መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ጥሪ 2019
7-13 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 21-22
“ፍቓድ የሆዋ ይኹን”
(ግብሪ ሃዋርያት 21:8-12) ንጽብሒቱ፡ ካብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ በጻሕና፣ ናብ ቤት እቲ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዝነበረ ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ኣቲና ድማ፡ ምስኡ ቐነና። 9 ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ዘይተመርዓዋ ኣዋልድ ነበራኦ። 10 ሓያሎ መዓልትታት ምስ ገበርና፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ወረደ። 11 ናባና መጺኡ ኸኣ፡ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፡ ብእኡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሰረ እሞ፡ “መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣይሁድ ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም፡ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም’” በለ። 12 እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ኣብኡ ዝነበሩን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ለመንናዮ።
“ፍቓድ የሆዋ ይኹን”
ጳውሎስ ምስ ፊልጶስ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣጋቦስ ዚበሃል ኣኽቢርካ ዚርአ ኻልእ በጻሒ መጸ። እቶም ኣብ ቤት ፊልጶስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ ኣጋቦስ ነብዪ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም፣ ንሱ ብዘመን ቅላውዴዎስ ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ግብ. 11:27, 28) ምናልባት፡ ‘ስለምንታይ እዩ ኣጋቦስ መጺኡ፧ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ መጺኡ፧’ ኢሎም ሓሲቦም ይዀኑ። እናጠመትዎ ኸለዉ፡ ቅናት ጳውሎስ ወሲዱ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ገይሩ ኣሰረ። ድሕሪኡ፡ “ንዋና እዛ ቕናት እዚኣ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም አሲሮም ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም፡ ይብል መንፈስ ቅዱስ” ብምባል ከቢድ ዘረባ ተዛረበ።—ግብ. 21:11።
እቲ ትንቢት፡ ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚኸይድ ኣረጋገጸ። ኣብታ ኸተማ ድማ፡ ኣይሁድ “ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ” ምዃኖም ሓበረ። እዚ ኸኣ ኣብቶም ነቲ ትንቢት ዝሰምዑ ሰባት ሓያል ጽልዋ ኣሕደረ። ብዛዕባ እዚ ሉቃስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ንጳውሎስ ለመንናዮ። ሽዑ ጳውሎስ፤ ኣቱም እትበኽዩን ንልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ አሎኹም፧ ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ኣብ የሩሳሌም ንሙማት ድማ እምበር፡ ንማእሰርቲ ጥራይ እኳ ኣይኰንኩን ተዳልየ ዘሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።”—ግብ. 21:12, 13።
(ግብሪ ሃዋርያት 21:13) ሽዑ፡ ጳውሎስ፡ “ኣቱም እትበኽዩን ልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም፧ ኣነ ንማእሰርቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሩሳሌም ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ንሙማት እውን ተዳልየ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።
“ፍቓድ የሆዋ ይኹን”
ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ። እቶም ኣሕዋት፡ እንተላይ ሉቃስ፡ ንጳውሎስ ጕዕዞኡ ኸይቅጽል ለመንዎ። ገሊኦም ከኣ ይበኽዩ ነበሩ። ጳውሎስ በቲ ንዕኡ ዘለዎም ፍቕራዊ ሓልዮት ተደሪኹ፡ “ንልበይ እትሰብሩ” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። ኰይኑ ግን፡ ካብ ውሳነኡ ፈልከት ኣይበለን፣ ከምቲ ኣብ ጢሮስ ዝነበሩ ኣሕዋት ምስ ለመንዎ ውሳነኡ ዘይቀየረ፡ ለመና ወይ ንብዓት ነቕ ከም ዚብል ኣይገበሮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ስለምንታይ ጕዕዞኡ ኪቕጽል ከም ዘለዎ ገለጸሎም። ኣየ ትብዓት! ኣየ ቘራጽነት! ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ጳውሎስ እውን ብቘራጽነት ናብ የሩሳሌም ኣቕንዐ። (እብ. 12:2) ሰማእት ኪኸውን ኣይኰነን ዚደሊ ነይሩ፣ ንክርስቶስ የሱስ ብምስዓቡ ሰማእት እንተ ዀይኑ ግን፡ ነዚ ኸም ክብሪ እዩ ቘጺርዎ።
(ግብሪ ሃዋርያት 21:14) ከነእምኖ ፈቲንና ምስ ኣበየና፡ “ፍቓድ የሆዋ ይኹን” ኢልና ምቅዋሙ ሓደግና።
“ፍቓድ የሆዋ ይኹን”
እቶም ኣሕዋትከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ነቲ ድሌቱ ኣኽበሩሉ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ምስማዕ ምስ አበየና ኸኣ፤ ፍቓድ [“የሆዋ፡” NW] ይኹን፡ ኢልና ሀዳእና” ዚብል ነንብብ። (ግብ. 21:14) እቶም ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይኸይድ ኬእምንዎ ዝፈተኑ፡ ንኺሰምዖም ግዲ ኺብልዎ ኣይፈተኑን። ንጳውሎስ ሰምዕዎ፡ እቲ ዝበሎ ፍቓድ የሆዋ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ኸኣ፡ ዋላ እኳ እናኸበዶም ንዘረባኡ ተቐበልዎ። ጳውሎስ ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ሞቱ ዚመርሕ ጕዕዞ ጀመሮ። እቶም ዚፈትውዎ ሰባት ኬጐናድብዎ ዚገብርዎ ነገር፡ ንጳውሎስ ከም ዚኸብዶ ኻብ ምግባር ሓሊፉ ረብሓ ኣይነበሮን።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ግብሪ ሃዋርያት 21:23, 24) እምበኣር፡ እዚ እንብለካ ግበር፦ መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኡት ኣለዉና። 24 ነዚኣቶም ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ፣ ርእሶም ኪላጸዩ እውን፡ ወጻኢታቶም ሸፍነሎም። ሽዑ፡ ንስኻ እውን ሕጊ እናሓሎኻ ብስርዓት ከም እትመላለስ እምበር፡ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ወረስ ከንቱ ምዃኑ፡ ኵሎም ኪፈልጡ እዮም።
“ዝመጻረየሉ ነገር ስምዑኒ”
ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ፡ ከም ኣብ ሰንበት ዘይምስራሕ ወይ ገሊኡ ዓይነት ምግቢ ዘይምብላዕ ዝኣመሰለ ልምድታት ኣይሁድ ኪስዕቡ ንዚደልዩ ሰባት ስምዒቶም ተረዲኡሎም እዩ። (ሮሜ 14:1-6) ብዛዕባ ግዝረት እውን ሕጊ ኣየውጽአን። እኳ ደኣስ፡ ኣይሁድ ነቲ ኣቦኡ ግሪኻዊ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ብዓይኒ ጥርጣረ ምእንቲ ኸይርእይዎ ኢሉ፡ ወሲዱ ገዚርዎ እዩ። (ግብ. 16:3) ግዝረት ንብሕታዊ ውሳነ እተገድፈ ጕዳይ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ፡ “እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከአሎን እዩ” በሎም። (ገላ. 5:6) እንተዀነ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ንኽትከውን ኢልካ ዚግበር ግዝረት ኰነ፡ ስምረት የሆዋ ንምርካብ ግዝረት ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ጌርካ ዚዝረብ ዘረባ፡ ጕድለት እምነት እዩ ዜርኢ።
ስለዚ፡ እቲ ወረ ልክዕ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ግን ብእኡ ተረቢሾም ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቶም ሽማግለታት ንጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል መምርሒ ሃብዎ፦ “መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኣይ አለዉና፡ ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ። ርእሶም ኪላጸዩውን ኣብ ክንድኦም ዕደየሎም። ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ ሕጊ እናሐሎኻ ኸም እትመላለስን እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ዘበለ ኸንቱ ምዃኑን ኵላቶም ኪፈልጡ እዮም።”—ግብ. 21:23, 24።
ጳውሎስ፡ ናይ ሓቂ ሽግር ዚፈጥር ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዚውረ በላበለው ዘይኰነስ፡ እቲ ገሊኦም ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ንሕጊ ሙሴ ዜርእይዎ ዝነበሩ ቕንኣት ምዃኑ ኺማጐት ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ክሳዕ ዘይጠሓሰ፡ ኪዕጸፍ ፍቓደኛ ዀነ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ “እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ—ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነስይ፡—ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ። (1 ቈረ. 9:20) ስለዚ ድማ፡ ምስ ሽማግለታት የሩሳሌም ብምትሕብባር፡ “ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ” ዀነ። ከምኡ ብምግባሩ፡ ንሕና ምስ ሽማግለታት ንኽንተሓባበርን ዝበልናዮ ኪዀነልና ግዲ ንኸይንብልን፡ ሰናይ ኣብነት ሓደገልና።—እብ. 13:17።
(ግብሪ ሃዋርያት 22:16) ሕጂኸ ስለምንታይ እትድንጒ፧ ተንስእ፡ ስሙ ጸዊዕካ ኸኣ ተጠመቕን ካብ ሓጢኣትካ ተሓጸብን’ ኢሉኒ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ግብ 22:16
ስሙ ጸዊዕካ ኸኣ ካብ ሓጢኣትካ ተሓጸብ፦ ወይ “ስሙ ጸውዕን ካብ ሓጢኣትካ ተሓጸብን።” ሓደ ሰብ ካብ ሓጢኣቱ ምእንቲ ኺሕጸብ፡ ብማይ ኪጥመቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስም የሱስ እውን ኪጽውዕ ኣለዎ። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ብየሱስ ኪኣምንን እምነቱ ብክርስትያናዊ ግብርታት ኬርእን ኣለዎ።—ግብ 10:43፣ ያእ 2:14, 18።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ግብሪ ሃዋርያት 21:1-19) ካባታቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ነቐልና ድማ፡ ትኽ ኢልና ናብ ቆስ መጻእና፣ ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ሮዶስ፡ ካብኣ እውን ናብ ጳጥራ ኣቶና። 2 ናብ ፊንቄ እትሰግር መርከብ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ኣብኣ ደየብና እሞ ኸድና። 3 ንደሴት ቆጵሮስ ምስ ረኣናያ፡ ብጸጋምና ንድሕሪት ሓዲግናያ ናብ ሶርያ ገጽና ኸድና፣ እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዚራገፍ ጽዕነት ነበራ እሞ፡ ናብኣ ኣቶና። 4 ደቀ መዛሙርቲ ደሊና ምስ ረኸብና፡ ኣብኣ ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና። ንሳቶም ግና ብመንፈስ ተደሪኾም፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይከይድ ደጋጊሞም ነገርዎ። 5 ኣብኣ ዝቐነናለን መዓልትታት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ካብኣ ወጺእና ኽንጕዓዝ ተበገስና፣ ኵላቶም ድማ ምስ ኣንስትን ደቅን ኰይኖም፡ ክሳብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና። ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ተምበርኪኽና ጸለና፡ 6 ተሰነባበትና ኸኣ። ሽዑ፡ ናብታ መርከብ ደየብና፣ ንሳቶም ድማ ነናብ ቤቶም ተመልሱ። 7 ሽዑ፡ ንሕና ኻብ ጢሮስ ዝጀመርናዮ ጕዕዞ ዛዚምና ናብ ጵቶልማዩስ በጻሕና፣ ንኣሕዋት ሰላም ኢልና ኸኣ፡ ምሳታቶም ሓንቲ መዓልቲ ጸናሕና። 8 ንጽብሒቱ፡ ካብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ በጻሕና፣ ናብ ቤት እቲ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዝነበረ ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ኣቲና ድማ፡ ምስኡ ቐነና። 9 ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ዘይተመርዓዋ ኣዋልድ ነበራኦ። 10 ሓያሎ መዓልትታት ምስ ገበርና፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ወረደ። 11 ናባና መጺኡ ኸኣ፡ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፡ ብእኡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሰረ እሞ፡ “መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣይሁድ ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም፡ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም’” በለ። 12 እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ኣብኡ ዝነበሩን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ለመንናዮ። 13 ሽዑ፡ ጳውሎስ፡ “ኣቱም እትበኽዩን ልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም፧ ኣነ ንማእሰርቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሩሳሌም ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ንሙማት እውን ተዳልየ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ። 14 ከነእምኖ ፈቲንና ምስ ኣበየና፡ “ፍቓድ የሆዋ ይኹን” ኢልና ምቅዋሙ ሓደግና። 15 ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚአን ንጕዕዞ ተዳሊና፡ ናብ የሩሳሌም ደየብና። 16 ገለ ኻብቶም ኣብ ቂሳርያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ እውን ምሳና ኸዱ፣ ናብቲ ናይ ቀደም ወደ መዝሙር ዝዀነ ምናሶን ብዓል ቆጵሮስ ከኣ መርሑና፣ ኣብኡ እውን ተኣንገድና። 17 ናብ የሩሳሌም ምስ በጻሕና ድማ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። 18 ንጽብሒቱ ኸኣ፡ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያእቆብ ከደ፣ ኵሎም እቶም ሽማግለታት ድማ ኣብኡ ነበሩ። 19 ሰላም ምስ በሎም ከኣ፡ ብኣገልግሎቱ ኣቢሉ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ነገር ብዝርዝር ኣዘንተወሎም።
14-20 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 23-24
“መትከርን መናዓብን ተባሂሉ ተኸስሰ”
(ግብሪ ሃዋርያት 23:12) መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ውዲት ገይሮም ብመርገም ተመሓሓሉ።
(ግብሪ ሃዋርያት 23:16) ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ግና፡ ነቲ ዝሓሰብዎ ድብያ ሰምዐ፣ ከይዱ ኸኣ ናብቲ ሰፈር ወተሃደራት ኣትዩ ንጳውሎስ ነገሮ።
“ኣጆኻ”
እቲ ንጳውሎስ እተዋህቦ መተባብዒ ኣብ ግዜኡ እዩ ተዋሂብዎ። ንጽብሒቱ፡ ልዕሊ 40 ኣይሁድ፡ “ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ሰሚሮም ተማሓሐሉ።” እቲ እተመሓሓልዎ ማሕላ፡ ንኪቐትልዎ ኽሳዕ ክንደይ ቈሪጾም ከም ዝነበሩ እዩ ዜርኢ። ነቲ ውዲቶም ኪፍጽምዎ እንተ ዘይክኢሎም፡ መርገም ከም ዚወርዶም እዮም ኣሚኖም። (ግብ. 23:12-15) ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ነቲ ውዲት ተቐቢሎምዎ ነይሮም እዮም። እቲ ውዲት ከኣ ንሳቶም ንጳውሎስ ተወሳኺ ሕቶታት ከም ዚሓቱ መሲሎም ናብቲ ዋዕላ ኺመጸሎም ኪሓቱ እሞ፡ ኣብ መገዲ ኸኣ እቶም እተመሓሓሉ ሰብኡት ሓደጋ ወዲቖም ንጳውሎስ ኪቐትልዎ እዩ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ነዚ ውዲቶም ሰሚዑ፡ ንጳውሎስ ነገሮ። ጳውሎስ ድማ፡ እቲ ጐበዝ ነቲ ሮማዊ ሓለቓ ሽሕ ዝነበረ ቅላውዴዎስ ሊስያስ ከም ዚነገሮ ገበረ። (ግብ. 23:16-22) የሆዋ ነቶም ከም ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ዝኣመሰሉ ንድሕንነት ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ናይ ርእሶም ኣብሊጾም ዚርእዩ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ከኣ ብተኣማንነት ዚከኣሎም ዘበለ ዚገብሩ መንእሰያት ከም ዜፍቅሮም ኣየጠራጥርን እዩ።
(ግብሪ ሃዋርያት 24:2) ንሱ ምስ ተጸውዐ፡ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ኪኸስሶ ጀመረ፦ “ኦ ኽቡር ፌሊክስ፡ ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብና፡ ኣርሒቕካ ስለ እትሓስብ ድማ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም እተመሓየሸሉ ብምርኣይና፡
(ግብሪ ሃዋርያት 24:5, 6) ንሕና ነዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ብዓለሙ ዘለዉ ኣይሁድ መትከርን መናዓብን መራሒ ኑፋቐ ናዝሬታውያንን ኰይኑ ረኺብናዮ፣ 6 ቤተ መቕደስ ኬርክስ ምስ ፈተነ እውን ሒዝናዮ።
“ኣጆኻ”
ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ምስ በጽሐ፡ ከሰስቱ ኻብ የሩሳሌም ክሳዕ ዚመጹ፡ “ኣብ ኣዳራሽ ሄሮድስ” ይሕሎ ነበረ። (ግብ. 23:35) ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ሃናንያ እቲ ሊቀ ኻህናትን ጠርጠሎስ ዚበሃል ከኣል ዘረባን ብዙሓት ዓበይትን ናብ ቂሳርያ ወረዱ። ፈለማ፡ ጠርጠሎስ ንፌሊክስ፡ ስለቲ ንኣይሁድ ዝገበረሎም ነገር ወደሶ፣ ከምዚ ዝገበረ ኸኣ ንዕኡ ሽሒሩ፡ ሞገስ ኪረክብ ስለ ዝደለየ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ፡ ጕዳዩ ኬቕርብ ከሎ፡ ብዛዕባ ጳውሎስ፡ “መራሒ ወገን ናዝሬታውያን ኰይኑ፡ ኣብ ብዓለሙ ንዘለዉ ዅላቶም ኣይሁድ ፌራን መነዓብን ኰይኑ ረኸብናዮ። ቤተ መቕደስ ከኣ ኬርክስ ደለየ እሞ፡ ሐዝናዮ” ኢሉ ተዛረበ። እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ እውን፡ “ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፤ እወ፡ እዚ ነገርዚ ኸምኡ እዩ፡ በሉ።” (ግብ. 24:5, 6, 9) መናዓቢ፡ መራሒ ሓደገኛ መናፍቓን፡ ንቤተ መቕደስ ዘርከሰ ዚብል ክስታት፡ ብሞት ኬቕጽዕ ዚኽእል ከቢድ ክስታት እዩ ነይሩ።
(ግብሪ ሃዋርያት 24:10-21) እቲ ሹም ንጳውሎስ፡ ኪዛረብ ብርእሱ ምስ ኣመልከቶ፡ ንሱ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ነዚ ህዝቢ እዚ ፈራዲ ኻብ እትኸውን ብዙሕ ዓመታት ከም ዝገበርካ ስለ ዝፈልጥ፡ ንርእሰይ ተሓጒሰ እማጐተላ ኣለኹ። 11 ከምልኽ ኢለ ናብ የሩሳሌም ካብ ዝድይብ፡ ካብ 12 መዓልቲ ዚበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፡ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ፣ 12 ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽከራኸር ወይስ ኣብ ምኵራባት ኰነ ኣብ ምልእቲ እታ ኸተማ ንህዝቢ ኸለዓዕል ኣይረኸቡንን። 13 ነቲ ሕጂ ዚኸስሱኒ ዘለዉ ነገር እውን፡ መርትዖ ኬቕርቡልካ ኣይክእሉን እዮም። 14 ግናኸ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጻሒፉ ዘሎ እናኣመንኩ፡ በታ ንሳቶም ኑፋቐ ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ፡ ከምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘገልግሎ፡ እዚ እእመነልካ ኣለኹ። 15 ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ኣነ እውን ከማታቶም ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ። 16 ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽሩይ ሕልና ኺህልወኒ፡ ኵሉ ግዜ እጽዕር ኣለኹ። 17 ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ከቕርብን መጺአ። 18 እዚ ኽገብር ከለኹ፡ ምስ ህዝቢ ኽእከብ ወይ ከናዕብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሀ እዮም ረኺቦምኒ። ካብ ኣውራጃ እስያ ዝመጹ ገለ ኣይሁድ ግና ነይሮም እዮም፣ 19 ንሳቶም ኣባይ ገለ ነገር እንተ ዚህልዎምሲ፡ ኣብ ቅድሜኻ ቐሪቦም ኪኸስሱኒ ምተገብአ ነይሩ። 20 ወይስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ደው ኢለ ኸለኹ፡ ገለ በደል እንተ ረኺቦምለይ ይዛረቡ፣ 21 ብዘይካ እታ ኣብ መንጎኦም ደው ኢለ ብዓውታ፡ ‘ሎሚ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ!’ ዝበልክዋ ሓንቲ ነገር፡ ካልእ ኣይረኽቡለይን እዮም።”
“ኣጆኻ”
ብምኽንያት ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ ዓለማውያን ሰበ-ስልጣን እንተ ቐሪብና፡ መናዓብቲ ወይ “ሓደገኛ መናፍቓን” ተባሂልና ድማ እንተ ተኸሲስና፡ እንታይ ክንገብር ከም ዚግባእ፡ ጳውሎስ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ጳውሎስ ከምቲ ጠርጠሎስ ዝገበሮ፡ ነቲ ምስለኔ ኣይሸሓሮን። የግዳስ፡ ብህድኣትን ብኣኽብሮትን ተዛረበ። ብሜላ ንጹርን ሓቀኛን ምስክርነቱ ሃበ። እቶም ንቤተ መቕደስ ከም ዘርከሰ ዝኸሰስዎ “ኻብ እስያ ዝመጹ ሓያሎ ኣይሁድ፡” ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኸም ዘይቀረቡ፡ ብሕጋዊ ኣሰራርሓ ድማ ኣብኡ ቐሪቦም ኪኸስዎ ኸም ዚግባእ ጠቐሰ።—ግብ. 24:18, 19።
ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እምነቱ ምስክርነት ካብ ምሃብ ድሕር ኣይበለን። ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ቐሪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ትንሳኤ ኸም ዚኣምን ምስ ገለጸ ብዙሕ ጫውጫው ኰይኑ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዚ ዚኣምነሉ ነገር እንደገና ብትብዓት ገለጸ። (ግብ. 23:6-10) ኣብቲ መጐተኡ፡ ንተስፋ ትንሳኤ ኣጕልሐ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ የሱስን ትንሳኤኡን እዩ ዚምስክር ነይሩ፣ ነዚ ኸኣ እቶም ተጻረርቱ ኣይቅበልዎን እዮም ነይሮም። (ግብ. 26:6-8, 22, 23) እወ፡ ቀንዲ መከራኸሪ ዀይኑ ዝነበረ ነገር፡ ጕዳይ ትንሳኤ፡ ምናዳ ኸኣ ኣብ የሱስን ኣብ ትንሳኤኡን ዘተኰረ ጕዳይ እዩ ነይሩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ግብሪ ሃዋርያት 23:6) ጳውሎስ ድማ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፡ ገሊኣቶም ከኣ ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዓው ኢሉ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳውያን እየ። ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምዉታት እፍረድ ኣለኹ” በለ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ግብ 23:6
ኣነ ፈሪሳዊ እየ፦ ገሊኦም ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ፡ ንጳውሎስ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። (ግብ 22:5) ወዲ ፈሪሳውያን ከም ዝዀነ ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ከማታቶም ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝነበሩ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ቐናእ ክርስትያን ከም ዝዀነ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ጳውሎስ ዘይኰኖ መሲሉ ይቐርብ ከም ዘይነበረ ተረዲእዎም ነይሩ እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ፈሪሳዊ ኸም ዝዀነ ምግላጹ ግና ብተዛማዲ ኽንርድኦ ይግባእ፣ ጳውሎስ ከም ፈሪሳውያን ብትንሳኤ ስለ ዚኣምን፡ ኣብ ክንዲ ምስ ሰዱቃውያን፡ ምስ ፈሪሳውያን ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ፡ ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ሓባራዊ ባይታ መስሪቱ እዩ። ነቲ ዜከራኽር ጕዳይ ብምጥቃስ፡ ገሊኦም ኣባላት እቲ ዋዕላ ምስኡ ኺደናገጹ እዩ ተስፋ ገይሩ ኪኸውን ዘለዎ፣ እቲ ስልቱ እውን ዓይዩ እዩ። (ግብ 23:7-9) ጳውሎስ ኣብ ግብ 23:6 እተዛረቦ ቓላት፡ ምስቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣግሪጳ ቐሪቡ ኣብ እተማጐተሉ እዋን ንገዛእ ርእሱ ዝገለጸሉ መገዲ ዚሳነ እዩ። (ግብ 26:5) ኣብ ሮሜ ዀይኑ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ እውን፡ ፈሪሳዊ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ፊል 3:5) ኣቐዲሞም ፈሪሳውያን ዝነበሩ ኻልኦት ክርስትያናት ኣብ ግብ 15:5 ብኸመይ ከም እተገልጹ እውን ኣትኵሮ ዚግብኦ እዩ።—ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ግብ 15:5 ርአ።
(ግብሪ ሃዋርያት 24:24) ድሕሪ ገለ መዓልትታት፡ ፌሊክስ ምስታ ድሩሲላ እትብሃል ኣይሁዳዊት ሰበይቱ መጸ፣ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ ኸኣ፡ ብክርስቶስ የሱስ ብዛዕባ ምእማን፡ ካብኡ ሰምዐ።
(ግብሪ ሃዋርያት 24:27) ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ፌሊክስ ብጶርቅዮስ ፌስጦስ ተተክአ፣ ፌሊክስ ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ስለ ዝደለየ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ግብ 24:24
ድሩሲላ፦ ሳልሰይትን ዝነኣሰትን ጓል እቲ ግብ 12:1 ተጠቒሱ ዚርከብ ሄሮድስ፡ ወይ ሄሮድስ ኣግሪጳ ቐዳማይ። ንሳ ኣብ ከባቢ 38 ድ.ክ. እያ ተወሊዳ፣ ንኣግሪጳ ኻልኣይን ንበርኒቄን ድማ ሓብቶም እያ። (ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ግብ 25:13፡ ከምኡ ድማ ኣብ ማህደረ ቓላት፡ “ሄሮድስ” ርአ።) ፌሊክስ እቲ ሹም፡ ካልኣይ ሰብኣያ እዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ ንሶርያዊ ንጉስ ዓዚዝ ብዓል ሕምስ (ኢሚሳ) ተመርዓወቶ፣ ድሕሪኡ ግና፡ ንዕኡ ፈቲሓ ኣብ ከባቢ 54 ድ.ክ.፡ ማለት ጓል 16 ዓመት ኣቢላ ምስ ዀነት፡ ንፌሊክስ ተመርዓወቶ። ጳውሎስ ንፌሊስክ “ብዛዕባ ጽድቅን ርእሰ ግትኣትን እቲ ዚመጽእ ፍርድን” ኪዛረቦ ኸሎ፡ ኣብኡ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። (ግብ 24:25) ፌሊክስ ከም ሹም መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ንፌስጦስ ምስ ኣረክቦ፡ “ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ” ኢሉ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ፣ ገሊኦም ሰባት፡ ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ነታ ብዕድመ ንእሽቶ ዝነበረት ኣይሁዳዊት ሰበይቱ ባህ ንምባል ኢሉ ኸም ዝዀነ ይኣምኑ እዮም።—ግብ 24:27።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ግብሪ ሃዋርያት 23:1-15) ጳውሎስ ነቲ ዋዕላ ኣተኲሩ እናጠመተ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍጹም ጽሩይ ሕልና እየ ተመላሊሰ” በለ። 2 ሽዑ፡ ሃናንያ እቲ ሊቀ ኻህናት ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ ኣፉ ኺወቕዕዎ ኣዘዞም። 3 ጳውሎስ ከኣ ንዕኡ፡ “ኣታ ብኖራ እተለቕለቐ መንደቕ፡ ኣምላኽ ኪወቕዓካ እዩ። ከም ሕጊ ጌርካ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ ኸለኻስ፡ ሕጊ ጥሒስካዶ ኺወቕዑኒ ትእዝዝ ኣለኻ፧” በሎ። 4 እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ድማ፡ “ንሊቀ ኻህናት ኣምላኽዶ ትጸርፎ ኣለኻ፧” በልዎ። 5 ጳውሎስ ከኣ፡ “ኣሕዋተይ፡ ‘ንሓለቓ ህዝብኻ ኣይትጽረፍ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ሊቀ ኻህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን” በለ። 6 ጳውሎስ ድማ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፡ ገሊኣቶም ከኣ ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዓው ኢሉ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳውያን እየ። ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምዉታት እፍረድ ኣለኹ” በለ። 7 እዚ ስለ ዝበለ፡ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ፍልልይ ኰነ፣ እቲ ኣኼባ እውን ተኸፍለ። 8 ከመይሲ፡ ሰዱቃውያን፡ ‘ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ ኰነ ወይ መንፈስ የልቦን’ ይብሉ ነበሩ፣ ፈሪሳውያን ግና እዚ ዅሉ ኸም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩ። 9 ብዙሕ ታዕታዕ ድማ ኰነ፣ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝዀኑ ገለ ጸሓፍቲ ኸኣ፡ “ኣብዚ ሰብ እዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን፣ መንፈስ ወይስ መልኣኽ ተዛሪብዎ እንተ ዀነኸ፡—” እናበሉ ኣበርቲዖም ተኻትዑ። 10 ብዙሕ ፍልልይ ምስ ኰነ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ንጳውሎስ ከይሰላልዕዎ ፈሪሁ፡ ነቶም ወተሃደራት ወሪዶም ካብ ማእከሎም ኪምንዝዕዎን ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኬምጽእዎን ኣዘዘ። 11 በታ ለይቲ እቲኣ ግና፡ ጐይታ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፡ “ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ኣጸቢቕካ ዝመስከርካ፡ ኣብ ሮሜ እውን ከምኡ ኽትምስክር ኣሎካ እሞ፡ ኣጆኻ!” በሎ። መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ውዲት ገይሮም ብመርገም ተመሓሓሉ። 13 እቶም ነዚ ኺገብሩ እተመሓሓሉ ድማ፡ ካብ 40 ይበዝሑ ነበሩ። 14 ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ናብ ዓበይትን ከይዶም ከኣ፡ “ንሕና ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ፡ ገለ እኳ ኸይንጥዕም፡ ብመርገም ተመሓሒልና ኣለና። 15 ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ምስ ዋዕላ ዄንኩም፡ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕኩም ክትምርምሩ ኸም ዝደለኹም መሲልኩም፡ ንዕኡ ናባኻትኩም ኬውርዶ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ንገርዎ። ቅድሚ ምቕራቡ ግና፡ ክንቀትሎ ተዳሊና ኣለና” በልዎም።
21-27 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 25-26
“ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባይ በለ፡ ንንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳ ድማ መስከረሉ”
(ግብሪ ሃዋርያት 25:11) ክፉእ ገይረ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ እውን ገይረ እንተ ዀይነ፡ ከይመውት ኣይልምንን እየ፣ እዚ ዚኸስሱኒ ነገር መሰረት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ግና፡ ንዓታቶም ኬፍቱ ኢሉ ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” በለ።
“ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ አሎኹ”
ፌስጦስ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ኢሉ፡ ንህይወት ጳውሎስ ኣብ ሓደጋ መእተዋ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጳውሎስ ነቲ ኸም ሮማዊ መጠን ዝነበሮ መሰል ተጠቕመሉ። ንፌስጦስ፡ “ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እቐውም አሎኹ፡ ኣብኡ ኽፍረድ እዩ ዚግብኣኒ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጥ ከኣ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን፡ . . . ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ አሎኹ” በሎ። ሓደ ሰብ በዚ ኸምዚ ይግባይ እንተ ኢሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጥርዓን ኪቕየር ኣይከኣልን እዩ ነይሩ። ፌስጦስ ነዚ ኼጕልሕ ከሎ፡ “ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ካብ በልካስ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” በሎ። (ግብ. 25:10-12) ጳውሎስ ናብ ዝለዓለ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ይግባይ ብምባል፡ ሎሚ ንዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ። ተጻረርቲ፡ “ከም ሕጊ ኢና፡ እናበሉ ዓመጽ” ኪገብሩ ኸለዉ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ንምምጓት ዜኽእሎም ሕጋዊ መገድታት ይጥቀሙ እዮም።—መዝ. 94:20።
(ግብሪ ሃዋርያት 26:1-3) ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ “ብዛዕባ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ” በሎ። ሽዑ፡ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ንርእሱ ኸምዚ ኢሉ ተማጐተላ፦ 2 “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ብኣይሁድ እተኸሰስኩሉ ነገር ብምምጓተይ፡ ንርእሰይ ሕጕስቲ ገይረ እየ ዝርእያ፣ 3 ምናዳ ንስኻ ንዅሉ ልምድን ክርክርን ኣይሁድ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዚ፡ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣለኹ።
“ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ አሎኹ”
ጳውሎስ፡ ንጉስ ኣግሪጳ ዅሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ከም ዚፈልጥ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዛዕባ ጕዳዩ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ኺማጐት ብምኽኣሉ ብኣኽብሮት ኣመስገኖ። ቀጺሉ፡ “ከምቲ ኻብ ኵሉ ዚጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ” ብምባል ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቱ ገለጸ። (ግብ. 26:5) ፈሪሳዊ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ መሲሕ ኪመጽእ ይጽበ ነይሩ እዩ። እቲ ንነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ መሲሕ፡ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ብትብዓት መስከረ። በቲ ንሱን ከሰስቱን ዚሰማምዑሉ ነገር፡ ማለት ስለቲ ኣምላኽ ንኣቦታቶም ዝሃቦም ትጽቢት ተስፋ፡ ኪፍረዶ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ገለጸ። ኣግሪጳ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዚብሎ ነገራት ዝያዳ ተገዳስነት ኣሕደረ።
ጳውሎስ ነቲ ንክርስትያናት ዚገፍዓሉ ዝነበረ እዋን ኪዝክር ከሎ፡ “ኣነ ንርእሰይሲ ምስ ስም የሱስ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ግቡኤይ ምዃኑ እኳ ይመስለኒ ነይሩ። . . . ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጎም፡ [ንሰዓብቲ ክርስቶስ] ኣዝየ ተሀንደድክዎም” በለ። (ግብ. 26:9-11) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ የጋንን ኣይኰነን ነይሩ። በቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዘውረዶ ግፍዒ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። (ገላ. 1:13, 23) ኣግሪጳ፡ ‘ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ደኣ እንታይ እዩ ቐይርዎ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ይኸውን እዩ።
ጳውሎስ ቀጺሉ እተዛረቦ ቓላት፡ ነዚ መልሲ ዚኸውን እዩ ነይሩ፦ “ብትእዛዝ ሊቃውንቲ ኻህናትን ብፍቓዶምን ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከሎኹ፡ ዎ ንጉስ፡ ቀትሪ ኣብ መገዲ ከሎኹስ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዚኸዱ ዝነበሩን ኬንጸባርቕ ከሎ ርኤኽዎ። ኵላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፤ ሳውል፡ ሳውል፡ ከመይከ እትሰጐኒ፧ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንኣኻ ይገደካ፡ ኢሉ ዚዛረበኒ ድምጺ ሰማዕኩ። ኣነ ድማ፤ መን ኢኻ፡ ጐይታይ፧ በልክዎ። ጐይታ ኸኣ በለኒ፤ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ።”—ግብ. 26:12-15።
ጳውሎስ ቅድሚ እዚ ልዕለ-ባህርያዊ ፍጻመ እዚ፡ ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ‘ናብ ኣንፊ ብልሒ እዩ ዜድሓርሕር’ ነይሩ። ከምቲ ሓደ መጽዓኛ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሒሩ ርእሱ ዚጐድእ፡ ጳውሎስ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምጽራሩ ንርእሱ እዩ ብመንፈሳዊ መዳይ ጐዲኡ። እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ነቲ ቕኑዕ ዝልቡ ግናኸ ዝሰሓተ ሰብኣይ፡ ናብ ደማስቆ ኣብ እትወስድ መገዲ ስለ እተራእዮ፡ እቲ ሰብኣይ ኣተሓሳስባኡ ቐየረ።—ዮሃ. 16:1, 2።
ጳውሎስ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጥታት ገይሩ እዩ። ንኣግሪጳ ኺዛረቦ ኸሎ፡ “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን፡ ቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ የሩሳሌምን፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ እምበር፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይአቤኽዎን” በለ። (ግብ. 26:19, 20) ነቲ የሱስ ክርስቶስ ቀትሪ ብራእይ ዝሃቦ መዝነት፡ ንሓያሎ ዓመታት ፈጺምዎ እዩ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ እቶም ነቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ ዝነበረ ብስራት እተቐበሉ ሰባት፡ ካብ ርኽሰቶምን ምትላሎምን እናተነስሑ ናብ ኣምላኽ ተመልሱ። ንሕግን ስርዓትን ዜኽብሩ ንፉዓት ዜጋታት እውን ኰኑ።
እቶም ተጻረርቲ ጳውሎስ ዝዀኑ ኣይሁድ ግን፡ ነዚ ረብሓታት እዚ ፋዕራ ኣይገብሩሉን። ጳውሎስ ከምዚ በለ፦ “ብዛዕባዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሐዙኒ ኪቐትሉኒውን ሀቀኑ። ግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ አሎኹ።”—ግብ. 26:21, 22።
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ብዛዕባ እምነትና ‘ንዚሓተና ዘበለ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳለና’ ኽንከውን ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:15) ንደያኑን ገዛእትን ብዛዕባ እምነትና ኽንዛረቦም ከለና፡ እቲ ጳውሎስ ንኣግሪጳን ፌስጦስን ኪዛረቦም ከሎ እተጠቕመሉ ሜላ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትና ዀነ ንህይወት እቶም ንመልእኽትና ዚቕበልዎ ብኸመይ ከም ዘመሓየሾ ብኣኽብሮት ብምንጋር፡ ልቢ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክንትንክፍ ንኽእል ኢና።
(ግብሪ ሃዋርያት 26:28) ኣግሪጳ ግና ንጳውሎስ፡ “ኣብ ሓጺር ግዜስ ክርስትያን ክኸውን መእመንካኒ” በሎ።
“ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ አሎኹ”
ጳውሎስ ግን ነቲ ምስለኔ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ዎ ልኡል ፌስጦስ፡ ቃል ሓቅን ኣእምሮን እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን። እዚ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘሎኹ ንጉስ ድማ ነዚ ነገርዚ ይፈልጦ እዩ፡ . . . ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትአምኖም ዲኻ፧ ከም እትአምን እፈልጥ እየ።” ኣግሪጳ ኸኣ፡ “ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ” በሎ። (ግብ. 26:25-28) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ካብ ልቡ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምስክርነት ኣብቲ ንጉስ ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ግብሪ ሃዋርያት 26:14) ኵላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ‘ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧ ንመጕጠዪ ትረግሕ እንተ ዄንካ፡ ንዓኻ እዩ ዚገድደካ’ ዚብለኒ ድምጺ ሰሚዐ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ግብ 26:14
ንመጕጠዪ ትረግሕ፦ መጕጠዪ ኺብሃል ከሎ፡ እንስሳ ንምዅብካብ ዜገልግል በሊሕ ዝኣንፉ በትሪ እዩ። (መሳ 3:31) “መጕጠዪ ምርጋሕ” ዚብል ሓሳብ፡ ብሂል ስነ ጽሑፍ ግሪኽኛ እዩ። ካብቲ ኸናብ ብዕራይ ነቲ ብመጕጠዪ ጌርካ ንምኽብካቡ ምስ ተፈተነ ኣብዩ እናተራግሐ ገዛእ ርእሱ ኺሃሲ ኸሎ ዜጋጥሞ ተግባር እተወስደ እዩ። ሳውል ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዚገብር ነይሩ። ምስቶም ደገፍ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮም ሰዓብቲ የሱስ ይቃለስ ብምንባሩ፡ ገዛእ ርእሱ እዩ ዚሃሲ ነይሩ። (ምስ ግብ 5:38, 39፣ 1ጢሞ 1:13, 14 ኣረኣኢ።) ኣብ መክ 12:11 ዚርከብ “መጕጠዪ ብዕራይ” ዚብል ቃላት ብምሳልያዊ መገዲ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፣ ነቲ ንሰማዒ፡ ምኽሪ ኺስዕብ ዚድርኽ ቃላት ጥበበኛ ድማ የመልክት።
nwt ማህደረ ቓላት
መጕጠዪ። ሓረስቶት፡ እንስሳ ንምዅብካብ ዚጥቀሙሉ ኣብ ጫፉ በሊሕ ሓጺን ዘለዎ ነዊሕ በትሪ። መጕጠዪ ምስቲ ንሰማዒኡ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኼውዕል ዜለዓዕሎ ቓላት ጥበበኛ ተመሳሲሉ ኣሎ። ‘ንመጕጠዪ ምርጋሕ’ ዚብል ሓሳብ፡ ካብቲ ኸናብ ብዕራይ ነቲ ብመጕጠዪ ጌርካ ንምኽብካቡ ምስ ተፈተነ ኣብዩ እናተራግሐ ገዛእ ርእሱ ኺሃሲ ኸሎ ዜጋጥሞ ተግባር እተወስደ እዩ።—ግብ 26:14፣ መሳ 3:31።
(ግብሪ ሃዋርያት 26:27) ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ” በለ።
ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንክቕበሉ ሓግዞም
ጳውሎስ: ኣግሪጳ ንስሙ ጥራይ ሰዓቢ እምነት ኣይሁድ ምንባሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ካብቲ ኣግሪጳ ብዛዕባ ኣይሁድነት ዘለዎ ፍልጠት ተበጊሱ ግን እቲ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን መሲህ ዝገልጽ ስብከቱ “ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ኪኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ” ካልእ ከም ዘይብሉ ኣረድአ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:22, 23) ንኣግሪጳ ድማ “ዎ ንጉስ ኣግሪጳ: ንነብያትሲ ትአምኖም ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣግሪጳ ተወላወለ። ንነብያት ከም ዘይኣምኖም እንተ ተዛሪቡ: ከም ሰዓቢ እምነት ኣይሁድ መጠን ስሙ ኽበላሾ እዩ። ነቲ ጳውሎስ ዘቕረበሉ መረዳእታ እንተ ተቐቢሉ ኸኣ: ምስቲ ሃዋርያ ኸም ዝወገነ ብጋህዲ ኽገልጽን ክርስትያን ተባሂሉ ኽጽዋዕን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ጳውሎስ “ከም እትአምን እፈልጥ እየ” ኢሉ ባዕሉ ንሕቶኡ መለሰ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣግሪጳ እንታይ ኢሉ ንኽዛረብ እዩ ልቡ ዝደረኾ፧ “ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ” በሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:27, 28) ኣግሪጳ ክርስትያን እኳ እንተ ዘይኰነ: ጳውሎስ ግን በቲ መልእኽቱ ገይሩ ብእተወሰነ ደረጃ ንልቡ ተንኪፍዎ እዩ።—እብራውያን 4:12።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ግብሪ ሃዋርያት 25:1-12) ፌስጦስ ናብታ ኣውራጃ ምስ መጸ እሞ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ደየበ። 2 ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣውራታት ኣይሁድን ከኣ ንጳውሎስ ከሰስዎ። 3 ንጳውሎስ ልኢኹ ናብ የሩሳሌም ኬምጽኣሎም፡ ንፌስጦስ ሞገስ ለመንዎ። ንሳቶም ግና ኣብ መገዲ ንጳውሎስ ኪቐትልዎ ኣድብዮምሉ ነበሩ። 4 ፌስጦስ ግና፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ኺሕሎ ኸም ዘለዎ፡ ንሱ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ናብኣ ኸም ዚወርድ መለሰሎም። 5 “ስለዚ፡ ካባኻትኩም ስልጣን ዘለዎም ምሳይ ይውረዱ እሞ፡ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተ ኣልዩ ይኽሰስዎ” ድማ በሎም። 6 ምሳታቶም ካብ ሸሞንተ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ዘይበዝሕ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ናብ ቂሳርያ ወረደ፣ ንጽብሒቱ እውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፡ ንጳውሎስ ኬምጽእዎ ኣዘዘ። 7 ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው ኢሎም፡ መርትዖ ኬቕርቡሉ ዘይክእሉ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ኸሰስዎ። 8 ጳውሎስ ግና፡ “ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ኰነ ወይስ ንቄሳር ኣይበደልኩን” ኢሉ ተማጐተ። 9 ፌስጦስ ከኣ ሞገስ ኣይሁድ ኪረክብ ደልዩስ ንጳውሎስ፡ “ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ፧” ኢሉ መለሰሉ። 10 ጳውሎስ ግና፡ “ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ቄሳር ቈይመ ኣለኹ፣ ኣብኡ ኽፍረድ ከኣ እዩ ዚግብኣኒ። ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኸም ዘለኻ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን። 11 ክፉእ ገይረ፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ እውን ገይረ እንተ ዀይነ፡ ከይመውት ኣይልምንን እየ፣ እዚ ዚኸስሱኒ ነገር መሰረት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ ግና፡ ንዓታቶም ኬፍቱ ኢሉ ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” በለ። 12 ሽዑ፡ ፌስጦስ ምስቶም ኣማኸርቲ ተዛራሪቡ፡ “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
28 ጥሪ–3 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 27-28
“ጳውሎስ ብመርከብ ናብ ሮሜ ነቐለ”
(ግብሪ ሃዋርያት 27:23, 24) በዛ ለይቲ እዚኣ፡ መልኣኽ እቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኽ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ 24 ‘ጳውሎስ፡ ኣይትፍራህ። ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኣሎካ፣ እንሆ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ምሳኻ ዚጕዓዙ፡ ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ’ ኢሉኒ እዩ።
“ካባኻትኩምሲ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ”
ጳውሎስ ነቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ “ስለቲ ኣምላኽ . . . ዝሀቦም ትጽቢት ተስፋ” ይምስክረሎም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 26:6፣ ቈሎ. 1:5) እታ መርከብ ክትስበር ከም እትኽእል ምስ ፈለጡ፡ ካብቲ ጽንኩር ኵነታት ከም ዜምልጡ ተስፋ ኺህቦም ከሎ ኸኣ፡ “በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ . . . ደው ኢሉ፤ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዚሳገሩ ዅላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ አሎ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣቱም ሰብ፡ ኣነ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ንኣምላኽ እአምኖ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣጆኹም። ግናኸ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና” ኢሉ ኣተባብዖም።—ግብ. 27:23-26።
(ግብሪ ሃዋርያት 28:1, 2) ምስ ደሓንና ኸኣ፡ እታ ደሴት ማልታ ኸም እትብሃል ፈለጥና። 2 እቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ህዝቢ ድማ ፍልይ ዝበለ ርሕራሐ ገበሩልና። ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን ቍሪ ስለ ዝነበረን፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዅላትና ተቐበሉና።
“ካባኻትኩምሲ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ”
ምስ ደሓኑ፡ ኣብታ ኻብ ሲስሊ ናብ ደቡብ እትርከብ ደሴት መሊጠ ኸም ዘለዉ ፈለጡ። (ኣብ ገጽ 209 እትርከብ፡ “መሊጠ ኣበይ ትርከብ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቶም ደቂ ዓዲ ጽቡቕ ገይሮም ‘ተቐበልዎም።’ (ግብ. 28:2) ነቶም ጠስጢሶምን ብቝሪ ኸርዲዶምን ዝመጹ ጓኖት፡ ምእንቲ ኺሞቑ ሓዊ ኣጐዱሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን፡ ሓደ ተኣምር ተፈጸመ።
“ካባኻትኩምሲ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ”
ጱብልዮስ ዚበሃል ሃብታም ብዓል መሬት ኣብቲ ኸባቢ ይነብር ነበረ። እዚ ሰብ እዚ፡ ኣብ መሊጠ ብሮሜ እተሸመ ብዓል ስልጣን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሉቃስ ንዕኡ፡ “ኣውራ እታ ደሴት” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፣ ሎሚ ኣብ ማልታ ኣብ እተረኽበ ኽልተ ጽሑፋት ከኣ፡ እዚ መዓርግ እዚ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንጳውሎስን ብጾቱን ሰለስተ መዓልቲ ኣአንገዶም። ኣቦ ጱብልዮስ ግን ሓሚሙ ነበረ። ኣብዚ እውን ሉቃስ ነቲ ዅነታቱ ብልክዕ ገሊጹ ኣሎ። “ረስንን ውፅኣትን ሓሚሙ ነበረ” (ትርጕም 1990) ኢሉ ብምጽሓፍ፡ ዓይነት ሕማሙ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። ጳውሎስ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ጸለየሉን ኢዱ ኣንበረሉን፡ ንሱ ድማ ሓወየ። እቶም ደቂ እታ ደሴት በቲ ተኣምር ኣዝዮም ስለ እተገረሙ፡ ካልኦት ሕሙማት ናብ ጳውሎስ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። ንሳቶም ከኣ ንጳውሎስን ብጾቱን ዜድልዮም ዘበለ ሃብዎም።—ግብ. 28:7-10።
(ግብሪ ሃዋርያት 28:16, 17) ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ድማ፡ ጳውሎስ ምስ ሓደ ዚሕልዎ ወተሃደር ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ። 17 ግናኸ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣንጻር ህዝብና ወይ ኣንጻር ልምዲ ኣቦታትና ሓንቲ ዘይገበርኩ ኽነሰይ፡ ካብ የሩሳሌም እሱር ኰይነ ናብ ኢድ ሮማውያን ተዋሂበ።
“ብእተማልአ መገዲ እናመስከረ”
እቶም ተጓዓዝቲ ኣብ መወዳእታ ናብ ሮሜ ምስ ኣተዉ፡ “ጳውሎስ . . . ምስ ሓደ ዚሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ።” (ግብ. 28:16) እቶም ኣብ ቤት ዚእሰሩ ዝነበሩ እሱራት ምእንቲ ኸየምልጡ፡ ምስቲ ዚሕልዎም ዓቀይታይ ኣእዳዎም ብመቝሕ ይእሰሩ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ፡ መቝሕ እውን ስቕ ኣየበሎን። ስለዚ፡ እቲ ጕዕዞ ዘስዓበሉ ድኻም ክሳዕ ዚወጸሉ ንሰለስተ መዓልቲ ምስ ኣዕረፈ፡ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ፡ ተላለዮም፡ መስከረሎም ከኣ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ግብሪ ሃዋርያት 27:9) ብዙሕ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ጾም መዓልቲ ዕርቂ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ብመርከብ ዚግበር ጕዕዞ ሓደገኛ ብምንባሩ፡ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም፦
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ግብ 27:9
ጾም መዓልቲ ዕርቂ፦ ወይ “ጾም ኣዝመራ።” ቃ.ቃ.፡ “ጾም።” እታ “ጾም” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እተኣዘዘ ጾም፡ ማለት ነቲ ምስ ዓመታዊ መዓልቲ ዕርቂ እተተሓሓዘ ጾም ጥራይ እያ እተመልክት፣ እታ መዓልቲ ኸኣ ዮም ኪፑር (ብእብራይስጢ ዮም ሃኪፑሪም፡ “መዓልቲ ምኽዳን”) ተባሂላ እውን ትጽዋዕ እያ። (ዘሌ 16:29-31፣ 23:26-32፣ ዘሁ 29:7፣ ኣብ ማህደረ ቓላት፡ “መዓልቲ ዕርቂ” ርአ።) ምስ መዓልቲ ዕርቂ ተተሓሒዙ ዚጥቀስ፡ “ርእስኻ ምሕሳም” ዚብል ቃላት፡ ንእተፈላለየ ዓይነት ርእሰ ምሕሳም፡ እንተላይ ንጾም ከም ዜመልክት ጌርካ እዩ ዚውሰድ። (ዘሌ 16:29፡ እ.ጽ.) ኣብ ግብ 27:9፡ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ “ጾም” ጥራይ ብምባል ከም ፍሉጥ ገይሩ ምጥቃሱ፡ ብመዓልቲ ዕርቂ ብቐዳምነት ዚግበር ዝነበረ ርእሰ ምሕሳም ንጾም ዜጠቓልል ምንባሩ ይሕብር። ጾም መዓልቲ ዕርቂ፡ ኣብ መወዳእታ መስከረም ወይ ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ እዩ ዚጽወም ነይሩ።
(ግብሪ ሃዋርያት 28:11) ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ፡ በታ ኣብታ ደሴት ዝኸረመት፡ “ደቂ ድያ” ዚብል ኣርማ ዘለዋ፡ ካብ እስክንድርያ ዝመጸት መርከብ ጌርና ነቐልና።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ግብ 28:11
ደቂ ድያ፦ ወይ “ደቂ ዘዩስ።” ብመሰረት ጽውጽዋያት ግሪኻውያንን ሮማውያንን፡ “ደቂ ድያ (ዘዩስ)” (ግሪኽኛ፡ ዲዮስኮሪ) ተባሂሎም ዘለዉ፡ እቶም ካብ ድያን (ዘዩስ ወይ ጁፒተር) ካብታ ስፓርታዊት ንግስቲ ሊዳን ተወሊዶም ዚብሃሉ ማናቱ ኣሕዋት ዝዀኑ ካስቶርን ፖሉክስን እዮም። ንመርከበኛታት ካብ ሓደጋ ባሕሪ ዜድሕኑ ሓለውቲ ባሕረኛታት ተባሂሉ ይእመነሎም ነይሩ እዩ። እዚ ብዛዕባ ኣርማ መርከብ ዚገልጽ ዝርዝር ሓሳብ እዚ፡ እቲ ዛንታ ብናይ ዓይኒ ምስክር ከም እተጻሕፈ ይምስክር እዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ግብሪ ሃዋርያት 27:1-12) ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ስለ እተወሰነ፡ ንጳውሎስን ንገለ ኻብቶም ካልኦት እሱራትን ኣሕሊፎም ነቲ ዩልዮስ ዝስሙ ኻብ ኣሃዱ ኣውጉስጦስ ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ ሃብዎም። 2 ካብ ኣድራሚትስ ብገምገመ ገምገም ኣውራጃ እስያ ኣብ እትኸይድ መርከብ ደዪብና ነቐልና፣ እቲ ኻብ ተሰሎንቄ ዝዀነ ኣርስጠርኮስ ብዓል መቄዶንያ ምሳና ነበረ። 3 ንጽብሒቱ፡ ኣብ ሲዶን በጻሕና፣ ዩልዮስ ከኣ ንጳውሎስ ርሕራሐ ገበረሉ፡ ናብ ፈተውቱ ኪኸይድን ክንክኖም ኪረክብን ድማ ፈቐደሉ። 4 ካብኣ ነቒልና ድማ ንፋስ ኣንጻርና ስለ ዝነበረ፡ ብትሕቲ ቆጵሮስ ተኸዊልና ተጕዓዝና። 5 ብጥቓ ቂልቅያን ጰምፊልያን ኣቢልና ኸኣ ብማእከል ባሕሪ ተጕዓዝና፣ ኣብታ ኣብ ሉቅያ እትርከብ ሚራ ድማ በጻሕና። 6 ኣብኣ ኸኣ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ካብ እስክንድርያ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ መርከብ ረኸበ፣ ናብኣ እውን ኣደየበና። 7 ድሕርዚ፡ ብዙሕ መዓልትታት ገፈፍ እናበልና ምስ ተጕዓዝና፡ ብጭንቂ ናብ ክኒዶስ መጻእና። ጕዕዞና ኸይንቕጽል ንፋስ ምስ ከልከለና፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ተኸዊልና ብሰልሞና ሓለፍና። 8 ብጭንቂ ብጸግዒ ጸግዓ ተጓዒዝና፡ ናብታ ኣብ ጥቓ ኸተማ ላስያ እትርከብ ጽቡቕ ወደብ እትብሃል ቦታ መጻእና። 9 ብዙሕ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ጾም መዓልቲ ዕርቂ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ብመርከብ ዚግበር ጕዕዞ ሓደገኛ ብምንባሩ፡ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም፦ 10 “ኣቱም ሰባት፡ እዚ ጕዕዞ እዚ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንህይወትና እውን ጕድኣትን ብዙሕ ጥፍኣትን ከም ዜምጽእ ይርኣየኒ ኣሎ።” 11 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋና መርከብን ሰምዐ። 12 እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕም ስለ ዝነበረ ድማ፡ ካብኡ ኺነቕሉ እሞ፡ እንተ ኽኢሎም ናብቲ ኣብ ቅሬጥስ ዚርከብ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ገጹ ዝገበረ ወደብ ፊኒቅስ ኣትዮም ኣብኡ ኪኸርሙ፡ መብዛሕትኦም መኸሩ።