መዝሙር 124
እሙናት ንኹን
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. እሙናት ’ወ ንየሆዋ፡
ነቲ ፈቃር ኣቦና፣
ትእዛዛቱ’ውን ለጊብና፡
ክንሕሉ ቓል ኣቲና፣
ምኽሩ ባይታ ዘይወድቕ’ዩ፡
ኵሉ ሳዕ ዚጠቕመና፣
ኣይንፈለ ኻብ የሆዋ፡
ካብቲ እሙን ኣምላኽና።
2. እሙናት ’ወ ንኣሕዋትና፡
ብእምነት ቤተ ሰብና፣
ንሓልየሎም፡ ነፍቅሮም’ውን፡
ብቓልና፡ ብግብርና።
ኣትሒትና ኣይንርእዮምን፡
ነኽብሮም ካብ ልብና፣
ሓቢርናዮም’ውን ነገልግል፡
ወትሩ ኸይተፈለና።
3. እሙናት ’ወ ንሓለውቲ፡
ንዚመርሑና ኣሕዋት፣
መምርሒታት ንዚህቡ፡
ወትሩ ንኹን እዙዛት።
ሽዑ በረኸት የሆዋ፡
ከም ርባ ይውሕዘልና፣
ናይ የሆዋ’ውን ንኸውን፡
እሙናቱ ’ተ ዄንና።
(መዝ. 149:1፣ 1 ጢሞ. 2:8፣ እብ. 13:17 እውን ርአ።)