ክርስትያናዊ ህይወት
ንየሆዋ ወትሩ ኼገልግልዎ፡ ኣሰልጥኖም
ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ወትሩን ብቕንኣትን ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ብኣጋኡ እንተ ደኣ ሰልጢኖም፡ ውጽኢታውያን ኣስፋሕቲ ኸም ዚዀኑ ኻብ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። (ምሳ 22:6፣ ፊል 3:16) ተምሃራይካ ጸቡቕ ልማድ ኣገልግሎት ምእንቲ ኼጥሪ ብኸመይ ክትሕግዞ ኸም እትኽእል ዚሕብር ርእይቶታት እንሆ፦
ተምሃራይካ ኣስፋሒ ኪኸውን ምስ ተፈቐደሉ፡ ብኡብኡ ኸተለማምዶ ጀምር። (km 8/15 1) ንኣገልግሎት ኣገዳሲ ኽፋል ሰሙናዊ ንጥፈታቱ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኣጕልሓሉ። (ፊል 1:10) ብዛዕባ ዞባኹም ሓሳብ ክትህብ ከለኻ፡ ኣወንታዊ ኹን። (ፊል 4:8) ካብ ተመክሮኦም ምእንቲ ኺጥቀም፡ ምስ ሓላው ጕጅለኹምን ምስ ካልኦት ኣስፋሕትን ሓቢሩ ኼገልግል ኣተባብዓዮ። —ምሳ 1:5፣ km 10/12 6 ¶3
ሓደ ተምሃራይ ምስ ተጠምቀ፡ ብፍላይ ንመጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” እንተ ዘይወዲእዋ፡ ኣብ ኣገልግሎት ካብ ምስልጣኑን ካብ ምትብባዑን ድሕር ኣይትበል።—km 12/13 7
ምስ ሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ ኣብ ኣገልግሎት ክትዓዪ ኸለኻ፡ ቀሊል ኣቀራርባ ተጠቐም። ንኣቀራርባኡ ምስ ሰማዕካዮ፡ ንኣዶ። ዝያዳ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚሕግዞ ርእይቶታት ሃቦ።—km 5/10 7