ከም ኣገልጋሊ መጠን ቀጻሊ ዕቤት ግበር
1. ከም ኣገልገልቲ መጠን ዕቤት ክንገብር ከም ዘሎና ዚሕብር እንታይ ኣብነታት ኢና ኻብ ቀዳማይ ዘመን እንረክብ፧
1 ክርስትያናት፡ ከም ኣገልገልቲ መጠን ዕቤት ኪገብሩ ይግብኦም። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ንሰዓብቱ ኣብ ዕዮ ስብከት ክእለቶም ንኼመሓይሹ ዚሕግዞም ስልጠና ዝሃቦም። (ሉቃ. 9:1-5፣ 10:1-11) ኣኪላስን ጵርስኪላን ንኣጵሎስ ምስኦም ‘ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ዝገለጹሉ’ እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። (ግብ. 18:24-26) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ጳውሎስ፡ ነቲ ምኩር ወንጌላዊ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ንህዝቢ ኣብ ምምሃር ብቐጻሊ ብምትጋህ፡ ዕቤቱ “ንዅሉ ግሁድ ምእንቲ ኪኸውን” ዘተባብዖ። (1 ጢሞ. 4:13-15) ከም ኣስፋሕቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና ንጐይታ ዘገልገልናሉ እዋን ብዘየገድስ፡ ናይ ምስባኽ ክእለትና ብቐጻሊ ኸነመሓይሽ ኣሎና።
2. ካብ ካልኦት ብኸመይ ክንመሃር ንኽእል፧
2 ካብ ካልኦት ተመሃር፦ ክእለትና እነመሓይሸሉ ሓደ መገዲ፡ ካብ ካልኦት ብምምሃር እዩ። (ምሳ. 27:17) ስለዚ፡ ንኣቀራርባ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ኣቕልበሉ። ውጽኢታውያን ሰበኽቲ ምኽሪ ንኺህቡኻ ሕተት፣ ነቲ ዚብሉኻ ኸኣ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። (ምሳ. 1:5) ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ወይ ድማ ኣብ ገሊኡ መዳያት ስብከት ምስታፍ የጸግመካ ድዩ፧ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ነቲ ሓላዊ ጕጅለኻ ወይ ንሓደ ምኩር ኣስፋሒ ንኼሰልጥነካ ሕተቶ። መንፈስ የሆዋ እውን ንኽእለትና ኼዕብዮ ኸም ዚኽእል ብምዝካር፡ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበካ ኣዘውቲርካ ጸሊ።—ሉቃ. 11:13።
3. ምኽሪ ኺወሃበና ዘይሓተትና ኽነስና፡ ምኽሪ ምስ ዚወሃበና እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዚግብኣና፧
3 ምኽሪ ንኺወሃበካ ኸይሓተትካ እውን ከይተረፈ ንኸተመሓይሽ ዚሕግዘካ ምኽሪ እንተ ተዋሂቡካ፡ ቅር ኣይበልካ። (መክ. 7:9) ልክዕ ከም ኣጵሎስ፡ ንዚግበረልካ ሓገዝ ብትሕትናን ብሞሳን ተቐበሎ። ከምዚ ምግባር፡ ጥበብ ዜንጸባርቕ እዩ።—ምሳ. 12:15።
4. የሱስ ከም ዝገለጾ፡ ከም ወንጌላውያን መጠን ዕቤት እንገብረሉ ዝዓበየ ምኽንያት እንታይ እዩ፧
4 ዕቤት ንኣምላኽ ክብሪ ይህብ፦ የሱስ ብምሳሌ ተጠቒሙ፡ ሰዓብቱ ኸም ኣገልገልቲ መጠን ቀጻሊ ዕቤት ንኺገብሩ ኣተባቢዕዎም እዩ። የሱስ ንገዛእ ርእሱ ምስ ተኽሊ ወይኒ ኣመሳሲሉዋ፡ ንቕቡኣት ሰዓብቱ ድማ ምስ ጨናፍር ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ቀጺሉ ኸኣ፡ ኣቦ ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዅሉ ጨንፈር፡ “ብዝያዳ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ” በለ። (ዮሃ. 15:2) ልክዕ ከምቲ ወናኒ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ጨናፍር ተኽሊ ወይኑ ብዝያዳ ኼፍርየሉ ዚደሊ፡ የሆዋ እውን፡ “ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍርና፡” ኣብ ምፍራይ ዘሎና ኽእለት ብቐጻሊ ኸነዕቢ እዩ ዚደልየና። (እብ. 13:15) ከም ወንጌላውያን መጠን ዕቤት ምስ እንገብር፡ እንታይ ዜዕግብ ውጽኢት ኢና እንረክብ፧ የሱስ ነዚ ኺምልስ ከሎ፡ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሪኹም፡ . . . ኣቦይ በዚ ይኽበር” በለ።—ዮሃ. 15:8።