መጽናዕቲ 3
ኣጠቓቕማ ሕቶታት
ማቴዎስ 16:13-16
ጽማቝ ሓሳባት፦ ተገዳስነት ንምልዕዓልን ተገዳስነት ሒዝካ ንምጽናሕን ሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ንምግባርን ኣገዳሲ ነጥብታት ንምጕላሕን ብሜላ ሕቶታት ሕተት።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
- ተገዳስነት ኣለዓዕልን ተገዳስነት ሒዝካ ጽናሕን። ንሰማዕትኻ ኸም ዚሓስቡ ዚገብሮም ወይ ንምፍላጥ ህንጥዮት ዜሕድረሎም ብልቦም ምላሽ ዚህቡሉ ሕቶታት ሕተቶም። 
- ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ከም ዚሓስቡ ግበሮም። ሰማዕትኻ ናብ ርትዓዊ መደምደምታ ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ነቲ እተቕርቦ መጐተ ኺከታተሉ ዚሕግዞም ተኸታታሊ ሕቶታት ሕተቶም። 
- ኣገዳሲ ነጥብታት ኣጕልሕ። ቀንዲ ሓሳባት ምእንቲ ኸተላሊ፡ መሳጢ ሕቶ ሕተት። ኣገዳሲ ነጥቢ ድሕሪ ምግላጽካ ወይ እተቕርቦ መልእኽቲ ኽትድምድም ከለኻ፡ ሕቶታት ክለሳ ሕተት።