ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • kr ምዕ. 8 ገጽ 78-86
  • ናውቲ ስብከት—ንብዘላ ዓለም ዚኸውን ጽሑፋት ምድላው

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናውቲ ስብከት—ንብዘላ ዓለም ዚኸውን ጽሑፋት ምድላው
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ፡ ዘርኢ ሓቂ ኺዘርኡ የዕጥቖም
  • ነቲ ዚውሃበና ናውትን ስልጠናን ነማስወሉ ኢና
  • ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘማስዉሉ ትርጕም ሓዳስ ዓለም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ዝምልከት ኣገዳሲ ፍጻመ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • የሆዋ፡ ሓሳቡ ብንጹር ዜመሓላልፍ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ህያው ትርጉም ቃል ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
kr ምዕ. 8 ገጽ 78-86

ምዕራፍ 8

ናውቲ ስብከት—ንብዘላ ዓለም ዚኸውን ጽሑፋት ምድላው

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

የሆዋ፡ ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ንምምሃር ዜድልየና ናውቲ ይህበና

1, 2. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እቲ ብስራት ኣብ ብዘሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኺዝርጋሕ ዝሓገዘ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና፡ ደገፍ የሆዋ ኸም ዘሎና ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎና፧ (“ብልዕሊ 670 ቋንቋታት ዚቐርብ ብስራት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

ናብ የሩሳሌም ዝመጹ በጻሕቲ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ስለ ዝደንጸዎም፡ እዝኖም ኪኣምኑ ኣይከኣሉን። ገሊኦም ገሊላውያን ቋንቋ ወጻኢ መሊኾም ይዛረቡ ነበሩ፣ እቲ ዜመሓላልፍዎ ዝነበሩ መልእኽቲ ኸኣ ነቶም ሰማዕቶም መሰጦም። እዚ ዝዀነ፡ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ናይ ምዝራብ ተኣምራዊ ውህበት ተዋህቦም፣ እዚ ኸኣ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎም ዜርኢ መርትዖ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-8, 12, 15-17 ኣንብብ።) እቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝሰበኽዎ ብስራት ካብ እተፈላለዩ ኣህዛብ ንዝመጹ ሰባት በጽሖም፣ ድሕሪኡ እውን ኣብ ብዘሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ተዘርግሐ።—ቈሎ. 1:23።

2 ሎሚ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ እተፈላለየ ቛንቋታት ኣይዛረቡን እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ 670 ቋንቋታት ስለ ዚትርጕሙ፡ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣጸቢቑ ዚበዝሕ ቋንቋታት ይጥቀሙ እዮም። (ግብ. 2:9-11) ህዝቢ ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ጽሑፋት ስለ ዘዳልዉ፡ እዚ ድማ ብኣዝዩ ብዙሕ ቋንቋታት ስለ ዚትርጐም፡ እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ኵሉ መኣዝን ዓለም በጺሑ ኣሎ።a እዚ ኸኣ የሆዋ ንንጉስ የሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ዕዮ ስብከት ንምእላይ ይጥቀመሉ ኸም ዘሎ ዜርኢ ዘየማትእ መርትዖ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ገለ ኻብቲ ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕማም ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት እተጠቐምናሉ ናውቲ ኽንምርምር ከለና፡ እቲ ንጉስ፡ ብሰባት እንግደስ ክንከውን ከመይ ገይሩ ኸም ዘሰልጠነና፡ መምህራን ቃል ኣምላኽ ክንከውን ድማ ከመይ ገይሩ ኸም ዘተባብዓና እስከ ንርአ።—2 ጢሞ. 2:2።

ብልዕሊ 670 ቋንቋታት ዚቐርብ ብስራት

ብ2000፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከባ ዅለን ጕጅለታት ትርጕም ዜደንቕ መደብ ስልጠና ኺውሃብ ፈቐደ። እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ፡ ብዛዕባ ግንዛበ እንግሊዝኛ እተዋህበ ናይ ሰለስተ ወርሒ ስልጠና እዩ ነይሩ። ኣብዚ ስልጠና እዚ 25 መምህራን ን1,944 ተርጐምቲ መሃርዎም፣ እቶም ተርጐምቲ ድማ ናብ 182 ቋንቋታት ዚትርጕሙ ነበሩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ንተርጐምቲ፡ ምትርጓም ቅድሚ ምጅማሮም፡ ነቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ጽሑፍ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ሓገዞም። ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ቋንቋ እንግሊዝኛ እተተሓሓዘ መዳያቱ ኸኣ፡ ተርጐምቲ ንጽሑፍ ከመይ ገይሮም ከም ዚትንትንዎ፡ ቅርጽን ቃናን ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ዕላማን እቲ ጽሑፍ እንታይ ምዃኑ ኺፈልጡ፡ ከምኡ ድማ ንመን ከም እተጻሕፈ ኼለልዩ ተማህሩ።

ብ2001፡ ብሓደ ጕጅለ ምኩራት ተርጐምቲ፡ ካልኣይ ትምህርቲ ተዳለወ። እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ተክኒካት ትርጕም ዜተኵር ነበረ። ሕጂ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ዅለን ጕጅለታት ትርጕም፡ በዚ መደብ ስልጠና እዚ ሓሊፈን እየን።

እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ብዘይካ እዚ ስልጠናታት እዚ፡ ክፍሊ ሓገዝ ተርጐምቲ ኣዳለወ። ሓንቲ ጕጅለ ትርጕም ነቲ ምንጪ ጽሑፍ ንምርዳእ ሓገዝ ምስ እትደሊ፡ ወይ ድማ ሓደ ተክኒክ ትርጕም ኣብ ፍሉይ ኵነት ብኸመይ ከም ዚዓዪ ምስ እትጠራጠር፡ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ሕቶኣ ናብቲ ኽፍሊ እቲ ኽትሰድድ ትኽእል እያ። እታ ሕቶ ንኣሰናዳዊ እትምልከት እንተ ዀይና፡ እቲ ኽፍሊ ሓገዝ ተርጐምቲ ንጠርናፊ ወይ ንቐንዲ ኣሰናዳዊ እቲ ሕትመት ይውከስ። እታ ሕቶ ምስ ተመለሰት፡ እታ ኣብ ፈለማ ዘበገሰታ ጕጅለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵለን እተን ነቲ ሕትመት እቲ ዚዓይያ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከባ ጕጅለታት ትርጕም ኪረኽባኦ ኣብ ዚኽእላ ቦታ ይቕመጥ። እቲ መልሲ በዚ ኸምዚ ስለ ዚቕመጥ፡ ዝዀነ ተርጓሚ ብቐሊሉ ኺረኽቦ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ትርጕም ተመሳሳሊ ግድል ዘጋጠማ ዝዀነት ትኹን ጕጅለ፡ ካብቲ ዚውሃብ መምርሒ ኽትጥቀም ትኽእል እያ።

እዚ ስልጠና እዚ ንተርጐምቲ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ ሓንቲ ተርጓሚት ከምዚ በለት፦ “እቲ ዝረኸብናዮ ስልጠና ነቲ መበቈላዊ ጽሑፍ ንምትርጓም ዜኽእል ተክኒካት ንምድህሳስ ናጽነት ሂቡና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቦታ ናይ ጸሓፊ ኸይንኣቱ ዚዓግት ግቡእ ደረት እውን ገይሩልና እዩ። ሕጂ፡ ናበይ ከም እንኸይድን እንታይ ኣማራጺ መገድታት ከም እንጥቀምን መዓስ ደው ከም እንብልን ስለ እንፈልጥ፡ ነቲ መዓልቲ መዓልቲ ዜጋጥመና ብድሆ ንምድህሳስ ምሉእ ብምሉእ እተዓጠቕና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና።”

ብ2013፡ ነቲ ብስራት ብልዕሊ 670 ቋንቋታት ንምዝርጋሕ፡ ልዕሊ 2,700 ተርጐምቲ፡ ኣብ ልዕሊ 190 ቦታታት ይዓይዩ ነይሮም። እዚ ዜገርም ዕዮ እዚ፡ ደገፍ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ስለ ዘለዎ ጥራይ እዩ ኺዕየ ተኻኢሉ።—ማቴ. 28:19, 20፣ ራእ. 14:6።

ኣብ ቲሞር-ለስተ እትርከብ ጕጅለ ትርጉም

ኣብ ቲሞር-ለስተ እትርከብ ጕጅለ ትርጕም

እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ፡ ዘርኢ ሓቂ ኺዘርኡ የዕጥቖም

3. ኣብ ዕዮ ስብከትና እተፈላለየ ናውቲ እንጥቀም ስለምንታይ ኢና፧

3 የሱስ ን“ቓል መንግስቲ” ምስ ዘርኢ፡ ንልቢ ሰብ ከኣ ምስ መሬት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ማቴ. 13:18, 19) ከምቲ ኣታኽልተኛ ንመሬት ንምልስላስን ንዘርኢ ንምድላውን እተፈላለየ ናውቲ ዚጥቀም፡ ህዝቢ የሆዋ ኸኣ ንልቢ ሚልዮናት ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ንምድላው እተፈላለየ ናውቲ ይጥቀሙ እዮም። ገለ ኻብዚ ናውቲ እዚ ንእተወሰነ እዋን እዩ ኣገልጊሉ። ከም መጻሕፍትን መጽሔታትን ዝኣመሰለ ገሊኡ ናውቲ ግና፡ ክሳዕ ሕጂ የገልግል ኣሎ። ኵሉ እቲ ኣብዚ እንርእዮ ናውቲ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ ዝረኣናዮ ሜላታት መራኸቢ ብዙሓን ዘይኰነስ፡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ገጽ ንገጽ ረኺቦም ንምዝርራብ ዚሕግዞም እዩ።—ግብ. 5:42፣ 17:2, 3።

ብ1930ታት ክልተ ሰባት ኣብ ቤት ዕዮ ናውቲ ድምጺ

ኣብ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ፎኖግራፋትን ናውቲ ድምጽን ኪዳሎ ኸሎ

4, 5. ቅዳሓት ፎኖግራፍ ብኸመይ የገልግል ነበረ፧ እንታይ ግና ይጐድሎ ነበረ፧

4 እተቐድሐ መደረታት። ካብ 1930ታት ክሳዕ 1940ታት፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ተንቀሳቓሲ ፎኖግራፍ ዚውላዕ እተቐድሐ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም እዮም። ኵሉ እቲ ቕዳሓት፡ ሓሓሙሽተ ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ ግዜ ዚወስድ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ቕዳሓት፡ ከም “ስላሴ፡” “ቦታ ንስሓ፡” “መንግስቲ ኣምላኽ” ዚብል ሓጺር ኣርእስቲ ነበሮ። እቲ ቕዳሓት ብኸመይ እዩ ዚዕየየሉ ነይሩ፧ ብ1930 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተጠምቀ ሓውና ክለይተን ዉድዎርዝ ጁንየር ከምዚ በለ፦ “ክንዲ ንእሽቶ ባልጃ እትኸውን፡ ብሞላ እትምላእ፡ ብግቡእ ምእንቲ ኽትጻወት ከኣ ኣብ ጥርዚ እቲ ቕዳሕ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኺግጠም ዘለዎ ዚመልቝ ኣቕሓ ዘለዋ ፎኖግራፍ ሒዘ እኸይድ ነይረ። ናብ ኣፍ ደገ ሓደ ቤት ምስ ቀረብኩ ኸኣ፡ ነቲ ባልጃ ኸፊተ፡ ነቲ መደገፊ ኣብ ቦታኡ ገይረ፡ ደወል እድውል ነይረ። ብዓል ቤት ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈቶ፡ ‘ክትሰምዖ ዝደልየካ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣሎኒ’ እብሎ ነይረ።” እሞኸ እንታይ ምላሽ ይረክብ ነበረ፧ ሓውና ዉድዎርዝ፡ “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ይህቡ ነበሩ። ኣብ ገሊኡ ግዜያት ግና፡ ነቲ ማዕጾ ይዓጽውዎ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ፡ ፎኖግራፍ ዝሸይጥ ዘለኹ ይመስሎም ነበረ” በለ።

ገበር ቅዳሕ ፎኖ ግራፍ እቲ ብጆሴፍ ራዘርፎርድ ዚቐርብ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ

ክሳዕ 1940፡ ልዕሊ 90 እተቐድሐ መደረታትን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅዳሓትን ተዳልዩ ነበረ

5 ክሳዕ 1940፡ ልዕሊ 90 እተቐድሐ መደረታትን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅዳሓትን ተዳልዩ ነበረ። በቲ ግዜ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ፡ ደሓር ከኣ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ጆን ባር ከምዚ በለ፦ “ካብ 1936 ክሳዕ 1945 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ፎኖግራፍ ካባይ ዘይትፍለ ብጸይተይ እያ ነይራ። በቲ ግዜ እቲ፡ ብዘይ ብእኣ ዝገብሮ እዩ ዚሕርብተኒ ነይሩ። ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኴንካ ድምጺ ሓውና ራዘርፎርድ ምስማዕ፡ ኣዝዩ ዜተባብዕ እዩ ነይሩ፣ ብኣካል ኣብኡ ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ። ልክዕ እዩ፡ ዕዮ ፎኖግራፍ ኣብ ኣገልግሎት ንምምሃር፡ ማለት ልቢ ሰባት ንምትንካፍ ዜኽእል ኣይነበረን።”

6, 7. (ሀ) ኣወንታዊ ጐድንን ኣሉታዊ ጐድንን ካርድታት ምስክርነት እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ‘ኣብ ኣፍና ቓል ኣንቢሩ’ ኺብሃል ዚክኣል ብኸመይ እዩ፧

6 ካርድታት ምስክርነት። ካብ 1933 ንደሓር፡ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ኣብ በቤት እናኸዱ ዚገብርዎ ኣገልግሎት፡ ካርድታት ምስክርነት ኪጥቀሙ ይተባብዑ ነበሩ። ሓንቲ ካርድ ምስክርነት 7.6 ብ12.7 ሰንቲ ሜተር ኣቢላ እትኸውን እያ ነይራ። ሓጺር መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ ብዓል ቤት ኪረኽቦ ዚኽእል ዝርዝር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ከኣ ትሕዝ ነበረት። ኣስፋሒ ነታ ካርድ ንብዓል ቤት ሂቡ ኼንብባ ይሓትቶ ነበረ። ደሓር ኣብ ፖርቶ ሪኮን ኣብ ኣርጀንቲናን ሚስዮናዊት ኰይና ዘገልገለት ሊልያን ካመሩድ፡ “ንዕዮ ካርድ ምስክርነት ተሓጒሰ እየ ተቐቢለዮ” በለት። ስለምንታይ እያ ኸምኡ ገይራ፧ “ጽቡቕ መእተዊ ኸነቕርብ እንኽእል ዝነበርና፡ ኵላትና ኣይኰንናን። ስለዚ፡ ንሰባት ምቕራብ ከም ዝለምድ ገይሩኒ እዩ” በለት።

ካርድ ምስክርነት ብጣልያንኛ

ካርድ ምስክርነት (ብጣልያንኛ)

7 ብ1918 እተጠምቀ ሓውና ዴቪድ ሩሽ፡ “ብትኽክል ኪዛረቡ ዚኽእሉ ዀይኑ ዝስምዖም ኣዝዮም ሒደት ስለ ዝነበሩ፡ ካርድታት ምስክርነት ንኣሕዋት ሓጊዝዎም እዩ” ኢሉ ርእይቶኡ ገለጸ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ንዋት እዚ ኣሉታዊ ጐድኒ እውን ነይርዎ እዩ። ሓውና ሩሽ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ ከምዚ በለ፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ክንዛረብ ዘይንኽእል ዚመስሎም ሰባት የጓንፉና ነይሮም እዮም። መብዛሕትና ኽንዛረብ ዘይንኽእል ኢና ኔርና ኺብሃል ይከኣል እዩ። የሆዋ ግና ከም ኣገልገልቱ ዄንና ኣብ ቅድሚ ሰባት ክንቀርብ የዳልወና እዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ በቤት ከመይ ጌርና ኸም እንጥቀመሉ ብምምሃር፡ ኣብ ኣፍና ቓል ኣንቢሩ እዩ። ነዚ ድማ በቲ ብ1940ታት ዝጀመረ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኣቢሉ እዩ ገይርዎ።”—ኤርምያስ 1:6-9 ኣንብብ።

8. ክርስቶስ ኬሰልጥነካ ብኸመይ ክትፈቅድ ትኽእል፧

8 መጻሕፍቲ። ካብ 1914 ኣትሒዞም፡ ህዝቢ የሆዋ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ልዕሊ 100 በበይኑ ዝዓይነቱ መጻሕፍቲ ኣዳልዮም እዮም። ገሊኡ ኻብዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ ኣስፋሕቲ ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ ኪዀኑ ዜስልጥን እዩ ነይሩ። ንልዕሊ 70 ዓመት ኣስፋሒት ዝዀነት ኣብ ደንማርክ እትነብር ኣና ላርሰን ብዛዕባ እዚ ኸምዚ በለት፦ “የሆዋ ብቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን በቲ ምስኡ እተተሓሓዘ መጻሕፍትን ኣቢሉ ዝያዳ ውጽኢታውያን ኣስፋሕቲ ኽንከውን ሓጊዙና እዩ። ካብዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ እታ ቐዳመይቲ ብ1945 ዝወጸት ቲኦክራቲክ ኤይድ ቱ ኪንግደም ፓብሊሸርስ ምንባራ እዝክር እየ። ድሕሪኣ፡ እታ ብ1946 እተሓትመት፡ “ኢኲፕድ ፎር ኤቭሪ ጉድ ዎርክ” ወጸት። ሕጂ ኸኣ፡ እታ ብ2001 እተሓትመት ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ኣላትና።” የሆዋ ንህዝቡ፡ ‘ኣገልገልቲ ኪዀኑ ብቑዓት’ ኪገብሮም ከሎ፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ምስኡ እተተሓሓዘ መጻሕፍትን ኣገዳሲ ግደ ኸም እተጻወተ ኣየጠራጥርን እዩ። (2 ቈረ. 3:5, 6) እሞኸ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተመዝጊብካዶ ኣለኻ፧ ነታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ሰሰሙን ናብ ኣኼባ ወሲድካ፡ እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ናብኣ ኼመልክት ከሎ ትከታተልዶ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ዝሓሽካ መምህር ምእንቲ ኽትከውን፡ ክርስቶስ ኬሰልጥነካ ትፈቅድ ኣለኻ ማለት እዩ።—2 ቈረ. 9:6፣ 2 ጢሞ. 2:15።

9, 10. ነቲ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ምዝራእን ማይ ኣብ ምስታይን፡ መጻሕፍቲ እንታይ ግደ ተጻዊቱ፧

9 የሆዋ ብውድቡ ገይሩ፡ ኣስፋሕቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጹ ዜኽእሎም መጻሕፍቲ ብምድላው እውን ሓጊዙና እዩ። ምናዳ እታ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ውጽኢታዊት እያ ነይራ። ኣብ ፈለማ፡ ብ1968 እያ ተሓቲማ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሓያል ጽልዋ እያ ኣሕዲራ። ናይ ሕዳር 1968 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ “ነታ መጽሓፍ ሐቂ ዚቐርብ ጠለብ ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ኣብ መስከረም፡ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ናይ ማሕበር ፋብሪካ ፍሉይ ናይ ለይቲ እብረ ወሲኹ” በለት። እታ ዓንቀጽ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ሓደ ግዜ ኣብ ነሓሰ፡ ንመጽሓፍ ሐቂ ዝነበረ ጠለብ ካብቲ ቐረብ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ቅዳሓት ይዛይድ ነይሩ” ኢላ ገለጸት። ክሳዕ 1982፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ቅዳሓት እታ መጽሓፍ፡ ብ116 ቋንቋታት ተሓቲሙ ነይሩ። ኣብቲ ኻብ 1968 ክሳዕ 1982 ዝነበረ 14 ዓመት፡ መጽሓፍ ሐቂ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪውሰኹ ሓጊዛ እያ።b

10 ብ2005፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ካልእ ጽብቕቲ መጽሓፍ ወጸት። ክሳዕ ሕጂ፡ 200 ሚልዮን ዚኸውን ቅዳሓት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብ256 ቋንቋታት ተሓቲሙ ኣሎ! እዚኸ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧ ካብ 2005 ክሳዕ 2012 ኣብ ዝነበረ ሸውዓተ ዓመት ጥራይ፡ 1.2 ሚልዮን ሰባት ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ኰይኖም እዮም። በቲ እዋን እቲ፡ ቍጽሪ እቶም ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ሰባት፡ ካብ ኣስታት 6 ሚልዮን ናብ ልዕሊ 8.7 ሚልዮን ወሲኹ። የሆዋ ነቲ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝራእን ማይ ንምስታይን እንገብሮ ጻዕርታት ብዘይ ጥርጥር ይባርኾ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 3:6, 7 ኣንብብ።

11, 12. ምስቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ፡ መጽሔታትና ንመነመን ኣንበብቲ ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ፧

11 መጽሔታት። ኣብ ፈለማ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብቐዳምነት ነቶም “ሰማያዊ ጽውዓ” ዘለዎም “ሒደት መጓሰ” እያ እትዳሎ ነይራ። (እብ. 3:1፣ ሉቃ. 12:32) ብ1 ጥቅምቲ 1919፡ ውድብ የሆዋ ንኻልኦት ኣንበብቲ፡ ማለት ንህዝቢ እተዳለወት ካልእ መጽሔት ከተውጽእ ጀመረት። እታ መጽሔት እቲኣ ብተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ብህዝብን ኣዝያ ስለ እተፈትወት፡ ብዝሒ ቕዳሓታ ኻብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኣጸቢቑ ይበዝሕ ነበረ። እታ መጽሔት ኣብ ፈለማ ዘ ጎልደን ኤጅ ተባሂላ ተሰምያ ነበረት። ብ1937 ከኣ፡ ስማ ናብ ኮንሶሌሽን ተቐየረ። ብ1946 ድማ፡ ንቕሑ! ተባሂላ ተጸውዐት።

12 ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት፡ ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ቅርጽን ግምቢ ዘብዐኛ ዀነ ንቕሑ! ተቐይሩ እዩ፣ ዕላማአን ግና ኣይተቐየረን። ዕላማአን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ምህናጽን እዩ። ሎሚ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብኽልተ መልክዕ፡ ማለት ሕታም መጽናዕትን ሕታም ህዝብን ተባሂላ ትዳሎ ኣላ። እታ ሕታም መጽናዕቲ ነቶም “ኣገልገልቲ ቤት፡” ማለት ነቶም “ሒደት መጓሰ”ን ነቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ተባሂላ እያ እትዳሎ።c (ማቴ. 24:45፣ ዮሃ. 10:16) እታ ሕታም ህዝቢ ኸኣ ምናዳ ነቶም ገና ሓቂ ዘይፈልጡ፡ ግናኸ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንኣምላኽን ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት ተባሂላ እያ እትዳሎ። (ግብ. 13:16) ንቕሑ! ድማ ኣብቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ብዙሕ ዘይፈልጡ ሰባት እያ እተተኵር።—ግብ. 17:22, 23።

13. ብዛዕባ መጽሔታትና እንታይ ዜገርም ነገር ረኺብካ፧ (ነታ “ዓለምለኻዊ ኽብረ ወሰን ሕታማት” ዘርእስታ ሰሌዳ ግለጻ።)

13 ኣብ መጀመርታ 2014፡ ኣብ ወወርሒ ልዕሊ 44 ሚልዮን ቅዳሓት ንቕሑ!ን ኣስታት 46 ሚልዮን ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛን ይሕተም ነይሩ። ንቕሑ! ናብ ኣስታት 100 ቛንቋታት ትትርጐም ነይራ፣ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ናብ ልዕሊ 200 ቛንቋታት ትትርጐም ነይራ። ስለዚ፡ ብብዝሒ ዚትርጐማሉን ዚዝርግሓሉን ኪርኣያ ኸለዋ፡ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ሒዘን ዘለዋ መጽሔታት እየን። እዚ ተዓሚሙ ዘሎ ነገር ኣዝዩ ዜደንቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ዘይንጽበዮ ግና ኣይኰነን። እዘን መጽሔታት እዚአን፡ እቲ የሱስ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ ምዃኑ ዝገለጾ መልእኽቲ እየን ሒዘን ዘለዋ።—ማቴ. 24:14።

14. እንታይ ኢና ብቕንኣት ክንዓዪ ጸኒሕና፧ ስለምንታይከ፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ። ብ1896፡ ሓውና ራስልን ብጾቱን ንስም እቲ ጽሑፋት ንምሕታም ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ትካል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብል ቃል ከም ዜጠቓልል ገይሮም ቀየርዎ። እቲ ትካል፡ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ ተባሂሉ ተጸውዐ። መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ነቲ ብስራት መንግስቲ ንምዝርጋሕ ዜገልግል ቀንዲ ንዋት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ለውጢ እቲ ግቡእ እዩ ነይሩ። (ሉቃ. 24:27) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ ስም እቲ ሕጋዊ ትካል ብምስምማዕ፡ ምእንቲ ዝርጋሐን ንባብን መጽሓፍ ቅዱስ ብቕንኣት ኪዓይዩ ጸኒሖም እዮም። ንኣብነት፡ ብ1926 ዘ ኢምፋቲክ ዲያግሎት ዚብሃል ብቤንጃሚን ዊልሰን እተዳለወ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣብ ቤት ማሕተምና ተሓቲሙ እዩ። ካብ 1942 ንደሓር ከኣ፡ ኣስታት 700,000 ቅዳሓት ምሉእ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ሓቲምናን ንኣንበብቲ ዓዲልናን ኢና። ድሕርዚ ኽልተ ዓመት ጸኒሕና ድማ፡ ንስም የሆዋ ኣብ 6,823 ቦታታት ዚጥቀም ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን ክንሓትም ጀሚርና ኢና። ክሳዕ 1950፡ ልዕሊ 250,000 ቅዳሓት እዚ ትርጕም እዚ ዓዲልና ኢና።

15, 16. (ሀ) ካብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብፍላይ እተድንቖ እንታይ እዩ፧ (ነታ፡ “ዕዮ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ይፋጠን ኣሎ” ዘርእስታ ሳጹን ግለጻ።) (ለ) የሆዋ ንልብኻ ኺትንክፎ ብኸመይ ክትፈቅድ ትኽእል፧

15 ኣብ ዓመተ 1950 ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ብእንግሊዝኛ ወጸ። ምሉእ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ድማ፡ ብ1961 ኣብ ሓደ ጥራዝ ኰይኑ ብእንግሊዝኛ ወጸ። እዚ ትርጕም እዚ፡ ንስም የሆዋ ናብቲ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ ዚርከበሉ ዝነበረ ቦታታት ብምምላስ ኣኽቢርዎ እዩ። እቲ መለኮታዊ ስም፡ ኣብ ቀንዲ ጽሑፍ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም እውን 237 ሳዕ እዩ ዚርከብ። እዚ ትርጕም እዚ ልክዕነቱ ዝሓለወን ተነባብን ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ እተፈላለየ እዋን ተኸሊሱ እዩ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ ብ2013 ተኸሊሱ እዩ። ክሳዕ 2013፡ ልዕሊ 201 ሚልዮን ቅዳሓት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብ121 ቋንቋታት ተሓቲሙ ኣሎ።

16 ገሊኦም ብቛንቋኦም ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምስ ኣንበቡ፡ ከመይ ተሰሚዕዎም፧ ሓደ ነፓላዊ ሰብኣይ፡ “እቲ ዝነበረና ትርጕም ነፓልኛ ክላሲካዊ ቛንቋ ስለ ዚጥቀም፡ ብዙሓት ኪርድእዎ ዜጸግም እዩ ነይሩ። እዚ ናይ ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ ግና መዓልታዊ ቛንቋ ስለ ዚጥቀም፡ ክንርድኦ ንኽእል ኢና” በለ። ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትነብር ሰበይቲ ብቛንቋ ሳንጎ እተዳለወ ትርጕም ከተንብብ ምስ ጀመረት፡ “እዚ ልበይ ዚትንክፍ ቋንቋ እዩ” ኢላ ነብዐት። ከምቲ እታ ሰበይቲ ዝገበረቶ፡ ነፍሲ ወከፍና ቓል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብ፡ የሆዋ ንልብና ኺትንክፍ ክንፈቕደሉ ንኽእል ኢና።—መዝ. 1:2፣ ማቴ. 22:36, 37።

ነቲ ዚውሃበና ናውትን ስልጠናን ነማስወሉ ኢና

17. ነቲ እተዋህበካ ናውትን ስልጠናን ከም እተማስወሉ ኸመይ ጌርካ ኸተርኢ ትኽእል፧ ከምኡ እንተ ጌርካኸ፡ እንታይ ውጽኢት ኢኻ እትረክብ፧

17 ነቲ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ዝሃበና ናውትን ቀጻሊ ስልጠናን ተማስወሉ ዲኻ፧ ውድብ ኣምላኽ እተዳልዎ ጽሑፋት ንምንባብ ግዜ ትምድብ ዲኻ፧ ብእኡ ጌርካኸ ንኻልኦት ትሕግዝ ዲኻ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ምስቲ እታ ብ4 ጥቅምቲ 1914 እተጠምቀት ሓብትና ኦፓል በትለር ዝሃበቶ ሓሳብ ትሰማማዕ ኢኻ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ንብዙሕ ዓመታት፡ ኣነን ብዓል ቤተይን [ኤድዋርድ]፡ ፎኖግራፍን ካርድታት ምስክርነትን ተጠቒምና ኢና። ኣብ በቤት እናኸደና ኸኣ ብመጻሕፍትን ብንኣሽቱ መጻሕፍትን ብመጽሔታትን መስኪርና ኢና። ናብ ወፈራታትን ምረሻን ድማ ኬድና፡ እተሓትመ ኣዋጃት እውን ዓዲልና ኢና። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ናብ ኣባይቲ እቶም ግዱሳት ብምኻድ፡ ከመይ ጌርና ተመላሊስካ ምብጻሕ ከም እንገብርን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንመርሕን ሰልጢንና ኢና። ብዕዮ ትሑዛትን ሕጉሳትን ኢና ኔርና።” የሱስ፡ ተገዛእቱ ዘበሉ ኣብ ምዝራእን ኣብ ምዕጻድን ትሑዛት ከም ዚዀኑን ብሓባር ከም ዚሕጐሱን ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ከም ኦፓል ዝበሉ ሚልዮናት ንሓቅነት እቲ ቓል እቲ ኺምስክሩ ይኽእሉ እዮም።—ዮሃንስ 4:35, 36 ኣንብብ።

18. እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧

18 ገና ኣገልገልቲ እቲ ንጉስ ዘይኰኑ ብዙሓት ሰባት፡ ንህዝቢ ኣምላኽ “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ከም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። (ግብ. 4:13) ግናኸ፡ ሕስብ እሞ ኣብል። እቲ ንጉስ ንተራ ሰባት፡ ገለ ኻብቲ ብብዝሒ እተተርጐመሉ ቛንቋታትን ብዝርጋሐኡን ቀዳምነት ዝሓዘ ጽሑፋት ዜሕትሙ ብርቱዓት ኣሕተምቲ ገይርዎም ኣሎ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ በዚ ናውቲ እዚ ጌርና ነቲ ብስራት ናብ ኵሎም ኣህዛብ ምእንቲ ኽንዝርግሕ፡ ኣሰልጢኑናን ደሪኹናን እዩ። ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ዘርኢ ሓቂ ኣብ ምዝራእን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምዕጻድን ክንካፈልሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

a ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ጥራይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ 20 ቢልዮን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕታማት ኣፍርዮም። ብዘይካዚ፡ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና፡ ነቶም ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ኢንተርነት ኪረኽቡ ዚኽእሉ ልዕሊ 2.7 ቢልዮን ሰባት ክፉት ኰይኑ ኣሎ።

b ገለ ኻብቲ ንኣስፋሕቲ፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዝሓገዛኦም ጽሑፋት፡ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ (ብ1921 እተሓትመት)፡ “ለት ጎድ ቢ ትሩ” (ብ1946 እተሓትመት)፡ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ (ብ1982 እተሓትመት)፡ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት (ብ1995 እተሓትመት) ኪጥቀስ ይከኣል።

c ኣብታ ብዛዕባ እቶም “ኣገልገልቲ ቤት” ዘሎና ዝነጸረ ግንዛበ እትገልጽ ናይ 15 ሓምለ 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 23፡ ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኸም ናይ ሓቂ ጌርካ እትርእያ፧

  • ዕዮ ትርጕም፡ ደገፍ እቲ ንጉስ ከም ዘሎና ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

  • እንታይ ንጽሑፋትና ዚምልከት ሓቅታት እዩ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምዃና ኣረጋጊጹልካ፧

  • እቲ ንጉስ ንዚህበና ናውቲ ዘሎካ ሞሳ ኸመይ ጌርካ ኸተርኢ ትኽእል፧

ዓለምለኻዊ ኽብረ ወሰን ሕታማት

ድምር እተሓትመ መጻሕፍቲ

መጽሓፍ ቅዱስ

ድምር ኵሉ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ (ብምሉእ ወይ ብኸፊል)d

ልዕሊ 5 ቢልዮን

ኪንግ ጄምስ ቨርሽንe

1 ቢልዮን

ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽንf

ልዕሊ 400 ሚልዮን

ትርጕም ሓዳስ ዓለምg

ልዕሊ 201 ሚልዮን

ካልኦት መጻሕፍቲ

ኰቴሽንስ ፍሮም ቸይርማን ማኦ ዘ-ዶንግh

ልዕሊ 1 ቢልዮን ይግመት

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧i

ልዕሊ 201 ሚልዮን

እቲ ጽሑፍ እተተርጐመሉ ብዝሒ ቛንቋታት

ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻj

477

ዓለምለኻዊ ድንጋገ ሰብኣዊ መሰላትk

413

ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!l

359

ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧a (ትራክት)

364

ብብዝሒ ዚሕተምን ዚትርጐምን መጽሔታት

ግምቢ ዘብዐኛb

ኣብ ወወርሒ 45.9 ሚልዮን ብ212 ቋንቋታት

ንቕሑ!c

ኣብ ወወርሒ 44.7 ሚልዮን ብ99 ቋንቋታት

ኤ.ኤ.ኣር.ፒ. ዘ ማጋዚንd

ኣብ ከክልተ ወርሒ 22 ሚልዮን ብእንግሊዝኛ ጥራይ

ሊያሆናe

ዳርጋ 500,000፣ ሓድሓደ ግዜ፡ ዳርጋ 50 ቛንቋታት

d ምንጪ፦ ጊነስ ዎርልድ ሪከርድስ

e ምንጪ፦ ኪንግ ጄምስ ባይብል ትራስት

f ምንጪ፦ ቢብሊካ ፋክት ሺት

g ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ፡ ኣብ ጥሪ 2014 ዝነበረ ሓበሬታ

h ምንጪ፦ ጊነስ ዎርልድ ሪከርድስ

i ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ፡ ኣብ ጥሪ 2014 ዝነበረ ሓበሬታ

j ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ፡ ኣብ ጥሪ 2014 ዝነበረ ሓበሬታ

k ምንጪ፦ ወብ ሳይት ዓለምለኻዊ ድንጋገ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጥቅምቲ 2013 እተረኽበ ሓበሬታ

l ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ፡ ኣብ ጥሪ 2014 ዝነበረ ሓበሬታ4

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ፡ ኣብ ጥሪ 2014 ዝነበረ ሓበሬታ

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ፡ ኣብ ጥሪ 2014 ዝነበረ ሓበሬታ

c ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ፡ ኣብ ጥሪ 2014 ዝነበረ ሓበሬታ

d ምንጪ፦ ኤ.ኤ.ኣር.ፒ.

e ብሞርሞን እትሕተም

ዕዮ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ይፋጠን ኣሎ

ብ1989፡ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉእ ወይ ብኸፊል፡ ብ11 ቛንቋታት እዩ ተሓቲሙ ነይሩ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምቲ ተደላይነቱ ናብ ብዙሓት ምእንቲ ኺበጽሕ፡ ኮሚተ ጽሕፈት እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ተርጐምቲ ነቲ ዕዮ ብሜላን ብስሉጥ መገድን ኪዓይዩ ዚሕግዞም ስልጠናታት ኣዳለወ። ክፍሊ ፕሮግራም መፕስ ከኣ ባይብል ትራንስሌሽን ሲስተም (ስርዓት ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ) ዚብሃል ፕሮግራም ኮምፕዩተር ኣዳለወ።f እዚ ፕሮግራም እዚ ነቲ ጽሑፍ ዚትርጕም ዘይኰነስ፡ ንተርጐምቲ፡ ነቲ ዕዮኦም ብእተወደበ መልክዕ ኪዓይዩን ዜድልዮም መወከሲታት ብቐሊሉ ኺረኽቡን እዩ ዚሕግዞም። መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ምእንቲ ኺወጽእ፡ ውፉያት ተርጐምትን ኣሰልጠንትን ደገፍትን ኣበርቲዖም ይዓይዩ እዮም።

ከም ውጽኢት እዚ ጻዕርታት እዚ፡ ብ2004 ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብልዕሊ 50 ቛንቋታት ይርከብ ነይሩ። ድሕርዚ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ከኣ፡ ማለት ብ2013፡ ትርጕም ሓዳስ ዓለም እተተርጐመሉ ቛንቋታት 121 በጺሑ፣ እዚ ቝጽሪ እዚ ድማ ይውስኽ እዩ ዘሎ።

ኣሃዛት ትርጕም

ቋንቋታት

ዓመት

ምሉእ ትርጕም ሓዳስ ዓለም

ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ

1950

0

1

1952

0

1

1954

1

1

1956

1

1

1958

1

1

1960

1

1

1962

1

1

1964

1

7

1966

1

7

1968

4

7

1970

5

7

1972

6

7

1974

7

9

1976

7

11

1978

7

11

1980

7

11

1982

8

11

1984

8

11

1986

9

11

1988

9

11

1990

9

11

1992

10

14

1994

10

24

1996

12

30

1998

16

32

2000

23

39

2002

29

44

2004

32

52

2006

40

59

2008

47

71

2010

61

98

2012

63

117

f ሕጂ፡ እቲ ባይብል ትራንስሌሽን ሲስተም ክፍሊ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሽሓት ተርጐምቲ ዚጥቀሙሉ ዎችታወር ትራንስሌሽን ሲስተም ዚብሃል ፕሮግራም ኰይኑ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ