መዝሙር 47
ብስራት ኣበስሩ
1. ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቂ ምስጢር ነይሩ፣
ኣይቀጸለን ስዉር ኰይኑ ንሓዋሩ፣
ኣምላኽ ግና ብምሕረቱ ደንጊጹልና፡
መገዲ ኣዳልዩ ኺድምስስ ሓጥያትና፣
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺነግስ ወዱ ሸይሙ፡
ኣብ ግዜኡ ድማ ንመንግስቱ ኣቚሙ፣
ብዘይካዚ ንወዱ መርዓት ኣዳልዩ፡
ካብ መንጎናውን ሒደት መጓሰ ሓርዩ።
2. ካብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ብስራት፡
የሆዋ ይደሊ ኽንነግሮም ንሰባት፣
መላእኽቲ ኣብቲ ዕዮ ይሓብሩና፡
ሓቂ ንኽንእውጅ እውን ይረድኡና፣
ኪፍጸም ዘለዎ ኽቡር ዕዮ’ሎና፡
ክንቅድስን ክንውድስን ንስም ኣምላኽና፣
ቅዱስ ስሙ ኣብዛ ምድሪ ንኽንጸውር፡
ዘልኣለማዊ ብስራት ከነበስር።
(ማር. 4:11፣ ግብ. 5:31፣ 1 ቈረ. 2:1, 7 እውን ርአ።)