ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • th መጽናዕቲ 5 ገጽ 8
  • ልክዕ ንባብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልክዕ ንባብ
  • ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅኑዕ ንባብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ናብ ምንባብ ኣቕልብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ከመይ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
th መጽናዕቲ 5 ገጽ 8

መጽናዕቲ 5

ልክዕ ንባብ

ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ

1 ጢሞቴዎስ 4:13

ጽማቝ ሓሳባት፦ ነቲ ኣብቲ ገጽ ተጻሒፉ ዘሎ ብልክዕ ኣንብቦ።

ብኸመይ ከም እትገብሮ፦

  • ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ። እቲ ጽሑፍ ንምንታይ ከም እተጻሕፈ ሕሰበሉ። ቃላት በብውልቂ ዘይኰነስ፡ በብጕጅለ ጠርኒፍካ ምንባብ ተለማመድ። ቃላት ከይተእቱ፡ ከይትዘልል፡ ወይ ከይትትክእ ተጠንቀቕ። ንዅሉ ምልክታት ስርዓተ ነጥቢ ኣተኵረሉ።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ከተንብብ ከለኻ፡ ፈታዊኻ ብልክዕ ዘየንበብካዮ ቓላት ምእንቲ ኺሕብረካ፡ ኪከታተለካ ሕተቶ።

  • ንዅሉ ቓላት ብልክዕ ኣድምጾ። ንሓደ ቓል ከመይ ከም እተድምጾ እንተ ዘይፈሊጥካ፡ መዝገበ ቓላት ተወከስ፡ ብድምጺ እተቐድሐ ጽሑፋትና ስማዕ፡ ወይ ንሓደ ንፉዕ ኣንባቢ ኺሕግዘካ ሕተቶ።

  • ብንጹር ተዛረብ። ርእስኻ ኣቕኒዕካን ኣፍካ ብግቡእ ከፊትካን ቃላት ብግቡእ ኣድምጽ። ብንጹር ንምዝራብ ጻዕሪ ግበር።

    ግብራዊ ምኽሪ

    ንባብካ ዘይባህርያዊ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ቃላት እምብዛ ብልክዕ ኣይተድምጽ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ