ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w16 ጥቅምቲ ገጽ 31-ገጽ 32 ሕ.ጽ. 3
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘እቶም ዋዕላ ኺእከቡ ጸውዑ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ‘ጻድቃን ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
w16 ጥቅምቲ ገጽ 31-ገጽ 32 ሕ.ጽ. 3
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ግራት ካልእ ክርዳድ ይዘርእ

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ ጥንቲ ሰባት ኣብ ግራት ሰብ ብሓቂዶ ኽርዳድ ይዘርኡ ነይሮም እዮም፧

ብ1468 ዝወጸ ቕዳሕ እቲ ሃጸይ ጀስቲንያን ዘዳለዎ ዳይጀስት ዘርእስቱ ጽሑፍ

እዚ ብ1468 ዝወጸ ቕዳሕ እቲ ሃጸይ ጀስቲንያን ዘዳለዎ ዳይጀስት ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ ሓደ ኻብቲ ብግዜ ጥንቲ ብዛዕባ ዝነበረ ምስ ሕጊ ዚተሓሓዝ ዝርዝር ጕዳያት ዚገልጽ መዛግብቲ እዩ

የሱስ ኣብ ማቴዎስ 13:​24-26፡ “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ ትመስል። ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ። እቲ ብቝሊ ዓብዩ ፍረ ምስ ፈረየ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ እውን ተራእየ” ኢሉ ኣሎ። እተፈላለዩ ጸሓፍቲ፡ እዚ ምሳሌ እዚ ኣብ ናይ ሓቂ ፍጻመ እተመስረተ እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ እዮም። ሕጊ ሮማውያን ዝሓዘ ጥንታዊ ጽሑፋት ግና ከምዚ ኼጋጥም ከም ዚኽእል ይእምት እዩ።

ሓደ መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገለጾ፡ “ሕነ ኽትፈዲ ኢልካ . . . ኣብ ግራት ክርዳድ ምዝራእ ብሕጊ ሮሜ ዜቕጽዕ እዩ ነይሩ። ነዚ ዚምልከት ሕጊ ምንባሩ ድማ እዚ ተግባር እዚ ዘይተለምደ ኸም ዘይነበረ እዩ ዜርኢ።” ኣላስተር ኬር ዝስሙ ምሁር ሕጊ ድማ፡ እቲ ሮማዊ ሃጸይ ዝነበረ ጀስቲንያን፡ ብ533 ድ.ክ. ጽማቝ ነጥብታት ሕጊ ሮሜን ቍንጽለ ጽሑፋት እቶም ኣብ ክላሲካዊ ዘመን (ከባቢ 100-250 ድ.ክ.) ዝነበሩ ምሁራት ሕግን ዝሓዘ ዳይጀስት ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣውጺኡ ኸም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ (Digest, 9.2.27.14)፡ እቲ ኽኢላ ሕጊ ዝነበረ ኡልፒን ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ሮማዊ ብዓል ስልጣን ዝነበረ ሰልሰስ ዝዳነዮ ጕዳይ ከም ዝጠቐሰ ይገልጽ። እቲ ጕዳይ፡ ኣብ ግራት ሰብ ተዘሪኡ እኽሊ ብዛዕባ ዘበላሸወ ኽርዳድ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። እቲ ጽሑፍ ከኣ፡ እቲ እተጐድአ ሓረስታይ ካብቲ ገበነኛ ኻሕሳ ንምርካብ ኪወስዶ ብዛዕባ ዚኽእል ሕጋዊ ስጕምትታት ይገልጽ።

እዚ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ እተፈጸመ ገበን እዚ፡ እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ዅነታት ብሓቂ ኼጋጥም ዚኽእል ምዃኑ ይሕብር።

ሮሜ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ኣይሁድ ክሳዕ ክንደይ እያ ናጽነት ሂባቶም ነይራ፧

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ይሁዳ ብሮማውያን እያ እትግዛእ ነይራ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ዝዀኑ ወተሃደራት ዘለውዎ ሹም ይሸሙ ነይሮም። እቲ ሹም ብቐንዱ ዚዓይዮ ዕዮ፡ ንሮሜ ዚኸውን ግብሪ ምእካብ፡ ሰላምን ስርዓትን ድማ ከም ዚሕሎ ምግባር እዩ ነይሩ። ሮማውያን ንዕልዋታት ይጭፍልቑ፡ ህውከት ንዚፈጥር ዘበለ ድማ ይቐጽዑ ነበሩ። በብመዓልቱ ዚግበር ምምሕዳራዊ ንጥፈታት ግና ንመራሕቲ እቲ ኸባቢ ይገድፉሎም ነበሩ።

ዋዕላ ኣይሁድ

ዋዕላ ኣይሁድ

ዋዕላ ኣይሁድ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድን ንሕጊ ኣይሁድ ዚምልከት ጕዳያት ዚኣሊ ቤት ምኽሪ ምምሕዳርን እዩ ነይሩ። ኣብ መላእ ይሁዳ ታሕተዋይ ኣብያተ ፍርዲ እውን ነይሩ እዩ። ሲቪላውን ገበናውን ጕዳያት ኣብዚ ኣብያተ ፍርዲ እዚ ይቐርብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ሰበ ስልጣን ሮሜ ኸኣ ኣብዚ ኢዶም ኣየእተዉን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብያተ ፍርዲ ኣይሁድ ንገበነኛታት ሞት ኪፈርዱ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም፣ እዚ ፍርዲ እዚ፡ ሮማውያን ባዕሎም እዮም ዚፍጽምዎ ነይሮም። ምስናይዚ ግና፡ ኣባላት ዋዕላ ኣይሁድ ንእስጢፋኖስ ብኢደ ወነኖም ፈሪዶም ብዳርባ እምኒ ኸም ዚቕተል ገይሮምዎ እዮም።—ግብ. 6:8-15፣ 7:​54-60።

ስለዚ፡ ዋዕላ ኣይሁድ ካብ ዚግብኦ ንላዕሊ ስልጣን ይጥቀም ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኤሚል ሹረር ዝስሙ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ ‘ስልጣን ዋዕላ ኣይሁድ ኣዝዩ ድሩት እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ሰበ ስልጣን ሮሜ ኣብ ዝደለይዎ እዋን ብናይ ገዛእ ርእሶም ተበግሶ ስጕምቲ ኺወስዱ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፣ ፖለቲካዊ ገበን ከም እተፈጸመ ምስ ዚጥርጥሩ ኸምኡ ይገብሩ ነይሮም እዮም።’ ንኣብነት፡ ሓለቓ ሽሕ ቅላውዴዎስ ሊስያስ ነቲ ሮማዊ ዜግነት ዝነበሮ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእትይዎ ነይሩ እዩ።—ግብ. 23:​26-30።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ