መዝሙር 46
የሆዋ እዩ ንጉስና!
1. ክብሪ ንሃቦ ንየሆዋ፡
ሰማያትውን ንጽድቁ የውርዩሉ፣
ንዘምር ንኣምላኽ ናይ ውዳሰ መዝሙር፡
ነስተንትን ብተግባሩ ዅሉ።
(ኣዝማች)
ሰማይ ባህ ይበሎ፡ ምድሪ ትተሓጐስ፡
’ወ የሆዋ ዀይኑ’ሎ ንጉስ!
ሰማይ ባህ ይበሎ፡ ምድሪ ትተሓጐስ፡
’ወ የሆዋ ዀይኑ’ሎ ንጉስ!
2. ክብሩ ነዘንቱ ንህዝብታት፡
ምድሓኑውን ንኣውጅ ዕለት ዕለት፣
የሆዋ ነጊሱ፡ ’ግብኦ ውዳሰ፡
ኣብ ቅድሚኡውን ንብል ትሕት።
(ኣዝማች)
ሰማይ ባህ ይበሎ፡ ምድሪ ትተሓጐስ፡
’ወ የሆዋ ዀይኑ’ሎ ንጉስ!
ሰማይ ባህ ይበሎ፡ ምድሪ ትተሓጐስ፡
’ወ የሆዋ ዀይኑ’ሎ ንጉስ!
3. ጻድቕ ግዝኣቱ ተመስሪቱ፡
ቅቡእ ወዱ ኣንቢሩ ኣብ ዝፋኑ፣
ጣኦታት ’ዛ ዓለም ይሕፈሩ፡ ይድነኑ፡
ክብሪ ይግባእ ንያህ በይኑ።
(ኣዝማች)
ሰማይ ባህ ይበሎ፡ ምድሪ ትተሓጐስ፡
’ወ የሆዋ ዀይኑ’ሎ ንጉስ!
ሰማይ ባህ ይበሎ፡ ምድሪ ትተሓጐስ፡
’ወ የሆዋ ዀይኑ’ሎ ንጉስ!
(1 ዜና 16:9፣ መዝ. 68:20፣ 97:6, 7 እውን ርአ።)