፋላት ደም ካብቲ ንሕክምናዊ መዓላታት ኪውዕል ተባሂሉ ዚልገስ ደም እዩ ዚርከብ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብኽፋላት ደም ንዚግበር ሕክምና ንምቕባል ወይ ንምንጻግ: ኣብ ሕልናኡ ተመርኲሱ ኺውስን ኣለዎ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ: ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ኣብ ግምት ኣእቱ:- ንዅሉ ኽፋላት ደም ዘይምቕባለይ ንኸም እኒ ምስ ቫይረሳትን ሕማማትን ዚቃለስ ወይ ድማ መድመይቲ ደው ዜብል ገሊኡ ኣገባባት ሕክምና ኸም ዘይቅበል ዜርኢ ማለት ምዃኑ ተረዲኤዮዶ ኣለኹ፧ ንገሊኡ ኽፋላት ደም ዝነጽገሉ ወይ ዝቕበለሉ ምኽንያት ንሓኪመይ ክገልጸሉ እኽእል ድየ፧
ብደመይ ንዚግበር ገሊኡ ኣገባባት ሕክምና ክቕበል ወይ ክነጽግ ናይ ብሕተይ ውሳነ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ክርስትያናት ንምምሕልላፍ ደም ኪጠቅም ኢሎም ደሞም ዘይልግሱ ወይ ዘይክዝኑ እኳ እንተ ዀኑ: ብናይ ገዛእ ርእስኻ ደም ዚግበር ገሊኡ ኣገባባት ሕክምና ወይ መርመራ ግን ብቐጥታ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ምዃኑ ዚገልጽ ንጹር ሓበሬታ የልቦን። ስለዚ: ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ብደሙ ንዚግበር ሕክምና ኪቕበል ድዩ ኺነጽግ ኣብ ሕልናኡ ተመርኲሱ ኺወስዶ ዘለዎ ውሳነ እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ: ንገዛእ ርእስኻ እዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ሕተት:- ገለ ኻብ ደመይ ካብ ኣካለይ ከም ዝወጽእ ተገይሩ እቲ ዑደቱ ዋላ ንሓንሳኢተይ ደው ዝብል እንተ ዀይኑ: ብሕልናይ ነዚ ደም እዚ ኸም ክፍሊ ኣካላተይ ገይረ ብምርኣይ: ብስርዓት ናይቲ ‘ናብ ምድሪ ምኽዓው’ ከም ዘይቅየድ ዝገብረኒ ድዩ፧ (ዘዳ. 12:23, 24) መርመራ ወይ ሕክምና ኽገብር ከለኹ ደመይ ተወሲዱ ገለ ምትዕርራይ ተገይርሉ ናብ ኣካለይ ምስ ዝምለስ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናይ ሕርኽርኽ ይብሎ ድዩ፧ ብደመይ ንዚግበር ኵሉ ኣገባባት ሕክምና ኽነጽግ ከለኹ: ንኸም ዳያልይሲስ ወይ ማሽን ልቢ-ሳንቡእ ዚበሃል ኣገባባት ሕክምና ምንጻግ ማለት እውን ምዃኑ ተረዲአዮዶ ኣሎኹ፧ ውሳነ ቕድሚ ምግባረይ ነዚ ጕዳይ እዚ ብጸሎት ሓሲበሉዶ እየ፧
ብሕታዊ ውሳነታተይ እንታይ እዩ፧
ኣብዚ ዚስዕብ ገጻት ዘሎ ኽልተ ወረቐት ዕዮ ርአ። ወረቐት ዕዮ 1 ዝርዝር እቲ ኻብ ደም ዚውሰድ ክፋላት ደምን ኣብ ሕክምና መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ ከም ዚውዕልን ይገልጽ። ኣብቲ ብሕታዊ ውሳነ ዚብል ዓምዲ: ንነፍሲ ወከፍ እዚ ኽፋላት ደም እዚ ትቕበሎ ወይ ትነጽጎ እንተ ዄንካ ምልክት ግበረሉ። ወረቐት ዕዮ 2 ብደምካ ዚግበር ልሙድ ኣገባባት ሕክምና ይዝርዝር። ኣብቲ ብሕታዊ ውሳነ ዚብል ዓምዲ: ነዚ ኣገባባት እዚ ትቕበሎ ወይ ትነጽጎ እንተ ዄንካ ምልክት ግበረሉ። እዚ ኽልቲኡ ወረቐት ዕዮ እዚ ሕጋዊ መዛግብቲ እኳ እንተ ዘይኰነ: እቲ ኣብዚ እተስፍሮ መልስታት ግን ነቲ “መምርሒ ኽንክን ጥዕና” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ፎርም ኣብ ምምላእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
እቲ እትወስዶ ውሳነታት ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ሕልና ተመርኲስካ ዘይኰነስ: ናይ ገዛእ ርእስኻ ኪኸውን ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ክርስትያን ናይ ካልእ ክርስትያን ውሳነታት ኪነቅፍ የብሉን። በዚ ኸምዚ: “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።”—ገላ. 6:4, 5
[እግረ-ጽሑፍ]