መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
2-8 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እብራውያን 7-8
“ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን”
(እብራውያን 7:1, 2) እዚ ንጉስ ሳሌምን ካህን እቲ ልዑል ኣምላኽን ዝነበረ መልከጼዴቅ እዝስ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ ረኺቡ ዝባረኾ፡ 2 ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ፡ ዕሽር ዝሃቦ፡ ቀዳማይ ትርጉም ስሙ፡ “ንጉስ ጽድቂ” እዩ፣ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት፡ “ንጉስ ሰላም” እዩ።
it-2 366
መልከጼዴቅ
ንጉስ ጥንታዊት ሳሌምን “ካህን እቲ [የሆዋ ዝስሙ] ልዑል ኣምላኽ”ን። (ዘፍ 14:18, 22) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ዘሎ ናይ መጀመርታ ካህን እዩ፣ ነቲ ሓላፍነት እቲ ድማ ቅድሚ 1933 ቅ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ ሒዝዎ። መልከጼዴቅ ንጉስ እታ “ሰላም” ዝትርጕማ ሳሌም ብምንባሩ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንዕኡ፡ “ንጉስ ሰላም” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ፣ ኣብቲ ስሙ ተመርኲሱ ድማ “ንጉስ ጽድቂ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (እብ 7:1, 2) ጥንታዊት ሳሌም ሕምብርቲ እታ ጸኒሓ እተደኰነት ከተማ የሩሳሌም ጌርካ እዩ ዚእመነላ፣ ስማ ኸኣ ኣብታ ሓድሓደ ግዜ “ሳሌም” ተባሂላ እትጽዋዕ የሩሳሌም ተጠቓሊሉ ኣሎ።—መዝ 76:2።
ኣብራም (ኣብርሃም) ንከዶርላኦመርን ነቶም ምስኡ ኺዳን ዝገበሩ ነገስታትን ምስ ሰዓሮም፡ ናብ ስንጭሮ ሻዌ ወይ “ስንጭሮ ንጉስ” ከደ። ኣብኡ ኸኣ “መልከጼዴቅ ንጉስ ሳሌም እንጌራን ወይንን ኣምጽአ፡” ንኣብርሃም እውን፡ “ኣብራም በቲ ልዑል ኣምላኽ፡ በቲ ገባሪ ሰማይን ምድርን ይባረኽ፣ እቲ ንተጻረርትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሃበካ ልዑል ኣምላኽ ይወደስ” ኢሉ ባረኾ። ሽዑ ኣብርሃም ነቲ ንጉስን ካህንን “ካብ ኵሉ፡ ዕሽር፡” ማለት ካብቲ ነቶም ዝሓበሩ ነገስታት ኪስዕር ከሎ ዝረኸቦ “ብሉጽ ምርኮ ዕሽር” ሃቦ።—ዘፍ 14:17-20፣ እብ 7:4።
(እብራውያን 7:3) ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር።
it-2 367 ¶4
መልከጼዴቅ
መልከጼዴቅ “መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ” ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ጳውሎስ ብዛዕባ መልከጼዴቅ፡ “ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር” ብምባል ዜደንቕ ሓቂ ጠቒሱ ኣሎ። (እብ 7:3) መልከጼዴቅ ከም ካልኦት ሰባት ተወሊዱን ሞይቱን እዩ። ስም ኣቦኡን ስም ኣዲኡን ግና ኣይተዋህበን፡ ወለዶኡን ዘርኡን እውን ኣይተገልጸን፡ ብዛዕባ መጀመርታ መዓልትታቱን ብዛዕባ መወዳእታ መዓልትታቱን እውን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይገልጽን እዩ። ስለዚ፡ መልከጼዴቅ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኽህነት ዘለዎ የሱስ ክርስቶስ ዚበቅዕ ጽላሎት ኪኸውን ክኢሉ እዩ። ከምቲ መልከጼዴቅ ኣብ ክህነቱ ቕድሚኡ ዀነ ድሕሪኡ ዝነበረ ዘይተጠቕሰ፡ ክርስቶስ እውን ቅድሚኡ ኸምኡ ዝኣመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣይነበረን፡ ድሕሪኡ እውን ዚትክኦ ኸም ዘይህሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ የሱስ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ንጉሳዊ ወለዶ ዳዊትን እተወልደ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ስጋዊ ወለዶኡ ኣብ ክህነቱ ጽልዋ ኣይነበሮን፣ ስልጣን ካህንን ንጉስን ብሓደ ኺሕዝ ዝኸኣለ ድማ ብመሰረት ሰብኣዊ ወለዶኡ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ሳላ እቲ የሆዋ ንዕኡ ዝመሓለሉ ማሕላ እዩ ነዚ ስልጣናት እዚ ኺሕዞ ኽኢሉ።
(እብራውያን 7:17) ከመይሲ፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ተባሂሉ ተመስኪሩሉ እዩ።
it-2 366
መልከጼዴቅ
ምሳሌ ኽህነት ክርስቶስ። የሆዋ ኣብ ሓደ ጕሉሕ መሲሓዊ ትንቢት ን“ጐይታ” ዳዊት፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ!” ኢሉ ምሒሉሉ ነይሩ እዩ። (መዝ 110:1, 4) ብምኽንያት እዛ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈት መዝሙር ከኣ፡ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ስልጣን ክህነትን ንግስናን ደሚሩ ኸም ዚሕዝ እብራውያን ይሓስቡ ነይሮም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ እብራውያን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ “እቲ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ” ብምባል ብዛዕባ መንነት እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ተፈጢሩ ኪኸውን ዚኽእል ጥርጣረ ኣወገደ።—እብ 6:20፣ 5:10፣ ኣብ “ኪዳን” ርአ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(እብራውያን 8:3) ሊቀ ኻህናት ዘበለስ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ እዩ ዚሽየም፣ ስለዚ፡ እዚ እውን ገለ ዜቕርቦ ኺህልዎ ይግባእ እዩ።
ንኣምላኽ ባህ ዘበለ መስዋእትታት
ሃዋርያ ጳውሎስ “ሊቀ ኻህናት ዘበለ መባእን መስዋእትን ኬቕርብ ይሽየም እዩ” በለ። (እብራውያን 8:3) ጳውሎስ ነቲ ብሊቀ ኻህናት ናይ ጥንታዊት እስራኤል ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ኣብ ክልተ ከም ዝመቐሎ ኣስተውዕል፡ እዚ ኸኣ “መባእን” “መስዋእትን” ወይ ‘መስዋእቲ ሓጢኣትን’ ኢዩ። (እብራውያን 5:1) ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ሰባት ፍቕሮምን ሞሳኦምን ንምግላጽ ከምኡውን ምሕዝነት ንምምዕባል፡ ስምረት፡ ወይ ተቐባልነት ንምርካብ ውህበታት ይወሃሃቡ ኢዮም። (ዘፍጥረት 32:20፣ ምሳሌ 18:16) ብተመሳሳሊ፡ መብዛሕትኡ ብሕጊ ሙሴ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ካብ ኣምላኽ ተቐባልነትን ስምረትን ንምርካብ ዝወሃብ ‘መባእ’ ገይርካ ክርአ ይከኣል ኢዩ። እቲ ሕጊ እንተ ተጣሒሱ ካሕሳ የድሊ ነበረ፡ ኣምሳይኡ ድማ ‘መስዋእቲ ሓጢኣት’ ይቐርብ ነበረ። ፔንታቲዩክ፡ ብፍላይ ድማ ዘጸኣት፡ ዘሌዋውያን፡ ከምኡውን ዘሁልቍ ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት መስዋእትታትን መባእን ኣዝዩ ብዙሕ ሓበሬታን መምርሕን ዝሓዘ ኢዩ። ንዅሉ እቲ ዝርዝራት ኣብ ኣእምሮና ምሓዝን ምዝካርን ብሓቂ በዳሂ እኳ እንተዀነ፡ ንእተፈላለየ ዓይነት መስዋእትታት ብዝምልከት ተጠቒሱ ዘሎ ቀንዲ ነጥብታት ግን ኣቓልቦ ክንገብረሉ ዝግባእ ኢዩ።
(እብራውያን 8:13) “ሓድሽ ኪዳን” ብምባሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣእሪግዎ እዩ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ከኣ ኪጠፍእ ቀሪቡ እዩ።
it-1 523 ¶5
ኪዳን
እቲ ኺዳን ሕጊ “ዝኣረገ” ብኸመይ እዩ፧
ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ ሓድሽ ኪዳን ከም ዚህሉ ምስ ኣፍለጠ፡ ነቲ ኺዳን ሕጊ “ኣእሪግዎ” ኪብሃል ይከኣል እዩ። (ኤር 31:31-34፣ እብ 8:13) ብ33 ድ.ክ. እቲ ኺዳን ሕጊ ብመሰረት እቲ ኣብ ጕንዲ ስቅያት እተፈጸመ ሞት ክርስቶስ ተደምሲሱ እዩ (ቈሎ 2:14)፡ በቲ ሓድሽ ኪዳን ድማ ተተኪኡ እዩ።—እብ 7:12፣ 9:15፣ ግብ 2:1-4።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(እብራውያን 7:1-17) እዚ ንጉስ ሳሌምን ካህን እቲ ልዑል ኣምላኽን ዝነበረ መልከጼዴቅ እዝስ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ ረኺቡ ዝባረኾ፡ 2 ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ፡ ዕሽር ዝሃቦ፡ ቀዳማይ ትርጉም ስሙ፡ “ንጉስ ጽድቂ” እዩ፣ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት፡ “ንጉስ ሰላም” እዩ። 3 ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር። 4 እዚ በቲ ርእሲ ዓሌት ዝዀነ ኣብርሃም ካብቲ ብሉጽ ምርኮ ዕሽር እተዋህቦ ሰብ እዚ ኸመይ ዓብዪ ኸም ዝዀነ እሞ ርኣዩ። 5 ብመሰረት ሕጊ፡ እቶም ክህነት ዚቕበሉ ኻብ ደቂ ሌዊ ዘበሉ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቶም ዘርኢ ኣብርሃም እኳ ዝዀኑ ኣሕዋቶም ዕሽር ኪእክቡ ትእዛዝ ኣለዎም። 6 እዚ ወለዶኡ ኻብኦም ዘይኰነ ሰብ እዚ ግና፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሲዱ፡ ነቲ ተስፋታት ዝረኸበ እውን ባሪኽዎ እዩ። 7 እቲ ዝነኣሰ በቲ ዝዓበየ ኸም ዚባረኽ ኣይከሓድን እዩ። 8 በዚ ሓደ ወገን መወትቲ ሰባት ዕሽር ኪቕበሉ ኸለዉ፡ በቲ ሓደ ወገን ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚቕበል። 9 እቲ ዕሽር እተቐበለ ሌዊ እኳ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሂቡ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ 10 ከመይሲ፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኽቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኻብ ኣቦኡ ዘይተወልደ ዘርኢ እዩ ነይሩ። 11 እምበኣር፡ ብኽህነት ሌዋውያን ፍጽምና ዚርከብ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ (እዝስ ሓደ መዳይ እቲ ነቲ ህዝቢ እተዋህቦ ሕጊ እዩ ነይሩ እሞ፡) ከም ስርዓት ኣሮን ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ዚብሃል ካልእ ካህን ኪትንስእ ንምንታይ መድለየ፧ 12 ከመይሲ፡ ክህነት ኪልወጥ ከሎ፡ እቲ ሕጊ እውን ኪልወጥ ኣለዎ። 13 እቲ ብዛዕባኡ እዚ እተባህለሉስ፡ ካብ ካልእ ነገድ እዩ፣ ካብቲ ነገድ እቲ ድማ ሓደ እኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የልቦን። 14 ጐይታናስ ካብ ይሁዳ ኸም እተወልደ ንጹር እዩ፣ ሙሴ ኸኣ ካህናት ካብቲ ነገድ እቲ ኸም ዝመጹ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረበን። 15 እዚ ዝበለጸ ንጹር ዚኸውን፡ ከም መልከጼዴቅ ዝኣመሰለ ኻልእ ካህን ምስ ዚትንስእ እዩ፣ 16 ንሱ ኸምኡ ዝዀነ ድማ፡ በቲ ኣብ ስጋዊ ትውልዲ ዚምርኰስ ሕጋዊ ትእዛዝ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ዘይትጠፍእ ህይወት እዩ። 17 ከመይሲ፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ተባሂሉ ተመስኪሩሉ እዩ።
9-15 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እብራውያን 9-10
“ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት”
(እብራውያን 9:12-14) ብደም ድቤላታትን ዝራብዓትን ዘይኰነስ፡ ብደም ገዛእ ርእሱ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡልና ሓንሳእ ንሓዋሩ ናብታ መቕደስ ኣትዩ እዩ። 13 ደም ድቤላታትን ኣብዑርን ሓምዅሽቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምንጻህ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡ 14 ደም እቲ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንኣምላኽ ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምግልጋል ክንደይ ኣዝዩ ንሕልናና ኻብ ምዉት ግብርታት ዘየንጽሆ፧
it-1 862 ¶1
ሕድገት፡ ይቕረታ
ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣት ምስ ዚገብር ወይ ንሰብ ምስ ዚብድል፡ ይቕረ ምእንቲ ኺብሃለሉ ወይ ሓጢኣቱ ምእንቲ ኺሕደገሉ፡ ከምቲ ኣብቲ ሕጊ እተጠቕሰ ፈለማ ንኣሰያ በደሉ ኪኽሕስ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ መስዋእቲ ደም ንየሆዋ ኬቕርብ ነይርዎ። (ዘሌ 5:5–6:7) ስለዚ፡ ጳውሎስ ነዚ ዚስዕብ መሰረታዊ ስርዓት ጠቒሱ ኣሎ፦ “ከምቲ ሕጊ ኸኣ፡ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዚነጽህ፣ ደም እንተ ዘይፈሲሱ እውን፡ ሕድገት ኣይከውንን እዩ።” (እብ 9:22) ከም ሓቂ ግና ደም ዚስውኡ እንስሳታት ንሓጢኣት ኣርሒቑ ፍጹም ሕልና ኺህብ ኣይክእልን እዩ። (እብ 10:1-4፣ 9:9, 13, 14) ብኣንጻሩ ግና፡ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ሓድሽ ኪዳን ብመሰረት እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ናይ ሓቂ ሕድገት ኪርከብ ባይታ ኣጣጢሑ እዩ። (ኤር 31:33, 34፣ ማቴ 26:28፣ 1ቈረ 11:25፣ ኤፌ 1:7) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ንሓደ ልሙስ ብምሕዋይ፡ ሓጢኣት ኪሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ።—ማቴ 9:2-7።
(እብራውያን 9:24-26) ከመይሲ፡ ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪርኣየልና ናብ ሰማይ እምበር፡ ናብታ ምስሊ እታ ናይ ሓቂ ዝዀነት ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ። 25 እዚ ኸኣ ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ገዛእ ርእሱ ብዙሕ ሳዕ ምእንቲ ኬቕርብ ኣይኰነን። 26 እንተ ዘይኰነስ፡ ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኺጸግብ ምተገብኦ ነይሩ። ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ገዛእ ርእሱ ንሓጢኣት ኬርሕቕ ኢሉ፡ ኣብ መደምደምታ እቲ ስርዓታት ሓንሳእ ንሓዋሩ ተጋሂዱ እዩ።
“ስዓበኒ”
ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ የሱስ ናብ ሰማይ ኪበጽሕ ከሎ እንታይ ከም ዝዀነ፡ እተገብረሉ ኣቀባብላ፡ ምስ ኣቦኡ እንደገና ኺራኸብ ከሎ ዝነበረ ዜሐጕስ ኵነታት ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ድሕሪ ምምላሱ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ሰማይ እንታይ ከም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ንልዕሊ 15 ዘመን ኣይሁድ ወትሩ ቕዱስ በዓል የብዕሉ ነይሮም እዮም። ኣብ ዓዓመት ሓንቲ መዓልቲ እቲ ሊቀ ኻህናት ናብታ ኣብቲ ቤተ መቕደስ እትርከብ ቅድስተ ቕዱሳን ይኣቱ እሞ፡ ካብቲ ብመዓልቲ ዕርቂ ዚቐርብ መስዋእትታት እተወስደ ደም ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኪዳን ይነጽጎ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ነቲ መሲህ ጽላሎት ዚኸውን ነበረ። የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ኣተወ፡ ነቲ ትንቢታዊ ትርጕም እቲ በዓል ሓንሳእን ንሓዋሩን ፈጸሞ። ናብቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ዝዀነ ግርማዊ የሆዋ ዚርከበሉ ሰማይ ኣተወ፡ ዋጋ መስዋእታዊ በጃኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ኣቕረበ። (እብራውያን 9:11, 12, 24) የሆዋ ነዚ ተቐቢልዎዶ፧
(እብራውያን 10:1-4) ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት ዘለዎ እምበር፡ እቲ ናይ ሓቂ ምስሊ ስለ ዘይኰነ፡ በቲ በብዓመት ብቐጻሊ ዚስዋእ ሕደ መስዋእትታት ገይሩ፡ ነቶም ዚቐርቡ ፍጹማት ኪገብር ከቶ ኣይክእልን እዩ። 2 እንተ ዘይኰነስ፡ እቶም ዜገልግሉ ሓንሳእ ብምንጻሆም ደጊም ኣብ ሕልናኦም ሓጢኣት ስለ ዘይስምዖም፡ ምስዋእዶ ኣይምሓደግዎን ነይሮም፧ 3 እኳ ደኣስ፡ እዚ መስዋእትታት እዚ ኣብ ዓዓመት መዘከርታ ሓጢኣት እዩ፣ 4 ከመይሲ፡ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይክእልን እዩ።
it-2 602-603
ፍጽምና
ፍጽምና ሕጊ ሙሴ። እቲ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤል እተዋህበ ሕጊ፡ ምቛም ክህነትን ምቕራብ በበይኑ ዓይነት መስዋእቲ እንስሳታትን የጠቓልል ነይሩ እዩ። ካብ ኣምላኽ ብምዃኑ ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ከምቲ እቲ ሃዋርያ ብድራኸ መንፈስ ዝገለጾ፡ እቲ ሕጊ ዀነ፡ እቲ ኽህነት ኰነ፡ ወይ እቲ መስዋእትታት ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዝዀነ ፍጽምና ኣየምጽኣሎምን። (እብ 7:11, 19፣ 10:1) ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣብ ክንዲ ዜውጽእ፡ ነቲ ሕጊ ብዝያዳ ኣግሂድዎ እዩ። (ሮሜ 3:20፣ 7:7-13) ይኹን እምበር፡ ኵሉ እዚ መለኮታዊ መሰናድዎታት ነቲ ኣምላኽ ዝዓለመሉ ዕላማ ኣገልጊሉ እዩ፣ እቲ ሕጊ ንሰባት ናብ ክርስቶስ ዜብጽሕ “መጕዚ” ዀይኑሎም፡ ፍጹም “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት” እውን ኰይኑ እዩ። (ገላ 3:19-25፣ እብ 10:1) ስለዚ፡ ጳውሎስ፡ “ሕጊ ብስጋ ብምድካሙ ኺገብሮ ዘይከኣለ” ኢሉ ኺዛረብ ከሎ (ሮሜ 8:3)፡ ብዛዕባ እቲ ሓደ ብስጋ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ሊቀ ኻህናት (መስዋእቲ ንምቕራብ በቲ ሕጊ እተሸመን ብመዓልቲ ዕርቂ ደም መስዋእቲ ሒዙ ናብ ቅድስተ ቕዱሳት ዚኣቱን)፡ ነቶም ዜገልግሎም ሰባት ከምቲ ኣብ እብራውያን 7:11, 18-28 ተገሊጹ ዘሎ “ምሉእ ምሉእ ኬድሕኖም” ዘይክእል ምዃኑ እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። እቲ ብኽህነት ዘርኢ ኣሮን ዚቐርብ መስዋእትታት ነቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዓት ኰይኖም ከም ዚቘሙ ዚገብር እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕልናኦም ግና ካብ ሓጢኣቶም ምሉእ ብምሉእ ወይ ብፍጹም ደረጃ ኣየዕረፎን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኼመልክት ከሎ፡ እቲ መስዋእትታት ዕርቂ “ነቶም ዚቐርቡ ፍጹማት ኪገብር” ከም ዘይክእል፡ ማለት ምስ ሕልናኦም ብእተተሓሓዘ ፍጹም ከም ዘይገብር ገሊጹ ኣሎ። (እብ 10:1-4፣ ምስ እብ 9:9 ኣረኣኢ።) እቲ ሊቀ ኻህናት ካብ ሓጢኣት ንምብጃው ዜኽእል ዋጋ ኪኸፍል ኣይክእልን እዩ ነይሩ። እቲ ነባሪ ኣገልግሎት ክህነት ክርስቶስን ውጽኢታዊ መስዋእቱን ጥራይ እዩ ነዚ ኺዓምም ዚኽእል።—እብ 9:14፣ 10:12-22።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(እብራውያን 9:16, 17) ኪዳን ኣብ ዘለዎስ፡ ሞት እቲ ኺዳን ዜቕውም ሰብ ምርግጋጽ ኣድላዪ እዩ። 17 ኪዳንሲ ብሞት እዩ ዚጸንዕ እምበር፡ እቲ ኺዳን ዜቕውም ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።
w92 1/3 31 ¶4-6
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ጳውሎስ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን ንዚግበር ኪዳናት ንምጽናዕ ሞት ከም ዜድሊ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ኺዳን ሕጊ፡ ሓደ ኣብነት እዩ። ሙሴ መንጎኛ፡ ማለት ኣብ መንጎ ኣምላኽን ብስጋ እስራኤላውያንን ስምምዕ ከም ዚቐውም ዝገበረ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ድማ ሙሴ ወሳኒ ግደ ተጻዊቱ እዩ፣ እስራኤላውያን ናብቲ ኺዳን ኪኣትዉ ኸለዉ ኸኣ ምሳታቶም ርክብ ዝነበሮ ሰብ ንሱ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ሙሴ ነቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ኺዳን ሕጊ፡ ኪዳን ዜቕውም ሰብ ኰይኑሉ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ሕጊ ኺዳን ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሙሴ ደሙ ኼፍስስ ነይርዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እንስሳታት እዩ ሰዊኡ፣ ደሞም ከኣ ከም መተካእታ ደም ሙሴ ዀይኑ እዩ።—እብራውያን 9:18-22።
እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ እቶም መንፈሳውያን ህዝቢ እስራኤል ዝቘመ ሓድሽ ኪዳን ደኣኸ፧ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ የሆዋን መንፈሳውያን እስራኤላውያን መንጎኛ ናይ ምዃን ክቡር ግደ ነይርዎ እዩ። እዚ ኺዳን እዚ ኻብ የሆዋ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እዩ ተመርኲሱ። የሱስ ኣብ ርእሲ እቲ መንጎኛ ዀይኑ ዚዓይዮ ዕዮ፡ ምስቶም ናብዚ ኺዳን እዚ ዚኣትዉ ብቐጥታ ርክብ ነይሩዎ እዩ። (ሉቃስ 22:20, 28, 29) ነቲ ኺዳን ከም ዚጸንዕ ንምግባር ዜኽእል መስዋእቲ ኬቕርብ እውን ብቑዕ እዩ ነይሩ። እቲ መስዋእቲ እቲ ድማ፡ መስዋእቲ እንስሳታት ዘይኰነስ፡ መስዋእቲ ፍጹም ሰብኣዊ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንክርስቶስ፡ ምስቲ ሓድሽ ኪዳን ብዚተሓሓዝ ኪዳን ዜቕውም ሰብ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። “ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪርኣየልና ናብ ሰማይ” ምስ ኣተወ፡ እቲ ሓድሽ ኪዳን ጸኒዑ እዩ።—እብራውያን 9:12-14, 24።
ጳውሎስ ብዛዕባ ሙሴን የሱስን ኪዳን ከም ዜቝሙ ሰባት ገይሩ ኺዛረበሎም ከሎ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ኺዳናት ካባታቶም ከም ዝዀነ ወይ ምንጪ ኸም ዝዀኑ ገይሩ ኣይኰነን ዚዛረበሎም ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እዞም ክልተ ሰባት እዚኦም፡ ነቲ ዚምልከቶም ኪዳን ከም መንጎኛ ዀይኖም ብምዕያይ ብቐረባ ኢድ ከም ዝነበሮም እዩ ዚሕብር ነይሩ። ኣብ ክልቲኡ መዳይ ሞት ኣድልዩ እዩ፣ ከም መተካእታ ሙሴ እንስሳታትን ሞይቶም እዮም፡ የሱስ ከኣ ነቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዚኣትዉ ደሙ ኣፍሲሱሎም እዩ።
(እብራውያን 10:5-7) ስለዚ፡ ናብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ፡ ከምዚ ይብል እዩ፦ “‘ሰብነት ደኣ ኢኻ ኣዳሊኻለይ እምበር፡ መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን። 6 ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ባህ ኣይበለካን።’ 7 ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ‘እነኹ፡ መጺአ። ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ እዩ። ኦ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር መጺአ’ ኢለ።”
it-1 249-250
ጥምቀት
የሱስ ኣብ እዋን ጥምቀቱ ይጽሊ ምንባሩ፡ ሉቃስ ሓቢሩ ኣሎ። (ሉቃ 3:21) እቲ ናብ እብራውያን ንእተላእከት መልእኽቲ ዝጸሓፈ ጸሓፊ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ “ናብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ” (ማለት ኣብቲ ነዘን ቃላት እዚአን ኬንብብን ኪዛረብን ኣብ ዘይክእለሉ እተወልደሉ እዋን ዘይኰነስ፡ ገዛእ ርእሱ ንጥምቀት ኬቕርብን ኣገልግሎት ኪጅምርን ከሎ)፡ ብመሰረት መዝሙር 40:6-8 (ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት)፡ “ሰብነት ደኣ ኢኻ ኣዳሊኻለይ እምበር፡ መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን። . . . እነኹ፡ መጺአ። ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ እዩ። ኦ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር መጺአ” ይብል ነይሩ እዩ። (እብ 10:5-9) የሱስ ብትውልዱ ኣባል ህዝቢ ኣይሁድ እዩ ነይሩ፣ ንሳቶም ከኣ ብደረጃ ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ኪዳን ተኣታትዮም ነይሮም እዮም፡ እዚ እውን ሕጊ ኺዳን ይብሃል። (ዘጸ 19:5-8፣ ገላ 4:4) ስለዚ፡ የሱስ ናብ ዮሃንስ ከይዱ ገዛእ ርእሱ ንጥምቀት ኬቕርብ ከሎ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኪዳን ተኣታትዩ ነይሩ እዩ። ኣብኡ እምበኣር ካብቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዚሕተቶ ንላዕሊ እዩ ዚገብር ነይሩ። ምስቲ ‘እተዳለወ’ ሰብነትን ምስቲ ኣብቲ ሕጊ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታትን ብዚተሓሓዝ “ፍቓድ” ኣቦኡ ንምግባር እዩ ገዛእ ርእሱ ናብ ኣቦኡ የሆዋ ዜቕርብ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “በዚ ‘ፍቓድ’ እዚ፡ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ እተሰውአ ሰብነት የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣለና” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። (እብ 10:10) እቲ ኣቦ ንየሱስ ዘለዎ ፍቓድ፡ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ንጥፈታት እውን የጠቓልል እዩ፣ የሱስ ድማ ነዚ ኣገልግሎት እዚ እውን ገዛእ ርእሱ ኣቕሪቡ እዩ። (ሉቃ 4:43፣ 17:20, 21) የሆዋ ነዚ ኻብ ወዱ ዝቐረበሉ ተቐቢልዎን ተሰማሚዑሉ እዩ፣ ስለዚ ኸኣ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ቀቢእዎ፡ “ዝሰመርኩኻ፡ ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ” እውን ኢልዎ እዩ።—ማር 1:9-11፣ ሉቃ 3:21-23፣ ማቴ 3:13-17።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(እብራውያን 9:1-14) እቲ ቐዳማይ ኪዳንሲ ስርዓታት ቅዱስ ኣገልግሎትን ምድራዊ መቕደስን ነይርዎ እዩ። 2 ከመይሲ፡ ቀዋሚ ቐንዴልን ሰደቓን እንጌራታት መባእን ዝነበራ ቐዳመይቲ ኽፍሊ እታ ድንኳን ተተኺላ ነይራ እያ፣ ቅድስቲ ድማ ትብሃል ነይራ። 3 ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና፡ ቅድስተ ቕዱሳን እትብሃል ክፍሊ እታ ድንኳን ነይራ። 4 ኣብኣ ጽንሃህ ወርቅን ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነይሩ፣ ኣብኡ ኸኣ ማና ዝሓዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን ጽላታት ኪዳንን ነይረን፣ 5 ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነይሮም። ብዛዕባ እዚ ግና ሕጂ ብዝርዝር ክንዛረብ ግዜኡ ኣይኰነን። 6 እዚ በዚ ኸምዚ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ቅዱስ ኣገልግሎት ንምቕራብ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ እታ ድንኳን ብስሩዕ ይኣትዉ እዮም፣ 7 እቲ ሊቀ ኻህናት ግና ናብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ እዩ፣ ግናኸ፡ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ እቲ ብዘይፍላጥ እተገብረ ሓጢኣት ህዝብን ዜቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ። 8 በዚ ኸምዚ፡ እታ ቐዳመይቲ ድንኳን ቈይማ ኸላ፡ ናብታ መቕደስ ዜእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጸ፡ መንፈስ ቅዱስ የነጽር እዩ። 9 እዛ ድንኳን እዚኣ ነዚ እዋን እዚ ምሳሌ እያ፣ ከምቲ ስርዓት እቲ ጌርካ ኸኣ መባእን መስዋእትን ይቐርብ እዩ። እዚ ግና ንሕልና እቲ ዜገልግል ፍጹም ኪገብሮ ኣይክእልን እዩ። 10 ምስ ብልዕን መስተን እተፈላለየ ስርዓት ምሕጻብን ጥራይ እዩ ዚተሓሓዝ። ምዱብ ግዜ ምቕናዕ ክሳዕ ዚኣክል እተነብረ ስጋዊ ስርዓት እዩ። 11 ግናኸ፡ ክርስቶስ ሊቀ ኻህናት እቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሰናይ ነገር ኰይኑ ምስ መጸ፡ በታ ብኢድ ዘይተገብረት፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነት፡ ዝዓበየትን ዝያዳ ፍጽምትን ድንኳን ሓሊፉ እዩ። 12 ብደም ድቤላታትን ዝራብዓትን ዘይኰነስ፡ ብደም ገዛእ ርእሱ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡልና ሓንሳእ ንሓዋሩ ናብታ መቕደስ ኣትዩ እዩ። 13 ደም ድቤላታትን ኣብዑርን ሓምዅሽቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምንጻህ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡ 14 ደም እቲ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንኣምላኽ ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፡ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምግልጋል ክንደይ ኣዝዩ ንሕልናና ኻብ ምዉት ግብርታት ዘየንጽሆ፧
16-22 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እብራውያን 11
“ኣገዳስነት እምነት”
(እብራውያን 11:1) እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ እያ።
የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ
እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እምነት ዚህቦ መግለጺ ኣብ እብራውያን 11:1 ይርከብ። (ኣንብብ።) እምነት ንዓና ኣብ ዘይርኣየና ኽልተ ነገራት ዘተኰረት እያ፣ (1) ኣብቲ “ተስፋ ዚግበሮ” ዘተኰረት እያ፣ እዚ ድማ፡ ነቲ ዛጊት ዘይተፈጸመ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ተስፋታት የጠቓልል። ንኣብነት፡ እኩያት ከም ዚጠፍኡን ሓዳስ ዓለም ከም እትመጽእን ንተኣማመን ኢና። (2) እምነት “ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ” እያ። እዛ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ግሁድ መርኣያ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ዜእምን መርትዖ” እቲ ዘይርአ ነገራት ተመልክት። ንኣብነት፡ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን መላእኽትን ከም ዘለዉ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣብ ሰማይ ትነጥፍ ከም ዘላ ንኣምን ኢና። (እብ. 11:3) ተስፋና ኸም ዘይሞተን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተገልጸ ዘይርአ ነገራት ከም እንኣምነሉን ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብር እንኽእል፡ ብቓልናን ብተግባርናን ኢና፣ ብዘይ ብእኡ ድማ እምነትና ጐደሎ እያ እትኸውን።
(እብራውያን 11:6) ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።
‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቦም ዚህቦም’
ንየሆዋ ንምሕጓስ እንታይ እዩ ዜድሊ፧ ጳውሎስ፡ “ብዘይ እምነት . . . ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ” በለ። ‘ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣጸጋሚ እዩ’ ኸም ዘይበለ ኣስተብህል። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣይከኣልን” እዩ ዝበለ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንኣምላኽ ንምሕጓስ፡ እምነት ኣዝያ ኣገዳሲት እያ።
እንታይ ዓይነት እምነት እያ ንየሆዋ እተሐጕሶ፧ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት፡ ክልተ መዳያት ዘጠቓለለት ክትከውን ኣለዋ። ቀዳማይ፡ “ንሱ ኸም ዘሎ” ኽንኣምን ኣሎና። እዛ ሓረግ እዚኣ፡ ኣብ ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ብሓቂ ኸም ዘሎ” ኸምኡውን “ንሱ ህሉው ምዃኑ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ብህልውና ኣምላኽ ንጠራጠር እንተ ዄንና፡ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ባህ ከነብሎ እንኽእል፧ ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ እምነት፡ ልዕሊኡ እያ እተጠቓልል፣ ከመይሲ፡ ኣጋንንቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብ ህልውና የሆዋ ይኣምኑ እዮም። (ያእቆብ 2:19) እታ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘሎ ዘላትና እምነት፡ ንተግባር ከተለዓዕለና ኣለዋ፣ እወ፡ ንየሆዋ ባህ ብዜብሎ መገዲ ብምንባር፡ እምነትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ያእቆብ 2:20, 26።
ካልኣይ፡ ኣምላኽ ‘ዓስቢ ኸም ዚህብ ክንኣምን’ ኣሎና። ናይ ሓቂ እምነት ዘላቶ ሰብ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ንምንባር ዚገብሮ ጻዕሪ፡ ከንቱ ዀይኑ ኸም ዘይተርፍ ይኣምን እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዓስብና ንኺህበና ዘለዎ ኽእለትን ባህግን ንጠራጠር እንተ ዄንና፡ ብኸመይ ኢና እሞ ባህ ከነብሎ እንኽእል፧ (ያእቆብ 1:17፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ንኣምላኽ ከም ሕሱምን ሞሳ ዘይብሉን ንፉግን ገይሩ ዚርእዮ ሰብ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።
የሆዋ ንመን እዩ ዓስቦም ዚህቦም፧ ጳውሎስ፡ “ነቶም ዚደልይዎ” ኢሉ ኣሎ። ሓደ ንተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ “ዚደልይዎ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ‘ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ’ ማለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ንኣምላኽ ንኸተምልኾ ኢልካ ምጽዓር’ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ብዘይካዚ፡ ካልእ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ዕምቈትን ሓያል ጻዕርን እውን ትሕብር እያ። እወ፡ የሆዋ ነቶም ብእምነቶም ተደሪኾም ካብ ልቢ ብዝመጨወ ፍቕርን ብቕንኣትን ዜገልግልዎ ሰባት ዓስቦም ይህቦም እዩ።—ማቴዎስ 22:37።
(እብራውያን 11:33-38) ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ስዒሮም፡ ጽድቂ ኣምጺኦም፡ ተስፋታት ረኺቦም፡ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዮም፡ 34 ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፊኦም፡ ካብ ስሕለት ሰይፊ ኣምሊጦም፡ ካብ ድኻም በርቲዖም፡ ኣብ ውግእ ሓይሎም፡ ንወራሪ ሰራዊት ሰጒጎም እዮም። 35 ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም እየን፣ ካልኦት ግና ዚሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ሓራ ምውጻእ ስለ ዝኣበዩ፡ ተሰቅዮም እዮም። 36 ገሊኦም ድማ ብላግጽን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እውን ብመቝሕን ብማእሰርትን ተፈቲኖም እዮም። 37 ብዳርባ እምኒ ተቐቲሎም፡ ተፈቲኖም፡ ብመጋዝ ተቘሪጾም፡ ብሰይፊ ተቐቲሎም፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞይሮም፡ ስኢኖም፡ ጸቢብዎም፡ መከራ ጸጊቦም እዮም፣ 38 ዓለም ከኣ ንዓታቶም እትበቅዕ ኣይነበረትን። ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል ኢሎም እዮም።
ኣብቲ ተስፋ እትገብረሉ ነገር ንዘላትካ እምነት ኣደልድላ
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11፡ ስሞም ዘይተጠቕሰ ሓያሎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘሕለፍዎ ፈተናታት ገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፡ ደቀን ዝሞትወን እሞ ብትንሳኤ እተቐበላኦም እሙናት ኣንስቲ ጠቒሱ ኣሎ። “ዚሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ሓራ ምውጻእ . . . ዝኣበዩ” ኸም ዘለዉ እውን ጠቒሱ እዩ። (እብ. 11:35) ጳውሎስ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ናቦትን ዘካርያስን ዝኣመሰሉ ገሊኦም እሙናት ሰባት ንኣምላኽ ብምእዛዞምን ፍቓዱ ብምግባሮምን ብዳርባ እምኒ ተቐቲሎም እዮም። (1 ነገ. 21:3, 15፣ 2 ዜና 24:20, 21) ዳንኤልን ብጾቱን ኣብ ንጽህናኦም ብምልምላም ‘ሓራ ኺወጹ’ ኣጋጣሚ ኸም ዝነበሮም ርዱእ እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ዝነበረቶም እምነት፡ ‘ኣፍ ኣናብስ ኪዓጽዉን ንሓይሊ ሓዊ ኼጥፍኡን’ ኣኽኢላቶም እያ።—እብ. 11:33, 34፣ ዳን. 3:16-18, 20, 28፣ 6:13, 16, 21-23።
ከም ሚክያስን ኤርምያስን ዝኣመሰሉ ነብያት ብምኽንያት እምነቶም፡ “ብላግጽን . . . ብማእሰርትን ተፈቲኖም” እዮም። ከም ኤልያስ ዝኣመሰሉ ኻልኦት ድማ፡ “ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል ኢሎም” እዮም። ኵሎም፡ “ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት” ስለ ዝነበሮም፡ ተጻዊሮም እዮም።—እብ. 11:1, 36-38፣ 1 ነገ. 18:13፣ 22:24-27፣ ኤር. 20:1, 2፣ 28:10, 11፣ 32:2።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(እብራውያን 11:4) ኣቤል ካብ ናይ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕሪቡ እዩ፣ ኣምላኽ ንመባኡ ብምቕባሉ፡ ጻድቕ ምዃኑ በታ እምነት እቲኣ ተመስኪሩሉ እዩ፣ ምዉት ክነሱ ኸኣ፡ ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ።
it-1 804 ¶5
እምነት
ጥንቲ ዝነበሩ ኣብነታት እምነት። እቶም ጳውሎስ ዝጠቐሶም “ክንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር” (እብ 12:1) ነፍሲ ወከፎም ንእምነት ዚኸውን ብቑዕ መሰረት ነይርዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣቤል ብዛዕባ እቲ ንርእሲ እቲ “ተመን” ዚጭፍልቕ “ዘርኢ” ኣምላኽ እንታይ ኢሉ ኸም ዘተስፈወ ብርግጽ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ የሆዋ ኣብ ኤደን ኣብ ልዕሊ ወለዱ እተዛረቦ ፍርዲ ኺፍጸም ከሎ እውን ጭቡጥ መርትዖ ርእዩ እዩ። ካብ ኤደን ወጻኢ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝነበረ መርገም እሾዅን ተዀርባን ተብቍል ብምንባራ፡ ኣዳምን ስድራ ቤቱን ብረሃጽ ገጾም እዮም እንጌራ ዚበልዑ ነይሮም። ብተወሳኺ ድማ፡ ሄዋን ንሰብኣያ ሃረር ከም እትብሎን ንሱ ከም ዚመልካን ኣቤል ተዓዚቡ ኪኸውን ኣለዎ። ጻዕሪ ጥንሳ ሓያል ምዃኑ እውን ኣዲኡ ነጊራቶ ኽትከውን ኣለዋ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መእተዊ ገነት ኤደን ሓለውቲ ኪሩቤልን ብልሓ ሃልሃል ዚብል ሰይፍን ነይሮም እዮም። (ዘፍ 3:14-19, 24) እዚ ዅሉ “ግሁድ መርኣያ” እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ንኣቤል፡ በቲ ተስፋ ዚግበረሉ ዘርኢ ኣቢሉ ድሕነት ከም ዚርከብ መረጋገጺ ሃቦ። ስለዚ፡ ካብ ናይ ቃየል ዚበልጽ “መስዋእቲ ንኣምላኽ” ብእምነት ኣቕረበ።—እብ 11:1, 4።
(እብራውያን 11:5) ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ግዒዙ እዩ፣ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ ኸኣ፡ ኣይተረኽበን፣ ቅድሚ ምግዓዙስ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ።
‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’
ሄኖክ ብኸመይ እዩ “ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ግዒዙ”፧ የሆዋ ንሄኖክ ብኢድ ጸላእቱ ኻብ ሙማት ኣናጊፉ፡ ብዘይ ስቓይ ካብ ህይወት ናብ ሞት ኣግዒዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። ፈለማ ግና ሄኖክ “ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ።” ብኸመይ፧ ምናልባት ሄኖክ ቀቀድሚ ሙማቱ፡ ምድሪ ገነት ኰይና ዜርኢ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ራእይ ርእዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕርዚ ስምረት የሆዋ ዜርኢ ንጹር ምልክት ድማ ሄኖክ ሞተ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ሄኖክን ካልኦት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ኪጽሕፍ ከሎ፡ “ኵሎም እዚኣቶም . . . ብእምነት ጸኒዖም ሞይቶም እዮም” በለ። (እብራውያን 11:13) ድሕርዚ፡ ጸላእቱ ሬሳኡ ንምርካብ ኣናድዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ የሆዋ ንሬሳ ሄኖክ ምእንቲ ኸየርክስዎ ወይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምስፍሕፋሕ ምእንቲ ኸይጥቀሙሉ ኢሉ ሰዊርዎ ኪኸውን ስለ ዚኽእል ግና፡ ሬሳኡ “ኣይተረኽበን”።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(እብራውያን 11:1-16) እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ እያ። 2 ጥንቲ ዝነበሩስ ብእኣ እዩ እተመስከረሎም። 3 እቲ ስርዓታት ብቓል ኣምላኽ ከም እተሰርዐ፡ በዚ ኸምዚ እቲ ዚርአ ኻብቲ ዘይርአ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕል ኣለና። 4 ኣቤል ካብ ናይ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕሪቡ እዩ፣ ኣምላኽ ንመባኡ ብምቕባሉ፡ ጻድቕ ምዃኑ በታ እምነት እቲኣ ተመስኪሩሉ እዩ፣ ምዉት ክነሱ ኸኣ፡ ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ። 5 ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ግዒዙ እዩ፣ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ ኸኣ፡ ኣይተረኽበን፣ ቅድሚ ምግዓዙስ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ። 6 ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ። 7 ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ ተቐበለ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ንምድሓን ቤተ ሰቡ እትኸውን መርከብ ብእምነት ሰሪሑ እዩ፣ በታ እምነት እቲኣ ገይሩ ድማ ንዓለም ኰኒንዋ እዩ፣ ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀይኑ እዩ። 8 ኣብርሃም ምስ ተጸውዐ፡ ናብቲ ኸም ርስቲ ኪቕበሎ ዘለዎ ቦታ ብምውጻእ፡ ብእምነት ተኣዚዙ እዩ፣ ናበይ ከም ዚኸይድ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ወጺኡ እዩ። 9 ኣብታ ምድሪ ተስፋ ጓና ዀይኑ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ብእምነት ይነብር ነይሩ እዩ፣ ምስቶም ነታ ተስፋ እቲኣ መዋርስቱ ዝዀኑ ይስሃቅን ያእቆብን ከኣ ኣብ ድንኳን ተቐሚጡ እዩ። 10 ከመይሲ፡ ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ እዩ ዚጽበ ነይሩ። 11 ሳራ እውን ዕድሚኣ እኳ ምስ ሓለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ። 12 ስለዚ ድማ፡ ካብ ሓደ፡ ንሱ እውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝምብዛሖምን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዘይቍጸሩን ተወሊዶም እዮም። 13 ኵሎም እዚኣቶም ነቲ ተስፋታት እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡ ካብ ርሑቕ ርእዮም ግና ተቐቢሎምዎ እዮም፣ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ኸኣ ብእምነት ጸኒዖም ሞይቶም እዮም። 14 እቶም ከምዚ ኢሎም ዚዛረቡስ፡ መንበሪ ዚዀኖም ናታቶም ቦታ ኣጸቢቖም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ እዮም። 15 ነቲ ሓዲጎምዎ ዝወጹ ይዝክሩ ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ኪምለሱ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። 16 ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ናይ ሰማይ ዝዀነት ንምርካብ ይመጣጠሩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳልዩሎም ኣሎ እሞ፡ ከም ኣምላኾም ብኣታቶም ኪጽዋዕ ኣይሓፍርን እዩ።
23-29 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እብራውያን 12-13
“ተግሳጽ—መርኣያ ፍቕሪ የሆዋ”
(እብራውያን 12:5) ነቲ ኸም ውሉዳት ገይሩ ኸምዚ ዚብለኩም ምዕዶ ፈጺምኩም ረሲዕኩምዎ ኢኹም፦ “ወደየ፡ ተግሳጽ የሆዋ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገኒሑካ እውን ኣይትተሓለል፣
“ንድሕሪት” ኣይትርአ
ተሪር ምኽሪ። ብእተዋህበና ምኽሪ ነስቈርቍር ንኸውን። እዚ ድማ ካብ ጓሂ ሓሊፉ፡ ‘ሕልናና ኣዕሪቡ’ ኼማስነና ይኽእል እዩ። (እብ. 12:5) ነቲ ምኽሪ ብምንጻግ እንተ ‘ንዒቕናዮ፡’ ወይ ከኣ ተቐቢልናዮ ኸነብቅዕ ጸኒሕና እንተ ተሓሊልና፡ እቲ ምኽሪ እቲ ኣይኪጠቕመናን ወይ ኣይኪዅልዓናን እዩ። ነቲ “ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን” ዚብል ምኽሪ ሰሎሞን ምስዓቡ ዝሓሸ እዩ። (ምሳ. 4:13) ልክዕ ከምቲ ሓደ መራሕ ማኪና ንምልክታት ትራፊክ ዚእዘዞ፡ ንሕና እውን ነቲ እተዋህበና ምኽሪ ንቀበሎ፡ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ፡ ንቕድሚት ከኣ ንሰጕም።—ምሳ. 4:26, 27፣ እብራውያን 12:12, 13 ኣንብብ።
(እብራውያን 12:6, 7) የሆዋስ ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ፣ ነቲ ኸም ውሉዱ ዚቕበሎ ዘበለ እውን ይገርፎ እዩ።” ከም ክፍሊ ተግሳጽኩም፡ ክትጻወሩ ኣሎኩም። ኣምላኽ ከም ውሉዳቱ ገይሩ ይርእየኩም ኣሎ። ኣቦኡ ዘይግስጾኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧
‘ክትጽልዩ ኸለኹም፡ “ኣቦና” በሉ’
ሓደ ፈቃር ኣቦ፡ ደቁ ኣብ ጽቡቕ ኪበጽሑ ስለ ዚደሊ፡ ይግስጾም እዩ። (ኤፌሶን 6:4) ጽኑዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብጭካነ ግና ኣይእርሞምን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሰማያዊ ኣቦና ሓድሓደ ግዜ ኺግስጸና የድሊ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ብጭካነ ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ እዩ ዚግስጸና። የሱስ ልክዕ ከም ኣቦኡ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ዝሃቦም መአረምታ ቕልጡፍ ምላሽ ኣብ ዘይሃቡሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ መሪር ዘረባ ኣይተዛረቦምን።—ማቴዎስ 20:20-28፣ ሉቃስ 22:24-30።
(እብራውያን 12:11) ተግሳጽ ዘበለስ ዜጕሂ እምበር፡ ንግዜኡ ዜሐጕስ ኣይመስልን እዩ፣ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ብእኡ ዝሰልጠኑ ናይ ሰላም ፍረ፡ ማለት ጽድቂ የፍርየሎም እዩ።
“ተግሳጽ ስምዑ፡ ጥበበኛታት ከኣ ኩኑ”
ተግሳጽ ዜሳቒ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብኡ ዚገድድ ነገር ግና ኣሎ፣ እዚ ድማ ተግሳጽ ዘይምቕባል ዜምጽኦ ጕድኣት እዩ። (እብ. 12:11) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ መለበሚ ዚዀኑና ቃየልን ንጉስ ጼዴቅያስን እስከ ንርአ። ቃየል ንኣቤል ካብ ምጽላኡ እተላዕለ ኪቐትሎ ኸም ዝደለየ ኣምላኽ ምስ ፈለጠ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ኣመና እተቘጣዕካን ዝጐሃኻን፧ ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ትምለስሲ፡ ሞገስዶ ኣይምረኸብካን፧ ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ዘይተመሊስካ ግና፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ፣ ሃረርታኣ ኸኣ ኪዕብልለካ ይብል ኣሎ። ግናኸ፡ ክትመልካ ዲኻ፧” ኢሉ ተማሕጸኖ። (ዘፍ. 4:6, 7) ቃየል ግና ኣይሰምዖን። ስለዚ፡ ብሓጢኣቱ ተሰነፈ። እዝስ ክንደይ ስቓይን መከራን ኰን እዩ ኣምጺኡሉ! (ዘፍ. 4:11, 12) ምስዚ ኺነጻጸር ከሎ፡ እቲ መግናሕቲ የሆዋ እንተ ዚቕበል ዜምጽኣሉ ስቓይ፡ ንእሽቶ ምዀነ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(እብራውያን 12:1) ስለዚ፡ ብኽንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር ተኸቢብና ስለ ዘለና፡ ንዅሉ ኽብደትን ነቲ ብቐሊሉ ዚሓላልኸና ሓጢኣትን ንቐንጥጥ፣ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቕድድም ከኣ ብተጻዋርነት ንጕየ፣
በቲ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ጕየ
እቶም “ክንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር” ተባሂሎም ዘለዉ ሰባት፡ ከምቶም ነቲ ቕድድም ንኺዕዘቡ፡ ወይ ነቲ ዝፈትውዎ ተቐዳዳማይ ወይ ጋንታ ንኺርእዩ ጥራይ ዝመጹ ተዓዘብቲ ወይ ተመልከትቲ ኣይኰኑን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ልክዕ ከምቶም ኣብ መቀዳደሚ ዚጐይዩ ተቐዳደምቲ እዮም ነይሮም። ጕያኦም ከኣ ብዓወት ወዲኦም እዮም። ሕጂ ሞይቶም እኳ እንተለዉ፡ ከምቶም ንሓደስቲ ተቐዳደምቲ ዜተባብዑ ተመክሮ ዘለዎም ተቐዳደምቲ ጌርካ ኺረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ተቐዳዳማይ፡ ገለ ኻብቶም ዕዉታት ተቐዳደምቲ ኣብ ዙርያኡ ዀይኖም ይዕዘብዎ ኸም ዘለዉ እንተ ዚፈልጥ፡ እንታይ ኪስምዖ ኸም ዚኽእል እሞ ገምት። ብዝከኣሎ መጠን ብምጕያይ ንኺዕወትዶ ኣይምተደረኸን፧ እቶም ጥንታውያን መሰኻኽር ድማ ብተመሳሳሊ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምሳልያዊ ቕድድም ክሳዕ ክንደይ ኣድካሚ ይኹን ብዘየገድስ፡ ብዓወት ኪዛዘም ከም ዚኽእል ኪምስክሩ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት፡ ኣብቶም “ደበና ምስክር” ብምጥማት፡ ተቢዖም ‘በቲ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ኺጐዩ’ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።
(እብራውያን 13:9) ልብኹም በቲ ነቶም ብእኡ ዚመላለሱ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸኒዑ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብእተፈላለየ ጋሻ ትምህርትታት ኣይትስሓቱ።
w89 15/12 22 ¶10
ንየሆዋ ባህ ዜብል መስዋእቲ ኣቕርቡ
ስለዚ፡ እቶም እብራውያን ካብቲ “እተፈላለየ ጋሻ ትምህርትታት” ኣይሁድነት ኪርሕቁ ይደልዩ ነበሩ። (ገላትያ 5:1-6) ኣብ ሓቂ ጸኒዖም ምእንቲ ኺመላለሱ እውን፡ ከምኡ ዝበለ ትምህርቲ ዘይኰነስ፡ ‘ልቦም ብጸጋ ኣምላኽ እንተ ጸኒዑ’ እዩ ዚዀነሎም። ገሊኦም ብዛዕባ ብልዕን መስዋእትን ይማጐቱ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም፣ ከመይሲ፡ ጳውሎስ ኪገልጽ ከሎ፡ ልቢ “በቲ ነቶም ብእኡ ዚመላለሱ ዘይጠቐሞም ብልዒ” ኸም ዘይጸንዕ ሓቢሩ እዩ። መንፈሳዊ በረኸት ካብቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነትን ካብቲ ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳን ደኣ እምበር፡ ገሊኡ ብልዒ ብዛዕባ ምብላዕ ወይ ፍሉይ መዓልትታት ብዛዕባ ምብዓል እምብዛ ብምጭናቕ ኣይኰነን። (ሮሜ 14:5-9) ብዘይካዚ ኸኣ፡ እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ንመስዋእቲ ሌዋውያን ዘይጠቅም ገይርዎ እዩ።—እብራውያን 9:9-14፣ 10:5-10።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(እብራውያን 12:1-17) ስለዚ፡ ብኽንድዚ ዚኣኽሉ ደበና መሰኻኽር ተኸቢብና ስለ ዘለና፡ ንዅሉ ኽብደትን ነቲ ብቐሊሉ ዚሓላልኸና ሓጢኣትን ንቐንጥጥ፣ ኣብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቕድድም ከኣ ብተጻዋርነት ንጕየ፣ 2 ናብቲ ናይ እምነትና ቐንዲ ወኪልን ፍጹም ገባርን ዝዀነ የሱስ ድማ ኣተኲርና ንጠምት። ንሱ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት ተጻዊሩ፡ ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ከኣ ተቐሚጡ እዩ። 3 ምእንቲ ኸይትደኽሙን ከይትሕለሉንሲ፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ክንድዚ ዚኣክል ንጥቕሚ ርእሶም ዚጐድእ ተጻራሪ ዘረባ እተጻወረ ኣስተብህሉሉ። 4 ምስቲ ሓጢኣት እቲ ኽትቃለሱ ኸለኹም፡ ደምኩም ክሳዕ ዚፈስስ ገና ኣይተቓወምኩምን። 5 ነቲ ኸም ውሉዳት ገይሩ ኸምዚ ዚብለኩም ምዕዶ ፈጺምኩም ረሲዕኩምዎ ኢኹም፦ “ወደየ፡ ተግሳጽ የሆዋ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገኒሑካ እውን ኣይትተሓለል፣ 6 የሆዋስ ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ፣ ነቲ ኸም ውሉዱ ዚቕበሎ ዘበለ እውን ይገርፎ እዩ።” 7 ከም ክፍሊ ተግሳጽኩም፡ ክትጻወሩ ኣሎኩም። ኣምላኽ ከም ውሉዳቱ ገይሩ ይርእየኩም ኣሎ። ኣቦኡ ዘይግስጾኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧ 8 ካብቲ ዅሉ ዚቕበሎ ተግሳጽ እንተ ዘይተኻፊልኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉዳት ኣይኰንኩምን። 9 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሰብኣውያን ኣቦታትና ይግስጹና ነይሮም፡ ነኽብሮም እውን ኔርና። ነቲ ኣቦ መንፈሳዊ ህይወትና ግዳ ኣዚና እናተገዛእናዮዶ ኽንነብር ኣይግብኣናን እዩ፧ 10 እቲኣቶምሲ ንሓጺር ግዜ ኸም ዝመሰሎም ገይሮም እዮም ገሲጾምና፣ ንሱ ግና ካብ ቅድስናኡ ኽንማቐል ኢሉ ንጥቕምና እዩ ዚገብሮ። 11 ተግሳጽ ዘበለስ ዜጕሂ እምበር፡ ንግዜኡ ዜሐጕስ ኣይመስልን እዩ፣ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ብእኡ ዝሰልጠኑ ናይ ሰላም ፍረ፡ ማለት ጽድቂ የፍርየሎም እዩ። 12 ስለዚ፡ ዘርጋሕጋሕ ንዝበላ ኣእዳውን ረሸሽ ንዝበላ ኣብራኽን ኣደልድሉ፣ 13 እቲ ዚሕንክስ ኪሓዊ እምበር፡ ወለም ምእንቲ ኸይብሎስ፡ ንኣእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ። 14 ምስ ኵሉ ሰብ፡ ሰላምን ቅድስናን ስዓቡ፣ ብዘይ ቅድስናስ ሓደ እኳ ንጐይታ ኣይርእዮን እዩ። 15 ሓደ እኳ ጸጋ ኣምላኽ ከይስእን፡ መርዛም ሱር በቚሉ ድማ ከየሸግረኩም እሞ ብዙሓት ብእኡ ኸይረኽሱ ተጠንቀቑ። 16 ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው ንቕዱስ ነገራት ዚንዕቕ ከይከውን ድማ ተጠንቀቑ። 17 ንሱ ጸኒሑ ነቲ በረኸት ኪወርስ ምስ ደለየ ኸም እተኣብየስ ትፈልጡ ኢኹም፣ ብንብዓት ሓሳብ ኬለውጥ እኳ ኣጸቢቑ እንተ ደለየ፡ ኣይጠቐሞን።
30 መስከረም–6 ጥቅምቲ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ያእቆብ 1-2
“መገዲ ሓጢኣትን ሞትን”
(ያእቆብ 1:14) ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን።
ፈተና
ሓደ ነገር እንተ ስሒቡካ ወይ ማሪኹካ፡ ብፍላይ ከኣ ግጉይ ነገር ምስ ዚኸውን፡ በቲ ነገር እቲ ተፈቲንካ ኣለኻ ማለት እዩ። ንመረዳእታ፡ ናብ ዕዳጋ ምስ ከድካ፡ ባህ ዝበለትካ ንብረት ርኢኻ ንበል። ነታ ንብረት ብቐሊሉ ኽትሰርቃ ኸም እትኽእል፡ ፈጺምካ ድማ ከም ዘይትተሓዝ ኣብ ኣእምሮኻ ሓሳብ ይመጸካ። ሕልናኻ ግና፡ ‘ኣይትግበሮ!’ ይብለካ። ስለዚ፡ ነቲ ሓሳብ ነጺግካ ናብ ካልእካ ትኸይድ። ኣብታ ህሞት እቲኣ እቲ ፈተና ኣብቂዑ እዩ፣ ንስኻ ድማ ተዓዊትካ ኢኻ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ልብኻ ጌጋ ኺገብር እንተ ተደናዲኑ ወይ ተፈቲኑ፡ እኩይ ሰብ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵላትና ኸም እንፍተን ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:13) እቲ ብሓቂ ዜገድስ፡ ምስ ተፈተንና እንወስዶ ስጕምቲ እዩ። ገሊኦም ብዛዕባ ዘይግቡእ ትምኒት ብቐጻሊ ይሓስቡ እሞ፡ ውዒሎም ሓዲሮም ነቲ ፈተና ኢዶም ይህቡ። ገሊኦም ከኣ ከም ግጉይ ገይሮም ብምርኣይ ቀልጢፎም ይነጽግዎ።
“ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን።”—ያእቆብ 1:14።
(ያእቆብ 1:15) ሽዑ፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፣ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።
ፈተና
መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ግጉይ ተግባር ዚመርሕ ነገር እንታይ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ያእቆብ 1:15፡ “[ዘይግቡእ] ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ” ትብል። ብሓጺሩ፡ ብዛዕባ ግጉይ ትምኒት ብቐጻሊ ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ከምቲ ጥንስቲ ሰበይቲ ውዒላ ሓዲራ ምውላዳ ዘይተርፋ፡ ንሕና እውን ትምኒትና ምፍጻሙ ኣብ ዘይተርፍ ደረጃ ንበጽሕ። ኰይኑ ግና፡ ባሮት ዘይግቡእ ትምኒት ካብ ምዃን ክንርሕቕ ንኽእል ኢና። ንትምኒታትና ኽንቈጻጸሮ እውን ንኽእል ኢና።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ያእቆብ 1:17) ኵሉ ጽቡቕ ውህበትን ኵሉ ፍጹም ውህበትን ካብ ላዕሊ፡ ካብቲ ኸም ዚለዋወጥ ጽላሎት ዘይቀያየር ወይ ዘይለዋወጥ ኣቦ ሰማያዊ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።
it-2 253-254
ብርሃን
የሆዋ “ኣቦ ሰማያዊ ብርሃናት እዩ።” (ያእ 1:17) ንሱ “ጸሓይ ንብርሃን መዓልቲ፡ ሕግታት ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ንብርሃን ለይቲ [ሂቡ]” ጥራይ ዘይኰነስ (ኤር 31:35)፡ ምንጪ ዅሉ መንፈሳዊ ብርሃን እውን ንሱ እዩ። (2ቈረ 4:6) ሕጉን ፍርድታቱን ቃሉን ነቶም ብእኡ ኺምርሑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ዘበሉ ብርሃን ይዀኖም እዩ። (መዝ 43:3፣ 119:105፣ ምሳ 6:23፣ ኢሳ 51:4) እቲ ዘማሪ፡ “ብብርሃንካ ብርሃን ክንርኢ ኽኢልና” ኢሉ እዩ። (መዝ 36:9፣ ምስ መዝ 27:1፣ 43:3 ኣረኣኢ።) ከምቲ ብርሃን ጸሓይ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ “ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚቐትር” እናበርሀ ዚኸይድ፡ ብጥበብ ኣምላኽ እትበርህ መገዲ ጻድቃን ድማ እናበርሀት እያ እትኸይድ። (ምሳ 4:18) በቲ ኣምላኽ ክንከዶ ዚደልየና መገዲ እንተ ተጓዒዝና፡ ብብርሃን ንኸይድ ኣለና ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ኢሳ 2:3-5) በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ሓደ ሰብ ርኹስ ኣረኣእያ ወይ ክፉእ ሓሳብ እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ዓብዪ መንፈሳዊ ጸልማት እዩ ዘሎ። ነዚ ድማ የሱስ ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ክንደይ ኰን ይጽልምት!”—ማቴ 6:23፣ ምስ ዘዳ 15:9፣ 28:54-57፣ ምሳ 28:22፣ 2ጴጥ 2:14 ኣረኣኢ።
(ያእቆብ 2:8) ከምቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ጌርኩም ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ እንተ ፈጺምኩምዎስ፡ ጽቡቕ ትገብሩ ኣለኹም።
it-2 222 ¶4
ሕጊ
“ንጉሳዊ ሕጊ።” ከምቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ኻልኦት ሰባት ጕሉሕ ቦታ ዚህልዎ፡ እቲ “ንጉሳዊ ሕጊ” ኸኣ ኣብ መንጎ ኻልኦት ሕግታት ጕሉሕን ኣገዳስን ቦታ ኣለዎ። (ያእ 2:8) ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ኺዳን ሕጊ፡ ፍቕሪ እዩ ነይሩ፣ እቲ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዚብል (ንጉሳዊ ሕጊ) ከኣ ካብቲ ዅሉ ሕግን ነብያትን እተመስረተሉ ትእዛዛት፡ እቲ ኻልኣይ እዩ ነይሩ። (ማቴ 22:37-40) ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቲ ኺዳን ሕጊ እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ነቲ ምስ ሓድሽ ኪዳን እተተሓሓዘ ሕጊ ንጉሶም የሆዋን ወዱ ንጉሶም የሱስ ክርስቶስን ይግዝኡ እዮም።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ያእቆብ 2:10-26) ንብዘሎ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዚስሕት ዘበለ፡ ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። 11 ከመይሲ፡ እቲ፡ “ኣይትዘሙ” ዝበለ፡ “ኣይትቕተል” እውን ኢሉ እዩ። ዋላ እኳ እንተ ዘይዘሚኻ፡ ግናኸ እንተ ቐቲልካ፡ ጠሓስ ሕጊ ኢኻ። 12 ከምቲ ናይቶም ብሕጊ ሓራ ሰባት ዚፍረዱ ጌርኩም ተዛረቡን ግበሩን። 13 ምሕረት ዘይገብርሲ፡ ብዘይ ምሕረት እዩ ዚፍረድ። ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትዕወት እያ። 14 ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ ‘እምነት ኣላትኒ’ እንተ ኢሉ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እታ እምነት እቲኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ 15 ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓሪቖም፡ ናይ ዕለት ምግቢ እውን እንተ ስኢኖም፡ 16 ንሰብነቶም ዜድሊ ኸይሃብኩምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ “ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ” እንተ ኢልዎም፡ እንታይ ይጠቅም፧ 17 ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። 18 ሓደ ግና፡ “ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ። እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነ እውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ” ይብል ይኸውን። 19 ሓደ ኣምላኽ ከም ዘሎዶ ትኣምን ኢኻ፧ ጽቡቕ ትገብር ኣለኻ። ኣጋንንቲ እውን ይኣምኑን የንቀጥቅጡን እዮም። 20 ግናኸ፡ ኣታ ኸንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ዘይትረብሕ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ 21 ኣብርሃም ኣቦና ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩዶ ኣይጸደቐን፧ 22 እምነቱ ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዓየየት፡ እምነቱ ድማ ብግብሩ ፍጽምቲ ኸም ዝዀነት፡ ትርኢ ኣለኻ። 23 እቲ፡ “ኣብርሃም ብየሆዋ ኣመነ፡ ጽድቂ ዀይኑ ድማ ተቘጽረሉ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ድማ ተፈጺሙ እዩ፣ ፈታው የሆዋ ኸኣ ተባሂሉ እዩ። 24 ሰብ ብእምነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ትርእዩ ኣለኹም። 25 ከምኡ ኸኣ ረሃብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምን ብኻልእ መገዲ ምስ ሰደደቶምን፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ 26 እምበኣር፡ ከምቲ ሰብነት ብዘይ መንፈስ ምዉት ዝዀነ፡ ከምኡ እውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።