ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • fg ትምህርቲ 2 ሕቶ. 1-5
  • ኣምላኽ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ መን እዩ፧
  • ብስራት ኣምላኽ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣምላኽ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ብስራት ኣምላኽ
fg ትምህርቲ 2 ሕቶ. 1-5

ትምህርቲ 2

ኣምላኽ መን እዩ፧

1. ንኣምላኽ ከነምልኾ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ ዅሉ እዩ። ንሱ መጀመርታ ዀነ መወዳእታ የብሉን። (መዝሙር 90:2) ምንጪ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት ድማ ንሱ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) ንሱ ህይወት ስለ ዝሃበና፡ ንዕኡ ጥራይ ከነምልኾ ይግባእ።—ራእይ 4:11 ኣንብብ።

2. ኣምላኽ ከመይ ይመስል፧

ኣምላኽ መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ማለት ካብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ፍጡራት እተፈልየን ዝለዓለን ዓይነት ህይወት ስለ ዘለዎ፡ ርእይዎ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን። (ዮሃንስ 1:18፣ 4:24) ይኹን እምበር፡ ንባህርያት ኣምላኽ፡ ኣብቲ ንሱ ዝፈጠሮ ነገራት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ እቲ እተፈላለየ ዓይነት ፍረታትን ዕምባባታትን ብዛዕባ ፍቕርን ጥበብን ኣምላኽ ይነግረና እዩ። ግዝፊ ዩኒቨርስ ከኣ፡ ብዛዕባ ሓይሊ ኣምላኽ ይነግረና እዩ።—ሮሜ 1:20 ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነንብብ፡ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚፈቱን እንታይ ከም ዚጸልእን፡ ንደቂ ሰብ ብኸመይ ከም ዚሕዞም፡ ከምኡ እውን ኣብ እተፈላለየ ዅነታት እንታይ ዓይነት ምላሽ ከም ዚህብ ይነግረና እዩ።—መዝሙር 103:7-10 ኣንብብ።

3. ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧

ስም ኣምላኽ, የሆዋ, ብእተፈላለየ ቛንቋታት

የሱስ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” በለ። (ማቴዎስ 6:9) ኣምላኽ እተፈላለየ መዓርጋት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ሓደ ስም ጥራይ እዩ ዘለዎ። ስሙ በብቛንቋኡ እተፈላለየ ኣደማምጻ እዩ ዘለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብትግርኛ፡ “የሆዋ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ስም ኣምላኽ ኣብ እተፈላለየ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብ1999 እተሰናደወ ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ፡ “ጀሆቫህ” ወይ “የሀዋህ” ዚብል ንረክብ ኢና።—መዝሙር 83:18 ኣንብብ።

ሓያሎ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንስም ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ፡ ወይ ኣምላኽ ብዚብል መዓርጋት ተኪኦምዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኪጸሓፍ ከሎ ግና፡ ስም ኣምላኽ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ነይሩ። የሱስ ንሰባት ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኪገልጸሎም ከሎ፡ ስም ኣምላኽ ከም ዚፍለጥ ገይሩ እዩ።—ዮሃንስ 17:26 ኣንብብ።

ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ

4. የሆዋ ይሓልየልና ድዩ፧

ኣቦን ኣደን ንዝሓመመ ውሉዶም ኪኣልዩ ኸለዉ

ኣምላኽ ልክዕ ከምዚ ፈቃር ኣቦ እዚ፡ ምእንቲ ነባሪ ረብሓና እዩ ዚዓዪ

ብዙሕ መከራ ምህላዉ፡ የሆዋ ብዛዕባና ዘይሓሊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዜርኢ ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺፍትነና ኢሉ ኸም ዜሳቕየና እዮም ዚሓስቡ፣ እዚ ግና ሓቂ ኣይኰነን።—ያእቆብ 1:13 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢርዎም እዩ። ንኣምላኽ ብዛዕባ ምግልጋል፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘሎና ምዃኑስ ኣይተማስወሉንዶ፧ (እያሱ 24:15) ኣዝዩ ብዙሕ መከራ ኺህሉ ዝኸኣለ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕሊ ኻልኦት እከይ ስለ ዚገብሩ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ፡ ንየሆዋ የጕህዮ እዩ።—ዘፍጥረት 6:5, 6 ኣንብብ።

የሆዋ ብዛዕባና ዚሓሊ ኣምላኽ እዩ። ተሓጒስና ኽንነብር ይደልየና እዩ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ንመከራን ነቶም መከራ ዜምጽኡ እኩያትን ኬጥፍኦም እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ የሆዋ፡ መከራ ንእተወሰነ እዋን ኪቕጽል ዝፈቐደሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ኣብ ትምህርቲ 8፡ እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኽንምሃር ኢና።—2 ጴጥሮስ 2:9፣ 3:7, 13 ኣንብብ።

5. ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ኸላ

የሆዋ ብጸሎት ኣቢልና ኽንቀርቦ ዓዲሙና እዩ። ንነፍሲ ወከፍና በብውልቂ ይግደሰልና እዩ። (መዝሙር 65:2፣ 145:18) ይቕረ ኺብለልና ድሉው እዩ። ሓድሓደ ግዜ እኳ እንተ ወደቕና፡ ነቲ ንዕኡ ንምሕጓስ ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ የስተብህለሉ እዩ። ስለዚ፡ ዘይፍጽምና እናሃለወና ኽነሱ፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪህልወና ይኽእል እዩ።—መዝሙር 103:12-14፣ ያእቆብ 4:8 ኣንብብ።

የሆዋ፡ ህይወት ስለ ዝሃበና፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኸነፍቅሮ ኣሎና። (ማርቆስ 12:30) ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ትምህርቲ ብምቕሳምን ፍቓዱ ብምፍጻምን ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትቀርብ ትኽእል ኢኻ።—1 ጢሞቴዎስ 2:4፣ 1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ