ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sn መዝሙር 30
  • የሆዋ ኺገዝእ ጀሚሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ኺገዝእ ጀሚሩ
  • ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ኺገዝእ ጀሚሩ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ዘምሩሉ
sn መዝሙር 30

መዝሙር 30

የሆዋ ኺገዝእ ጀሚሩ

(ራእይ 11:15)

1. ኣምላኽና ንጉስ ኰይኑ፡ ተጀሚሩ ግዝኣቱ፡

እምኒ መኣዝኑውን ሰሪቱ፣

ንደሃይኩም ኣስምዑ፡ ንየሆዋ ዘምሩ፡

ንግስና የሱስ ክርስቶስ ተጀሚሩ።

(ኣዝማች)

’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧

ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ሓጐስ፡ ደስታ።

’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧

ህይወት ሓቂ ምስ እፎይታ።

ስለ ፍቕሩ ነመስግኖ፡

ንልዑላዊ ጐይታ።

2. ክርስቶስ ንጉስ ኰይኑ፡ ንውግእውን ተዳልዩ፡

ሰይጣን ምስ ስርዓቱ ኺድምሰስ’ዩ፣

ስብከትና ነጐሃህር፡ ንሓግዞም ንሰባት፡

ኣብ ጐድኒ ጽድቂ ደው ንኺብሉ ትሑታት።

(ኣዝማች)

’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧

ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ሓጐስ፡ ደስታ።

’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧

ህይወት ሓቂ ምስ እፎይታ።

ስለ ፍቕሩ ነመስግኖ፡

ንልዑላዊ ጐይታ።

3. ንግዝኣት ወዲ ኣምላኽ፡ ንርኢ ኽብ ኣቢልና፡

መጺኡ እዩ ብስም ኣምላኽና፣

ናብ ኣምላኽና ቕረቡ፡ ንኽትረኽቡ ሞገሱ፡

ንየሆዋ ብሓባር ኴንኩም ወድሱ።

(ኣዝማች)

’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧

ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ሓጐስ፡ ደስታ።

’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧

ህይወት ሓቂ ምስ እፎይታ።

ስለ ፍቕሩ ነመስግኖ፡

ንልዑላዊ ጐይታ።

(2 ሳሙ. 7:22፣ ዳን. 2:44፣ ራእ. 7:15 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ