ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ነህምያ 9-11
እሙናት ኣምለኽቲ ንቲኦክራስያዊ ስርዓታት ይድግፉ
ህዝቢ ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብእተፈላለየ መገድታት ብፍታዎም ደጊፎምዎ
እቶም ህዝቢ፡ በዓል ዳስ ብቕኑዕ መገዲ ኼብዕሉ ተዳለዉን ኣብዓሉን
እቶም ህዝቢ፡ ሕጊ ኣምላኽ ኪንበብ ከሎ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ መዓልቲ መዓልቲ ይእከቡ ነበሩ፣ በዚ ድማ ይሕጐሱ ነበሩ
እቶም ህዝቢ ሓጢኣቶም ተነስሑ፡ ጸለዩ፡ የሆዋ ኺባርኾም ድማ ለመኑ
እቶም ህዝቢ ንዅሉ ቲኦክራስያዊ ስርዓታት ብቐጻሊ ንምድጋፍ ተሰማምዑ
ንቲኦክራስያዊ ስርዓታት ብቐጻሊ ምድጋፍ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል ነበረ፦
ንየሆዋ ዜምልኹ ጥራይ ምምርዓው
ናይ ገንዘብ ወፈያ ምግባር
ሰንበት ምኽባር
ነቲ መሰውኢ ዚኸውን ዕንጨይቲ ምቕራብ
በዅሪ ፍርያትን በዅሪ መጓሰን ንየሆዋ ምሃብ