ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 3 ገጽ 14-ገጽ 15 ሕ.ጽ. 2
  • መገዲ ዜዳሉ ተወልደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መገዲ ዜዳሉ ተወልደ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ጸራግ መገዲ ተወሊዱ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ኤልሳቤጥ ወለደት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ካብ ኣምላኽ ክልተ መልእኽቲ መጸ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ገና ኸይተወልደ ኽብሪ ተዋህቦ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 3 ገጽ 14-ገጽ 15 ሕ.ጽ. 2
ኤልሳቤጥ ንውላዳ ተርእዮም

ምዕራፍ 3

መገዲ ዜዳሉ ተወልደ

ሉቃስ 1:57-79

  • ዮሃንስ መጥምቕ ተወልደ፡ ስም እውን ወጸሉ

  • ዘካርያስ ነቲ ዮሃንስ ኣብ መጻኢ ዘለዎ ግደ ተነበየ

ኤልሳቤጥ እትሓርሰሉ ግዜ ቐረበ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ፡ ዘመዳ ማርያም ምስኣ ቀንያ ነበረት። ድሕሪኡ ግና ማርያም ናብ ሰሜን ነዊሕ ተጓዒዛ፡ ናብ ዓዳ ናብ ናዝሬት ክትምለስ እትፋነወሉ ግዜ በጽሐ። ንሳ እውን ክትወልድ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ ተሪፍዋ ነበረ።

ማርያም ድሕሪ ምኻዳ ብዙሕ ከይጸንሐት፡ ኤልሳቤጥ ሓረሰት። ብዘይ ዋላ ሓንቲ ሽግር ብምውላዳን ኤልሳቤጥን እቲ ሕጻንን ከኣ ጥዕንኦም ደሓን ብምንባሩን፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዝዀነ! ኤልሳቤጥ ንጐረባብታን ንኣዝማዳን፡ ነቲ ሕጻን ምስ ኣርኣየቶም፡ ኵሎም ምስኣ ተሓጐሱ።

ብመሰረት እቲ ንእስራኤል እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ፡ ወዲ ምስ ተወልደ፡ ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኺግረዝ ነበሮ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ስም ይወጸሉ ነበረ። (ዘሌዋውያን 12:2, 3) ገሊኦም፡ እቲ ወዲ ብስም ኣቡኡ ዘካርያስ ኪጽዋዕ ሓሳብ ሃቡ። ኤልሳቤጥ ግና፡ “ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ ደኣ እዩ ዚስመ” በለት። (ሉቃስ 1:60) ገብርኤል መልኣኽ፡ እቲ ሕጻን ዮሃንስ ተባሂሉ ኺስመ ኸም ዘለዎ ምዝራቡ ትዝክር ትኸውን።

ይኹን እምበር፡ እቶም ጐረባብትን ኣዝማድን፡ “ካብ ኣዝማድኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን” ኢሎም ተቓውሞኦም ገለጹ። (ሉቃስ 1:61) ንዘካርያስ ድማ፡ ወዱ እንታይ ኪስመ ኸም ዚደሊ፡ ብምልክት ሓተትዎ። ዘካርያስ ከኣ ሰሌዳ ለሚኑ፡ “ስሙ ዮሃንስ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሉቃስ 1:63።

ዘካርያስ ኣብ ሰሌዳ ይጽሕፍ፣ ዘካርያስ ኪዛረብ ይጅምር፡ ትንቢት እውን ይንበ

ሽዑ፡ ዘካርያስ ብተኣምራዊ መገዲ መሊሱ ኺዛረብ ከኣለ። እቲ መልኣኽ፡ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልድ ምዃና ምስ ነገሮ ስለ ዘይኣመነ፡ ዓባስ ከም ዝዀነ ትዝክር ትኸውን። ዘካርያስ ኪዛረብ ምስ ጀመረ፡ ኵሎም ጐረባብቶም ተገረሙ እሞ፡ “እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧” ኢሎም ሓሰቡ። (ሉቃስ 1:66) በቲ ንዮሃንስ ስም ዝወጸሉ መገዲ፡ ኢድ ኣምላኽ ርእዮም እዮም።

ንዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ፡ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ቈላሕታኡ ናብ ህዝቡ ስለ ዝገበረን ስለ ዘድሓኖምን ይወደስ። ኣብ ቤት ዳዊት እቲ ጊልያኡ፡ ቀርኒ ድሕነት ኣተንሲኡልና ኣሎ” በለ። (ሉቃስ 1:68, 69) “ቀርኒ ድሕነት” ኪብል ከሎ፡ ነቲ ገና ዚውለድ ጐይታና የሱስ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ዘካርያስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ካብ ኣእዳው ጸላእትና ምስ ተናገፍና፡ [ኣምላኽ ብእኡ ኣቢሉ] ከይፈራህና ኸነገልግሎ ኺፈቕደልና እዩ፣ ኵለን መዓልትታትና ኣብ ቅድሚኡ ብተኣማንነትን ብጽድቅን ክንነብር ኢና” በለ።—ሉቃስ 1:74, 75።

ቀጺሉ፡ ዘካርያስ ብዛዕባ ወዱ ዮሃንስ፡ “ንስኻ ግና ኣታ ሕጻን፡ መገድታቱ ኸተዳሉ ቐቅድሚ የሆዋ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ እቲ ልዑል ክትብሃል ኢኻ፣ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም፡ ፍልጠት ድሕነት ክትህቦም ኢኻ፣ እዚ ድማ ሳላ ርሕራሐ ኣምላኽና እዩ ዚርከብ። በዚ ኸኣ፡ ካብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ፣ እዚ እውን፡ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ተቐሚጦም ዘለዉ ምእንቲ ኼብርህ፡ ንኣእጋርና ድማ ናብ መገዲ ሰላም ምእንቲ ኬቕንዕ እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ሉቃስ 1:76-79) እቲ ትንቢት እትስ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ ነይሩ!

እዚ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እታ ገና ዘይተመርዓወት ዝነበረት ማርያም፡ ናብ ዓዳ ናብ ናዝሬት በጺሓ ኽትከውን ኣለዋ። ከም ዝጠነሰት ምስ ተፈልጠ፡ እንታይ ኰን የጋጥማ ይኸውን፧

  • ኣብ መንጎ ዮሃንስን የሱስን ክንደይ ናይ ዕድመ ፍልልይ ነበረ፧

  • ዮሃንስ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ እንታይ ነገር እዩ ዝዀነ፧

  • ኣምላኽ ንዮሃንስ እንታይ ዕዮ መደበሉ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ