4-10 መስከረም
ህዝቅኤል 42-45
መዝሙር 31ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ይምለስ”፦ (10 ደቒቕ)
ህዝ 43:10-12—እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ቤተ መቕደስ ዝርኣዮ ራእይ፡ ነቶም እተማረኹ ኣይሁድ ንንስሓ ዚድርኾም፡ ንጹህ ኣምልኾ ናብቲ ዚግብኦ ኽብ ዝበለ ቦታኡ ኸም ዚምለስ ድማ ዜረጋግጸሎም እዩ ነይሩ። (w99 1/3 8 ¶3፣ it-2-E 1082 ¶2)
ህዝ 44:23—እቶም ካህናት ነቶም ህዝቢ “ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ፍልልይ” ይምህርዎም
ህዝ 45:16—እቶም ህዝቢ ነቶም የሆዋ ኺመርሑ ዝመዘዞም ሰባት ይድግፍዎም (w99 1/3 10 ¶10)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ህዝ 43:8, 9—እስራኤላውያን ንስም ኣምላኽ ዘርከስዎ ብኸመይ እዮም፧ (it-2-E 467 ¶4)
ህዝ 45:9, 10—የሆዋ ኻብቶም ስምረቱ ኺረኽቡ ዚደልዩ ሰባት እንታይ ብቕዓት እዩ ዚጽበ፧ (it-2-E 140)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ህዝ 44:1-9
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይዚ ወርሒ እዚ ኣቀራርባታት ተዳሎ፦ (15 ደቒቕ) ኣብቲ “ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት” እተመስረተ ምይይጥ። ነተን ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ዜርእያ ቪድዮታት ወልዓየን፣ ደድሕሪ ሓንቲ ቪድዮ ነቲ ጕሉሕ ነጥብታት ተመያየጡሉ።
ክርስትያናዊ ህይወት
“ንንጹህ ኣምልኾ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስለምንታይ ኢኻ፧”፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) ia ምዕ. 23 ሕ.ጽ. 1-14
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 120ን ጸሎትን