ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • kr ምዕ. 9 ገጽ 87-97
  • ፍረ ስብከት—‘ግራውቲ ንዓጺድ ጻዕድዩ ኣሎ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍረ ስብከት—‘ግራውቲ ንዓጺድ ጻዕድዩ ኣሎ’
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጻውዒት ዕዮን ተስፋ ሓጐስን
  • ንጉስና ኣብቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዓጺድ ይመርሕ
  • ውጽኢት እቲ ዓጺድ፡ ብስእላዊ ቓላት ብንጹር ተነግረ
  • ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ዚሕጐሱሉ ምኽንያት
  • “ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ”
  • ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ጸኒዕኩም ቀጽሉ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ምድሪ ንዓጺድ ጻዕድያ ኣላ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ኣቱም ዓየይቲ ተሓጐሱ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
kr ምዕ. 9 ገጽ 87-97

ምዕራፍ 9

ፍረ ስብከት—‘ግራውቲ ንዓጺድ ጻዕድዩ ኣሎ’

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

የሆዋ ንዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዕብይዎ

1, 2. (ሀ) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝደንጸዎም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ዓጺድ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ደንጸዎም። የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ፡ “ኣዒንትኹም ቋሕ ኣቢልኩም፡ ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ” ኢሉ እዩ ተዛሪብዎም። ናብቲ የሱስ ዜመልክተሉ ዝነበረ ኣንፈት እኳ እንተ ጠመቱ፡ ዝጻዕደወ ግራውቲ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ኪበቍል ዝጀመረ ስገም ዝፈጠሮ ሓምላይ ሕብሪ እዩ ዚርኣዮም ነይሩ። ‘እንታይ ዓጺዱ እዩ ዚብል ዘሎ፧ ግዜ ዓጺድ ክሳዕ ዚኣክል ሓያሎ ኣዋርሕ ኪሓልፍ እዩ’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ዮሃ. 4:35።

2 የሱስ ግና ብዛዕባ ዓጺድ እኽሊ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓጺድ፡ ማለት ብዛዕባ ዓጺድ ሰባት፡ ክልተ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚህቦም ነይሩ። እዚ ትምህርትታት እዚ እንታይ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ነቲ ዛንታ እስከ ብዝርዝር ንርኣዮ።

ጻውዒት ዕዮን ተስፋ ሓጐስን

3. (ሀ) የሱስ፡ “ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ” ኺብል ዝደረኾ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።) (ለ) የሱስ ነቲ ዝበሎ ነገር ዘነጸሮ ብኸመይ እዩ፧

3 እቲ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኣብ መወዳእታ 30 ድ.ክ.፡ ኣብ ጥቓ ሲካር እትብሃል ከተማ ሳምራውያን ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ናብታ ኸተማ ኺኣትዉ ኸለዉ፡ የሱስ ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ተረፈ እሞ፡ ንሓንቲ ሰበይቲ መንፈሳዊ ሓቅታት ምስ ኣካፈላ፡ ቀልጢፋ ንኣገዳስነት ትምህርቱ ተገንዘበቶ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ ምስ ተመልሱ፡ እታ ሰበይቲ ንጐረባብታ ብዛዕባ እቲ ዝፈለጠቶ ዜደንቕ ነገራት ክትነግሮም ኢላ፡ ተቐላጢፋ ናብ ሲካር ከደት። ብምኽንያት እቲ ወሪኣ ብርቱዕ ተገዳስነት ስለ እተለዓዓለ፡ ብዙሓት ጐረባብታ ንየሱስ ኪረኽብዎ ናብታ ዒላ ገጾም ገስገሱ። የሱስ፡ “ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ” ዝበለ እምበኣር፡ ስግር እቲ ግራውቲ ኣማዕድዩ ብዙሓት ሳምራውያን ኪመጹ ምስ ረኣየ እዩ ኪኸውን ዚኽእል።a ንዓጺድ እኽሊ ዘይኰነስ ንመንፈሳዊ ዓጺድ የመልክት ከም ዘሎ ንምንጻር ከኣ፡ ኣስዒቡ፡ “እቲ ዓጻዲ . . . ንናይ ዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ . . . ኣሎ” በለ።—ዮሃ. 4:5-30, 36።

4. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ዓጺድ እንታይ ክልተ ትምህርቲ እዩ ዝመሃረ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

4 የሱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓጺድ እንታይ ክልተ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዝመሃረ፧ ቀዳማይ፡ እቲ ዕዮ ብህጹጽ ኪዕየ ኣለዎ። “ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ ርኣዩ” ኺብል ከሎ፡ ንሰዓብቱ ኺዓይዩ እዩ ጻውዒት ዜቕርበሎም ነይሩ። ክሳዕ ክንደይ ብህጹጽ ኪዕየ ኸም ዘለዎ ንደቀ መዛሙርቱ ምእንቲ ኼጕልሓሎም ከኣ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ድሮ እቲ ዓጻዲ ውዕለቱ ይቕበል . . . ኣሎ” በለ። እወ፡ እቲ ዓጺድ ድሮ ጀሚሩ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ውዓል ሕደር ዚብሃለሉ ግዜ ኣይነበረን! ካልኣይ፡ እቶም ዓየይቲ ሕጉሳት እዮም። የሱስ፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን “ብሓንሳእ . . . ኪሕጐሱ” ምዃኖም ገሊጹ እዩ። (ዮሃ. 4:35ለ, 36) ከምቲ የሱስ ‘ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኺኣምኑ’ ርእዩ እተሓጐሰ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ዓጺድ ብምሉእ ነፍሶም ብምዕያይ ዓሚቝ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም። (ዮሃ. 4:39-42) እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተፈጸመ ዛንታ፡ ነቲ ሎሚ ዚግበር ዘሎ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መንፈሳዊ ዓጺድ ዜብርሆ ስለ ዝዀነ፡ ንዓና ፍሉይ ትርጕም ኣለዎ። እዚ ዘመናዊ ዓጺድ መዓስ እዩ ጀሚሩ፧ ኣብኡ እጃም ዘለዎም መን እዮም፧ እንታይ ፍረኸ ተረኺቡ ኣሎ፧

ንጉስና ኣብቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዓጺድ ይመርሕ

5. ነቲ ዓለምለኻዊ ዓጺድ ዚመርሖ መን እዩ፧ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይከ እቲ ዕዮ ብህጹጽ ኪዕየ ዘለዎ ምዃኑ ብኸመይ ይሕብር፧

5 ኣብቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተዋህቦ ራእይ፡ የሆዋ ንየሱስ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዓጺድ ሰባት ኪመርሕ ከም ዝመደቦ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 14:14-16 ኣንብብ።) ኣብቲ ራእይ እቲ፡ የሱስ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ከም ዘለዎን ማዕጺድ ከም ዝሓዘን ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ “ኣብ ርእሱ [ዘሎ] ኣኽሊል ወርቂ፡” ዚገዝእ ንጉስ ምዃኑ ዜረጋግጽ እዩ። “ኣብ ኢዱ [ዘሎ] . . . በሊሕ ማዕጺድ” ድማ፡ ዓጻዲ ኸም ዝዀነ እዩ ዜመልክት። የሆዋ ብሓደ መልኣኽ ኣቢሉ፡ “ፍረ ምድሪ ስለ ዝበጽሐ” ምባሉ፡ እቲ ዕዮ ብህጹጽ ኪዕየ ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዜጕልሕ። እወ፡ “ግዜ ዓጺድ ኣኺሉ ኣሎ፡” ማለት ውዓል ሕደር ዚብሃለሉ ግዜ ኣይኰነን! ኣምላኽ፡ “ማዕጺድካ ሰዲድካ ዕጸድ” ኢሉ ምስ ኣዘዘ፡ የሱስ ማዕጺዱ ሰደደ፡ ምድሪ እውን ተዓጽደት፣ ማለት፡ ህዝቢ ምድሪ ተዓጽዱ። እዚ ማራኺ ራእይ እዚ፡ “ግራውቲ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወ” የዘኻኽረና። እዚ ራእይ እዚ፡ እቲ ዓለምለኻዊ ዓጺድ መዓስ ከም ዝጀመረ ኽንፈልጥ ይሕግዘና ድዩ፧ እወ!

6. (ሀ) እቲ “ግዜ ቐውዒ” መዓስ እዩ ጀሚሩ፧ (ለ) እቲ “ፍረ ምድሪ” ዚዕጸደሉ ግዜ ኸም ሓቂ መዓስ እዩ ጀሚሩ፧ ግለጽ።

6 እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 14 ዘሎ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ ንየሱስ፡ ማለት ነቲ ዓጻዲ፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ከም ዝገበረ ገይሩ ስለ ዚገልጾ (ፍቕዲ 14)፡ እቲ ብ1914 ንጉስ ኰይኑ ዚሽየመሉ ግዜ ኣቐዲሙ ኸም ዝዀነ የመልክት። (ዳን. 7:13, 14) ድሕሪኡ፡ ንየሱስ ኪዓጽድ ትእዛዝ ተዋህቦ። (ፍቕዲ 15) ኣብታ የሱስ፡ “እቲ ቐውዒ፡ መደምደምታ ስርዓት ዓለም እዩ” ኢሉ እተዛረበላ ብዛዕባ ዓጺድ ስርናይ ዝመሰላ ምሳሌ፡ ሕደ መስርዕ ፍጻመታት ተዘርዚሩ ኣሎ። ስለዚ፡ ግዜ ቐውዕን መደምደምታ ስርዓት ዓለምን ኣብ ሓደ ግዜ፡ ማለት ብ1914 እዩ ጀሚሩ። ጸኒሑ፡ “ብግዜ ቐውዒ” ናይ ሓቂ ዓጺድ ተጀመረ። (ማቴ. 13:30, 39) ሕጂ ምልስ ኢልና ኽንርእዮ ኸለና፡ እቲ ዓጺድ ካብቲ የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝኣሉ ዝጀመረ እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ ኸም ዝጀመረ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። ፈለማ፡ የሱስ ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ ኽፋል 1919፡ ኣብ መንጎ ቕቡኣት ሰዓብቱ ናይ ምጽራይ ዕዮ ዓየየ። (ሚል. 3:1-3፣ 1 ጴጥ. 4:17) ድሕሪኡ፡ ብ1919 እቲ “ፍረ ምድሪ” ዚዕጸደሉ ግዜ ኣኸለ። ብኡብኡ፡ የሱስ በቲ ሓድሽ እተሸመ እሙን ባርያ ገይሩ፡ ንኣሕዋትና፡ ንህጹጽነት እቲ ዕዮ ስብከት ከም ዚግንዘቡ ገበሮም። ሽዑ እንታይ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ።

7. (ሀ) ኣሕዋትና ንህጹጽነት ዕዮ ስብከት ኪግንዘቡ ዝሓገዞም ብዛዕባ እንታይ ዝገበርዎ ምርምር እዩ፧ (ለ) ኣሕዋትና እንታይ ኪገብሩ እዮም ተተባቢዖም፧

7 ኣብ ሓምለ 1920፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መልእኽቲ ናይ ምብጻሕ ዓብዪ መሰል ንቤተ ክርስትያን [ንጉባኤ] ከም እተዋህበ፡ ካብ ምርምር ቅዱሳት ጽሑፋት ንጹር ኰይኑ ኣሎ” በለት። ንኣብነት፡ ኣሕዋት ካብ ትንቢታዊ ቓላት ኢሳይያስ፡ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪንገር ከም ዘለዎ ተገንዘቡ። (ኢሳ. 49:6፣ 52:7፣ 61:1-3) እቲ ዕዮ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ኣይፈለጡን ነይሮም፣ የሆዋ መገዲ ኸም ዚኸፍት ግና ይተኣማመኑ ነይሮም እዮም። (ኢሳይያስ 59:1 ኣንብብ።) ከም ውጽኢት እቲ ኣሕዋትና ብዛዕባ ህጹጽነት ዕዮ ስብከት ዝነበሮም ንጹር ርእይቶ፡ ንጥፈታቶም ኬሐይሉ ተተባብዑ። እሞኸ ኣሕዋት እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

8. ብ1921፡ ኣሕዋትና ብዛዕባ ዕዮ ስብከት እንታይ ክልተ ሓቂ እዮም እተገንዘቡ፧

8 ኣብ ታሕሳስ 1921፡ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ በለት፦ “ካብ ኵሉ ዝበለጸት ዓመት እያ ነይራ፣ ኣብ 1921፡ ቅድሚኣ ኻብ ዝነበረት ዝዀነት ትኹን ዓመት ንላዕሊ ብዙሓት ሰባት መልእኽቲ ሓቂ ሰሚዖም እዮም።” እታ መጽሔት ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ገና ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣሎ። . . . ብሕጉስ ልቢ ንዕየዮ” በለት። ኣሕዋትና ነቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ኣብ ኣእምሮኦም ዝቐረጸሎም ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ዚምልከት ክልተ ኣገዳሲ ሓቂ ኸም እተገንዘብዎ ኣስተብህል። እወ፡ እቲ ዕዮ ብህጹጽ ዚዕየ ምዃኑን እቶም ዓየይቲ ሕጉሳት ከም ዝዀኑን ተገንዚቦም እዮም።

9. (ሀ) ብ1954፡ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ዕዮ ዓጺድ እንታይ እያ ዝገለጸት፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመት፡ ኣብ ብዝሒ ኣስፋሕቲ እንታይ ዓለምለኻዊ ወሰኽ እዩ እተራእየ፧ (“ዓለምለኻዊ ወሰኽ” ዘርእስቱ ሰሌዳ ርአ።)

9 ብ1930ታት፡ ኣሕዋትና፡ ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚቕበሉ ምስ ተረድኡ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ሓየለ። (ኢሳ. 55:5፣ ዮሃ. 10:16፣ ራእ. 7:9) እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ብዝሒ እቶም መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ፡ ካብቲ ብ1934 ዝነበረሉ 41,000፡ ብ1953 ናብ 500,000 በጽሐ። ናይ 1 ታሕሳስ 1954 ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ነዚ ዓብዪ ዓለምለኻዊ ዓጺድ ኪዓምሞ ዝኸኣለ፡ መንፈስ የሆዋን ሓይሊ ቓሉን እዩ” ብምባል ቅኑዕ መደምደምታ ገለጸት።b—ዘካ. 4:6።

ዓለምለኻዊ ወሰኽ

ሃገር

1962

1987

2013

ኣውስትራልያ

15,927

46,170

66,023

ብራዚል

26,390

216,216

756,455

ፈረንሳ

18,452

96,954

124,029

ኢጣልያ

6,929

149,870

247,251

ጃፓን

2,491

120,722

217,154

መክሲኮ

27,054

222,168

772,628

ናይጀርያ

33,956

133,899

344,342

ፊሊፒንስ

36,829

101,735

181,236

ሕ.መ. ኣመሪካ

289,135

780,676

1,203,642

ዛምብያ

30,129

67,144

162,370

እናበዝሑ ዚኸዱ ዘለዉ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ

1950

234,952

1960

646,108

1970

1,146,378

1980

1,371,584

1990

3,624,091

2000

4,766,631

2010

8,058,359

ውጽኢት እቲ ዓጺድ፡ ብስእላዊ ቓላት ብንጹር ተነግረ

10, 11. ኣብ ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ፡ እንታይ መዳይ ዕቤት እታ ዘርኢ እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧

10 የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ምሳሌታቱ፡ ውጽኢት እቲ ዕዮ ዓጺድ እንታይ ከም ዝዀነ ብንጹር ገሊጽዎ እዩ። እምበኣር፡ ምሳሌ እታ ፍረ ኣድርን ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝን እስከ ንርአ። ብፍላይ ኣብ ግዜ መወዳእታ ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎ ኽንርኢ ኢና።

11 ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ። ሓደ ሰብ፡ ፍረ ኣድሪ ዘርአ። ንሳ ኸኣ ዓብያ፡ ኣዕዋፍ ዜጽልላላ ኦም ኰነት። (ማቴዎስ 13:31, 32 ኣንብብ።) ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ፡ እንታይ መዳይ ዕቤት እታ ዘርኢ እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧ (1) መጠን እቲ ዕቤት ዜደንቕ እዩ። “ካብ ኵሉ ዘርኢ ምድሪ ዝደቐቐት” ዘርኢ፡ “ዓበይቲ ጨናፍር” ዘለዋ ኦም ኰነት። (ማር. 4:31, 32) (2) እቲ ዕቤት እተረጋገጸ እዩ። የሱስ ብዛዕባ እታ ዘርኢ፡ “ምስ ተዘርአት . . . ፡ ትበቍል” እዩ ኢሉ። “ምናልባት ትበቍል ትኸውን” ኣይኰነን ኢሉ። የግዳስ፡ ርግጸኛ ዀይኑ፡ “ትበቍል” እዩ ኢሉ። ስለዚ፡ ንዕቤታ ኺዓግቶ ዚኽእል የልቦን። (3) እታ እትዓቢ ኦም፡ ንኻልኦት እትስሕብን ኣብ ትሕቲ ጽላላ እተስፍርን ትኸውን። እወ፡ “ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን” “ኣብ ትሕቲ ጽላላ ይሰፍራ።” እዚ ሰለስተ መዳይ እዚ፡ ኣብ ዘመናዊ መንፈሳዊ ዓጺድ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል፧

12. ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ ኣብ ናይ ሎሚ ዓጺድ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል፧ (“እናበዝሑ ዚኸዱ ዘለዉ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ሰሌዳ እውን ርአ።)

12 (1) መጠን እቲ ዕቤት፦ እታ ምሳሌ ንዕቤት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ክርስትያናዊት ጉባኤን የጕልሕ። ካብ 1919 ንደሓር፡ ኣብቲ ዓጺድ ዚዓይዩ ቐናኣት ዓየይቲ ናብታ ኸም ብሓድሽ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺእከቡ ጀመሩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ቍጽሪ እቶም ዓየይቲ ሒደት እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ብቕልጡፍ እዩ ዓብዩ። እቲ ኻብ መጀመርታ 1900ታት ክሳዕ ሎሚ እተገብረ ዕቤት ብሓቂ መስተንክር እዩ። (ኢሳ. 60:22) (2) ርግጽነት፦ ንዕቤት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺዓግቶ ዚኽእል የልቦን። ጸላእቲ ኣምላኽ ዜምጽእዎ ኸም ከውሒ ዝበለ ተቓውሞ ሽሕ ሳዕ ይጸፍጸፍ ብዘየገድስ፡ እታ ደቃቕ ዘርኢ ንዅሉ ዕንቅፋታት እናሰገረት ትዓቢ እያ። (ኢሳ. 54:17) (3) ሰፈር፦ እተን ኣብታ ኦም ዚሰፍራ “ኣዕዋፍ ሰማይ፡” ነቶም ካብ ኣስታት 240 ሃገራት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐቢሎም ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀኑ ቕኑዕ ዝልቦም ሚልዮናት ሰባት እየን ዜመልክታ። (ህዝ. 17:23) ንሳቶም ድማ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ መንፈሳዊ ምግብን ዕረፍትን ዕቝባን ይረኽቡ።—ኢሳ. 32:1, 2፣ 54:13።

ኣብ ጨናፍር ኦም ኣድሪ ዘዕረፋ እተፈላለያ ዓይነት ኣዕዋፍ

ምሳሌ እታ ፍረ ኣድሪ፡ እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ፡ ዚሰፍሩሉን ዜዕቍቡሉን ቦታ ኸም ዚረኽቡ ትሕብር (ሕጡብ ጽሑፍ 11, 12 ርአ)

13. ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቕ እንታይ መዳያት እቲ ዕቤት የጕልሕ፧

13 ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቝ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ዝለወሰቶ ሓርጭ፡ ማይ ብሑቝ ምስ ኣእተወትሉ፡ እቲ ሓርጭ ብምሉኡ ይበኵዕ። (ማቴዎስ 13:33 ኣንብብ።) ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ እንታይ መዳያት እቲ ዕቤት እዩ ጐሊሑ፧ ክልተ እስከ ንርአ። (1) እቲ ዕቤት ለውጢ የምጽእ። እቲ ማይ ብሑቝ፡ ‘ንዅሉ እዩ ዜብኵዖ።’ (2) እቲ ዕቤት ናብ ኵሉ ይዝርጋሕ። እቲ ማይ ብሑቕ ንዅሉ እቲ “ሰለስተ ስፍሪ ሓርጭ” እዩ ዜብኵዖ። እዚ ኽልተ መዳይ እዚ፡ ኣብዚ ዘመናዊ መንፈሳዊ ዓጺድ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል፧

14. ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቕ ኣብዚ ሎሚ ዚግበር ዘሎ ዓጺድ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል፧

14 (1) ለውጢ፦ እቲ ማይ ብሑቕ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት፣ እቲ ዚልወስ ሓርጭ ከኣ ንደቂ ሰብ እዩ ዜመልክት። ከምቲ ማይ ብሑቕ ምስ ሓርጭ ምስ ተለውሰ ኣብቲ ሓርጭ ለውጢ ዜምጽእ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብሰባት ተቐባልነት ምስ ረኸበ ኣብ ልቦም ለውጢ የምጽእ እዩ። (ሮሜ 12:2) (2) ናብ ኵሉ ይዝርጋሕ፦ ዝርጋሐ እቲ ማይ ብሑቕ ንዝርጋሐ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ የመልክት። እቲ ማይ ብሑቕ ኣብቲ እተለውሰ ሓርጭ እናተዘርግሐ ኸይዱ፡ ንዅሉ እቲ ብሑቕ እዩ ዜብኵዖ። ብተመሳሳሊ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” እዩ ዚዝርጋሕ። (ግብ. 1:8) ብዘይካዚ፡ እዚ መዳይ እታ ምሳሌ፡ ንጥፈታት ስብከትና ኣብተን ዕዮና እተኣገደለን ሃገራት ብዙሕ ዘይፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚዝርጋሕ የመልክት።

15. እቲ ኣብ ኢሳይያስ 60:5, 22 ዚርከብ ቃላት ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧ (ኣብ ገጽ 93 እትርከብ፡ “ብየሆዋ ይከኣል እዩ” ዘርእስታ ሳጹንን ኣብ ገጽ 96-97 እትርከብ፡ “‘እቲ ኣዝዩ ውሑድ’ ከመይ ኢሉ ‘ብርቱዕ ህዝቢ’ ኸም ዝዀነ” ዘርእስታ ሳጹንን እውን ርአ።)

15 የሱስ ነዚ ምሳሌታት እዚ ቕድሚ ምዝራቡ 800 ዓመት ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ፡ ንስፍሓት ዘመናዊ መንፈሳዊ ዓጺድን ካብቲ ዓጺድ ንዚርከብ ሓጐስን ብዘይርሳዕ ቃላት ገሊጽዎ ነይሩ እዩ። የሆዋ፡ ሰባት “ካብ ርሑቕ” ናብ ውድቡ ኸም ዚውሕዙ ገሊጹ ኣሎ።c ነቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ቕቡኣት ከም ንሰበይቲ ገይሩ ኺዛረቦም ከሎ ኸኣ፡ “ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኺምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ” በለ። (ኢሳ. 60:1, 4, 5, 9) እዘን ቃላት እዚአንሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እየን ብልክዕ ተፈጺመን! ሎሚ፡ ንነዊሕ ግዜ ንየሆዋ ዘገልገሉ ኣገልገልቲ፡ ብዝሒ እቶም ኣብ ሃሃገሮም ዘለዉ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሒደት ናብ ብዙሓት ኣሽሓት ከም ዝወሰኸ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ብታሕጓስ የንጸባርቑ እዮም፡ ወይ ገጾም ይበርህ እዩ።

ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ዚሕጐሱሉ ምኽንያት

16, 17. ‘እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ዚሕጐሱሉ’ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (“ኣብ ኣማዞን ክልተ ትራክት ንኽልተ ልቢ ብኸመይ ከም ዝተንከያ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

16 የሱስ ንሃዋርያቱ፡ “እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ፡ . . . እቲ ዓጻዲ . . . ንናይ ዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ . . . ኣሎ” ኸም ዝበሎም ትዝክር ኢኻ። (ዮሃ. 4:36) እሞኸ ኸመይ ጌርና ኢና ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዓጺድ ‘ብሓንሳእ እንሕጐስ፧’ ብእተፈላለየ መገድታት ንሕጐስ ኢና። ሰለስተ ኻብዚ እስከ ንርአ።

17 ቀዳማይ፡ የሆዋ ኣብቲ ዕዮ ዘለዎ ግደ ምርኣይና የሐጕሰና እዩ። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና፡ ዘርኢ ኢና እንዘርእ። (ማቴ. 13:18, 19) ንሓደ ሰብ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኪኸውን ምስ እንሕግዞ፡ ፍረ ኢና እንዓጽድ። የሆዋ ነቲ ዘርኢ እታ መንግስቲ ‘ኼብቍሎን ኬዕብዮን’ ብኣድንቖት ክንዕዘብ ከለና ኸኣ፡ ኵላትና ዓሚቝ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና። (ማር. 4:27, 28) ገሊኡ ዝዘራእናዮ ዘርኢ ጸኒሑ ይበቍል፡ ካልኦት ድማ ይዓጽድዎ። ከምቲ ነታ 60 ዓመት ይገብር እተጠምቀት ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ጆኣን ዘጋጠማ ዓይነት ተመክሮ ኣሕሊፍካ ትኸውን ኢኻ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ክሰብከሎም ከለኹ ኣብ ልቦም ዘርኢ ኸም ዝዘራእኩሎም ዝነገሩኒ ውልቀ ሰባት ኣጋጢሞምኒ እዮም። ኣነ እኳ እንተ ዘይፈለጥኩ፡ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዖምን ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ ሓጊዞምዎምን እዮም። ዝዘራእክዎ ዘርኢ ዓብዩ ንፍረ ምብቃዑ የሐጕሰኒ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 3:6, 7 ኣንብብ።

ብየሆዋ ይከኣል እዩ

የሱስ፡ “እቲ ብሰባት ዘይከኣል፡ ብኣምላኽ ይከኣል እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃ. 18:27) መብዛሕትና ንሓቅነት እዘን ቃላት እዚአን ብተመክሮ ርኢናየን ኢና። እቶም ነቲ ዕዮ ስብከት ደው ኬብልዎ ዚደልዩ ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ የሆዋ ነቲ ዕዮ ኽንፍጽሞ ሓጊዙና እዩ።

ዛካሪ

ዛካሪ ኢለግበ (66 ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ብ1963 እተጠምቀ) ብዛዕባ እቲ ኣብ በኒን ኣብ ልዕሊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ እገዳ ንኣሕዋት ዝሓገዘሉ መገዲ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ብ1976 ኣስታት 2,300 ኣስፋሕቲ ኣብ ዝነበሩና እዋን፡ ዕዮና ተኣገደ፣ መንግስቲ ኸኣ ነቲ እገዳ ብዅሉ ናይቲ ዓዲ ቛንቋታት ኪፍኖ ትእዛዝ ሃበ። እዚ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ እዩ ነይሩ። ህዝቢ በኒን ልዕሊ 60 ቛንቋታት ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ መደባት ረድዮ ብሓሙሽተ ቛንቋታት ጥራይ እዩ ዚፍኖ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ እገዳ ብዅለን ናይቲ ዓዲ ቛንቋታት ምስ ተፈነወ፡ ኣብ ግሉል ቦታታት ዚነብሩ ብዙሓት ኣሽሓት ሰባት ንፈለማ ግዜ ብዛዕባና ሰምዑ። ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር መን እዮም፧ ስለምንታይ እዮም ተኣጊዶም፧’ ኢሎም ሓሰቡ። ደሓር፡ ናብቲ ቦታታት እቲ ምስ ከድና፡ ብዙሓት ኣብ ሓጺር ግዜ ሓቂ ተቐበሉ።” ሎሚ፡ ኣብ በኒን ልዕሊ 11,500 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ።

ማሪያ

ማሪያ ዝዪኒች (74 ዓመት ዝዕድሚኣ፡ ብ1957 እተጠምቀት) ከምዚ በለት፦ “ጓል 12 ዓመት ኣቢለ ኸለኹ፡ ምልእቲ ስድራ ቤትና ተሓዪራ ኻብ ዩክረይን ናብ ሳይበርያ፡ ሩስያ ተላእከት። ብግዜ ሕብረት ሶቭየት ነበር፡ መንግስቲ ስቕ ኬብለና ብዙሕ ጻዕርታት እናገበረ ኽነሱ፡ ቍጽርና ይውስኽ ነበረ። ብርቱዕ ምጽራር እናኣጋጠመና እቲ ዜደንቕ ዕቤት እቲ ምርካብና፡ እዚ ዕዮ እዚ፡ ዕዮ የሆዋ ምዃኑ ኣእሚኑኒ እዩ። ነዚ፡ ዋላ ሓደ ደው ኬብሎ ኣይክእልን እዩ!” ማሪያ ዝስማ ካልእ ሓብቲ (73 ዓመት ዝዕድሚኣ፡ ብ1960 እተጠምቀት) እውን ከምዚ በለት፦ “መንግስቲ ንኣሕዋትና ናብ ሳይበርያ ምሕያሩ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ብዙሓት ግሉላት ሰባት፡ ሓቂ ኺሰምዑ ዕድል ረኺቦም እዮም።”

ኼሱስ

ኼሱስ ማርቲን (77 ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ብ1955 እተጠምቀ) ከምዚ በለ፦ “ኣነ ሓቂ ኣብ ዝፈለጥኩሉ እዋን፡ ኣብዚ ኣብ ስጳኛ 300 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ብ1960፡ እቲ ዚወርደና ዝነበረ ጸቕጢ በርቲዑ ነይሩ። መንግስቲ ንፖሊስ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጥፍእዎም ኣዚዝዎም ነይሩ። በቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ እዛ ሃገር ከመይ ጌርና ኸም እንሰብኽ ክንሓስቦ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና። ኵሉ ኣንጻርና እተዋደደ እዩ ዚመስል ነይሩ። ሎሚ ግና፡ ኣብ ስጳኛ ዳርጋ 111,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ። ምጽራር እናኣጋጠመ ኽነሱ ብኸመይ ዕቤት ከም እተረኽበ ምርኣየይ፡ የሆዋ ኣብ ጐድንና ኽሳዕ ዘሎ፡ ዘይከኣል ነገር ከም ዘየልቦ ንዝነበረኒ እምነት ኣደልዲሉለይ እዩ!”

18. ኣብ 1 ቈረንቶስ 3:8 እንታይ እንሕጐሰሉ ምኽንያት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧

18 ካልኣይ፡ ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ” ኸም ዝበለ ኽንዝክር ከለና፡ ሕጉሳት ዓየይቲ ንኸውን ኢና። (1 ቈረ. 3:8) እቲ ዓስቢ ኸከም ጻዕሪ ደኣ እምበር፡ ከከም ፍረ እቲ ጻዕሪ ኣይኰነን ዚውሃብ። እዝስ ነቶም ኣብቲ ብዙሓት ነቲ መልእኽቲ ዘይቅበሉሉ ኽልታት ዜገልግሉ ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ዕዮ ምዝራእ ብምሉእ ልቡ ዚሳተፍ ኵሉ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ‘ብዙሕ ፍረ እዩ ዚፈሪ ዘሎ፣’ ስለዚ፡ ዚሕጐሰሉ ምኽንያት ኣለዎ።—ዮሃ. 15:8፣ ማቴ. 13:23።

19. (ሀ) እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዚርከብ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ምስ ሓጐስና ብኸመይ ይተሓሓዝ፧ (ለ) ንሕና ብውልቅና ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር እኳ እንተ ዘይተዓወትና፡ እንታይ ክንዝክር ኣሎና፧

19 ሳልሳይ፡ ዕዮና ንትንቢት ዚፍጽም ምዃኑ የሐጕሰና እዩ። የሱስ ካብ ሃዋርያቱ፡ “ምልክት ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን መደምደምታ ስርዓት ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ዚብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱ፧ ሓደ መዳይ እቲ ምልክት፡ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ምዃኑ እዩ ነጊርዎም። ብዛዕባ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣይኰነን። የግዳስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” እዩ ዝበለ። (ማቴ. 24:3, 14) እምበኣር፡ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ማለት ምዝራእ እቲ ዘርኢ፡ ሓደ መዳይ እቲ ምልክት እዩ። ስለዚ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር እኳ እንተ ዘይተዓወትና፡ “ንምስክር” ዚኸውን ስብከት ብምስባኽ ግና ንዕወት ኢና ዘለና።d እወ፡ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ይቀበልዎ ኣይቀበልዎ ብዘየገድስ፡ ነቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት ኣብ ምፍጻም እጃም ኣሎና፣ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ናይ ምዃን ክብሪ እውን ንረክብ ኢና። (1 ቈረ. 3:9) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

“ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ”

20, 21. (ሀ) ኣብ ሚልክያስ 1:11 ዚርከብ ቃላት ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧ (ለ) ምስቲ ዕዮ ዓጺድ ብዚተሓሓዝ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧ ስለምንታይከ፧

20 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ እቲ ዕዮ ዓጺድ ክሳዕ ክንደይ ብህጹጽ ኪዕየ ኸም ዚግባእ ኣረዲእዎም እዩ። ካብ 1919 ንደሓር ከኣ፡ የሱስ ንዘመናውያን ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ሓቂ እቲ ኸም ዚግንዘቡ ገይርዎም እዩ። ከም ምላሹ ድማ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንጥፈታቶም ኣሐይሎም ኣለዉ። እቲ ዕዮ ስብከት ከኣ ዘይዕገት ኰይኑ ኣሎ። ከምቲ ነብዪ ሚልክያስ ዝበሎ፡ ሎሚ እቲ ዕዮ ስብከት “ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ” ይዕየ ኣሎ። (ሚል. 1:11) እወ፡ እቶም ዘራእትን እቶም ዓጸድትን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ጸሓይ፡ ማለት ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ምድሪ ይሃልዉ ብዘየገድስ፡ ብሓንሳእ ይሕጐሱ እዮም። ብዘይካዚ፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ጸሓይ፡ ማለት ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት፡ ምሉእ መዓልቲ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ንዓዪ ኢና።

21 ሎሚ፡ ንዝሓለፈ 100 ዓመት ምልስ ኢልና ኽንርእዮ ኸለና እሞ፡ ንእሽቶ ጕጅለ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ናብ “ብርቱዕ ህዝቢ” ኸም ዝዓበየ ኽንዕዘብ ከለና፡ ልብና ብርግጽ ‘ትርግርግ ይብልን’ ‘ብሓጐስ ይመልእን’ እዩ። (ኢሳ. 60:5, 22፣ ትርጕም 1990) እቲ ሓጐስ እትን ንየሆዋ ዘላትና ፍቕርን፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዓጺድ ኣብ ምዝዛም፡ ነፍሲ ወከፍና እጃምና ኽንገብር ይደርኸና!—ሉቃ. 10:2።

a የሱስ ብዛዕባ ‘ምጽዕዳው ግራውቲ’ እተዛረቦ ዘረባ፡ ነቲ እቶም የሱስ ኪመጹ ዝረኣዮም ብዙሓት ሳምራውያን እተኸድንዎ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ዚእምት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

b ብዛዕባ እተን ዓመታት እቲአንን ድሕሪአን ዝነበራ ዓመታትን ዝያዳ ንምፍላጥ፡ ነቲ ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 425-520 ዚርከብ፡ ካብ 1919 ክሳዕ 1992 ኣብ ዕዮ ዓጺድ እተዓምመ ነገር ዚሕብር ጸብጻብ ከተንብብ ነተባብዓካ።

c ብዛዕባ እቲ መሳጢ ትንቢት ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 9-19 ርአ።

d ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣገዳሲ ሓቂ እቲ ተረዲኦምዎ ነይሮም እዮም። ናይ 15 ሕዳር 1895 ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ሒደት ስርናይ ኪውህለል እንተ ተኻኢሉ፡ እንተ ወሓደ ንሓቂ እኹል ምስክርነት ኪውሃብ ይከኣል እዩ። . . . ኵሎም ወንጌል ኪሰብኩ ይኽእሉ እዮም” በለት።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኸም ናይ ሓቂ ጌርካ እትርእያ፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መንፈሳዊ ዓጺድ ብእተተሓሓዘ እንታይ ዓሚማ፧

  • ምሳሌ እታ ፍረ ኣድርን ምሳሌ እቲ ማይ ብሑቕን፡ ኣገልግሎትካ ንኽትፍጽም ብኸመይ የተባብዓኻ፧

  • ብኣገልግሎት ክትሕጐስ ዜኽእለካ እንታይ ምኽንያታት ኣሎካ፧

ኣብ ኣማዞን ክልተ ትራክት ንኽልተ ልቢ ብኸመይ ከም ዝተንከያ

ኣንቶንዮ ሲሞይንስ

ኣንቶንዮ ሲሞይንስ

ኣንቶንዮ ሲሞይንስ ዚብሃል 91 ዓመት ዝዕድሚኡ እሙን ክርስትያን ሽማግለ፡ ኣቦኡን ሰብኣይ ኣሞኡን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ብእተሓትማ ኽልተ ትራክት ገይሮም ሓቂ ብዛዕባ ዝረኸቡሉ መገዲ ጽቡቕ ተመክሮ ኣለዎ። ሓደ ግዜ ኺበጽሕዎ ንዝኸዱ ድማ፡ “ብዛዕባኡ ኽትሰምዑ ትደልዩዶ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “እወ፡ ደስ ምበለና” በልዎ። እተን ለውሃት ዚንጸባረቐለን ኣዒንቲ ኣንቶንዮ ድማ በርሃ፣ ፍሽኽ ኢሉ ኸኣ ዛንታኡ ኺነግር ኮፍ በለ።

“ዘኖ ዝስሙ ኣቦይ፡ ሰባኺ ባፕቲስት እዩ ነይሩ። ብ1931፡ ንሓንቲ ኣባል ቤተ ክርስትያኑ ኺበጽሕ ናብ ግሉል ክፋል ዱር ኣማዞን ከደ። ኣብ ቤታ ኸኣ፡ ክልተ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትራክት ረኣየ። ንዓታተን ኣብ ቤተ ክርስትያን እያ ረኺባተን፣ መን ኣብኡ ኸም ዝሓደገን ግና ኣይፈለጠትን። ሓንቲ ኻብተን ትራክት ብዛዕባ ገሃነም እሳት፡ እታ ሓንቲ ኸኣ ብዛዕባ ትንሳኤ እያ እትገልጽ ነይራ። ኣቦይ በቲ ዘንበቦ ተተንከየ። ብኡብኡ ብዛዕባ እቲ፡ ‘ኣነ ብገሃነም እሳት ኣይኣምንን እየ። ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ቦታ ኣይፈጥርን እዩ’ ዚብሎ ዝነበረ ጊልየርመ ዚብሃል ዘማኡ ሓሰበ። ኣቦይ፡ ነተን ትራክትታት ንጊልየርመ ኼርእዮ ስለ እተሃንጠየ፡ ኣብ ታንኳኡ ደዪቡ ንሸሞንተ ሰዓት ናብታ ጊልየርመ ዚነብረላ ኣብ ጥቓ ማናዉስ እትርከብ ማናኪሪ ጀለበ።

ኣንቶንዮ ሲሞይንስ ክልተ ስእሊ እታ ኣብ ማናኲሪ፡ ኣማዞናስ፡ ብራዚል እትርከብ ቀዳመይቲ ጉባኤ ሒዙ

ኣብ ናይ ብራዚል ክፍለ ሃገር ኣማዞናስ እትርከብ ቀዳመይቲ ጉባኤ

“ኣቦይን ጊልየርመ ሰብኣይ ኣሞይን ነተን ትራክትታት ምስ መርመርወን፡ ክልቲኦም፡ ‘ሓቂ እዚኣ እያ!’ በሉ። ብኡብኡ፡ ናብቲ ኣብ ብራዚል ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጽሒፎም፡ ጽሑፋት ኪልኣኸሎም ሓተቱ። ኣቦይ ንቕሽነቱ ሓደጎ፣ ንሱን ሰብኣይ ኣሞይን ከኣ ነቲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ግሉል ቦታ ኺሰብኩ ጀመሩ። ሰባት ነቲ መልእኽቲ ጽቡቕ ምላሽ ስለ ዝሃቡ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ማናኪሪ ሓንቲ ጉባኤ ቘመት። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ 70 ነበርቲ ቝሸት ኣብቲ ኣኼባታት ኪእከቡ ጀመሩ እሞ፡ እታ ጉባኤ በቲ ግዜ እቲ ኣብ ብራዚል ካብ ዝነበራ እታ ዝዓበየት ጉባኤ ዀነት።” ኣንቶንዮ ሓንሳእ ስቕ ድሕሪ ምባሉ፡ “መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ኣማዞን ብኸመይ ከም ዝኣተወ ምስማዕሲ፡ ዜደንቕ ደይኰነን፧” ኢሉ ሓተቶም። እወ፡ ሓቁ እዩ። ክልተ ደቀቕቲ ዘርኢ፡—ክልተ ንኣሽቱ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትራክት፡—ኣብቲ ሰፊሕ ዱር ኣማዞን ሱር ሰደዳ እሞ፡ በቚለን እትስስን ጉባኤ ዀና። ሎሚ ኸኣ፡ እታ ኻብ እትቐውም 83 ዓመት ዝገበረት ጉባኤ ማናኪሪ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ናይ ብራዚል ክፍለ ሃገር ኣማዞናስ ዚርከባ 143 ጉባኤ እያ።

“እቲ ኣዝዩ ውሑድ” ከመይ ኢሉ “ብርቱዕ ህዝቢ” ኸም ዝዀነ

“እቲ ንእሽቶስ ሽሕ፡ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።” (ኢሳ. 60:22) እዚ ትንቢት እዚ ኸመይ ኢሉ እዩ ተፈጺሙ፧ ፍጻመኡ ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ንዚርከቡ ገዳይም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ገይሩ ጸልይዎም፧

ቦርየ ኒልሶን

ቦርየ ኒልሶን (84 ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ብ1943 እተጠምቀ)፦ “ሓደ ብ1920 ኮልፖርተር ዝነበረ ቕቡእ ሓው ይዝከረኒ። ዳርጋ ፍርቂ ሽወደን ምስ ተመደበሉ፡ ብተኣዛዝነት ኬገልግል ጀሚሩ፣ ዕዮኡን ዕዮ ኻልኦት እሙናትን ከኣ ብሓቂ ዓስቢ ረኺቡ እዩ! ሎሚ፡ ልዕሊ 22,000 ኣስፋሕቲ ኣለዉና። ሕጂ ብዕድመ ዝደፋእኩ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብተኣዛዝነት ክቕጽል እደሊ እየ። የሆዋ ብሕጂ እውን ዘይተጸበናዮ ነገር እንተ ገበረ መን ይፈልጥ፧”

ኤትየን ኢስተርሄስ

ኤትየን ኢስተርሄስ (83 ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ብ1942 እተጠምቀ)፦ “ሎሚ፡ ቍጽሪ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኻብቲ ብ1942 ዝነበሮ 1,500፡ ናብ 94,000 ወሲኹ ኽርእዮ ኸለኹ ይድንጽወኒ እዩ። ክፍሊ እዚ ዓብዪ ውድብ ምዃን፡ ብርግጽ እምነት ዜደልድል እዩ!”

ኪት ጌዶን

ኪት ጌዶን (82 ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ብ1948 እተጠምቀ)፦ “ምስክርነት ንቝጽሪ እቶም ኣብ ብሪጣንያ ዚርከቡ ኣስፋሕቲ ኻብቲ ብ1948 ዝነበሮ 13,700 ናብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ዳርጋ 137,000 ምውሳኹ፡ እዚ ዕዮ እዚ፡ ዕዮ የሆዋ ምዃኑ እዩ ዜርእየኒ። ብሓይሊ ሰብ ዘይከኣል ምዀነ፣ የሆዋ ግና ‘ገባር ተኣምራት’ እዩ።”—ዘጸ. 15:11።

ኡልሪክ ክሮሎፕ

ኡልሪክ ክሮሎፕ (77 ዓመት ዝዕድሚኣ፡ ብ1952 እተጠምቀት)፦ “ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ጀርመን ዝነበራ ጉባኤታት በቲ ንጡፍ መንፈስ እቶም መስጐጕቲ ናዚ እተጻወሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተነቓቒሐን እየን። ሰባት መጸናንዒ ይደልዩ ነይሮም፣ ንሕና ኸኣ ኣብቲ ዜስካሕክሕ ውግእ ስለ ዘይተሳተፍና፡ ከይተሰከፍና ኸነጸናንዖም ንኽእል ኔርና። ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመት፡ መንፈስ ኣምላኽ ንህዝቡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝመርሖም ተዓዚበ እየ። ሎሚ፡ ልዕሊ 164,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉና፣ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ውጽኢት ኰን እዩ!”

ማሪያ ብሪንየትስካያ

ማሪያ ብሪንየትስካያ (77 ዓመት ዝዕድሚኣ፡ ብ1955 እተጠምቀት)፦ “ካብ ማእሰርቲ ንምምላጥ፡ ብጕልባብ ጸልማት ለይቲ እየ ተጠሚቐ። ሰብኣየይ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀነ፡ ጸኒሑ ናብ ርሑቕ ደምበ ሸቕሊ ተወሲዱ እዩ። ኣነ ኸኣ እናተጠንቀቕኩ ኣብዛ ኣብ ሩስያ እትርከብ ቍሸተይ እሰብኽ ነይረ፣ ገሊኦም ጐረባብተይ ድማ፡ ሓቂ ተቐቢሎም እዮም። ሽዑ፡ ሒደት ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም ነይሮምና። ሎሚ፡ ኣብ ሩስያ ልዕሊ 168,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘለዉ ምርኣየይ የሐጕሰኒ እዩ!”

ኪሚኮ ያማኖ

ኪሚኮ ያማኖ (79 ዓመት ዝዕድሚኣ፡ ብ1954 እተጠምቀት)፦ “ብ1970 ኣብ ጃፓን 10,000 ኣስፋሕቲ ኸም ዘለዉና ምስ ፈለጥኩ፡ ብታሕጓስ ንብዓተይ ክዓግት ኣይከኣልኩን፣ ንየሆዋ ኸኣ፡ ‘ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፡ ንዓኻ እምንቲ ክኸውን እየ’ ኢለ ኸም ብሓድሽ ቃል ክኣትወሉ ብውሽጠይ ተደሪኸ እየ። ሕጂ ልዕሊ 216,000 ኣስፋሕቲ ስለ ዘለዉና፡ ሎሚ ኽሳዕ ክንደይ ሕጉስቲ ኸም ዝዀንኩ እሞ ሕስብ ኣብልዎ!”

ዳንኤል ኦዶጉን

ዳንኤል ኦዶጉን (83 ዓመት ዝዕድሚኡ)፦ “ብ1950 ኣብ እተጠመቕኩሉ እዋን፡ ኣብ ናይጀርያ 8,000 ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮም። ሎሚ፡ ኣስታት 351,000 ኣለዉ! ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ብዙሓት ኪእከቡ ኽርኢ ኸለኹ፡ ብዛዕባ ሃጌ 2:7 እየ ዝሓስብ። የሆዋ ብሓቂ ንኣህዛብ የነቓንቖም፡ ክቡር ነገር ድማ የምጽእ ኣሎ። ስብከት፡ ‘የሆዋ፡ አመስግነካ!’ ዝብለሉ መገዲ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ዚከኣለኒ ኽገብር እጽዕር እየ!”

ካርሎስ ሲልቫ

ካርሎስ ሲልቫ (79 ዓመት ዝዕድሚኡ)፦ “ብ1952 ኣብ እተጠመቕኩሉ እዋን፡ ኣብ ብራዚል 5,000 ኣስፋሕቲ ነይሮምና። በታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዚርከብ ጂምናዝዩም ዓብዪ ኣኼባ ጌርና ኔርና። ኣብቲ ደው መበሊ ማካይን ከኣ ክልተ ማኪና እየን ነይረን። ሽዑ፡ ሓደ ሓው ናብቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረ ስታድዩም ፓካየምቡ ኣናኣመልከተ፡ ‘ሓደ መዓልቲ ነዚ እንመልኦዶ ይመስለካ፧’ ኢሉ ሓቲቱኒ። ዘይከኣል እዩ ዚመስል ነይሩ፣ ብ1973 ግና፡ እቲ ስታድዩም ብ94,586 ተኣከብቲ መሊኡ ነይሩ! ሎሚ፡ ኣብ ብራዚል ልዕሊ 767,000 ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና፣ ነዚ ወሰኽ እዚ ምርኣይ ዜደንቕ እዩ!”

ካርሎስ ካሳረስ

ካርሎስ ካሳረስ (73 ዓመት ዝዕድሚኡ)፦ “ብ1954፡ በታ ኣነ እተጠመቕኩላ ዓመት፡ ኣብ መክሲኮ 10,500 ኣስፋሕቲ ነይሮም። ኣመና ብዙሓት ዓየይቲ የድልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ገና ወዲ 21 ዓመት ከለኹ፡ ሓላው ወረዳ ዀይነ ተሸምኩ። ኢሳይያስ 60:22 ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክትፍጸም ምርኣየይ፡ በረኸት እዩ ዀይኑለይ። ሕጂ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ፡ ልዕሊ 806,000 ኣስፋሕቲ ኣለዉና! ክትግምቶ ዘይከኣል እዩ!”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ