መጽናዕቲ 1
ውጽኢታዊ መእተዊ
ግብሪ ሃዋርያት 17:22
ጽማቝ ሓሳባት፦ መእተዊኻ ተገዳስነት ኬለዓዕል፡ ንእትዛረበሉ ርእሰ ነገር ኬላሊ፡ ንሰማዕትኻ ስለምንታይ ኬገድሶም ከም ዚግባእ ኬርኢ ኣለዎ።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
- ተገዳስነት ኣለዓዕል። ንሰማዕትኻ ዜገድሶም ሕቶ፡ ምሉእ ሓሳብ፡ ናይ ሓቂ ተመክሮ፡ ወይ ዜና ምረጽ። 
- ንእትዛረበሉ ርእሰ ነገር ኣላሊ። ኣብ መእተዊኻ፡ እቲ እትዛረበሉ ርእሰ ነገርን ዕላማ እቲ ዘረባኻን ንሰማዕትኻ ንጹር ከም ዚዀነሎም ግበር። 
- እቲ ርእሰ ነገር ስለምንታይ ከም ዜገድስ ኣርኢ። እቲ እትዛረቦ ነገር ምስቲ ንሰማዕትኻ ዜድልዮም ግብራዊ ነገራት ኣሳንዮ። እቲ ርእሰ ነገር ብብሕቲ ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ብንጹር ኪርድኡ ኣለዎም።