ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr19 ነሓሰ ገጽ 1-8
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 5-11 ነሓሰ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • w17.07 10 ¶13
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • 12-18 ነሓሰ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2019
mwbr19 ነሓሰ ገጽ 1-8

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

5-11 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ጢሞቴዎስ 1-4

“ኣምላኽ . . . መንፈስ ፍርሂ ኣይሃበናን”

(2 ጢሞቴዎስ 1:7) ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ልብምናን እምበር፡ መንፈስ ፍርሂ ኣይሃበናን።

w09 15/5 15 ¶9

ኣቱም መንእሰያት፡ እናወሰኽኩም ትኸዱ ኸም ዘለኹም ይገለጽ

ጳውሎስ ጸኒሑ ንጢሞቴዎስ ንኺሕግዞ ኢሉ፡ “ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሀበናን” ኢሉ ኣዘኻኸሮ። (2 ጢሞ. 1:7) እታ ኣብዚ “ቕጽዓት፡” ኣብ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ጥንቃቐ” ወይ “ርእስኻ ምግታእ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ ኣመዛዚንካ ምሕሳብ ማለት እያ። ንነገራት ከምቲ ኪዀነልካ እትደልዮ ዘይኰነስ፡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ናይ ምፍታሕ ክእለት ተጠቓልል። ገሊኦም ዘይበሰሉ መንእሰያት መንፈስ ፍርሂ የርእዩ እዮም፣ ብዙሕ ብምድቃስ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ተለቪዥን ብምርኣይ፡ ሓሽሽ ብምውሳድ፡ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ብምስታይ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ፓርቲ ብምኻድ፡ ወይ ከኣ ጾታዊ ርኽሰት ብምፍጻም ካብ ዜጨንቕ ኵነታት ኪሃድሙ ይፍትኑ። ክርስትያናት ግን፡ “ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር” ኢና ተማዒድና ዘለና።—ቲቶ. 2:12, 13።

(2 ጢሞቴዎስ 1:8) እምበኣር፡ ኣብቲ ሓይሊ ኣምላኽ ብምትእምማን፡ ምእንቲ እቲ ብስራት ብእጃምካ መከራ ጽገብ ደኣ እምበር፡ ብዛዕባ ጐይታና ብዚውሃብ ምስክርነት ወይስ ስሊኡ ብእተኣሰርኩ ብኣይ ኣይትሕፈር።

w03 1/3 9 ¶7

‘ጽንዑ፡ ትብዑ!’

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ኸሎ ‘ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይሊ እምበር መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን። ስለዚ ብምስክር ጐይታና ኣይትሕፈር’ በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 1:7, 8፣ ማርቆስ 8:38) ነዚ ቓላት እዚ ኸነንብብ ከሎና ንርእስና ‘ብእምነተይ እሓፍር ድየ፡ ወይስ ተባዕ እየ፧ ኣብ ስራሕ (ወይ ትምህርቲ) ናይ የሆዋ ምስክር ምዃነይ ንኻልኦት አፍልጥ ድየ፡ ወይስ ነዚ ኽሓብኦ እየ ዝጽዕር፧ ካብ ካልኦት ፍሉይ ብምዃነይ እሓፍር ድየ፡ ወይስ ብምኽንያት እቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ፍሉይ ብምዃነይ እሕበን እየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ሓደ ክርስትያን ንኻልኦት ክሰብኽ ወይ ፍልይ ዝበለ ኣቕዋም ክሕዝ ዝስከፍ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ የሆዋ ንእያሱ “ጽናዕ፡ ትባዕ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ይዘክር። እቲ መሳርሕትና ወይ መማህርትና ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ ዘይኰነስ፡ እቲ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባና ዘለዎም ኣረኣእያ ዝያዳ ኸም ዘገድስ ኣይትረስዕ።—ገላትያ 1:10።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(2 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ከም ንፉዕ ወተሃደር ክርስቶስ የሱስ ብእጃምካ መከራ ጽገብ። 4 ወተሃደር ኰይኑ ዜገልግል ዘበለ፡ ነቲ ወተሃደር ኪኸውን ዝኸተቦ ምእንቲ ኼሐጕስ ኢሉ፡ ብንግዳዊ ዕዮ ዚጠላለፍ የልቦን።

w17.07 10 ¶13

ናይ ሓቂ ሃብቲ ድለ

ጢሞቴዎስ እውን ናይ እምነት ሰብ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ንፉዕ ወተሃደር ክርስቶስ የሱስ” ኢሉ ጸውዖ፣ “ወተሃደር ኰይኑ ዜገልግል ዘበለ፡ ነቲ ወተሃደር ኪኸውን ዝኸተቦ ምእንቲ ኼሐጕስ ኢሉ፡ ብንግዳዊ ዕዮ ዚጠላለፍ የልቦን” ድማ በሎ። (2 ጢሞ. 2:3, 4) ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ፡ እንተላይ እቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብዝከኣሎም መጠን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ይጽዕሩ እዮም። ነቲ “ተለቃሒ ድማ ባርያ ኣለቃሒ እዩ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ስለ ዚዝክሩ፡ ብዓለምን ብመወዓወዒታታን ንዚወርዶም ጸቕጢ ይጻወርዎ እዮም። (ምሳ. 22:7) ሰይጣን ንዅሉ ግዜናን ጕልበትናን ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ብምጥፋእ ባሮት ክንከውን እዩ ዚደልየና። ብሰንኪ እቲ እንገብሮ ገሊኡ ውሳነታት፡ ንዓመታት ኣብ ዕዳ ኽንነብር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ናይ ገዛ ዕዳ፡ ንነዊሕ እዋን ዚቕጽል ናይ ትምህርቲ ዕዳ፡ ናይ ማኪና ዕዳ፡ ወይ ከኣ ናይ መርዓ ዕዳ፡ ከቢድ ቍጠባዊ ጸቕጢ ኼስዕበልና ይኽእል እዩ። ናብራና ኣቕሊልና፡ ዕዳና ዀነ ወጻኢታትና ድማ ነኪና፡ ባሮት እዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ንግዲ ዓለም ዘይኰነስ ባሮት ኣምላኽ ምስ እንኸውን፡ ጥበበኛታት ምዃንና ኢና እነርኢ።—1 ጢሞ. 6:10።

(2 ጢሞቴዎስ 2:23) ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ ካብ ናይ ዕሽነትን ድንቍርናን ክርክር ርሓቕ።

w14 15/7 14 ¶10

ህዝቢ የሆዋ ‘ኻብ ዓመጻ ይርሕቑ’

ሎሚ መብዛሕትኡ እዋን፡ ከሓድቲ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣይርከቡን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ምንጩ ብዘየገድስ፡ ብኡብኡ ኽንነጽጎ ኣሎና። ምስ ከሓድቲ ምክርኻር ጥበባዊ ኣይኰነን፣ እዚ ኸኣ ምሳታቶም ብኣካል ምዝርራብ፡ ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዚጽሕፍዎ ምምላስ፡ ወይ ከኣ ብኻልእ መዳይ ምሳታቶም ምምይያጥ ዜጠቓልል እዩ። ነቲ ኸሓዲ ዝዀነ ውልቀ ሰብ ክንሕግዞ ኢልና እኳ እንተ ሓሰብና፡ ከምኡ ምግባር ግና ምስቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ዚጋጮ እዩ። ስለዚ፡ ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ክሕደት ክንርሕቕን ክንነጽጎን ኣሎና።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(2 ጢሞቴዎስ 1:1-18) ካብቲ ምስታ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነት ተስፋ ህይወት ብእተተሓሓዘ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ 2 ናብቲ ፍቑር ወደይ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፦ ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ይኹነልካ። 3 ለይትን መዓልትን ከየቋረጽኩ ኣብ ምህለላይ ንዓኻ ብምዝካረይ፡ ነቲ ኸምቲ ኣቦታተይ ዝገበርዎ ገይረ ብንጹህ ሕልና ዘገልግሎ ኣምላኽ አመስግኖ ኣለኹ። 4 ንብዓትካ ኽዝክር ከለኹ፡ ብሓጐስ ምእንቲ ኽምላእ፡ ክርእየካ እናፍቕ ኣለኹ። 5 ነታ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካን ኤውንቄ ኣዴኻን ዝሓደረት፡ ኣባኻ ኸም ዘላ እውን ዝተኣማመነላ ግብዝና ዘይብላ እምነትካ እዝክራ ኣለኹ። 6 በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ብምንባር ኣእዳወይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ከተጐሃህሮ አዘክረካ ኣለኹ። 7 ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ልብምናን እምበር፡ መንፈስ ፍርሂ ኣይሃበናን። 8 እምበኣር፡ ኣብቲ ሓይሊ ኣምላኽ ብምትእምማን፡ ምእንቲ እቲ ብስራት ብእጃምካ መከራ ጽገብ ደኣ እምበር፡ ብዛዕባ ጐይታና ብዚውሃብ ምስክርነት ወይስ ስሊኡ ብእተኣሰርኩ ብኣይ ኣይትሕፈር። 9 ኣምላኽ ሳላ ግብርና ዘይኰነስ፡ ሳላ ፍቓዱን ሳላ ጸጋኡን ኣድሒኑና፡ ብቕዱስ ጽውዓ እውን ጸዊዑና እዩ። እዚ ጸጋ እዚ፡ ቅድሚ ነዊሕ ግዜያት ብክርስቶስ የሱስ እኳ እንተ ተዋህበና፡ 10 ሕጂ ግና ብግህደት መድሓኒና ክርስቶስ የሱስ ተገሊጹ ኣሎ፣ ንሱ ንሞት ስዒሩ፡ በቲ ብስራት ንህይወትን ንዘይምሕላፍን ኣብሪህዎ እዩ። 11 ነዚ ድማ፡ ኣነ ሰባኽን ሃዋርያን መምህርን ክኸውን ተሸይመ እየ። 12 ስለዚ ኸኣ እየ እዚ መከራ እዚ ዝጸግብ ዘለኹ፣ ግናኸ፡ ኣይሓፍርን እየ። ከመይሲ፡ ነቲ ዝኣምኖ እፈልጦ እየ፣ ንሱ ነቲ ብሕድሪ ዝሃብክዎ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኺሕልዎ ኸም ዚኽእል ድማ እተኣማመን እየ። 13 እቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ መለክዒ እቲ ጥዑይ ቃል፡ በቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎካ ሓድነት ዚርከብ እምነትን ፍቕርን ሓዞ። 14 ነዚ ጽቡቕ ሕድሪ እዚ፡ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ። 15 ኵሎም እቶም ኣብ ኣውራጃ እስያ ዘለዉ፡ ከም ዝጠንጠኑኒ ትፈልጥ ኢኻ። ፍጌሎስን ሄርሞጌኔስን ከኣ ካባታቶም እዮም። 16 ጐይታ ንቤተ ሰብ ኦኔሲፎሮስ ምሕረት ይሃብ፣ ንሱስ ብዙሕ ሳዕ ንመንፈሰይ ኣሐዲሱለይ እዩ፣ ብሰንሰለት ማእሰርተይ እውን ኣይሓፈረን። 17 እኳ ደኣስ፡ ኣብ ሮሜ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሃለው ኢሉ ደልዩ ረኺቡኒ እዩ። 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ የሆዋ ምሕረት ኪረክብሲ፡ ጐይታ ይሃቦ። ንዅሉ እቲ ኣብ ኤፌሶን ዘገልገሎ ኣገልግሎት እውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።

12-18 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ቲቶስ 1–ፊልሞን

“ሽማግለታት ክትሸይም”

(ቲቶስ 1:5-9) ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ጕድለት ክትእርምን ኣብ ከከተማኡ ሽማግለታት ክትሸይምን እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ፣ 6 ማለት ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብዝርጋን ወይ ብዕልወት ዘይተኸስሱ ኣመንቲ ውሉዳት ዘለውዎ እንተሎ። 7 ከመይሲ፡ ሓላዊ ብኣምላኽ እተሸመ ኣመሓዳሪ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ዚንቀፈሉ ዘይብሉ፡ ብርእሱ ዘይምካሕ፡ ዘይቍጡዕ፡ ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ዘይግቡእ ረብሓ ንምርካብ ዘይሃርፍ፡ 8 የግዳስ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ጻድቕ፡ እሙን፡ ርእሱ ዚገትእ፡ 9 በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኼተባብዕን ነቶም ዚቃወሙ ምእንቲ ኺገንሕን፡ ብጥበብ ኣመሃህራ ገይሩ ነቲ እሙን ቃል ኣጽኒዑ ዚሕዝ ኪኸውን ኣለዎ።

w14 15/11 28-29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ነፍሲ ወከፍ ሽመት ብኸመይ ይካየድ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ኣይሕብረናን እዩ፣ እተወሰነ ሓበሬታ ግና ክንረክብ ንኽእል ኢና። ጳውሎስን በርናባስን ካብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ኪምለሱ ኸለዉ፡ “ኣብ ገጉባኤኡ ሽማግለታት ምስ ሸሙሎም . . . ብጸሎትን ብጾምን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ የሆዋ ኣማዕቈብዎም።” (ግብ. 14:23) ዓመታት ጸኒሑ፡ ጳውሎስ ነቲ መገላግልቱ ዝነበረ ቲቶስ፡ “ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ ጕድለት ክትእርምን ኣብ ከከተማኡ ሽማግለታት ክትሸይምን እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ” በሎ። (ቲቶ. 1:5) እቲ ምስ ጳውሎስ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እተጓዕዘ ጢሞቴዎስ እውን፡ ተመሳሳሊ ሓላፍነት ዝነበሮ እዩ ዚመስል። (1 ጢሞ. 5:22) ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ሽመት በቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ዘይኰነስ፡ ብገየሽቲ ሓለውቲ እዩ ዚግበር ነይሩ።

ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣሰራርሓ መሰረት ብምግባር፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዚሽየሙሉ መገዲ ምትዕርራይ ገይሩሉ ኣሎ። ካብ 1 መስከረም 2014 ጀሚሩ፡ ኣሕዋት በዚ ዚስዕብ መገዲ እዮም ዚሽየሙ፦ ነፍሲ ወከፍ ሓላው ወረዳ ንብቕዓት እቶም ኣብ ወረዳኡ ዘለዉ ሕጹያት ብጥንቃቐ ኺምርምሮ እዩ። ነተን ጉባኤታት ኪበጽሐን ከሎ፡ ነቶም ሕጹያት ንኺፈልጦም ኪጽዕር እዩ፣ ምናልባት እውን ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሳታቶም ኪዓዪ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቶም ሕጹያት ምስቲ ኣካል ሽማግለታት ምስ ተመያየጠ፡ ነቶም ኣብ ወረዳኡ ዘለዉ ኣሕዋት፡ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ንኪዀኑ ናይ ምሻም ሓላፍነት ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ናይ ምሻም ስርዓት፡ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ብዝያዳ ዚመሳሰል ይኸውን።

ኣብዚ ናይ ምሻም መስርሕ፡ እተፈላለየ ግደ ዘለዎም መን እዮም፧ ቀንዲ ሓላፍነት እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ንኣገልገልቲ ቤት ምምጋብ እዩ። (ማቴ. 24:45-47) እቲ እሙን ባርያ፡ ነቲ እታ ዓለምለኻዊት ጉባኤ እተወደበትሉ መገዲ ዚጸሉ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ተግባራዊ ኪኸውን ከም ዘለዎ መምርሒ ምእንቲ ኺህብ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እናተሓገዘ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምርምር ይገብር እዩ። ብዘይካዚ፡ ንዅሎም ሓለውቲ ወረዳን ኣባላት ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ይሸይም እዩ። ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ፡ ነቲ እተዋህቦ መምርሒ ብምስዓብ፡ ኣብ ግብሪ ኸም ዚውዕል ይገብር። ነፍሲ ወከፍ ኣካል ሽማግለታት ድማ፡ እቶም ኣብ ጉባኤ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሽየሙ ኸም ሕጹያት ገይሮም ዜቕርብዎም ኣሕዋት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት እንተ ኣልይዎም ንምርግጋጽ፡ ተጠንቂቖም ምርምር ይገብሩ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ሓላው ወረዳ እውን፡ ብዛዕባ እቶም ብኣካል ሽማግለታት ዚቐርቡሉ ሕጹያት ብጥንቃቐን ብጸሎትን ናይ ምሕሳብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ነቶም ብቕዓት ዘለዎም ናይ ምሻም ረዚን ሓላፍነት ኣለዎ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ቲቶስ 1:12) ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ እኳ፡ “ቅሬጥሳውያን ኵሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ ሕሱማት ኣራዊት፡ ሃካያት በላዕቲ እዮም” ኢሉ እዩ።

w89 15/5 31 ¶5

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ጳውሎስ ምስቲ ንቅሬጥሳውያን ዚነቅፍ ዓሌታዊ ወይ ቀቢላዊ ወቐሳ ኣይኰነን ዚሰማማዕ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ኣብ ቅሬጥስ ኣምላኽ እተቐበሎምን ብመንፈስ ቅዱስ ዝቐብኦምን ጥዑያት ክርስትያናት ከም ዝነበሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:5, 11, 33) “ኣብ ከከተማኡ” ኸኣ ጉባኤታት ንምቛም ዚኣኽሉ ውፉያት ክርስትያናት ነይሮም እዮም። እቶም ክርስትያናት እቲኦም ፍጹማት ሰባት እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ሓሰውትን ሃካያት በላዕትን ዘይንምባሮም ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ሞገስ የሆዋ ምሰኣኑ ነይሮም። (ፊልጲ 3:18, 19፣ ራእይ 21:8) ከምቲ ሎሚ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ እንረኽቦ ኸኣ፡ በቲ ኣብ ዙርያኦም ዚርከብ ትሑት ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዚጕህዩን ንክርስትያናዊ መልእኽቲ ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ዝዀኑን ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።—ህዝቅኤል 9:4፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 13:48 ኣረኣኢ።

(ፊልሞን 15, 16) ምናልባት ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ ይኸውን፡ ንሓጺር ግዜ እተፈልየካ። 16 ንዓኻ ደጊም ከም ባርያ ዘይኰነስ፡ ካብ ባርያ ዝበለጸ፡ ፍቑር ሓው እዩ፣ ምናዳ ንዓይ ከምኡ ኻብ ኰነ፡ ንዓኻ ግዳ ብስጋን ብጐይታን ክንደይ ከምኡ ዘይከውን!

w08 15/10 31 ¶4

ካብ መልእኽትታት ናብ ቲቶስን ፊልሞንን እብራውያንን ዚጐልሕ ነጥብታት

15, 16—ፊልሞን ንኦኔሲሞስ ናጽነት ኪህቦ፡ ጳውሎስ ዘይሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧ ጳውሎስ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኽን ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንኺምህርን’ እተዋህቦ ሓላፍነት ጥራይ ንኺፍጽም ጽኑዕ ድሌት ነበሮ። ስለዚ፡ ኣብ ከም ንባርነት ዚምልከት ማሕበራዊ ጕዳያት ኢዱ ንኸየእቱ መረጸ።—ግብ. 28:31

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ቲቶስ 3:1-15) ንመንግስትታትን ንሰበ ስልጣንን ኪግዝኡን ኪእዘዙን፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ ኣዘኻኽሮም። 2 ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልዙባት ኪዀኑ፡ ልእመት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ኬርእዩ እውን ኣዘኻኽሮም። 3 ከመይሲ፡ ንሕና እውን ሓደ እዋን ዓያሹ፡ ዘይእዙዛት፡ ዝሰሓትና፡ ብእተፈላለየ ትምኒታትን ተድላን እንግዛእ፡ ብኽፍኣትን ብቕንእን እንነብር፡ ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ኢና ኔርና። 4 እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ዘለዎ ለውሃትን ንሰብ ዘለዎ ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና፡ 5  (እዚ ድማ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኰነስ፡ ብምሕረቱ እዩ ዝዀነ፡) በቲ ናብ ህይወት ዘምጽኣና ሕጽበትን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሒኑና እዩ። 6 ነዚ መንፈስ እዚ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሲስዎ እዩ። 7 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ብጸጋኡ ምስ ጸደቕና፡ ከም ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን እዩ። 8 እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፣ እቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ኣብ ምግባር ምእንቲ ኼተኵሩ፡ ብዛዕባ እዚ ብምትእምማን ኣትሪርካ ኽትዛረቦም እደሊ እየ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ። 9 ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ክትዕን ብዛዕባ ሕጊ ዚልዓል ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሓቕ። 10 ንመናፍቕ ከኣ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡ ኣርሕቆ፣ 11 ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ዘንቢሉ ይሓጥእ ከም ዘሎን ባዕሉ ንርእሱ ኸም ዝዀነነን ድማ ፍለጥ። 12 ንኣርጤማስ ወይስ ንትኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበ ኣለኹ እሞ፡ ናባይ ክትመጽእ ጽዓር። 13 ንዜናስ እቲ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ እኳ ኸይጐድሎም ዚከኣለካ ዘበለ ኣማልኣሎም። 14 እቶም ናትና እውን ብዘይ ፍረ ምእንቲ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብህጹጽ ዜድልዮም ንምምላእ፡ ሰናይ ግብሪ ምግባር ይምሃሩ። 15 ኵሎም እቶም ምሳይ ዘለዉ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዚፈትዉና ሰላም በለለይ። ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን።

19-25 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እብራውያን 1–3

“ጽድቂ ፍቶ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጽላእ”

(እብራውያን 1:8) ብዛዕባ ወዱ ግና ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣ ዘንጊ መንግስትኻ እውን ዘንጊ ቕንዕና እያ።

w14 15/2 5 ¶8

ነቲ ግርማዊ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ወድሶ!

የሆዋ ንወዱ ኸም ንጉስ መሲሓዊት መንግስቱ ገይሩ ብ1914 ኣብ ሰማይ ኣንገሶ። ‘ዘንጊ መንግስቲ የሱስ፡ ዘንጊ ቕንዕና እያ፣’ እዚ ኸኣ ግዝኣቱ ጽድቅን ቅንዕናን ዝሰፈኖ ምዃኑ የረጋግጸልና። መዝሙር 45:6 ብመሰረት ትርጕም 1990፡ “እቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ዝፋንካ ንዘለዓለም ይነብር” እያ እትብል። ስለዚ፡ ስልጣን የሱስ ሕጋዊ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መሰረት መንግስቱ የሆዋ እዩ። ብዘይካዚ፡ ዝፋን የሱስ፡ “ንዘለኣለመ ኣለም” እዩ። ንየሆዋ ኣብ ትሕቲ እዚ ሓያልን ንሱ ዘንገሶ ንጉስን ኴንካ ኸተገልግሎስ ኣይትሕበንንዶ፧

(እብራውያን 1:9) ጽድቂ ፈቲኻ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጸሊእካ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ ቐቢኡካ።”

w14 15/2 4-5 ¶7

ነቲ ግርማዊ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ወድሶ!

መዝሙር 45:6, 7 ኣንብብ። የሱስ ጽድቂ ይፈቱ፡ ንዝዀነ ይኹን ንኣቦኡ ዜሕስር ነገራት ከኣ ይጸልእ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ንዕኡ ንጉስ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ቀብኦ። የሱስ ‘ሓለፋ ብጾቱ ብዘይቲ ሓጐስ’ ተቐብአ። እቶም ‘ብጾቱ’ ተባሂሎም ዘለዉ፡ እቶም ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት ዝዀኑ ነገስታት ይሁዳ እዮም። የሱስ ሓለፋኦም እተቐብአኸ ብኸመይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ብኢድ የሆዋ እዩ ተቐቢኡ። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ንየሱስ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ኪኸውን እዩ ቐቢእዎ። (መዝ. 2:2፣ እብ. 5:5, 6) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ የሱስ ብዘይቲ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ተቐቢኡ፣ ንግስነቱ ኸኣ ምድራዊ ዘይኰነስ፡ ሰማያዊ እዩ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(እብራውያን 1:3) ንሱ ነጸብራቕ ክብሪ ኣምላኽን ልክዕ ምስሊ ባህርዩን እዩ፣ ንዅሉ እውን ብሓይሊ ቓሉ ጾይሩ ኣሎ። ካብ ሓጢኣትና ምስ ኣንጽሃና ድማ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐሚጡ እዩ።

it-1 1185 ¶1

ምስሊ

የሱስ ንምስሊ ኣቦኡ ብማዕረ ደረጃ ድዩ ዅሉ ሳዕ ዜንጸባርቖ ነይሩ፧

እቲ ደሓር ሰብ ኰይኑ የሱስ እተባህለ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ፡ ምስሊ ኣቦኡ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (2ቈረ 4:4) ኣምላኽ “ብመልክዕና . . . ሰብ ንግበር” ኢሉ እተዛረቦ ንወዱ ምዃኑ ንጹር ስለ ዝዀነ፡ ወዲ ኻብ ዚፍጠር ኣትሒዙ ምስሊ ኣቦኡ ወይ ምስሊ ፈጣሪ ነይርዎ እዩ። (ዘፍ 1:26፣ ዮሃ 1:1-3፣ ቈሎ 1:15, 16) ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኸም ሰብ መጠን ዚህልዎ ድሩትነት ንባህርያት ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቑ እዩ፣ ስለዚ ኸኣ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (ዮሃ 14:9፣ 5:17, 19, 30, 36፣ 8:28, 38, 42) ይኹን እምበር፡ የሱስ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ምስ ተንስአን “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ምስ ተዋህቦን፡ እዚ ምስሊ እዚ ናብ ዝበረኸ ደረጃ በጺሑ እዩ። (1ጴጥ 3:18፣ ማቴ 28:18) ሽዑ ኣምላኽ ንየሱስ “ናብ ዝለዓለ ቦታ” ልዕል ስለ ዘበሎ፡ ድሕሪኡ ወዲ ኣምላኽ ንኽብሪ ኣቦኡ ኻብቲ ኻብ ሰማያት ናብ ምድሪ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ዝነበሮ ብዝዓበየ ደረጃ ኼንጸባርቕ ጀሚሩ እዩ። (ፊል 2:9፣ እብ 2:9) ሕጂ “ልክዕ ምስሊ ባህርዩ [ባህርይ ኣምላኽ]” እዩ።—እብ 1:2-4።

(እብራውያን 1:10-12) ከምኡ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣብ መጀመርታ መሰረታት ምድሪ ኣንቢርካ፣ ሰማያት ድማ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። 11 ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ፣ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ 12 ከም ባርኖስ፡ ከም ክዳን ድማ ክትጥቕልሎም ኢኻ፣ ኪልወጡ እውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካ እውን ከቶ ኣይውዳእን እዩ” ይብል።

it-1 1063 ¶7

ሰማይ

እቲ ኣብ መዝሙር 102:25, 26 ዚርከብ ቃላት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ተጻሒፉ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣተሓሒዙ ጠቒስዎ ኣሎ። ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ንግኡዝ ዩኒቨርስ ኣብ ምፍጣር ዝሰርሐ ብሕታዊ ወኪል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። ጳውሎስ ንነባርነት ወዲ ምስቲ ኣምላኽ እንተ ወጢኑ ‘ኸም ባርኖስ ጠቕሊሉ’ ኼልግሶ ዚኽእል ግኡዝ ፍጥረት ኣነጻጺርዎ ኣሎ።—እብ 1:1, 2, 8, 10-12።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(እብራውያን 1:1-14) ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ንኣቦታትና ብነብያት ተዛሪብዎም እዩ። 2 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ በቲ ወራስ ኵሉ ገይሩ ዝሸሞ፡ ብእኡ እውን ስርዓታት ዝገበረ ወዱ ገይሩ ተዛሪቡና እዩ። 3 ንሱ ነጸብራቕ ክብሪ ኣምላኽን ልክዕ ምስሊ ባህርዩን እዩ፣ ንዅሉ እውን ብሓይሊ ቓሉ ጾይሩ ኣሎ። ካብ ሓጢኣትና ምስ ኣንጽሃና ድማ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐሚጡ እዩ።4  ስለዚ፡ ካብ ናይ መላእኽቲ ኣዝዩ ዚበልጽ ስም ብምውራስ፡ ክሳዕ ክንድኡ ኻባታቶም በሊጹ እዩ። 5 ንኣብነት፡ ኣምላኽ ካብ መላእኽቲ ንመኖም እዩ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ፡” ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፡ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ” ዝበሎ፧ 6 ከም ብሓድሽ ነቲ በዅሩ ናብ ዓለም ኪልእኾ ኸሎ ድማ፡ “ኵሎም መላእኽቲ ኣምላኽ ይስገዱሉ” ይብል። 7 ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ “መላእኽቱ መናፍስቲ፡ ኣገልገልቱ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ይገብር” ይብል። 8 ብዛዕባ ወዱ ግና ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣ ዘንጊ መንግስትኻ እውን ዘንጊ ቕንዕና እያ። 9 ጽድቂ ፈቲኻ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጸሊእካ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ ቐቢኡካ።” 10 ከምኡ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣብ መጀመርታ መሰረታት ምድሪ ኣንቢርካ፣ ሰማያት ድማ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። 11 ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ፣ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ 12 ከም ባርኖስ፡ ከም ክዳን ድማ ክትጥቕልሎም ኢኻ፣ ኪልወጡ እውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካ እውን ከቶ ኣይውዳእን እዩ” ይብል። 13 ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ “ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ፧ 14 ኵላቶምዶ ነቶም ድሕነት ዚወርሱ ኼገልግሉ ዚለኣኹ መናፍስቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧

26 ነሓሰ–1 መስከረም

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እብራውያን 4–6

“ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክትኣቱ ጽዓር”

(እብራውያን 4:1) እምበኣር፡ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ሓደ ኻባኻትኩም ዘይበቅዕ መሲሉ ኸይህሉ ንፍራህ።

(እብራውያን 4:4) ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ ቦታ፡ “ኣምላኽ ድማ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ እቲ ግብሩ ዓረፈ” ይብል፣

w11 15/7 24-25 ¶3-5

ዕረፍቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እውን ትቕጽል ከም ዝነበረት ዚሕብር ክልተ መርትዖታት ኣሎና። ቀዳማይ፡ የሱስ ነቶም ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ኸም ዕዮ ቘጺሮም ዝነቐፍዎ ተጻረርቱ ዝሃቦ መልሲ እስከ ንርአ። “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፥ ኣነውን እዓዪ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰሎም። (ዮሃ. 5:16, 17፡ ትርጕም 1990) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ የሱስ ብሰንበት ብምዕያዩ እዩ ተኸሲሱ ነይሩ። “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ” ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ነቲ ኽሲ እቲ ዚኸውን መልሲ እዩ ዚህብ ነይሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንነቐፍቱ ኸምዚ እዩ ዚብሎም ነይሩ፦ ‘ኣነን ኣቦይን ሕደ ዕዮ ኢና እንዓዪ ዘለና። ኣቦይ ኣብታ ኣሽሓት ዓመታት ዝንውሓታ ሰንበት ይዓዪ ስለ ዘሎ፡ ኣነ እውን ብሰንበት ክዓዪ ይፍቀደለይ እዩ።’ በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ንምድሪ ብዚምልከት፡ እታ ዓባይ መዓልቲ ዕረፍቲ ሰንበት፡ ወይ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ብግዜኡ ትቕጽል ከም ዝነበረት ኣመተ።

ካልኣይ መርትዖ ኸኣ፡ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ እዩ ዚርከብ። ጳውሎስ ብዛዕባ ዕረፍቲ ኣምላኽ ካብ ዘፍጥረት 2:2 ኺጠቅስ ከሎ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ንሕና እንአምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንአቱ ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 4:3, 4, 6, 9) ስለዚ፡ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ብግዜ ጳውሎስ እውን ትቕጽል ነይራ እያ። እታ መዓልቲ ዕረፍቲ፡ ክንደይ ዚኣክል እያ ኽትቅጽል ነይርዋ፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ዕላማ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኽንዝክር ኣሎና። ዘፍጥረት 2:3 ነቲ ዕላማ እቲ ኽትጠቅስ ከላ፡ “ኣምላኽ . . . ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን” ትብል። የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም እዩ ነታ መዓልቲ እቲኣ ‘ቐዲስዋ’ ወይ እተፈልየት ገይርዋ። እቲ ዕላማ እቲ ኸኣ፡ ምድሪ ንዓኣን ኣብኣ ንዘሎ ህይወትን ብዚከናኸኑ እዙዛት ሰብኡትን ኣንስትን ክትመልእ እዩ። (ዘፍ. 1:28) የሆዋ ኣምላኽን እቲ “ጐይታ ሰንበት” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ነቲ ዕላማ እቲ ንምፍጻም እዮም ‘ክሳዕ ሕጂ ዚዓዩ ዘለዉ።’ (ማቴ. 12:8) መዓልቲ ዕረፍቲ ኣምላኽ፡ እቲ ዕላማ እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ክሳዕ ዚፍጸም ክትቅጽል እያ።

(እብራውያን 4:6) እምበኣር፡ ገሊኦም ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም እተበሰሩ ድማ ብሰሪ ዘይተኣዛዝነት ካብ ዘይኣትውዋ፡

w11 15/7 25 ¶6

ዕረፍቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ዕላማ ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን ብንጹር ተገሊጹሎም እኳ እንተ ነበረ፡ ምስቲ ዕላማ ኣይተሓባበሩን። ኣዳምን ሄዋንን፡ መገዲ ዘይተኣዛዝነት ዝሰዓቡ ናይ መጀመርታ ደቂ ሰብ እዮም ነይሮም። ካብኡ ንነጀው፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻልኦት ሰባት በታ መገዲ እቲኣ ስዒቦም እዮም። እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል እውን ከይተረፉ፡ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ተኸቲሎም እዮም። ብዘይካዚ እውን፡ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ገለ ኻባታቶም ኣብቲ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝወደቑሉ መጻወድያ ኸይወድቁ ኣጠንቂቕዎም እዩ። “ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽንአቱ ንጋደል” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብ. 4:11) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ንዘይተኣዛዝነት፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ምስ ዘይምእታው ከም ዘተሓሓዞ ነስተብህል። እዚ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ብእተወሰነ መዳይ ካብ ዕላማ ኣምላኽ እንተ ዓሊና፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣይንኣቱን ደዀን ንኸውን፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንዓና ኣዝዩ ስለ ዜገድሰና፡ ነታ ሕቶ ብስፍሓት ክንምርምራ ኢና። ሕጂ ግን፡ ነቲ መለበሚ ዚዀነና ተግባራት እስራኤላውያን ብምምርማር፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምእታው እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽንረክብ ከም እንኽእል ንርአ።

(እብራውያን 4:9-11) እምበኣር፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። 10 እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱ እውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ ኣሎ። 11 እምበኣር፡ ሓደ እኳ ኣርኣያ እቲ ዘይተኣዛዝነት ስዒቡ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ኽንኣቱ ንጽዓር።

w11 15/7 28 ¶16-17

ዕረፍቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ሎሚ፡ ድሕነት ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ገሊኡ መዳያት ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ኸም ዘለዎም ዚኣምኑ ክርስትያናት ኣይርከቡን እዮም። ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን፡ “ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን” ኢሉ ዝጸሓፈሎም መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ንጹር እዩ። (ኤፌ. 2:8, 9) ክርስትያናት ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ይኣትዉ ኺበሃል ከሎ ደኣ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ነታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ማለት ነታ መዓልቲ ዕረፍቱ፡ ነቲ ምስ ምድሪ ዚተሓሓዝ ዕላማኡ ናብ ዜደንቕ ፍጻመ ንኼብጽሕ ኢሉ እዩ ፍልይቲ ዝገበራ። እምበኣር፡ ናብ ዕረፍቲ የሆዋ ኽንኣቱ ወይ ኣብ ዕረፍቱ ኽንሓብሮ እንኽእል፡ ምስቲ ብውድቡ ኣቢሉ ዚግለጽ ዘሎ ገስጋሲ ዕላማኡ ብተኣዛዝነት ብምዕያይ እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ነቲ በቲ ብጕጅለ ዝቘመ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣቢሉ ዚወሃበና መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ እነነኣእስን ብርእስና እንምራሕን እንተ ዄንና፡ ምስቲ ዚግለጽ ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኣይንኸይድን ኢና። እዚ ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ሰላማዊ ርክብ ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዎ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኪጸልዎም ዚኽእል ገለ ዅነታት ክንርኢ ኢና። ንኽንእዘዝ ወይ ብርእስና ንኽንምራሕ እንገብሮ ውሳነ፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣብ ምእታው ብኸመይ ወሳኒ ኸም ዝዀነ ኽንመያየጥ ኢና።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(እብራውያን 4:12) ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ እውን ዚበልሕ እዩ፣ ነፍስን መንፈስን፡ መላግቦን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚስንጥቕ፡ ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ከኣ ዚመሚ እዩ።

w16.09 13

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ እብራውያን 4:12፡ “ህያውን ዚዓይን” ተባሂሉ ዘሎ “ቓል ኣምላኽ” ንምንታይ የመልክት፧

▪ እቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳብ ከም ዚሕብሮ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ “ቃል ኣምላኽ” ኪብል ከሎ ኸምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ እንረኽቦ ንዝኣመሰለ መልእኽቲ ወይ መግለጺ ዕላማ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት ነይሩ።

እብራውያን 4:12 ኣብ ሕታማትና ብዙሕ ሳዕ እትጥቀስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ሰባት ኪቕይር ሓይሊ ኸም ዘለዎ ንምሕባር እዩ፣ ከምኡ ምባልና እውን ግቡእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንእብራውያን 4:12 ኣብ ከባቢኣ ንዘሎ ሰፊሕ ሓሳብ ኣብ ግምት ብምእታው ምምርማራ ጠቓሚ እዩ። ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት፡ ምስ ዕላማታት ኣምላኽ ኪተሓባበሩ እዩ ዚምሕጸኖም ነይሩ። መብዛሕትኡ እዚ ዕላማታት እዚ ኸኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ነቶም ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዝወጹ እስራኤላውያን ከም ኣብነት ጠቒስዎም ኣሎ። ንሳቶም ናብታ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ዚረኽቡላ ‘ጸባን መዓርን እተውሕዝ’ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ትጽቢት ነይርዎም እዩ።—ዘጸ. 3:8፣ ዘዳ. 12:9, 10።

እቲ ተስፋ እቲ፡ እተገልጸ ዕላማ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ እስራኤላውያን ድሕሪ ግዜ ልቦም ስለ ዘትረሩን ብእምነት ስለ ዘይተመላለሱን፡ መብዛሕትኦም ናብቲ ዕረፍቲ እቲ ኣይኣተዉን። (ዘሁ. 14:30፣ እያ. 14:6-10) ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ኣስዒቡ፡ “ናብ ዕረፍቱ [ዕረፍቲ ኣምላኽ] ንምእታው” ገና ተስፋ ኸም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ። (እብ. 3:16-19፣ 4:1) እቲ “ተስፋ” እቲ፡ ክፍሊ እቲ እተገልጸ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ንጹር እዩ። ንሕና እውን ከም እብራውያን ክርስትያናት፡ ብዛዕባ እቲ ዕላማ ኽንፈልጥን ምስኡ ኽንተሓባበርን ንኽእል ኢና። ጳውሎስ እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምዃኑ ንምጕላሕ፡ ካብ ዘፍጥረት 2:2ን መዝሙር 95:11ን ጠቒሱ ኣሎ።

እቲ፡ “ናብ ዕረፍቱ [ዕረፍቲ ኣምላኽ] ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና” ዚብል ሓሳብ ንልብና ኺትንክፎ ኣለዎ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ተስፋ ብሓቂ ኸም ዚፍጸም ንኣምን ኢና፣ ናብኡ ንምእታው ከኣ ስጕምትታት ወሲድና ኢና። ነዚ ግና፡ ሕጊ ሙሴ ንምሕላው ብምጽዓር ወይ ከኣ ብኻልእ ግብሪ ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ብምጽዓር ኣይኰንናን ጌርናዮ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብእምነት ብምምልላስን ምስቲ እተገልጸ ዕላማ ኣምላኽ ባህ ኢሉና ብምትሕብባርን ኢና ነዚ እንገብሮ። ብተወሳኺ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃሩን ዕላማ ኣምላኽ ኪፈልጡን ጀሚሮም እዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ህይወቶም ኪቕይሩን ብእምነት ኪመላለሱን ተጠሚቖም ክርስትያናት ኪዀኑን ተደሪኾም እዮም። እቲ ዝገበርዎ ለውጢ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን” ምዃኑ ብንጹር ዜረጋግጽ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ፡ ዛጊት ንህይወትና ጸልይዎ እዩ፣ ብሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ህይወትና ኺዓዪ እዩ።

(እብራውያን 6:17, 18) ከምኡ ኸኣ፡ ኣምላኽ ዕላማኡ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብንጹር ኬርእዮም ምስ ወሰነ፡ ብማሕላ ውሕስነት ሂቡ እዩ። 18 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ንሕና እቶም እተማዕቈብና ዘበልና፡ በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይክእል ክልተ ዘይልወጣ ነገራት ጌርና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሓያል መተባብዒ ምእንቲ ኽንረክብ እዩ።

it-1 1139 ¶2

ተስፋ

እዛ ነቶም “ኣብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ” ዘለዎም እትኸውን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ዘይምሕላፍን (እብ 3:1) ጽኑዕ መሰረት ዘለዋን እምንቶ ዚግበረላን እያ። በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይክእል ክልተ ነገራት ድማ እተደገፈት እያ፣ እዚ ኸኣ ንሱ ዘተስፈዎ ቓልን ማሕላን እዩ፣ እታ ተስፋ እውን ምስቲ ሕጂ ኣብ ሰማያት ዘይመውት ኰይኑ ዘሎ ክርስቶስ ትነብር እያ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እዛ ተስፋ እዚኣ ኸምዚ ተባሂሉ ኣሎ፦ “ከም መልህቕ ነፍሲ፡ ርግጽን ጽንዕትን እያ፣ ነቲ መጋረጃ ሓሊፋ ድማ ናብ ውሽጢ ትኣቱ እያ [ማለት፡ ከምቲ ሊቀ ኻህናት ብመዓልቲ ዕርቂ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ዚኣቱ]፣ ኣብኡ ኸኣ እቲ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ምእንታና ቕድሜና ኣትዩ ኣሎ።”—እብ 6:17-20።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(እብራውያን 5:1-14) ካብ ሰባት እተወስደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ ስለ ሓጢኣት መባእን መስዋእትን ኬቕርብ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር፡ ምእንታኦም እዩ ዚሽየም። 2 ንሱ እውን ድኻም ስለ ዘለዎ፡ ነቶም ደናቝርን ዚጋገዩን ኪርሕርሓሎም ይኽእል እዩ። 3 ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡ እውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ኪስውእ ይግብኦ እዩ። 4 ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ ምስ ተጸውዐ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ባዕሉ ዚወስዶ ሓደ እኳ የልቦን። 5 ከምኡ ድማ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ብምዃን ርእሱ ኣየኽበረን፣ የግዳስ፡ እቲ ብዛዕባኡ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ” ዝበለ እዩ ኣኽቢርዎ። 6 ኣብ ካልእ ቦታ እውን፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ይብል። 7 ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚኽእል፡ ምህለላን ልማኖን ኣቕሪቡ እዩ፣ ንኣምላኽ ብምፍራሁ ኸኣ ተሰሚዑ እዩ። 8 ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ ዘሕለፎ መከራ ተኣዛዝነት ተማሂሩ እዩ። 9 ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ንናይ ዘለኣለም ድሕነቶም ምኽንያት ኰይኑ እዩ፣ 10 ስለምንታይሲ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ብኣምላኽ ተሰይሙ እዩ። 11 ብዛዕባኡ ብዙሕ እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ንምግላጹ ኣጸጋሚ እዩ። 12 ክሳዕ ሕጅስ መምህራን ክትኰኑ ዚግብኣኩም እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ መባእታዊ ነገራት እቲ ቕዱስ ቃል ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኸም ብሓድሽ ዚምህረኩም የድልየኩም ኣሎ፣ ዕጹም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ጸባ ዜድልየኩም ኴንኩም ኣለኹም። 13 ጸባ ዚቕለብ ዘበለ፡ ሕጻን እዩ እሞ፡ ብዛዕባ ቓል ጽድቂ ምኩር ኣይኰነን። 14 ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ ብሱላት እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ