መጽናዕቲ 11
ውዕዉዕ ኣዘራርባ
ሮሜ 12:11
ጽማቝ ሓሳባት፦ ብቕንኣት ወይ ብውዕዉዕ መንፈስ ብምዝራብ፡ ንሰማዕትኻ ኣነቓቕሓዮምን ኣለዓዕሎምን።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
እቲ ትምህርቲ ንልብኻ ይተንክዮ። ሓደ ትምህርቲ ኸተቕርብ ክትዳሎ ኸለኻ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ መልእኽቲ ብዕምቈት ሕሰበሉ። ነቲ ትምህርቲ ኣጸቢቕካ ፍለጦ፣ በዚ ኸምዚ ኻብ ልቢ ኽትዛረብ ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ሰማዕትኻ ሕሰብ። እቲ እተንብቦ ወይ እትምህሮ ሓበሬታ ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚጠቕሞም ኣስተንትን። ሰማዕትኻ ነቲ ሓበሬታ እቲ ዘለዎም ግንዛበ ብዜስፍሕ መገዲ ኸተቕርብ ጽዓር።
ንኣቀራርባኻ ህያው ግበሮ። ብቕንኣት ተዛረብ። ስምዒትካ ንምንጽብራቕ ባህርያዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ካብ ልቢ ዝነቐለ ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጽን ተጠቐም።