ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ናሆም 1–ኣንባቆም 3
ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሕን ንጡፍን ኩን
እቲ ባቢሎናውያን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዘውረድዎ ጥፍኣት፡ ኪፍጸም ዘይሕሰብ እዩ ዚመስል ነይሩ። ግብጺ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ብርቱዕ ጽልዋ ነይርዋ እዩ። ከለዳውያን ንግብጻውያን ኣይመልክዎምን እዮም ነይሮም። ብተወሳኺ፡ ብኣረኣእያ ኣይሁድ፡ የሆዋ የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ኪጠፍኣ ኺፈቅድ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ትንቢት ምፍጻሙ ዘይተረፍ እዩ ነይሩ። ኣንባቆም ድማ ንቑሕን ንጡፍን ኰይኑ ኺጽበ የልድዮ ነበረ።.
መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኸም ዝቐረበ ዜእምነኒ እንታይ እዩ፧
ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሕን ንጡፍን ኰይነ ኽቕጽል ዝኽእል ብኸመይ እየ፧