ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 39 ገጽ 220-ገጽ 222 ሕ.ጽ. 6
  • ውጽኢታዊ መደምደምታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውጽኢታዊ መደምደምታ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውጽኢታዊ መደምደምታ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ቀንዲ ነጥብታት ጐሊሑ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ኣስተዋጽኦ እተዳልወሉ መገዲ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 39 ገጽ 220-ገጽ 222 ሕ.ጽ. 6

መጽናዕቲ 39

ውጽኢታዊ መደምደምታ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ኣብቲ ንመደምደምታ እትጥቀመሉ ምሉእ ሓሳባት: ነቶም ሰማዕቲ ብዛዕባ እቲ ዝሰምዕዎ ነገር ስጕምቲ ንኺወስዱ ዚድርኾም ነገር ተዛረብ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ኣብ መደምደምታ ዚዝረብ ነገር: መብዛሕትኡ ግዜ ንዝነውሐ እዋን ይዝከር እዩ። ንውጽኢታውነት ብምሉኡ እቲ መደረ ይጸልዎ እዩ።

ንቐንዲ ኣካል እቲ መደረኻ ተጠንቂቕካ ምርምር ጌርካሉን ወዲብካዮን ትኸውን። ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊ እውን ተዳሊኻ ትኸውን። ሓደ ኣድላዪ ነገር ግን ተሪፉካ ኣሎ: እዚ ድማ ውጽኢታዊ መደምደምታ እዩ። እዚ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። እቲ ኣብ መወዳእታ እትዛረቦ ነገር ንዝነውሐ ግዜ እዩ ዚዝከር። እቲ መደምደምታኻ ድኹም እንተ ዀይኑ: እቲ ቕድሚኡ እተዛረብካዮ ነገር ውጽኢታውነቱ ኺሃስስ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ:- እያሱ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ: ነቶም ዓበይቲ እስራኤል ዘይርሳዕ መደረ ገይሩሎም እዩ። የሆዋ ኻብ ግዜ ኣብርሃም ኣትሒዙ ንእስራኤል ዝገበረሉ ነገራት ድሕሪ ምዝርዛር: ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ጽሙቕ ኣቢሉ ብምጥቃስ ጥራይ ድዩ መዛዘሚ ገይሩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ: ብዓሚቝ ስምዒት ነቶም ህዝቢ “ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ: ብፍጽምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ” ኢሉ ተላበዎም። እያሱ እተጠቕመሉ መደምደምታ: ኣብ እያሱ 24:14, 15 ኣንብቦ።

እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:14-36 ዚርከብ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ በዓል ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እተኣከቡ ሰባት ዘቕረበሎም መደረ: ካልእ ኣቓልቦ ዚግብኦ መደረ እዩ። ፈለማ: እቲ ዮኤል ብዛዕባ ምፍሳስ መንፈስ ኣምላኽ እተነበዮ ትንቢት ኪፍጸም ከሎ ይርእዩ ኸም ዘለዉ ገለጸሎም። ቀጺሉ: እዚ ምስቲ ኣብ መዝሙር ዚርከብ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስን ኣብ የማን ኣምላኽ ክብ ምባሉን ዚገልጽ መሲሓዊ ትንቢታት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ሓበሮም። ድሕሪኡ ኣብ መደምደምታ: እቶም ኣብኡ እተኣከቡ ዅሎም ኪሓስቡሉ ዘለዎም ጕዳይ ብንጹር ጠቐሰሎም። “እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ: ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ: ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ” በሎም። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ: “ኣቱም ኣሕዋትና: እንታይ ንግበር፧” ኢሎም ሓተቱ። ጴጥሮስ ከኣ “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ” ኢሉ መለሰሎም። (ግብ. 2:37, 38) በታ መዓልቲ እቲኣ: ኣስታት 3,000 ካብቶም ሰማዕቱ: በቲ ዝሰምዕዎ ልቦም ስለ እተደረኸ: ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ሓቂ ተቐበሉ።

ኪርሳዕ ዘይብሉ ነጥብታት። ኣብ መደምደምታኻ እትዛረቦ ነገር: ምስቲ ፍረ ነገር መደረኻ ብቐጥታ ዚዛመድ ኪኸውን ኣለዎ። ብመሰረት እቲ ዘብራህካዮ ቐንዲ ነጥብታት ስዒቡ ዚመጽእ ስነ-መጐታዊ መደምደምታ ኪኸውን ኣለዎ። ካብቲ ፍረ ነገርካ እተወሰነ ቐንዲ ቓላት ክትጥቀም ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ: ንእኡ ብቐጥታ ምጥቃስ ግን ንምርጫኻ እተገድፈ እዩ።

ዕላማ ዘረባኻ: ንኻልኦት ብመሰረት እቲ ዘቕረብካዮ ሓበሬታ እተወሰነ ስጕምቲ ንኺወስዱ እዩ። ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ዕላማታት መደምደምታ: እንታይ ከም ዚገብሩ ንኸተርእዮም እዩ። ፍረ ነገርን ቀንዲ ነጥብታትን ምስ ሓረኻ: እቲ ትምህርቲ ንሰማዕትኻ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያትን ንዕኡ እተቕርበሉ ዕላማን ተጠንቂቕካ ሓሲብካሉ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ: እቲ ኺወስድዎ እትደልዮም ስጕምቲ ትፈልጦ ኢኻ። እምበኣር: እቲ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑን ምናልባት ከኣ ብኸመይ ነቲ ስጕምቲ ኸም ዚወስዱን ክትገልጸሎም ኣሎካ።

መደምደምታኻ ንሰማዕትኻ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኬርእዮም ጥራይ ዘይኰነስ: ኪድርኾም እውን ኣለዎ። ስጕምቲ ዚወስዱሉ ብቑዕ ምኽንያታት: ምናልባት ከኣ ከምኡ ብምግባር ዚረኽብዎ ረብሓታት ኬጠቓልል ኣለዎ። እቲ ኣብ መወዳእታ እትዛረቦ ምሉእ ሓሳብ ብጥንቃቐ እንተ ሓሲብካሉን ብዚግባእ እንተ ሰሪዕካዮን: ንብምሉኡ እቲ መደረኻ ዘለዎ ውጽኢታውነት የሐይሎ እዩ።

እቲ መደረ ይድምደም ከም ዘሎ ኣይትረስዕ። እቲ እትዛረቦ ነዚ ዚሕብር ኪኸውን ኣለዎ። ፍጥነት ኣዘራርባኻ እውን ነዚ ዚግባእ ኪኸውን ኣለዎ። ክሳዕ መወዳእታ ብፍጥነት ክትዛረብ ጸኒሕካ: ብሃንደበት ኣይተቋርጽ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ድምጽኻ እናደኸመ ኸም ዚኸይድ ኣይትግበር። መጠን ድምጽኻ እኹል ኪኸውን እኳ እንተ ኣለዎ: ኪበዝሕ ግን የብሉን። እቲ ናይ መወዳእታ ሒደት ምሉእ ሓሳባት ይዛዘም ከም ዘሎ ዚሕብር ደሃይ ኪህልዎ ይግባእ። ነዚ እተቕርበሉ መገዲ ኸኣ ዕቱብነትን ምትእምማንን ዜንጸባርቕ ኪኸውን ኣለዎ። ንኣቀራርባኻ ኽትዳለወሉ ኸለኻ: ንመደምደምታኻ ምልምማድ ኣይትረስዕ።

መደምደምታ ንውሓቱ ኽንደይ ኪኸውን ኣለዎ፧ እዚ ብሰዓት ጥራይ ኪውሰን የብሉን። እቲ መደምደምታ ብዙሕ ኪጕተት የብሉን። ግቡእ ዚበሃል ንውሓት መደምደምታ: በቲ ኣብ ሰማዕቲ ዚህልዎ ጽልዋ ኺውሰን ይከኣል እዩ። ቀሊልን ቀጥታውን ኣወንታውን መደምደምታ ዅሉ ሳዕ ይፍቶ እዩ። ሕጽር ዝበለ ምሳሌ ዜጠቓልል ንውሕ ዝበለ መደምደምታ እውን ብጥንቃቐ መደብ እንተ ተገይሩሉ: ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ንብምልእታ መጽሓፍ መክብብ ዚኸውን ኣብ መክብብ 12:13, 14 ዚርከብ ሕጽር ዝበለ መደምደምታ: ምስቲ የሱስ ኣብ ከረን ንዜቕረቦ ኻብዚ ኣጸቢቑ ዝሓጸረ ስብከት እተጠቕመሉ ኣብ ማቴዎስ 7:24-27 ዚርከብ መደምደምታ ኣነጻጽሮ።

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኻብ ካልእ ንላዕሊ ብተደጋጋሚ መደምደምታ ኽትጥቀም የድልየካ እዩ። ብግቡእ እንተ ተዳሊኻን ንሰባት ፍቕራዊ ተገዳስነት እንተ ኣሕዲርካን ግን: ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ክትዓምም ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ገጻት ዚርከብ ምኽሪ: ምስ ውልቀ-ሰብ ዝርርብ ክትገብር ከለኻ እውን እንተ ኣውዒልካዮ: ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ዝርርብ ኣዝዩ ሓጺር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት እቲ ሰብ ብስራሕ ትሑዝ ይኸውን። ስለዚ: እቲ ምብጻሕካ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ኬብቅዕ ይኽእል ይኸውን። ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ከምዚ ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ:- “ብስራሕ ትሑዝ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ። ሓንቲ እተተባብዕ ሓሳብ ከካፍለካ ግን ፍቐደለይ። ፈጣሪና ንምድሪ ሰባት ንዘለኣለም ተሓጒሶም ኪነብሩላ ዚኽእሉ ቦታ ኺገብራ ዜደንቕ ዕላማ ኸም ዘለዎ: መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኣብታ ገነት እቲኣ ኽንኣቱ ንኽእል ኢና: ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ግን ከነማልእ ኣሎና።” ወይ ከኣ ኣብ ዚጥዕሞ ግዜ ተመሊስካ ኽትመጽእ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ብዓል ቤት ግዲ ዘይብሉ ብምዃኑ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ዘይእሩም ዘረባ ብምዝራብ: ነቲ ዝርርብ እንተ ኣቋሪጽዎ: ኣብዚ እውን ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ክትዓምም ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ ማቴዎስ 10:12, 13 ከምኡውን ሮሜ 12:17, 18 ዚርከብ ምኽሪ ኣይትረስዕ። ልኡም ምላሽካ ነቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮ ኣረኣእያ ኬቐይሮ ይኽእል ይኸውን። እዚ ጽቡቕ ዕማም እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ምስቲ ብዓል ቤት ባህ ዜብል ዝርርብ ጌርካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ነቲ ንሱ ኺዝክሮ እትደልዮ ቐንዲ ነጥቢ ንምንታይ ዘይትደግመሉ፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ሓደ ነገር ንኺገብር ኪድርኾ ዚኽእል ነገር ንገሮ።

ኣብ ካልእ ግዜ ንኽትመያየጡ ኣጋጣሚ ትረክብ እንተ ዄንካ: ነቲ ሰብ ንመጻኢ ብሃንቀውታ ንኺጽበ ገለ ምኽንያታት ሃቦ። ሕቶ ሕተቶ። እቲ ሕቶ ኻብታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ንምግባር ካብ እተዳለወ ጽሑፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሸቶኻ እቲ የሱስ ዝሰርዖን ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ተመዝጊቡ ዚርከብን ምዃኑ ኣይትረስዕ።

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትመርሕ ዲኻ፧ ነቲ ፍረ ነገር ደጊምካ ምጥቃስካ: እቲ ተመሃራይ ነቲ እተመያየጥኩምሉ ነገር ንኺዝክሮ ይሕግዞ እዩ። ናይ ድግማ ሕቶታት ምጥቃምካ: ብፍላይ ከኣ እቲ ድግማ ኸይተሃወኽካ እንተ ጌርካዮ: ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮ እቲ ተመሃራይ ንኪቕረጽ ይሕግዝ። እቲ እተጸንዐ ትምህርቲ ነቲ ተመሃራይ ብኸመይ ኪጠቕሞ ኸም ዚኽእል ወይ ነቲ ትምህርቲ ንኻልኦት ብኸመይ ኪነግሮም ከም ዚኽእል ምሕታትካ: ነቲ እተማህሮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ኼዕውለሉ ዚኽእል መገድታት ንኺሓስብ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 4:7

መደምደምታኻ ንውጽኢታውነት ብምሉኡ እቲ ምይይጥ ከም ዚጸልዎ ኣይትረስዕ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • መደምደምታኻ ምስቲ ዘቐረብካዮ ሓሳባት ብቐጥታ ኸም ዚዛመድ ኣረጋግጽ።

  • ነቶም ሰማዕቲ ብዛዕባ እቲ ዝሰምዕዎ ነገራት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኣርእዮም።

  • ንሰማዕትኻ በቲ እትዛረቦ ነገርን በቲ ነዚ እትዛረበሉ መገድን ድራኸ ኣሕድረሎም።

መላመዲ:- ንኣገልግሎት ወፍሪ ኽልተ መደምደምታ ተዳሎ:- (1) እቲ ብዓል ቤት ኪሰምዓካ ምስ ዘይደሊ: ንኽትዛረብ ከኣ ብዙሕ ግዜ ዘይብልካ እንተ ዀይኑ እንታይ ክትብል ከም ዘሎካ: (2) ኣብ እትቕጽል ምብጻሕ ንምምይያጥ እትኸውን ሓንቲ ንጽርቲ ሕቶ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ