መዝሙር 134
ውሉዳት ካብ ኣምላኽ እተዋህቡ ሕድሪ እዮም
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	- 1. ንሰብኣይ ምስ ተወልደሉ፡ - ሰበይቲ’ውን ውሉድ ምስ ወለደት፡ - ሕድሪ ’ለዎም፡ ሕድሪ ኻብ ኣምላኽ፡ - እተዋህቦም ሓላፍነት። - እቲ ውህበት’ዩ ኻብ የሆዋ፡ - ካብቲ ምንጪ ፍቕሪ ዀነ ህይወት፣ - ንወለዲ ይህቦም ስርዓት፡ - ውሉዶም ኬዕብዩ ብሓልዮት። - (ኣዝማች) - ኣምላኽ እዩ ሕድሪ ሂቡካ፡ - ክቡር ህይወት ኣብ ኣእዳውካ፣ - ’ሞ ምሃሮ ትእዛዝ ኣምላኽካ፡ - መታን ጽቡቕ ኪዓብየልካ። 
- 2. ኵሉ’ቲ ያህ ዝኣዘዞ፡ - ኣቐምጦ ኣብ ውሽጢ ልብኻ፣ - ቅረጸሎም’ውን ንደቅኻ፣ - ’ዚ’ዩ ሕድሪ ’ተባህለልካ። - ኣብ መገዲ ዀነ ኣብ ቤትካ፡ - ኣብ ድቃስካ ዀነ ምትንሳእካ፡ - ተዛረቦም ብቓል ኣምላኽካ፡ - መታን ወትሩ ኺባረኹልካ። - (ኣዝማች) - ኣምላኽ እዩ ሕድሪ ሂቡካ፡ - ክቡር ህይወት ኣብ ኣእዳውካ፣ - ’ሞ ምሃሮ ትእዛዝ ኣምላኽካ፡ - መታን ጽቡቕ ኪዓብየልካ። 
(ዘዳ. 6:6, 7፣ ኤፌ. 6:4፣ 1 ጢሞ. 4:16 እውን ርአ።)