መጽናዕቲ 44
ሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም
ሕቶታት ብቓል ኰነ ብልቢ መልሲ ምሃብ ዜድልዮ ስለ ዝዀነ: ሰማዕቲ ንኺሳተፉ ይሕግዞም እዩ። ንዓኻ እውን ዝርርብ ንኸተጀምርን ህያው ምይይጥ ንኽትገብርን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ተዛራባይን መምህርን ከም ምዃንካ መጠን: ተገዳስነት ንምልዕዓል: ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓደ ርእሰ ነገር ንምርዳእ: ወይ ነቲ እትዛረቦ ብዝያዳ ንምጕላሕ ሕቶታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ሕቶታት ብጽቡቕ ክትጥቀመሉ ኸለኻ: ካልኦት ሰባት ነቲ እትዛረቦ ዘለኻ ስቕ ኢሎም ኣብ ክንዲ ዚሰምዕዎ: ብሓሳቦም ከም ዚሳተፉ ትገብሮም። ሕቶታት እትሓተሉ ሓደ ዕላማ ሓዝ: ድሕሪኡ ንዕላማኻ ብዚወቅዕ መገዲ ሕቶታት ሕተት።
ዝርርብ ንምትብባዕ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትጽመድ ከለኻ: ሰባት ሓሳቦም ኪገልጹ ፍቓደኛታት እንተ ዀይኖም: ኣጋጣሚ ንኽትከፍተሎም ትኩር ኩን።
ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: “ከምዚ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧” ኢሎም ብምሕታት ማራኺ ምይይጥ ይጅምሩ እዮም። ብሓቂ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ዘሎ ሕቶ እንተ መሪጾም: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ጽቡቕ ግዜ የሕልፉ እዮም። እቲ ሕቶ ነቲ ዚሰምዓና ሰብ ሓድሽ እኳ እንተ ዀኖ: ንምፍላጥ ዘለዎ ሃንቀውታ ግን ኬለዓዕሎ ይኽእል እዩ። “እንታይ ይመስለካ፧” “ከመይ ይስምዓካ፧” ከምኡውን “ነዚ ትኣምነሉዶ፧” ዝኣመሰለ ሕቶታት ምስ ብዙሕ ጕዳያት ተተሓሒዙ ኪቐርብ ይኽእል እዩ።
ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ንሓደ ትንቢት ኢሳይያስ ዓው ኢሉ ዜንብብ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ምስ ቀረቦ: “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ግብ. 8:30) እዛ ሕቶ እዚኣ ንፊልጶስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ሓቅታት ንኺገልጽ መገዲ ኸፈተትሉ። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ ሕቶ ብምሕታት: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኺንጽረሎም ብሓቂ ሃረር ዚብሉ ሰባት ረኺቦም እዮም።
ብዙሓት ሰባት ርእይቶኦም ኪገልጹ ኣጋጣሚ እንተ ተዋሂብዎም: ብዝያዳ ንኺሰምዑኻ እዝኖም ይህቡኻ እዮም። ሕቶ ምስ ሓተትካ: ብኣቓልቦ ስማዕ። ነቲ ኻልእ ሰብ ዚህበካ መልሲ ብሕያውነት ደኣ እምበር ብነቐፌታ ኣይትርኣዮ። እንተ ኽኢልካ: ካብ ልብኻ ንኣዶ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: የሱስ ንሓደ ጸሓፊ “በእምሮ ኸም ዝመለሰ” ምስ ረኣዮ: “ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን” ብምባል ነኣዶ። (ማር. 12:34) ኣረኣእያ እቲ እተዘራርቦ ሰብ ምስ ዘይትድግፎ እውን: ሓሳባቱ ስለ ዝገለጸልካ ኽትንእዶ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዚብሎ ነገር: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኸተካፍል ከለኻ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘሎካ ነገር ይሕብረካ ይኸውን።
ኣገዳሲ ሓሳባት ንምክፋል። ንጕጅለ ሰባት ወይ ንውልቀ-ሰባት ክትዛረብ ከለኻ: ናብ ኣገዳሲ ሓሳባት ንምምራሕ ሕቶታት ተጠቐም። ሕቶታትካ ንሰማዕትኻ ብሓቂ ዜገድሶም ነገራት ከም ዜጠቓልል ኣረጋግጽ። መልሱ ብቐሊሉ ዘይርከብ ዚማርኽ ሕቶታት እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ሕቶ ድሕሪ ምሕታትካ ሓንሳእ እንተ ኣዕሪፍካ: ሰማዕትኻ ነቲ ስዒቡ ዚበሃል ነገር ብሃንቀውታ ኺሰምዕዎ እዮም።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ነብዪ ሚክያስ ሓያሎ ሕቶታት ተጠቒሙ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ካብቶም ዜምልኽዎ ዚጽበዮ ነገራት ድሕሪ ምግላጹ: ነፍሲ ወከፉ መልሲ ኪኸውን ዚኽእል ሓሳብ ዘጠቓለለ ኣርባዕተ ሕቶታት ሓተተ። ኵሉ እዚ ሕቶታት እዚ ንኣንበብቲ: ነቲ ኣብ መደምደምታ እተገልጸ ምስትውዓል ዝመልኦ መልሲ ዜዳልዎም እዩ። (ሚክ. 6:6-8) ክትምህር ከለኻ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ፈትኖ።
ንሓደ ርእሰ ነገር ብርትዓዊ ኣገባብ ንምርዳእ። ሕቶታት ንኻልኦት ሰባት እተቕርበሎም መረዳእታ ኸም ዚወሓጠሎም ንምግባር እውን ኪጠቅም ይኽእል እዩ። ኣብ ሚልክያስ 1:2-10 ተገሊጹ ኸም ዘሎ: የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣበርቲዑ ኺዛረቦም ከሎ: ነዚ ሜላ እዚ እዩ ተጠቒሙ። ፈለማ: “ኣነ ኣፍቀርኩኹም” በሎም። ነቲ ፍቕሪ እቲ ሞሳ ስለ ዘየርኣዩ: “ኤሳውሲ ሓው ያእቆብዶ ኣይኰነን፧” ኢሉ ሓተቶም። ኣስዕብ ኣቢሉ: የሆዋ ነቲ ኤዶም ባዲሙሉ ዝነበረ ዅነታት ብምጥቃስ: ነቶም ህዝቢ ብሰንኪ እከዮም ከም ዘየፍቀሮም ገለጸ። ድሕርዚ: ፍቕሩ ኻብ እስራኤል ግቡእ ምላሽ ከም ዘይረኸበ ዜርኢ ምሳልያዊ መግለጺታትን ሕቶታትን ኣቕረበ። ገሊኡ ኻብቲ ሕቶታት እቶም ዘይእሙናት ካህናት ከም ዚሓትዎ ዘለዉ ጌርካ እዩ ቐሪቡ። ገሊኡ ኸኣ የሆዋ ነቶም ካህናት ዘቕረበሎም ሕቶታት እዩ። እቲ ብዝርርብ መልክዕ ዝቐረበ ሓሳባት ንስምዒት ዜነቓቕሕን ኣቓልቦ ዚሕዝን ነበረ: እቲ መረዳእታ ኣሉ ዘይበሃል ነበረ: እቲ መልእኽቲ ኸኣ ዘይርሳዕ ነበረ።
ገሊኦም ተዛረብቲ ንሕቶታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ገይሮም ብውጽኢታዊ መገዲ ይጥቀሙሉ እዮም። ብቓል መልሲ ኺወሃቦም እኳ እንተ ዘይተጸበዩ: እቶም ሰማዕቲ ግን ኣብ ዝርርብ ከም ዚካፈሉ ዘለዉ ዀይኖም ብልቦም ይሳተፉ እዮም።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና: ነቲ ተመሃራይ ከም ዚሳተፍ ዚገብር ሜላ ኢና እንጥቀም። ልክዕ እዩ: እቲ ተመሃራይ ነቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ መልሲ ኸም ዘለዎ ዜንብብ እንተ ዘይኰነ ዝሓሸ እዩ። ብልኡም ደሃይ ሓጋዚ ሕቶታት ብምሕታት: ነቲ ተመሃራይ ከተረድኦ ፈትን። ኣብ ኣገዳሲ ሓሳባት ከኣ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሱ መልሲ ኺህብ ኣተባብዓዮ። ከምዚ ኢልካ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ:- “እዚ እንመያየጠሉ ዘለና: ምስቲ ኣቐዲምና ዘጽናዕናዮ ነገር ብኸመይ ይተኣሳሰር፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንህይወትና ብኸመይ ኪጸልዎ ኣለዎ፧” ከምዚ ዝኣመሰለ ሜላ ምጥቃም: ንስኻ እትኣምነሉ ነገር ካብ ምግላጽ ወይ ባዕልኻ ብዙሕ ካብ ምግላጽ ንላዕሊ ውጽኢታዊ እዩ። በዚ ኸምዚ: ነቲ ተመሃራይ ‘ኣእምሮኡ’ ንኣምልኾ የሆዋ ንኺጥቀመሉ ንሕግዞ።—ሮሜ 12:1
ሓደ ተመሃራይ ገሊኡ ሓሳባት ምርዳእ እንተ ኣብይዎ: ትዕግስቲ ግበር። ምናልባት ነቲ እትብሎ ዘለኻ ነገር ምስቲ ንሓያሎ ዓመታት ዚኣምነሉ ነገራት ኬነጻጽሮ ይፍትን ይህሉ ይኸውን። ነቲ ርእሰ ጕዳይ ካብ ካልእ ኣንፈት ምቕራቡ ኺሕግዝ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግን መሰረታዊ መረዳእታ እዩ ዜድሊ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብብዝሒ ተጠቐም። ምሳሌታት እውን ተጠቐም። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ኸኣ: ነቲ ሰብ ነቲ ዝቐረበሉ መርትዖ ንኺርድኦ ዚሕግዝ ቀሊል ሕቶታት ሕተቶ።
ውሽጣዊ ስምዒታቶም ከም ዚገልጹ ንምግባር። ሰባት ሕቶታት ኪምልሱ ኸለዉ: ኵሉ ሳዕ ኣይኰኑን ናይ ሓቂ ስምዒቶም ዚገልጹ። ነቲ ኽትሰምዖ እትደልዮ ኢሎም ዝሓሰብዎ መልሲ ይህቡኻ ይህልዉ ይዀኑ። ኣብዚ ምስትውዓል የድሊ። (ምሳ. 20:5) ከምቲ የሱስ “እዚዶ ትአምኒ ኢኺ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ዓይነት ሕቶ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።—ዮሃ. 11:26
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: በቲ የሱስ እተዛረቦ ነገር: ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ጕህዮም ሓዲጎምዎ ምስ ከዱ: ንሃዋርያቱ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፧” ብምባል ከመይ ከም ዚስምዖም ንኺገልጹ ሓተቶም። ጴጥሮስ ከኣ: “ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ አሚንናን ፈሊጥናን አሎና” ብምባል ስምዒታቶም ብቓላት ገለጾ። (ዮሃ. 6:67-69) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧” ኢሉ ሓተቶም። መልሲ ምስ ሃብዎ ኸኣ: “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧” ብምባል ኣብ ልቦም ዘሎ ንኺገልጹሉ እትዕድም ሕቶ ሓተቶም። ጴጥሮስ ድማ: “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።—ማቴ. 16:13-16
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ: ኣብ ገሊኡ መዳያት ተመሳሳሊ ሕቶታት ምሕታት ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። “መማህርትኻ (ወይ መሳርሕትኻ) ነዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ይርእዮ፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ: “ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ይሰምዓካ፧” ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰብ ብሓቂ እንታይ ከም ዚስምዖ ምስ ፈለጥካ: ከም መምህር መጠን ብዝበለጸ ንኽትሕግዞ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ።
ብዝያዳ ንምጕላሕ። ሕቶታት ንገሊኡ ሓሳባት ብዝያዳ ንምጕላሕ እውን ኪጠቅም ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምቲ ኣብ ሮሜ 8:31, 32 ተመዝጊቡ እንረኽቦ: “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧ እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሀቦ እምበር: ዘይነሐፎ: ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧” ብምባል ሕቶታት ንምጕላሕ ተጠቒሙ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ: እቲ ሕቶ ኣብቲ ቐቅድሚኡ ዘሎ ሓረግ ተመርኲሱ ኸም እተሓተተ ኣስተብህል።
ነብዪ ኢሳይያስ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ዝኣወጆ ፍርዲ ድሕሪ ምምዝጋቡ: “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መዲብዎ እዩ እሞ: መን ከንቱ ይገብሮ፧ ኢዱ ተዘርጊሓ አላ: መንከ ይመልሳ፧” ብምባል ምሉእ ምትእምማን ከም ዝነበሮ ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳ. 14:27) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት በቲ ትሕዝቶኡ ኣቢሉ: እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ዘይከሓድ ከም ዝዀነ ይገልጽ። መልሲ ዜድልዮ ኣይኰነን።
ግጉይ ኣተሓሳስባ ንምቅላዕ። ብጥንቃቐ እተሓስበሉ ሕቶታት: ግጉይ ኣተሓሳስባ ንምቅላዕ ሓያል መሳርሒ እዩ። የሱስ ንሓደ ሰብኣይ ቅድሚ ምሕዋዩ: ንፈሪሳውያንን ንገሊኦም ፈለጥቲ ሕግን: “ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧” ኢሉ ሓተቶም። ነቲ ሰብኣይ ምስ ኣሕወዮ: “ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቐ: ብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን አሎ፧” እትብል ሕቶ ኣስዓበሎም። (ሉቃ. 14:1-6) ምላሽ ዜድልዮ ሕቶታት ኣይነበረን: ምላሽ ዝሃቦ ሰብ እውን ኣይነበረን። እቲ ሕቶታት ነቲ ግጉይ ኣተሓሳስባኦም እዩ ዜቃልዕ ነይሩ።
ሓድሓደ ግዜ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ግጉይ ኣተሓሳስባ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈረንቶስ ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ኣብ መንጎኦም ኪፈትሕዎ ዚግባእ ዝነበረ ጸገማት ኣብ ክንዲ ዚፈትሑ: ንኣሕዋቶም ናብ ቤት ፍርዲ ይወስድዎም ነበሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ሓዞ፧ ኣተሓሳስባኦም ንምዕራይ ዚሕግዝ ተኸታታሊ ሕቶታት ሓተቶም።—1 ቈረ. 6:1-8
ንስኻ እውን ልምምድ እንተ ጌርካ: ሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር: ብፍላይ ብዕድመ ንዚዓብዩኻን ንዘይትፈልጦምን ስልጣን ንዘለዎምን ሰባት ክትዛረብ ከለኻ ኣኽብሮት ኣርኢ። ሕቶታት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብዚስሕብ መገዲ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።