ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ህዝቅኤል 42-45
ንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ይምለስ
እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ቤተ መቕደስ፡ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እሙናት ተረፍ ኣይሁድ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ኸም ዚምለስ ኣረጋጊጹሎም እዩ። ምስናይዚ እውን ብዛዕባ እቲ ንንጹህ ኣምልኾ ዚምልከት ክብ ዝበለ ስርዓታት የሆዋ ኣዘኻኺርዎም እዩ።
• እቶም ካህናት ነቶም ህዝቢ ስርዓታት የሆዋ ይምህርዎም
እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ብዛዕባ ዘሎ ፍልልይ ብኸመይ ከም ዝመሃረና ዘርኢ ገለ ኣብነታት ሃብ። (kr 110-117)
• እቶም ህዝቢ ነቶም ዚመርሑ ሰባት ይድግፍዎም
ገለ ኻብቲ ንሽማግለታት ጉባኤ ኽንድግፈሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧