መጽናዕቲ 5
ልክዕ ንባብ
1 ጢሞቴዎስ 4:13
ጽማቝ ሓሳባት፦ ነቲ ኣብቲ ገጽ ተጻሒፉ ዘሎ ብልክዕ ኣንብቦ።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ። እቲ ጽሑፍ ንምንታይ ከም እተጻሕፈ ሕሰበሉ። ቃላት በብውልቂ ዘይኰነስ፡ በብጕጅለ ጠርኒፍካ ምንባብ ተለማመድ። ቃላት ከይተእቱ፡ ከይትዘልል፡ ወይ ከይትትክእ ተጠንቀቕ። ንዅሉ ምልክታት ስርዓተ ነጥቢ ኣተኵረሉ።
ንዅሉ ቓላት ብልክዕ ኣድምጾ። ንሓደ ቓል ከመይ ከም እተድምጾ እንተ ዘይፈሊጥካ፡ መዝገበ ቓላት ተወከስ፡ ብድምጺ እተቐድሐ ጽሑፋትና ስማዕ፡ ወይ ንሓደ ንፉዕ ኣንባቢ ኺሕግዘካ ሕተቶ።
ብንጹር ተዛረብ። ርእስኻ ኣቕኒዕካን ኣፍካ ብግቡእ ከፊትካን ቃላት ብግቡእ ኣድምጽ። ብንጹር ንምዝራብ ጻዕሪ ግበር።