መደብ 19 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
19 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 47ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
fg ትምህርቲ 4፡ ክፋል 1-3 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መሳፍንቲ 1-4 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ መሳፍንቲ 3:1–11 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ቤተ ክርስትያን መንፈሳዊት እያ፡ ኣብ ክርስቶስ ከኣ ትህነጽ—td 26ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣሒቶፌል—ፍረ ነገር፦ የሆዋ ንውዲት ጠለምቲ የፍሽሎ—w06 7/15 21፣ w08 3/15 13-14 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ብዅሉ ትሕትና ንጐይታ ተገዛእ።’—ግብ. 20:19።
10 ደቒቕ፦ ንማሕደረ ቓላት ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ ኣብዚ ዚስዕብ ሕቶታት እተመስረተ ምይይጥ፦ (1) እቲ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዘሎ ማሕደረ ቓላት፡ ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ከነንብብ ከለና ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሀ) ማቴዎስ 16:6፡ (ለ) 2 ጴጥሮስ 2:4፡ (ሐ) ራእይ 16:6፣ (2) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃራይና ነዚ ዚስዕብ ቃላት ብንጹር ምእንቲ ኺርድኦ፡ በቲ ማሕደረ ቓላት ጌርና ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧ (ሀ) “መዓልቲ ፍርዲ፡” (ለ) “ስሉብ፡” (ሐ) “በጃ።” ኵሎም ነዚ ንዋት እዚ ኺጥቀሙሉ ኣተባብዓዮም።
10 ደቒቕ፦ ንጐይታ ተገዛኢ ምዃን፡ ዘይምሕላልን ተበግሶ ምውሳድን ይሓትት። ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2014 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 59፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኽሳዕ ገጽ 62፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፣ ከምኡ እውን ኣብ ገጽ 67፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ “ከም ኣገልጋሊ መጠን ቀጻሊ ዕቤት ግበር።” ሕቶታትን መልስታትን።
መዝሙር 20ን ጸሎትን