መጽናዕቲ 41
ንኻልኦት ዚርድኦም
ክትዛረብ ከለኻ: ሓበሬታ ጥራይ ኣይተመሓላልፍ። እቲ እትብሎ ነገር ነቶም ዚሰምዕዎ ኸም ዚርድኦም ክትገብር ጽዓር። እዚ ኸኣ ንጉባኤ ዀነ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባት ትዛረብ ሃሉ ብዘየገድስ: ብውጽኢታዊ መገዲ ሓሳብ ንኸተመሓላልፍ ኪሕግዘካ እዩ።
ርዱእ ዘረባ ዚበሃል ብዙሕ መዳያት ኣለዎ። ገለ ኻብኡ ኣብቲ “ብስነ-መጐታዊ መገዲ ምቕራብ” ዚብል መጽናዕቲ 26 ተሸፊኑ ኣሎ። ገሊኡ ኸኣ ኣብቲ “ንኻልእ ተገዳስነት ምርኣይ” ዘርእስቱ መጽናዕቲ 30 ተገሊጹ ኣሎ። ኣብዚ መጽናዕቲ እዚ: ሒደት ተወሳኺ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።
ቀሊል ቃላትን ቀሊል ኣገባብን። ቀሊል ቃላትን ሓጺር ምሉእ ሓሳባትን መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ዜኽእል ሓያል መሳርሒ እዩ። እቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት: ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓዲ ይንበር ብዘየገድስ ኪርድኦ ዚኽእል ብሉጽ ኣብነት መደረ እዩ። እቲ ሓሳባቱ ነቶም ዚሰምዕዎ ሓድሽ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: የሱስ ንዅላትና ዜገድሰና ጕዳይ ስለ ዘበገሰ: ኵሎም ሰባት ኪርድእዎ ይኽእሉ እዮም። ካብቲ ዘበገሶ ጕዳያት: ብኸመይ ሓጐስ ከም ዚርከብ: ምስ ካልኦት ዚግበር ርክብ ብኸመይ ከም ዚመሓየሽ: ጭንቀት ብኸመይ ከም ዚጽወር: ከምኡውን ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት ብኸመይ ከም ዚርከብ ኪጥቀስ ይከኣል። ሓሳባቱ ኸኣ ብቐሊል ቋንቋ እዩ ገሊጽዎ። (ማቴ. ምዕራፍ. 5-7) ልክዕ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ብንውሓትን መዋቕርን ምሉእ ሓሳባት ዝመጸ እተፈላለየ ዓይነት ኣብነታት እዩ ዚህብ። ቀንዲ ዕላማኻ: ሓሳባትካ ብንጹርን ብዚርዳእን መገዲ ምግላጽ ኪኸውን ኣለዎ።
ዓሚቝ ትምህርቲ ኸተቕርብ ከለኻ እውን ከይተረፈ: ብቐሊል ኣገባብ ምቕራብካ ንምርዳኡ ዝቐለለ ኸም ዚኸውን ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ብኸመይ ኢኻ ብቐሊል ኣገባብ ከተቕርቦ እትኽእል፧ ንሰማዕትኻ ዘየድሊ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይትጽዓኖም። እቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ብዚድግፍ መገዲ ወድቦ። ቀንዲ ጥቕስታት ተጠንቂቕካ ምረጽ። ካብ ሓደ ጥቕሲ ናብ ካልእ ብቕልጡፍ ኣብ ክንዲ እትሰግር: ህድእ ኢልካ ኣንቢብካ ግለጾ። ንሓደ ጽቡቕ ሓሳብ ብብዙሕ ቃላት ኣይትቕበሮ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ክትመርሕ ከለኻ: ነዚ ስርዓታት እዚ ዕየየሉ። ኵሉ እቲ ዝርዝር ሓሳባት ክትገልጽ ኣይትፈትን። እቲ ተመሃራይ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ብንጹር ንኺርድኦ ሓግዞ። ጸኒሑ: ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ነቲ ዝተረፈ ዝርዝር ነገራት ኪምልኦ ይኽእል እዩ።
ሓደ ትምህርቲ ብቐሊል ኣገባብ ንኸተቕርብ: ብጽቡቕ ክትዳሎ ኣሎካ። ነቲ ፍረ ነገር ካልኦት ኪርድእዎ እንተ ዀይኖም: ንስኻ ንባዕልኻ ብንጹር ክትርድኦ ኣሎካ። ሓደ ነገር ብሓቂ ምስ ተረድኣካ: ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ምኽንያታት ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ብናትካ ቓላት እውን ክትገልጾ ትኽእል ኢኻ።
ዘይፍሉጥ ቃላት ግለጽ። ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ነገር ከም ዚርዳእ ምግባር ኪበሃል ከሎ: ነቲ ሰማዕትኻ ዘይፈልጥዎ ቓላት ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ምግላጽ የጠቓልል እዩ። ንፍልጠት ሰማዕትኻ እምብዛ ኽብ ኣቢልካ ኣይትገምቶ: በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም እምብዛ ኣትሒትካ ኣይትገምቶ። ብምኽንያት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ መጽናዕቲ: ካልኦት ሰባት ዘይፈልጥዎ ገለ ቓላት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እቶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይእከቡ ሰባት እተወሰነ መግለጺ እንተ ዘይተዋሂብዎም: “ተረፍ:” “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” “ካልኦት ኣባጊዕ:” ከምኡውን “ብዙሓት ሰብ” ዚብል ቃላት ንእተወሰነ ጕጅለ ሰባት ከም ዜመልክት ኣይርድኦምን እዩ። (ሮሜ 11:5፣ ማቴ. 24:45፣ ዮሃ. 10:16፣ ራእ. 7:9) ብተመሳሳሊ: ሓደ ሰብ ንውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚፈልጦ እንተ ዘይኰይኑ: “ኣስፋሒ:” “ፈላሚ:” “ሓላው ወረዳ:” ከምኡውን “በዓል ዝኽሪ” ዚብል ቃላት ከይርድኦ ይኽእል እዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ብብዝሒ ዚጥቀሙሉ: ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ መግለጺታት እውን መግለጺ ኼድልዮ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት “ኣርማጌዶን” ኪበሃል ከሎ ኑክልየሳዊ ህልቂት እዩ ዚመስሎም። “መንግስቲ ኣምላኽ” ከኣ ኣብ ክንዲ ምስ ሓደ መንግስታዊ ምምሕዳር ዜተሓሕዝዋ: ኣብ ውሽጢ ሰብ ንዘሎ ዅነታት ወይ ንሰማይ ጥራይ ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። “ነፍሲ” እትብል ቃል ኪሰምዑ ኸለዉ: ስጋ ሰብ ድሕሪ ሙማቱ ብህይወት እትቕጽል መንፈሳዊ ኽፋል ሰባት ዚብል ሓሳብ ኪመጾም ይኽእል እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: “መንፈስ ቅዱስ” ሓደ ኻብቶም ኣካላት ስላሴ እዩ ዚብል ትምህርቲ እዩ ተዋሂቦም። ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ንስነ-ምግባራዊ ሕግታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝሓደግዎ: መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ንኺርድእዎ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን።—1 ቈረ. 6:18
እቶም ኣዘውቲሮም መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብቡ ሰባት እንተ ዘይኰይኖም: “ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ” ወይ “ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ” ዚብል ዘረባ ኺስሕትዎ ይኽእሉ እዮም። ተመሳሳሊ ስማት ዘለዎም ፈተውቲ ወይ ጐረባብቲ ይህልውዎም ይዀኑ። ሓደ ክርስትያን ሃዋርያ: ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ኽትውስኸሉ የድሊ ይኸውን።
ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰማዕቲ: ጥንቲ ዝነበረ መዐቀኒታት ወይ ባህልታት ዚገልጽ ጥቕስታት ንኺርድኡ ሓገዝ የድልዮም እዩ። ንኣብነት: ኖህ ዝሰርሓ መርከብ: ምናሓ 300 እመት: ምግፋሓ 50 እመት: ቍመታ ድማ 30 እመት ዚብል መግለጺ ኸይርድእዎ ይኽእሉ እዮም። (ዘፍ. 6:15) ነዚ ዓቐን እዚ ኣብቲ ኸባቢ ብዚፈልጥዎ ነገር ጌርካ ኽትገልጸሎም እንተ ኽኢልካ: ሰማዕትኻ ቐልጢፎም ነታ መርከብ ኣብ ኣእምሮኦም ኪስእልዋ ይኽእሉ እዮም።
ዜድሊ መግለጺ ሃብ። ሓደ ጕዳይ ንሰማዕትኻ ንጹር ንምግባር: ትርጕም እተወሰነ ቓላት ብልክዕ ካብ ምግላጽ ንላዕሊ የድሊ ይኸውን። ብግዜ እዝራ ኣብ የሩሳሌም እቲ ሕጊ ምስ ተነበበ: መግለጺ እውን ተዋሂብዎ እዩ። እቲ ህዝቢ ትርጕሙ ምእንቲ ኺርድኦ: እቶም ሌዋውያን ምስቲ ነቲ ህዝቢ ዜድልዮ ዅነታት ዚሰማማዕ ትርጕምን ኣወዓዕላን ይገልጹ ነበሩ። (ነህ. 8:8, 12) ብተመሳሳሊ: ነቲ እተንብቦ ጥቕስታት ግዜ ወሲድካ ግለጾን ኣወዓዕላኡ ኣብርሃዮን።
የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስአ: እቲ እተፈጸመ ነገር ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኢልዎ ዝነበረ ፍጻሜኡ ምዃኑ ንደቀ መዛሙርቱ ገለጸሎም። ነዚ መሰኻኽር ብምዃን እተሰከምዎ ሓላፍነት እውን ኣጕለሓሎም። (ሉቃ. 24:44-48) ሰባት እቲ እተማህርዎ ነገር ንህይወቶም ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚግባእ ንኺርድኡ ምስ እትሕግዞም: ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ ብቐሊሉ እዩ ዚርድኦም።
ልቢ ዘለዎ ግደ። ልክዕ እዩ: መግለጺታትካ ንጹር እኳ እንተ ዀነ: እቲ ኻልእ ሰብ ይረዳእካ ኣይረዳእካ ብኻልእ ረቛሒታት እውን ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ልቢ ሓደ ሰብ ዘይቕበል እንተ ዀይኑ: ንኸይርድኦ ዕንቅፋት ይዀኖ። (ማቴ. 13:13-15) እቶም ብስጋዊ ዓይኒ ጥራይ ኪርእዩ ዝወሰኑ: ንመንፈሳዊ ነገራት ከም ዕሽነት እዮም ዚቘጽርዎ። (1 ቈረ. 2:14) ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ እንተ ኣርእዩ: እንተ ወሓደ ንግዜኡ: ነቲ ምይይጥ ምቍራጹ ጥበባዊ እዩ።
ኰይኑ ግን: ኣብ ገሊኡ መዳያት ብሰንኪ እቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጽንኩር ኵነታት: ልቢ ሰብ ዘይቅበል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ንዝነውሐ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንኺሰምዕ ዕድል ምስ ተዋህቦ: ኪቕበሎ ይኽእል ይኸውን። የሱስ ንሃዋርያቱ ኺግረፍን ኪቕተልን ምዃኑ ምስ ነገሮም: ኪርድእዎ ኣይከኣሉን። ስለምንታይ፧ ዘይተጸበይዎን ዘይደልይዎን ነገር ስለ ዝዀነ እዩ። (ሉቃ. 18:31-34) ይኹን እምበር: በብቝሩብ እቶም 11 ሃዋርያት ነዚ ተረድእዎ: ከም እተረድእዎ ኸኣ ምስቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ተሰማሚዖም ብምምልላስ ኣርኣዩ።
ሰናይ ኣብነት ዘለዎ ጽልዋ። ንሰባት ከነረድኦም እንተ ዄንና: ብቓላትና ኽንነግሮም ጥራይ ዘይኰነስ: ብግብርና ኸነርእዮም ኣሎና። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸዱሉ ናይ መጀመርታ እዋን ኪዛረቡ ኸለዉ: ነቲ ኣብኡ ዚርእይዎ ፍቕሪ ደኣ እምበር: ነቲ ኣብኡ እተባህለ ነገራት ከይዝክሩ ይኽእሉ እዮም። ብተመሳሳሊ: እቲ ኣብ ገጽና ዚንበብ ሓጐስ ንብዙሓት ሰብ ቤት ኣእምሮኦም ከፊቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንኺሰምዑ ሓጊዝዎም እዩ። ህዝቢ የሆዋ ጸበባ ኼጋጥም ከሎ ንሓድሕዶም ዜርእይዎ ሳህልን ንኻልኦት ዜርእይዎ ሕያውነትን: ንገሊኦም ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዘላቶም ንኺድምድሙ ምኽንያት ኰይንዎም እዩ። ስለዚ: ንሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንኸተረድኦም ክትጽዕር ከለኻ: ንእትገልጸሉ መገድን ንእተርእዮም ኣብነትን ሕሰበሉ።