ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ለካቲት ገጽ 3
  • ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ጻድቃን ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “እንሆ ድማ፡ ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ሓንቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ሃይማኖት ብርግጽ ኣላ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ ከም ዚጸልዉና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ለካቲት ገጽ 3

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 12-13

ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን

የሱስ ብምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን ኣቢሉ፡ ነቲ ብ33 ድ.ክ. ዝጀመረ ጕጅለ እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ቕቡኣት ክርስትያናት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ብኸመይን መዓስን ምሉእ ብምሉእ ከም ዚእክቦ ገሊጹ።

ዜርኢ ዚዝርኣሉን ግዜ ቐውዕን እቲ ስርናይ ናብ ማዕከን ዚእከበሉን ዜርኢ ሰሌዳ ግዜ

13:24

‘ሓደ ሰብ ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዘርአ’

  • ዘራኢ፦ የሱስ ክርስቶስ

  • ጽቡቕ ዘርኢ ተዘርአ፦ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብኡ

  • ግራት፦ ናይ ደቂ ሰብ ዓለም

13:25

“ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ”

  • ጸላኢ፦ ድያብሎስ

  • ሰባት ደቂሶም፦ ሞት ሃዋርያት

13:30

“ክሳዕ ቀውዒ፡ ክልቲኡ ብሓደ ይዕበ ሕደግዎ”

  • ስርናይ፦ ቅቡኣት ክርስትያናት

  • ክርዳድ፦ ኣምሰሉ ክርስትያናት

‘ቅድም ነቲ ኽርዳድ እረይዎ፡ ድሕሪኡ ነቲ ስርናይ ኣክብዎ’

  • ባሮት/ዓጻዶ፦ መላእኽቲ

  • ክርዳድ ተኣከበ፦ ኣምሰሉ ክርስትያናት ካብ ቅቡኣት ክርስትያናት ተፈልዩ

  • እቲ ስርናይ ናብ ማዕከን ተኣከበ፦ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብታ እተሓደሰት ጉባኤ ተኣከቡ

ቀውዒ ምስ ጀመረ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ኣምሰሉ ክርስትያናት ፍሉያት ከም ዝዀኑ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧

ነዚ ምሳሌ እዚ ኽርዳእ ምኽኣለይ ብብሕቲ ዚጠቕመኒ ብኸመይ እዩ፧

ትፈልጥዶ፧

ስርናይን ክርዳድን ብሓንሳእ ይዓብዩ

ኣብዚ ምሳሌ እዚ እተጠቕሰ ኽርዳድ፡ ቅድሚ ምፍራዩ ንስርናይ ዚመስል መርዛም ዓይነት ክርዳድ ከም ዝዀነ እዩ ዚእመነሉ። ሰራውር ክርዳድ ምስ ሰራውር ስርናይ ኣጸቢቑ ስለ ዚጠናነግ፡ ነቲ ስርናይ ፈሊኻ ነቲ ኽርዳድ ጥራይ ምምሓው ኣይከኣልን እዩ። እቲ ኽርዳድ ምስ ዓበየ ግና፡ ካብቲ ስርናይ ፈሊኻ ኽትምንቍሶ ይከኣል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ