ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr18 ለካቲት ገጽ 1-8
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ለካቲት 2018

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ለካቲት 2018
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 5-11 ለካቲት
  • 12-18 ለካቲት
  • 19-25 ለካቲት
  • 26 ለካቲት–4 መጋቢት
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2018
mwbr18 ለካቲት ገጽ 1-8

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ለካቲት 2018

5-11 ለካቲት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 12-13

“ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን”

(ማቴዎስ 13:24-26) ካልእ ምሳሌ ድማ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ ትመስል። 25 ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ። 26 እቲ ብቝሊ ዓብዩ ፍረ ምስ ፈረየ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ እውን ተራእየ።

w13 15/7 9-10 ¶2-3

“እንሆ ድማ፡ ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”

እቲ ኣብ ግራት እቲ ሓረስታይ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ የሱስ ካብ ብምሉኦም ደቂ ሰብ፡ ብኸመይን መዓስን ነቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ፡ ማለት ነቶም ምስኡ ኣብ መንግስቱ ዚገዝኡ ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ዚእክቦም ዚሕብር እዩ። እቲ ምዝራእ፡ ኣብ ጰንጠቈስጠ  33 ድ.ክ. እዩ ጀሚሩ። እቲ ዕዮ ምእካብ ከኣ፡ ኵሎም እቶም ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብህይወት ዚህልዉ ቕቡኣት፡ ንመወዳእታ እዋን ተሓቲሞም ናብ ሰማይ ምስ ተወስዱ እዩ ዚዛዘም። (ማቴ. 24:31፣ ራእ. 7:1-4) ልክዕ ከምቲ ኣብ ጫፍ ሓደ ኸረን ደው ዝበለ ሰብ ንብምሉኡ ኸባቢኡ ኺርኢ ዚኽእል፡ ነቲ ምሳሌ ስርናይን ክርዳድን ኣስፊሕና ምርኣይና፡ ነቲ ኣብ ኣስታት 2,000 ዓመት ዚርአ ምዕባለታት ምሉእ ብምሉእ ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። እሞኸ ኻብዚ ዘለናሉ ሸነኽ ኴንካ ኺርአ ኸሎ፡ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ እንታይ ምዕባለታት ኢና ኸነስተውዕል ክኢልና፧ እቲ ምሳሌ፡ ብዛዕባ እቲ ዘርኢ ዚዝርኣሉን ዚዓብየሉን ኣብ እዋን ቀውዒ ዚዕጸደሉን እዋን እዩ ዚገልጽ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብቐንዱ ኣብ እዋን ዓጺድ ወይ ቀውዒ ኸተተኵር እያ።

ኣብ ትሕቲ ሓለዋ የሱስ

ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ኣብዛ ምስ ግራት እተመሰለት ዓለም ኪቕልቀሉ ምስ ጀመሩ፡ “እቲ ኽርዳድ ተራእየ።” (ማቴ. 13:26) ኣብ ራብዓይ ዘመን፡ እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ክርስትያናት ንቕቡኣት ክርስትያናት ኣዝዮም ዓብለልዎም። ኣብ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን፡ እቶም ባሮት ንጐይታኦም፡ ነቲ ኽርዳድ ኪኣርይዎ ኸም ዝሓተትዎ ትዝክር ትኸውን። (ማቴ. 13:28) እሞኸ እቲ ጐይታኦም እንታይ ምላሽ ሃቦም፧

(ማቴዎስ 13:27-29) ባሮት እቲ ብዓል ቤት መጺኦም ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጺኡ፧’ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ነዝስ ጸላኢ እዩ ገይርዎ’ በሎም። 28 እቶም ባሮት ድማ፡ ‘እሞ ደኣ ኼድናዶ ኽንኣርዮ ትደሊ ኢኻ፧’ በልዎ። 29 ንሱ ኸኣ፡ ‘ነቲ ኽርዳድ ክትኣርዩ ኸለኹም፡ ምስኡ ነቲ ስርናይ ከይትምሕውዎስ፡ ኣይፋልኩምን ደኣ።

w13 15/7 10 ¶4

“እንሆ ድማ፡ ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”

የሱስ ብዛዕባ እቲ ስርናይን ክርዳድን ኪዛረብ ከሎ፡ “ክሳዕ ቀውዒ ኽልቲኡ ብሓደ ይዕበ ሕደግዎ” ኢሉ ነበረ። እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ምድሪ ብስርናይ እተመሰሉ ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ዝነበሩ ዚሕብር እዩ። የሱስ ነዚ መደምደምታ እዚ፡ በቲ ጸኒሑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ ስርዓት ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ዝነገሮም ሓሳብ ኣራጒድዎ ኣሎ። (ማቴ. 28:20) ስለዚ፡ የሱስ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ ክሳዕ መወዳእታ፡ ኵሉ መዓልቲ ኼዕቍቦም እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት በቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ክርስትያናት ተዓብሊሎም ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ብስርናይ እተመሰሉ ጕጀለ ኣየኖት ምንባሮም ርግጸኛታት ኣይኰንናን። ኰይኑ ግና፡ እዋን ቀውዒ ንኺጅምር ገለ ዓሰርተታት ዓመታት ምስ ተረፎ፡ እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ጕጅለ ኺርኣዩ ጀመሩ። እዚ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧

(ማቴዎስ 13:30) ክሳዕ ቀውዒ፡ ክልቲኡ ብሓደ ይዕበ ሕደግዎ፣ ብግዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ ኪኣርይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብእንዳእቲ ገይሮም ኪኣስርዎ፡ ድሕሪኡ ነቲ ስርናይ ናብ ማዕከነይ ኪእክብዎ ኽነግሮም እየ’ በሎም።”

w13 15/7 12 ¶10-12

“እንሆ ድማ፡ ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”

ቀዳማይ፡ ምእራይ እቲ ኽርዳድ። የሱስ፡ “ብግዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ ኪኣርይዎን ንኺነድድ ድማ በብእንዳእቲ ገይሮም ኪኣስርዎን . . . ክነግሮም እየ” በለ። ድሕሪ 1914 መላእኽቲ ነቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ክርስትያናት ካብቶም ቅቡኣት “ደቂ መንግስቲ” ፈልዮም ‘ኪኣርይዎም’ ጀመሩ።—ማቴ. 13:30, 38, 41።

እቲ ዕዮ ምእካብ ምስ ቀጸለ፡ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ጕጅለ ዘሎ ፍልልይ እናነጸረ ኸደ። (ራእ. 18:1, 4) ብ1919 ዓባይ ባቢሎን ከም ዝወደቐት ንጹር ኰነ። ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ብቐንዱ ዚፈልዮም እንታይ እዩ፧ ዕዮ ስብከት እዩ። እቶም ኣብ መንጎ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኣሕዋት፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ምክፋል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሖም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ እታ ብ1919 እተሓትመት ቱ ሁም ዘ ዎርክ ኢዝ ኢንትራስትድ (ነቶም እቲ ዕዮ ብሓደራ እተዋህቦም) ዘርእስታ ትራክት፡ ንዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ቤት ናብ ቤት ኪሰብኩ ኣተባብዓቶም። “እቲ ዕዮ ዓብዪ እኳ እንተ ዀነ፡ ዕዮ ጐይታ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ንሱ ዝህበና ብርታዐ ኽንፍጽሞ ኢና። ንስኻ ድማ ኣብዚ ዕዮ እዚ ናይ ምክፋል ፍሉይ መሰል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ” ትብል ነበረት። እሞኸ እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧ እታ ብ1922 ዝወጸት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኸም ዝሓበረቶ፡ ካብቲ እዋን እቲ ንነጀው፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንንጥፈታት ዕዮ ስብከቶም ወሰኹሉ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ፡ መለለዪ እቶም እሙናት ክርስትያናት ኰነ፣ ሎሚ እውን ከምኡ እዩ።

ካልኣይ፡ ምእካብ እቲ ስርናይ። የሱስ ንመላእኽቱ እንታይ ኢሉ ኸም ዚእዝዞም ኪገልጽ ከሎ፡ “ነቲ ስርናይ ናብ ማዕከነይ ኪእክብዎ ኽነግሮም እየ” በለ። (ማቴ. 13:30) ካብ 1919 ኣትሒዙ፡ ቅቡኣት ናብታ ዝጸረየት ክርስትያናዊት ጉባኤ ይእከቡ ኣለዉ። እቶም ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብህይወት ዚጸንሑ ቕቡኣት ክርስትያናት ንመወዳእታ እዋን ዚእከቡ፡ ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ረኸቡ እዩ።—ዳን. 7:18, 22, 27።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ማቴዎስ 12:20) ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣይኬጥፍእን እዩ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 12:20

ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ፦ ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ፦ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት ዚጥቀምሉ ዝነበሩ መብራህቲ፡ ዘይቲ ኣውልዕ ዚምላእ ንእሽቶ ኣቕሓ መሬት እዩ ነይሩ። ፈትሊ ልሕጺ እንጣጢዕ ነቲ ሃልሃልታ፡ ዘይቲ የስትዮ ነበረ። እተን፡ “ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ ናይ ግሪኽኛ ቓላት፡ ሃልሃልታ ምስ ጠፍአ፡ በቲ ዝተረፈ ቝልዒ ሓዊ ንእትተክኽ ፈትሊ እየን ዜመልክታ። ኢሳይያስ 42:3 ብዛዕባ እቲ የሱስ ዜርእዮ ርሕራሐ እያ እትንበ። የሱስ ነታ ንትሑታትን ንግፉዓትን ሰባት ዝተረፈቶም ናይ መወዳእታ ጩራ ተስፋ ኸም ዘየጥፍኣ ድማ እያ እተመልክት።

(ማቴዎስ 13:25) ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ።

w16.10 32

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ ጥንቲ ሰባት ኣብ ግራት ሰብ ብሓቂዶ ኽርዳድ ይዘርኡ ነይሮም እዮም፧

የሱስ ኣብ ማቴዎስ 13:24-26፡ “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ ትመስል። ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ። እቲ ብቝሊ ዓብዩ ፍረ ምስ ፈረየ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ እውን ተራእየ” ኢሉ ኣሎ። እተፈላለዩ ጸሓፍቲ፡ እዚ ምሳሌ እዚ ኣብ ናይ ሓቂ ፍጻመ እተመስረተ እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ እዮም። ሕጊ ሮማውያን ዝሓዘ ጥንታዊ ጽሑፋት ግና ከምዚ ኼጋጥም ከም ዚኽእል ይእምት እዩ።

ሓደ መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገለጾ፡ “ሕነ ኽትፈዲ ኢልካ . . . ኣብ ግራት ክርዳድ ምዝራእ ብሕጊ ሮሜ ዜቕጽዕ እዩ ነይሩ። ነዚ ዚምልከት ሕጊ ምንባሩ ድማ እዚ ተግባር እዚ ዘይተለምደ ኸም ዘይነበረ እዩ ዜርኢ።” ኣላስተር ኬር ዝስሙ ምሁር ሕጊ ድማ፡ እቲ ሮማዊ ሃጸይ ዝነበረ ጀስቲንያን፡ ብ533 ድ.ክ. ጽማቝ ነጥብታት ሕጊ ሮሜን ቍንጽለ ጽሑፋት እቶም ኣብ ክላሲካዊ ዘመን (ከባቢ 100-250 ድ.ክ.) ዝነበሩ ምሁራት ሕግን ዝሓዘ ዳይጀስት ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣውጺኡ ኸም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ (Digest, 9.2.27.14)፡ እቲ ኽኢላ ሕጊ ዝነበረ ኡልፒን ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ሮማዊ ብዓል ስልጣን ዝነበረ ሰልሰስ ዝዳነዮ ጕዳይ ከም ዝጠቐሰ ይገልጽ። እቲ ጕዳይ፡ ኣብ ግራት ሰብ ተዘሪኡ እኽሊ ብዛዕባ ዘበላሸወ ኽርዳድ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ከኣ፡ እቲ እተጐድአ ሓረስታይ ካብቲ ገበነኛ ኻሕሳ ንምርካብ ኪወስዶ ብዛዕባ ዚኽእል ሕጋዊ ስጕምትታት ይገልጽ።

እዚ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እተፈጸመ ገበን እዚ፡ እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ዅነታት ብሓቂ ኼጋጥም ዚኽእል ምዃኑ ይሕብር።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ማቴዎስ 12:1-21) በቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ብሰንበት፡ ብማእከል ዝሩእ ግራውቲ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ስለ ዝጠመዩ፡ ሰዊት ቀንጢቦም ኪበልዑ ጀመሩ። 2 ፈሪሳውያን ነዚ ርእዮም፡ “እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ኪግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ። 3 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ዳዊት፡ ንሱን ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ እንታይ ከም ዝገበረዶ ኣየንበብኩምን፧ 4 ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ካህናት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ንሱ ዀነ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኺበልዕዎ ዘይተፈቕደሎም እንጌራ መባእ ከም ዝበልዐዶ ኣየንበብኩምን፧ 5 ወይስ ብሰናብቲ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚዓይዩ ኻህናት ንሰንበት ከም ዚስዕርዋን በደል ከም ዘይኰኖምንሲ፡ ኣብ ሕጊዶ ኣየንበብኩምን፧ 6 ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዓቢ ኣብዚ ኣሎ፡ እብለኩም ኣለኹ። 7 ግናኸ፡ ‘መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ምሕረት እየ ዝደሊ’ ዚብል እንታይ ማለት ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ነዞም ዘይበደሉ ኣይምዀነንኩምዎምን ኔርኩም። 8 ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ።” 9 ካብኡ ምስ ሓለፈ፡ ናብ ምኵራቦም ከደ። 10 እንሆ ድማ፡ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኪኸስስዎ ኸኣ፡ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ተፈቒዱ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። 11 ንሱ ድማ፡ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፡ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወዲቓ፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን ሰብ ኣሎዶ፧ 12 ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ኣዝዩ ኣይበልጽን! እምበኣር፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ተፈቒዱ እዩ” በሎም። 13 ሽዑ፡ ነቲ ሰብኣይ፡ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ድማ ዘርግሓ፣ ሓውያ እውን ከምታ ኻልአይታ ዀነት። 14 እቶም ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚቐትልዎ ውዲት ኣለሙ። 15 የሱስ ነዚ ፈሊጡ፡ ካብኡ ኣልገሰ። ብዙሓት ከኣ ሰዓብዎ፣ ንዅላቶም እውን ኣሕወዮም። 16 ከየግህድዎ ግና ብጽኑዕ ኣዘዞም። 17 እዚ ኸኣ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዚስዕብ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ፦ 18 “እንሆ፡ ዝሓረኽዎ ጊልያይ፡ ዝሰምሮ ፍቑረይ! መንፈሰይ ኣብኡ ኸሕድር እየ፣ ንሱ ድማ ንኣህዛብ ፍትሒ ኼነጽረሎም እዩ። 19 ኣይኪከራኸርን፡ ኣይኪጭድርን፡ ኣብ ጐደናታት እውን ብዋላ ሓደ ድምጹ ኣይኪስማዕን እዩ። 20 ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣይኬጥፍእን እዩ። 21 እወ፡ ኣህዛብ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።”

12-18 ለካቲት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 14-15

“ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ምምጋብ”

(ማቴዎስ 14:16, 17) የሱስ ግና፡ “ኪኸዱ ኣየድልዮምን እዩ፣ ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” በሎም። 17 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብዚ ብዘይካ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን፡ ገለ እኳ የብልናን” በልዎ።

w13 15/7 15 ¶2

ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ምምጋብ

የሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ ረኣዮም ደንገጸሎም፣ ነቶም ኣብ ማእከሎም ዝነበሩ ሕሙማት ከኣ ኣሕወዮም፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ሓያሎ ነገራት መሃሮም። ኪመሲ ምስ ጀመረ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ኣብቲ ኸባቢ ናብ ዝነበራ ኣቝሻት ከይዶም ምግቦም ምእንቲ ኺዕድጉ፡ ኬሰናብቶም ተማሕጸንዎ። የሱስ ግና ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ስንቂ፡ ኣዝዩ ሒደት፡ ማለት ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ጥራይ ስለ ዝነበረ፡ ደንጽይዎም ኪኸውን ኣለዎ።

(ማቴዎስ 14:18, 19) ንሱ እውን፡ “ናባይ ኣምጽእዎ” በሎም። 19 ነቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ድማ ናብ ሰማይ ጠመተ እሞ ባሪኹ፡ ነተን እንጌራ ቘሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም።

w13 15/7 15 ¶3

ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ምምጋብ

የሱስ ብድንጋጽ ተላዒሉ፡ ተኣምር ገበረ፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌል እተመዝገበ ተኣምር፡ እዚ ጥራይ እዩ። (ማር. 6:35-44፣ ሉቃ. 9:10-17፣ ዮሃ. 6:1-13) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ በብሓምሳን በብሚእትን ገይሮም ኣብቲ ለምለም ሳዕሪ ኾፍ ኬብልዎም ኣዘዞም። ባሪኹ ድማ፡ ነቲ እንጌራ ኪቘርሶ፡ ነቲ ዓሳ ድማ ኪመቕሎ ጀመረ። ድሕሪኡ፡ ነቶም ህዝቢ ባዕሉ ኣይሃቦምን፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ “ንደቀ መዛሙርቱ ዓደሎም፣ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም።” ብተኣምራዊ መገዲ፡ ንዅሉ ሰብ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ እዩ ተዳልዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሱስ ብሒደት ሰባት፡ ማለት ብደቀ መዛሙርቱ ኣቢሉ፡ ንኣሽሓት ሰባት እዩ መጊቡ።

(ማቴዎስ 14:20, 21) ኵላቶም ድማ በሊዖም ጸገቡ፣ እቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ድማ፡ 12 መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ። 21 እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት 5,000 ሰብኡት ነበሩ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 14:21

ኣንስትን ቈልዑን፦ ብዛዕባ እዚ ተኣምር እዚ ጸብጻብ ኬቕርብ ከሎ ንኣንስትን ንቘልዑን ዝጠቐሰ ማቴዎስ ጥራይ እዩ። እቶም ብተኣምራዊ መገዲ እተመገቡ ሰባት ብድምር ልዕሊ 15,000 ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

w13 15/7 15 ¶1

ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ምምጋብ

ነቲ ዅነታት ብኣእምሮኻ ስኣሎ። (ማቴዎስ 14:14-21 ኣንብብ።) እዋኑ፡ ቀቅድሚ እቲ ብ32 ድ.ክ. ዝወዓለ በዓል ፋስጋ እዩ ነይሩ። ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት 5,000 ዚዀኑ ሰባት፡ ኣብ ከባቢ እታ ኣብ ሰሜናዊ ገምገም ባሕሪ ገሊላ እትርከብ ቤት-ሳይዳ እትብሃል ቍሸት፡ ኣብ ጽምውቲ ቦታ፡ ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተኣኪቦም ነበሩ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ማቴዎስ 15:7-9) ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ከምዚ ብምባል ብዛዕባኹም ጽቡቕ እዩ ተነብዩ፦ 8 ‘እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። 9 ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።’”

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 15:7

ግቡዛት፦ እታ ሂፖክሪተስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ነቶም ድምጾም ዜጕልሕ ዓበይቲ ማስኬራታት ወድዮም ኣብ መድረኽ ዚዋስኡ ግሪኻውያን (ጸኒሖም ድማ ሮማውያን) ተዋሳእቲ እያ ብቐንዱ እተመልክት ነይራ። ጸኒሓ እታ ቓል፡ ናይ ሓቂ ድራኸታቱ ወይ ባህርያቱ ሓቢኡ ንዚቐርብ ዝዀነ ይኹን ኣምሰሉ ሰብ ብምሳልያዊ መገዲ ንምምልካት ኣብ ጥቕሚ ኽትውዕል ጀሚራ። ኣብዚ የሱስ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ እዩ “ግቡዛት” ዚብሎም ዘሎ።—ማቴ 6:5, 16።

(ማቴዎስ 15:26) ንሱ ኸኣ፡ “እንጌራ ውሉዳት ኣልዒልካ ንዀራኹር ምድርባይ ግቡእ ኣይኰነን” ኢሉ መለሰ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 15:26

ውሉዳት . . . ዀራኹር፦ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ኣኽላባት ርኹሳት ስለ ዝነበሩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መብዛሕትኡ ግዜ ነዛ ቓል እዚኣ ኣትሒትካ ንዚርአ ነገር ንምግላጽ እዩ ዚጥቀመላ። (ዘሌ 11:27፣ ማቴ 7:6፣ ፊል 3:2፣ ራእ 22:15) ግናኸ፡ ኣብቲ ማርቆስ ዘቕረቦ ጸብጻብን (7:27) ኣብቲ ማቴዎስ ዘቕረቦ ጸብጻብን እታ “ዅርኩር” ወይ “ከልቢ ቤት” ዝትርጕማ ቓል ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ስለ ዘላ፡ ነቲ ንጽጽር ተፍኵሶ እያ። የሱስ ነታ ኣብ ቤት እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ንዚትሓዙ ዝነበሩ እንስሳ ዘቤት እትገልጽ ፍቕራዊት ቃል የመልክት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ንእስራኤላውያን ምስ “ውሉዳት፡” ኣይሁድ ንዘይኰኑ ሰባት ከኣ ምስ “ኰራኹር” ምምስሳሉ፡ ቀዳምነት ኪውሃቦ ዘለዎ መን ምዃኑ ኺሕብር ከም ዝደለየ የርኢ። ውሉዳትን ኰራኹርን ኣብ ዘለዋ ቤት፡ እቶም ውሉዳት እዮም ቀዳሞት ዚምገቡ ነይሮም።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ማቴዎስ 15:1-20) ድሕርዚ፡ ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡ 2 “ስለምንታይ እዮም ደቀ መዛሙርትኻ ስርዓት ቀዳሞት ዚጥሕሱ፧ ንኣብነት፡ ቅድሚ ምብላዖም ኣእዳዎም ኣይሕጸቡን እዮም፧” በልዎ። 3 ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ኢልኩም ትእዛዝ ኣምላኽ እትጥሕሱ፧ 4 ንኣብነት፡ ኣምላኽ፡ ‘ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡’ ከምኡ ድማ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ ሕማቕ ዚዛረብ ይቀተል’ ኢሉ እዩ። 5 ንስኻትኩም ግና፡ ‘ንኣቦኡ ወይ ንኣዲኡ፡ “እቲ ኻባይ እትረኽቦ ጥቕሚ፡ መባእ ገይረዮ እየ” ዚብል፡ 6 ንኣቦኡ ኬኽብሮ ኣይግደድን እዩ’ ትብሉ። እምበኣር፡ ምእንቲ ስርዓትኩም፡ ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ጌርኩምዎ ኣለኹም። 7 ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ከምዚ ብምባል ብዛዕባኹም ጽቡቕ እዩ ተነብዩ፦ 8 ‘እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። 9 ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።’” 10 ነቶም ህዝቢ ጸዊዑ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ስምዑን ኣስተውዕሉን፦ 11 ንሰብ ዜርክሶ፡ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ብኣፍ ዚኣቱስ ኣይኰነን ዜርክሶ።” 12 ሽዑ፡ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ “ፈሪሳውያን ንዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዓንቀፉስ ትፈልጥ ዲኻ፧” በልዎ። 13 ንሱ ግና፡ “ሰማያዊ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ተኽሊ ኺምንቈስ እዩ። 14 ሕደግዎም፡ ዕዉራት መራሕቲ እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መሪሕዎ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ” ኢሉ መለሰ። 15 ጴጥሮስ ድማ፡ “ነዛ ምሳሌ እዚኣ ተርጕመልና” በሎ። 16 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ንስኻትኩም እውንዶ ገና ኣይትርድኡን ኢኹም፧ 17 ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ፡ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 18 እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና፡ ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። 19 ንኣብነት፡ ካብ ልቢ፡ ክፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ስርቂ፡ ምስክርነት ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ። 20 እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሓጽባ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን እዩ።”

19-25 ለካቲት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 16-17

“ሓሳባት መን ኢኻ እትሓስብ፧”

(ማቴዎስ 16:21, 22) ካብ ሽዑ ንደሓር፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ፡ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ኪቕተል፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ፡ ኪገልጸሎም ጀመረ። 22 ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ “ጐይታይ፡ ንርእስኻ እባ ሕለየላ፣ እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ።

w07 15/2 16 ¶17

ኣቱም ሰብኡት፡ ንርእስነት ክርስቶስ ኣፍልጦ ሃቡሉ

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንሃዋርያቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ፡ “ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጸሓፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ኪቕተል፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ” ገለጸሎም። ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ “ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። ኣረኣእያ ጴጥሮስ ብስምዒት ከም እተሸፈነ ንጹር እዩ። መአረምታ ኺወሃቦ ኣድልዩ ነበረ። ስለዚ፡ የሱስ “ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” በሎ።—ማቴዎስ 16:21-23።

(ማቴዎስ 16:23) ንሱ ግና ንጴጥሮስ ዝባኑ እናሃቦ፡ “ናብ ድሕረይ ኪድ፡ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ንዓይ መዐንቀፊ ኢኻ” በሎ።

w15 15/5 13 ¶16-17

ሰይጣን ኪውሕጠካ ስለ ዚደሊ፡ ንቑሕ ኩን!

ሰይጣን ንቐናኣት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን እንተ ዀነ ኼታልሎም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኪቕተል ምዃኑ ምስ ነገሮም ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገራት እስከ ንርአ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊሱ ንየሱስ ንበይኑ ገይሩ፡ “ጐይታይ፡ ንርእስኻ እባ ሕለየላ፣ እዝስ ኣይብጻሕካ” በሎ። የሱስ ዝሃቦ ምላሽ ግና ሓያል እዩ ነይሩ፣ “ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን!” በሎ። (ማቴ. 16:22, 23) የሱስ ንጴጥሮስ “ሰይጣን” ዝበሎ ስለምንታይ እዩ፧ ቀጺሉ እንታይ ከም ዜጋጥም ስለ ዝፈለጠ እዩ። መስዋእታዊ በጃ ዀይኑ ዚሞተላን ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ዜረጋግጸላን ሰዓት ቀሪባ እያ ነይራ። ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝነበረ ህሞት፡ የሱስ ‘ንርእሱ ዚሓልየሉ’ እዋን ኣይኰነን ነይሩ። ንቑሕ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ሰይጣን ሓሳብ ልቡ ምሰመረሉ።

ኣብዚ ናብ መወዳእታ ስርዓት ዓለም እንቐርበሉ ዘሎና እዋን፡ ኣብ ጽንኩር ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። ሰይጣን ክንፈዝዝን ኣብዛ ዓለም ዕዉታት ክንከውን ብምጽዓር ንርእስና ‘ኽንሓልየላን’ ናይ ህጹጽነት መንፈስና ኸነጥፍእን እዩ ዚደልየና። ከምኡ ኼጋጥመካ ኣይትፍቀድ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ንቑሕ ኩን።’ (ማቴ. 24:42) መወዳእታ ገና ኸም ዝዀነ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ፈጺሙ ኸም ዘይመጽእ ንዚገልጽ ዜታልል ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ኣይትእመኖ።

(ማቴዎስ 16:24) ድሕርዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም፦ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ፡ ጕንዲ ስቅያቱ ኣልዒሉ፡ ብቐጻሊ ይስዓበኒ።

w06 1/4 23 ¶9

‘ኪዱ እናኣጥመቕኩም፡ ደቂ መዛሙርቲ ግበርዎም’

ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ኣብነት የሱስ ምስዓብ እንታይ የጠቓልል፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ [“ብቐጻሊ፡” NW] ይስዐበኒ” በሎም። (ማቴዎስ 16:24) ኣብዚ ኽንገብሮ ዘሎና ሰለስተ ነገራት እዩ ኣጕሊሑ። ቀዳማይ፡ ‘ህይወትና ንቐብጽ።’ ብኻልእ ኣበሃህላ ነቲ ስሱዕን ዘይፍጹምን ዝንባለና ሓዲግና፡ ምኽርን መምርሕን ኣምላኽ ንስዕብ። ካልኣይ ‘መስቀልና [“መሳቐዪ ዕንጨይቲ፡” NW] ነልዕል።’ ብግዜ የሱስ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ምልክት ሕፍረትን መከራን እዩ ነይሩ። ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ ምእንቲ እቲ ብስራት መከራ እንተ ጸገብና ንቕበሎ ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 1:8) ዓለም ዋላ እውን እንተ ኣላገጸትልና ወይ እንተ ጸረፈትና፡ ከም ክርስቶስ ንኣምላኽ ባህ ነብሎ ኸም ዘለና ብምፍላጥና ስለ እንሕጐስ፡ ‘ሕፍረት ንንዕቕ’ ኢና። (እብራውያን 12:2) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ንየሱስ “ብቐጻሊ” ንስዕቦ።—መዝሙር 73:26፣ 119:44፣ 145:2።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ማቴዎስ 16:18) ኣነ ኸኣ እብለካ ኣለኹ፦ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፣ ንጉባኤይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፣ ኣፍ ደገታት መቓብር እውን ኣይኪሕይልዋን እዮም።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 16:18

ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፣ . . . ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ፦ እታ ፔትሮስ እትብል ብተባዕታይ ጾታ ዝቘመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ከውሒ፣ እምኒ” ማለት እያ። ኣብዚ ኸም ናይ ተጸውዖ ስም (ጴጥሮስ) እያ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ዘላ፣ እዚኣ ኸኣ ናይ ግሪኽኛ ትርጉም እታ የሱስ ንስምኦን ዝሃቦ ስም እያ። (ዮሃ 1:42) እታ ፔትራ እትብል ብኣንስታይ ጾታ ዝቘመት ቃል ድማ “ከውሒ” እትትርጐም ኰይና፡ ኣብ ትሕቲ ባይታ ንዚርከብ ከውሒ፡ ንጸድፊ፡ ወይ ንዅምራ እምኒ ኸተመልክት ትኽእል እያ። እዛ ናይ ግሪኽኛ ቓል እዚኣ ኣብ ማቴ 7:24, 25፣ 27:60፣ ሉቃ 6:48፣ 8:6፣ ሮሜ 9:33፣ 1ቈረ 10:4፣ 1ጴጥ 2:8 እውን ትርከብ እያ። ጴጥሮስ ኣብ 1ጴጥ 2:4-8 የሱስ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ብኣምላኽ እተመርጸ “እምኒ መኣዝን መሰረት” ከም ዝዀነ ጽሒፉ ስለ ዘሎ፡ ንገዛእ ርእሱ እቲ የሱስ ንጉባኤኡ ኣብኣ ዚሃንጸላ ኸውሒ ገይሩ ኸም ዘይረኣያ ንጹር እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሱስ፡ “መሰረት” ከምኡ ድማ “መንፈሳዊ ኸውሒ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (1ቈረ 3:11፣ 10:4) ስለዚ፡ የሱስ ውስጠዘ ብምጥቃም፡ ‘ንስኻ፡ እቲ ኣነ ጴጥሮስ ኢለ ዝጸዋዕኩኻ ኸውሒ፡ ነቲ ናይ ሓቂ መንነት እቲ መሰረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኑ ዜገልግል “ከውሒ፡” ማለት ክርስቶስ ኣስተውዒልካ ኢኻ’ ይብል ከም ዝነበረ ንጹር እዩ።

ጉባኤ፦ ኣብዚ እታ ኤክለስያ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ንፈለማ እዋን እያ ተጠቒሳ ዘላ። ንሓደ ዕላማ ወይ ንጥፈት ንእተኣከቡ ወይ ንእተጸውዑ ጕጅለ ሰባት ድማ ተመልክት። (ማህደረ ቓላት ርአ።) ኣብዚ ሓሳባት እዚ፡ የሱስ በቶም ከም “ህያዋን ኣእማን” ኰይኖም ‘መንፈሳዊ ቤት ንምዃን ዚህነጹ ዝነበሩ’ ቕቡኣት ክርስትያናት እተሃንጸት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም እትቐውም እዩ ዚንበ ነይሩ። (1ጴጥ 2:4, 5) እዛ ናይ ግሪኽኛ ቓል ኣብ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ነታ “ጉባኤ” እተተርጐመት መዳርግታ ዝዀነት ናይ እብራይስጢ ቓል ንምምልካት ብዙሕ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ኣላ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ንብምሉኡ ህዝቢ ኣምላኽ እያ እተመልክት። (ዘዳ 23:3፣ 31:30) ኣብ ግብ 7:38፡ እቶም ካብ ግብጺ ተጸዊዖም ዝወጹ እስራኤላውያን ከም “ጉባኤ” ተገሊጾም ኣለዉ። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ‘ካብ ጸልማት እተጸውዑን’ ‘ካብ ዓለም እተሓርዩን’ ክርስትያናት፡ “ጉባኤ ኣምላኽ” የቝሙ እዮም።—1ጴጥ 2:9፣ ዮሃ 15:19፣ 1ቈረ 1:2።

(ማቴዎስ 16:19) መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፣ ኣብ ምድሪ እትኣስሮ ዘበለ፡ ኣብ ሰማያት ድሮ እሱር ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ምድሪ እትፈትሖ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ሰማያት ድሮ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።”

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 16:19

መፋትሕ መንግስተ ሰማያት፦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ቃል ብቓሉ ወይ ብምሳልያዊ መገዲ መፋትሕ እተዋህቦም ሰባት፡ እተወሰነ ስልጣን ብሕድሪ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (1ዜና 9:26, 27፣ ኢሳ 22:20-22) ስለዚ፡ እታ “መፍትሕ” እትብል ቃል ንስልጣንን ንሓላፍነትን ተመልክት እያ። ጴጥሮስ በዘን ብሕድሪ እተዋህባኦ “መፋትሕ” ገይሩ ንኣይሁድን (ግብ 2:22-41) ንሳምራውያንን (ግብ 8:14-17) ንኣህዛብን (ግብ 10:34-38) ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትዉ ዜኽእሎም መንፈስ ኣምላኽ ኪቕበሉ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ማቴዎስ 16:1-20) ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ ናብኡ ቐሪቦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ሓተትዎ። 2 ንሱ ግና ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ምስ መሰየ፡ ‘ሰማይ ቀዪሑ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ’ ትብሉ፣ 3 ምስ ወግሐ፡ ‘እቲ እተደባነወ ሰማይ ቀዪሑ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ’ ትብሉ። ትርኢት ሰማይ ብኸመይ ከም እተለልዩ ትፈልጡ፣ ምልክት ግዜያት ግና ከተለልዩ ኣይትኽእሉን። 4 እኩይን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፣ ብዘይካ ትእምርቲ ዮናስ ግና፡ ትእምርቲ ኣይኪውሃቦን እዩ።” ሓዲግዎም ከኣ ከደ። 5 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ስግር ሰገሩ፣ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ። 6 የሱስ ከኣ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተሓለዉን” በሎም። 7 ንሳቶም ድማ፡ “እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ” እናበሉ ተዛራረቡ። 8 የሱስ ነዚ ፈሊጡ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እንጌራ ስለ ዘይብልኩም ትዛራረቡ ኣለኹም፧ 9 እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ን5,000 ኣኺሉስ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ወይ ኣይትዝክሩን ኢኹም፧ 10 ወይስ እቲ ሸውዓተ እንጌራ ን4,000 ኣኺሉስ ክንደይ ዓብዪ መሶብ ኢኹም ዘልዓልኩም፧ 11 ብዛዕባ እንጌራ ኸም ዘይተዛረብኩኹም ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧ ግናኸ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተሓለዉ።” 12 ሽዑ፡ ካብ ማይ ብሑቝ እንጌራ ዘይኰነስ፡ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪሕለዉ ኸም ዝበሎም ኣስተውዓሉ። 13 የሱስ ናብ ዞባ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ መጸ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተቶም። 14 ንሳቶም ድማ፡ “ገሊኣቶም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ኤልያስ፡ ካልኦት ከኣ ኤርምያስ ወይ ሓደ ኻብ ነብያት ይብሉ” በልዎ። 15 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” በሎም። 16 ስምኦን ጴጥሮስ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 17 የሱስ ከኣ መሊሱ ኸምዚ በሎ፦ “ስምኦን ወዲ ዮናስ፡ ነዝስ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ሕጉስ ኢኻ። 18 ኣነ ኸኣ እብለካ ኣለኹ፦ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፣ ንጉባኤይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፣ ኣፍ ደገታት መቓብር እውን ኣይኪሕይልዋን እዮም። 19 መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፣ ኣብ ምድሪ እትኣስሮ ዘበለ፡ ኣብ ሰማያት ድሮ እሱር ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ምድሪ እትፈትሖ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ሰማያት ድሮ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።” 20 ድሕርዚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ብጽኑዕ ኣዘዞም።

26 ለካቲት–4 መጋቢት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 18-19

“ንርእስኻን ንኻልኦትን ከይትዕንቅፍ ተጠንቀቕ”

(ማቴዎስ 18:6, 7) እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ንኣሽቱ ዚዕንቅፍ ዘበለ ግና፡ ብኣድጊ ዚዘውር መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኺጥሕል ይሕሾ። “ብሰሪ መዐንቀፊታትሲ፡ ወይለኣ ዓለም! መዐንቀፊታት እኳ ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ፣ ነቲ ብሰሩ መዐንቀፊ ዚመጽእ ሰብ ግና ወይለኡ!

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 18:6, 7

ብኣድጊ ዚዘውር መጥሓን፦ ወይ “ዓብዪ መጥሓን።” ቃ.ቃ.፡ “መጥሓን ኣድጊ።” ከምዚ ዝኣመሰለ 1.2-1.5 ሜተር ዝሰንጣቒቱ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል መጥሓን፡ ኣዝዩ ኸቢድ ካብ ምንባሩ እተላዕለ ብኣድጊ ኺዘውር የድልዮ ነበረ።

መዐንቀፊታት፦ በዅሪ ትርጉም እታ “መዐንቀፊ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ስካንዳሎን እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ንመጻወድያ ዜመልክት ከም ዝነበረ እዩ ዚእመነሉ፣ ገሊኦም ድማ ነታ መህረሪ ንዝሓዘት መጻወድያ እትድግፍ በትሪ ኸም እተመልክት ሓሳብ ይህቡ እዮም። ብተዘዋዋሪ ኸኣ፡ ነቲ ንሓደ ሰብ ከም ዚዕንቀፍ ወይ ከም ዚወድቕ ዚገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ከተመልክት ጀመረት። ብምሳልያዊ መገዲ፡ ነቲ ንሓደ ሰብ ብግጉይ መገዲ ኸም ዚመላለስ፡ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ከም ዚዕንቀፍ ወይ ከም ዚወድቕ፡ ወይ ከኣ ከም ዚሓጥእ ኪገብሮ ዚኽእል ተግባር ወይ ኵነት ተመልክት። እታ ኣብ ማቴ 18:8, 9 (እ.ጽ.) “ዓንቂፋትካ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ስካንዳሊዞ እትብል ምስኣ እትዛመድ ግሲ፡ “መፈንጠራ እንተ ዀይናትካ፣ እንተ ኣሕጢኣትካ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ።

nwtsty ሚድያ

መጥሓን

መጥሓን፡ እኽሊ ንምጥሓንን ካብ ኣውልዕ ዘይቲ ንምጽማቝን የገልግል ነበረ። ገሊኡ ንእሽቶ ስለ ዝነበረ ብኢድ እዩ ዚዘውር ነይሩ፣ ገሊኡ ግና ኣዝዩ ዓብዪ ስለ ዝነበረ ብእንስሳ ኺዘውር የድልዮ ነይሩ። እቲ ሲምሶን ንፍልስጥኤማውያን ኬዝውረሎም ተገዲዱሉ ዝነበረ መጥሓን ምስዚ ዚመሳሳል ዓብዪ መጥሓን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መሳ 16:21) ብእንስሳ ዚዘውር መጥሓን ኣብ እስራኤል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል ግዝኣት ሮሜ እውን ልሙድ እዩ ነይሩ።

መዲድን መጥሓንን

ከምዚ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ዘሎ ዝኣመሰለ ዓብዪ መጥሓን ብኣድግን ብኻልኦት እንስሳ ዘቤትን እዩ ዚዘውር ነይሩ፣ እኽሊ ንምጥሓን ወይ ኣውልዕ ንምጭፍላቕ ድማ የገልግል ነይሩ። መዲድ 1.5 ሜተር ዝሰንጣቒቱ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ መጥሓን ዚብሃል ካብኡ ዚዓቢ እምኒ ኸኣ ይዘውር ነይሩ።

(ማቴዎስ 18:8, 9) እምበኣር፡ ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሒታትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ምስ ክልተ ኢድካ ወይ ምስ ክልተ እግርኻ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ጐናይ ወይ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። 9 ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ እውን፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ምስ ክልተ ዓይንኻ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 18:9

ገሃነም፦ እዛ ቓል እዚኣ ኻብተን ገ ሂኖም ዚብላ፡ “ስንጭሮ ሂኖም” ዝትርጕመን ናይ እብራይስጢ ቓላት ዝመጸት እያ፣ እዚ ብሸነኽ ምዕራብን ደቡብን ጥንታዊት የሩሳሌም ዚርከብ ዝነበረ ቦታ እዩ። (ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ለ12፡ “የሩሳሌምን ከባቢኣን” ዚብል ካርታ ርአ።) ብግዜ የሱስ፡ እቲ ስንጭሮ እቲ ጐሓፍ ዚቃጸለሉ ቦታ ዀይኑ ነበረ፣ ስለዚ፡ እታ “ገሃነም” እትብል ቃል ንምሉእ ብምሉእ ጥፍኣት እተመልክት ብቕዕቲ ምሳሌ እያ ነይራ።

nwtstg ማህደረ ቓላት

ገሃነም

ነቲ ብደቡባዊ ምዕራብ ጥንታዊት የሩሳሌም ዚርከብ ስንጭሮ ሂኖም እተዋህቦ ናይ ግሪኽኛ ስም። (ኤር 7:31) ሬሳታት ዚድርበዩሉ ቦታ ኸም ዚኸውን ብትንቢት ተዘሪቡሉ ነበረ። (ኤር 7:32፣ 19:6) እንስሳታት ወይ ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ናብቲ ገሃነም ተደርብዮም ከም እተቓጸሉ ወይ ከም እተሳቐዩ ዚገልጽ ዋላ ሓደ መርትዖ የልቦን። ስለዚ፡ እቲ ቦታ እቲ ነቲ ነፍሳት ሰባት ቃል ብቓሉ ኣብ ሓዊ ንዘለኣለም ዚሳቐያሉ ብዓይኒ ዘይርአ ቦታ ኼመልክት ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ንገሃነም፡ ነቲ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዜመልክት ዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ወይ “ካልኣይ ሞት” ንምምልካት እዮም ተጠቒሞምሉ።—ራእ 20:14፣ ማቴ 5:22፣ 10:28።

(ማቴዎስ 18:10) ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቶም፡ ወትሩ ገጽ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 18:10

ገጽ . . . ኣቦይ ይርእዩ እዮም፦ ወይ “ናብ ኣቦይ ይኣትዉ እዮም።” መንፈሳውያን ፍጡራት ናብቲ ኣምላኽ ዚርከበሉ ቦታ ኺኣትዉ ስለ ዚኽእሉ፡ ንሳቶም ጥራይ እዮም ገጽ ኣምላኽ ኪርእዩ ዚኽእሉ።—ዘጸ 33:20።

w10 1/11 16

መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ ከም ዚጸልዉና

መላእኽቲ ንመንፈሳዊ ድሕንነት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከም ዘለዎም፡ የሱስ ገሊጹ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንኻልኦት ከየዐንቅፉ ኼጠንቅቖም ከሎ፡ “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም አሎኹ” ዝበሎም። (ማቴዎስ 18:10) የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ሰዓብቱ ንነፍሲ ወከፎም ዚሕልዎም መልኣኽ ኣለዎም ማለቱ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ምስ ኣምላኽ ብቐረባ ዚዓዩ መላእኽቲ ብዛዕባ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣዝዮም ከም ዚግደሱ እዩ ዚሕብር ነይሩ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ማቴዎስ 18:21, 22) ሽዑ፡ ጴጥሮስ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በዲሉኒ፡ ክንደይ ሳዕ እየ ኽሓድገሉ፧ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕዶ፧” በሎ። 22 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ክሳዕ 77 ሳዕ እምበር፡ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ ኣይብለካን።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 18:22

77 ሳዕ፦ ቃ.ቃ.፡ “ሰብዓ ሳዕ ሸውዓተ።” እዛ ናይ ግሪኽኛ ሓረግ እዚኣ፡ “70ን 7ን” (77 ሳዕ) ወይ ድማ “70 ዝረብሖ ብ7” (490 ሳዕ) ዚብል ትርጉም ከም ዘለዋ ጌርካ ኽትውሰድ ትኽእል እያ። ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ነቲ ኣብ ዘፍ 4:24 ዚርከብ ተመሳሳሊ ናይ እብራይስጢ ሓረግ፡ “77 ሳዕ” ኢሉ ተርጒምዎ ስለ ዘሎ፡ ነቲ “77 ሳዕ” ዚብል ትርጉም ዚድግፍ እዩ። በዚ ዀይኑ በቲ፡ ቍጽሪ ሸውዓተ ምድግጋማ፡ “ዘይተወሰነ” ወይ “ደረት ዘይብሉ” ኸም ዝዀነ ተመልክት። የሱስ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሎ 7 ሳዕ ናብ 77 ሳዕ ብምልዋጡ፡ ሰዓብቱ ንይቕረታ ደረት ኪገብሩሉ ኸም ዘይብሎም እዩ ዚነግሮም ነይሩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ናይ ባቢሎን ታልሙድ (ዮማ 86ለ፡) “ሓደ ሰብ ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ሳዕ እንተ ኣቢሱ፡ ይቕረ ይብሃለሉ እዩ፣ ራብዓይ ሳዕ እንተ ኣቢሱ ግና ይቕረ ኣይብሃለሉን እዩ” ይብል።

(ማቴዎስ 19:7) ንሳቶም ከኣ፡ “ስለምንታይ ደኣ እዩ ሙሴ ጽሑፍ መፍትሒኣ ሂብካ ኽትፍታሕ ዝኣዘዘ፧” በልዎ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 19:7

ጽሑፍ መፍትሒ፦ እቲ ሕጊ ንሓደ ኺፋታሕ ዚሓስብ ሰብኣይ ሕጋዊ ሰነድ ኬዳሉ፡ ምናልባት እውን ንዓበይቲ ኼማኽር ዚሓትቶ ምንባሩ፡ ነዚ ኸቢድ ውሳነ እዚ ደጊሙ ኺሓስበሉ ግዜ ይህቦ ነበረ። ዕላማ እቲ ሕጊ፡ ብታህዋኽ ንዚግበር ፍትሕ ንምዕጋትን ንኣንስቲ እተወሰነ ሕጋዊ ዕቝባ ንምሃብን እዩ ነይሩ። (ዘዳ 24:1) ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ግና ብቐሊሉ ኽትፋታሕ ከም እትኽእል እዮም ገይሮም። እቲ ንባዕሉ እተፋትሐ ፈሪሳዊ ዝዀነ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ፡ “ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት (ሓያሎ ኻብዚ ምኽንያታት ከኣ ኣብ ሰብኡት ዚርከብ እዩ፡)” ፍትሕ ይፍቀድ ከም ዝነበረ ጸሓፈ።

nwtsty ሚድያ

ጽሑፍ መፍትሒ

እዚ ብ71 ወይ ብ72 ድ.ክ. ብኣራማይስጢ እተጻሕፈ ጽሑፍ መፍትሒ እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ እቲ ዋዲ ሙራባት ዚብሃል ኣብ በረኻ ይሁዳ ዚርከብ ዝነጸፈ ርባ ድማ እዩ ተረኺቡ። እቲ ጽሑፍ፡ ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኣብ ዝዓለውሉ ሻድሻይ ዓመት፡ ዮሴፍ ወዲ ናቅሳን ኣብ ከተማ ማሳዳ ንእትነብር ዝነበረት ሚርያም ጓል ዮናታን ከም ዝፈትሓ ይገልጽ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ማቴዎስ 18:18-35) “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ምድሪ እትኣስርዎ ዘበለ፡ ኣብ ሰማይ ድሮ እሱር ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ምድሪ እትፈትሕዎ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ድሮ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። 19 ደጊመ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዚልምንዎ ዘበለ ጕዳይ እንተ ተሰማሚዖም፡ ሳላ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ኪዀነሎም እዩ። 20 ከመይሲ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ፡ ኣነ ኣብ ማእከሎም እየ።” 21 ሽዑ፡ ጴጥሮስ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በዲሉኒ፡ ክንደይ ሳዕ እየ ኽሓድገሉ፧ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕዶ፧” በሎ። 22 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ክሳዕ 77 ሳዕ እምበር፡ ክሳዕ ሸውዓተ ሳዕ ኣይብለካን። 23 “ስለዚ፡ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል። 24 ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ 10,000 ታለንት ዕዳ ዘለዎ ኣምጽኡሉ። 25 ዚኸፍሎ ስለ ዘይነበሮ ግና፡ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ተሸይጡ፡ ኪኽፈል ኣዘዘ። 26 እቲ ባርያ ኸኣ ፍግም ኢሉ፡ ‘ተዓገሰኒ፡ ኵሉ ክኸፍለካ እየ’ እናበለ ሰገደሉ። 27 እቲ ጐይታ እቲ ባርያ፡ ስለ ዝደንገጸሉ፡ ፈትሖ፡ ዕዳኡ እውን ሰረዘሉ። 28 ግናኸ፡ እቲ ባርያ ምስ ወጸ፡ ንሓደ 100 ዲናር ዚእውዶ ኻብቶም ብጾቱ ባሮት ረኸበ፣ ሒዙ ኸኣ፡ ‘ዝእውደካ ዘበለ ኽፈለኒ’ እናበለ ሓነቖ። 29 እቲ ብጻዩ ባርያ ድማ ፍግም ኢሉ፡ ‘ተዓገሰኒ፡ ክኸፍለካ እየ’ እናበለ ለመኖ። 30 ንሱ ግና ኣበዮ፣ ከይዱ ድማ፡ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚኸፍል፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዚድርበ ገበሮ። 31 እቶም ብጾቱ ባሮት ነቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ብዙሕ ጐሃዩ፣ ከይዶም ከኣ፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። 32 ሽዑ፡ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ‘ኣታ እኩይ ባርያ፡ ምስ ለመንካኒ፡ ኵሉ ዕዳኻ ሰሪዘልካ። 33 ንስኻኸ ኸምቲ ዝመሓርኩኻ ንብጻይካ ኽትምሕሮዶ ኣይምተገብኣካን፧’ በሎ። 34 ጐይታኡ ተቘጢዑ ድማ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚኸፍል፡ ንሓለውቲ እሱራት ኣሕሊፉ ሃቦ። 35 ነፍሲ ወከፍኩም ንሓዉ ኻብ ልቡ ዘይሓድገሉ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ