መዝሙር 124
እሙናት ንኹን
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	- 1. እሙናት ’ወ ንየሆዋ፡ - ነቲ ፈቃር ኣቦና፣ - ትእዛዛቱ’ውን ለጊብና፡ - ክንሕሉ ቓል ኣቲና፣ - ምኽሩ ባይታ ዘይወድቕ’ዩ፡ - ኵሉ ሳዕ ዚጠቕመና፣ - ኣይንፈለ ኻብ የሆዋ፡ - ካብቲ እሙን ኣምላኽና። 
- 2. እሙናት ’ወ ንኣሕዋትና፡ - ብእምነት ቤተ ሰብና፣ - ንሓልየሎም፡ ነፍቅሮም’ውን፡ - ብቓልና፡ ብግብርና። - ኣትሒትና ኣይንርእዮምን፡ - ነኽብሮም ካብ ልብና፣ - ሓቢርናዮም’ውን ነገልግል፡ - ወትሩ ኸይተፈለና። 
- 3. እሙናት ’ወ ንሓለውቲ፡ - ንዚመርሑና ኣሕዋት፣ - መምርሒታት ንዚህቡ፡ - ወትሩ ንኹን እዙዛት። - ሽዑ በረኸት የሆዋ፡ - ከም ርባ ይውሕዘልና፣ - ናይ የሆዋ’ውን ንኸውን፡ - እሙናቱ ’ተ ዄንና። 
(መዝ. 149:1፣ 1 ጢሞ. 2:8፣ እብ. 13:17 እውን ርአ።)