መዝሙር 120
ከም ክርስቶስ ልኡማት ንኹን
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ጐይታ’ኳ ’ተ ዀነ የሱስ ክርስቶስ፡
ኣይተመላለሰን ከቶ ብትዕቢት፣
ዋላ’ኳ ’ተ ተዋህቦ ዓብዪ ዕዮ፡
ወትሩ ልኡም ነይሩ፡ ልቡ’ውን ትሑት።
2. ንእተደቝሱ፡ ንዚጽዕሩ ዅሎም፡
‘ንዑ’ ኢልዎም መታን ኪጾረሎም፣
መንግስቱ ’ተ ደልዮም፡ ንሱ የዕርፎም፣
ትሑት ንዝልቦም ስለ ዚፈትዎም።
3. የሱስ ምሂሩና ኣሕዋት ምዃንና፣
ወትሩ ኽንመላለስ ብትሕትና።
የሆዋ ንዓቃላት ክብ የብሎም፣
ገነት ’ትኸውን ምድሪ የረስትዮም።