መዝሙር 30
የሆዋ ኺገዝእ ጀሚሩ
1. ኣምላኽና ንጉስ ኰይኑ፡ ተጀሚሩ ግዝኣቱ፡
እምኒ መኣዝኑውን ሰሪቱ፣
ንደሃይኩም ኣስምዑ፡ ንየሆዋ ዘምሩ፡
ንግስና የሱስ ክርስቶስ ተጀሚሩ።
(ኣዝማች)
’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧
ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ሓጐስ፡ ደስታ።
’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧
ህይወት ሓቂ ምስ እፎይታ።
ስለ ፍቕሩ ነመስግኖ፡
ንልዑላዊ ጐይታ።
2. ክርስቶስ ንጉስ ኰይኑ፡ ንውግእውን ተዳልዩ፡
ሰይጣን ምስ ስርዓቱ ኺድምሰስ’ዩ፣
ስብከትና ነጐሃህር፡ ንሓግዞም ንሰባት፡
ኣብ ጐድኒ ጽድቂ ደው ንኺብሉ ትሑታት።
(ኣዝማች)
’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧
ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ሓጐስ፡ ደስታ።
’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧
ህይወት ሓቂ ምስ እፎይታ።
ስለ ፍቕሩ ነመስግኖ፡
ንልዑላዊ ጐይታ።
3. ንግዝኣት ወዲ ኣምላኽ፡ ንርኢ ኽብ ኣቢልና፡
መጺኡ እዩ ብስም ኣምላኽና፣
ናብ ኣምላኽና ቕረቡ፡ ንኽትረኽቡ ሞገሱ፡
ንየሆዋ ብሓባር ኴንኩም ወድሱ።
(ኣዝማች)
’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧
ሓቂ፡ ጽድቂ፡ ሓጐስ፡ ደስታ።
’ታይ ተምጽእ መንግስቲ የሆዋ፧
ህይወት ሓቂ ምስ እፎይታ።
ስለ ፍቕሩ ነመስግኖ፡
ንልዑላዊ ጐይታ።
(2 ሳሙ. 7:22፣ ዳን. 2:44፣ ራእ. 7:15 እውን ርአ።)