መጽናዕቲ 5
ልክዕ ንባብ
1 ጢሞቴዎስ 4:13
ጽማቝ ሓሳባት፦ ነቲ ኣብቲ ገጽ ተጻሒፉ ዘሎ ብልክዕ ኣንብቦ።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
- ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ። እቲ ጽሑፍ ንምንታይ ከም እተጻሕፈ ሕሰበሉ። ቃላት በብውልቂ ዘይኰነስ፡ በብጕጅለ ጠርኒፍካ ምንባብ ተለማመድ። ቃላት ከይተእቱ፡ ከይትዘልል፡ ወይ ከይትትክእ ተጠንቀቕ። ንዅሉ ምልክታት ስርዓተ ነጥቢ ኣተኵረሉ። 
- ንዅሉ ቓላት ብልክዕ ኣድምጾ። ንሓደ ቓል ከመይ ከም እተድምጾ እንተ ዘይፈሊጥካ፡ መዝገበ ቓላት ተወከስ፡ ብድምጺ እተቐድሐ ጽሑፋትና ስማዕ፡ ወይ ንሓደ ንፉዕ ኣንባቢ ኺሕግዘካ ሕተቶ። 
- ብንጹር ተዛረብ። ርእስኻ ኣቕኒዕካን ኣፍካ ብግቡእ ከፊትካን ቃላት ብግቡእ ኣድምጽ። ብንጹር ንምዝራብ ጻዕሪ ግበር።