ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 47 ገጽ 118-ገጽ 119 ሕ.ጽ. 6
  • ሓንቲ ጓል ተንስአት!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓንቲ ጓል ተንስአት!
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓዘን ናብ ዓቢ ሓጐስ ተለወጠ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ምዉታት የተንስእ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ካብ ሞት ክንትንስእ ንኽእል ኢና!
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 47 ገጽ 118-ገጽ 119 ሕ.ጽ. 6
የሱስ ንጓል ያኢሮስ የተንስኣ

ምዕራፍ 47

ሓንቲ ጓል ተንስአት!

ማቴዎስ 9:18, 23-26 ማርቆስ 5:22-24, 35-43 ሉቃስ 8:40-42, 49-56

  • የሱስ ንጓል ያኢሮስ ኣተንስኣ

ያኢሮስ፡ እታ ደም ዚፈስሳ ዝነበረ ሰበይቲ ከም ዝሓወየት ምስ ረኣየ፡ “ክሳዕ ሕጂ፡ ጓለይ ሞይታ ኽትከውን ኣለዋ” ኢሉ ይሓስብ እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ ብርግጽ ኪሕግዛ ኸም ዚኽእል ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 9:18) እሞኸ ብኣጋኡ ይሕግዛ ደዀን ይኸውን፧

የሱስ ገና ምስታ ዘሕወያ ሰበይቲ ኺዛረብ ከሎ፡ ገለ ሰባት መጺኦም ንያኢሮስ “ጓልካ ሞይታ” ኢሎም ኣርድእዎ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፡ “ደጊምከ ንመምህር ስለምንታይ ተድክሞ፧” በልዎ።—ማርቆስ 5:35።

እዚ ሕርር ኵምትር ዜብል መርድእ እዩ ነይሩ! እዚ ኣብቲ ማሕበረሰብ ኣጸቢቑ ዚኽበር ሰብኣይ፡ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ሓንቲ ጓሉ እያ ሞይታቶ። የሱስ ግና፡ እዚ ዘረባ እዚ ኺዛረቡ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ያኢሮስ ግልጽ ብምባል፡ “ኣይትፍራህ፡ እመን ጥራይ” ኢሉ ኣጸናንዖ።—ማርቆስ 5:36።

ሰባት ኣብ ጥቓ ሬሳ ጓል ያኢሮስ የልቅሱ

ድሕሪኡ፡ የሱስ ምስ ያኢሮስ ናብ ቤቱ ኸደ። ምስ በጽሑ፡ ብዙሕ ጫውጫውታ ጸንሖም። እቶም ኣብኡ እተኣከቡ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ደረቶም ይወቕዑን ነበሩ። የሱስ ከኣ ናብ ውሽጢ ኣትዩ፡ “እዛ ቘልዓ ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን” ኢሉ ዜደንጹ ዘረባ ተዛረበ። (ማርቆስ 5:39) እቶም ሰባት እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንየሱስ ሰሓቕዎ። ምኽንያቱ፡ እታ ጓል ብሓቂ ኸም ዝሞተት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ከምቲ ንሰባት ካብ ዓሚቝ ድቃስ ምትንሳእ ቀሊል ዝዀነ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦም ከም ዚኽእል ኬርእዮም ሓሲቡ ነበረ።

ሽዑ፡ የሱስ ብዘይካ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ንኣቦን ንኣደን እታ ዝሞተት ቈልዓን፡ ንዝተረፉ ዅሎም ካብ ቤት ኣውጽኦም። ንሓሙሽቲኦም ተማሊኡ ድማ ናብቲ እታ ጓል ዝነበረቶ ኣተወ። ብኢዳ ሒዙ ድማ፡ “‘ጣሊታ ቁሚ’ በላ፣ ትርጉሙ ኸኣ፡ ‘ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ እብለኪ ኣለኹ’ እዩ።” (ማርቆስ 5:41) ንሳ ኸኣ ብኡብኡ ተንሲኣ ተዛወረት። ያኢሮስን ሰበይቱን ክሳዕ ክንደይ ብታሕጓስ ፍንጭሕ ከም ዝበሉ እሞ ገምቶ! እታ ጓል ብሓቂ ህያው ከም ዝዀነት መርትዖ ምእንቲ ኪዀኖም፡ የሱስ ዚብላዕ ኪህብዋ ነገሮም።

የሱስ ኣቐዲሙ ነቶም ዘሕወዮም፡ እቲ ዝገበረሎም ከየውርዩ ይነግሮም ነይሩ እዩ፣ ንወለዲ እታ ጓል እውን ከምኡ እዩ ኢልዎም። ይኹን እምበር፡ እቶም ደስ ዝበሎም ወለድን ካልኦት ሰባትን ነቲ ወረ “ኣብ ኵሉ እቲ ዞባ” ዘርግሕዎ። (ማቴዎስ 9:26) እትፈትዎ ሰብ ካብ ምዉታት ኪትንስእ እንተ ትርእስ፡ ብዛዕባኡ ተሓጒስካዶ ኣይመውረኻን፧ እዚ ተኣምር እዚ፡ ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንሳኤታት፡ ካልኣይ እዩ ነይሩ።

  • ንያኢሮስ እንታይ መርድእ እዩ ዝመጾ፧ የሱስከ ብኸመይ ኣጸናንዖ፧

  • የሱስን ያኢሮስን ኣብ ቤት ያኢሮስ ምስ በጽሑ፡ እቲ ዅነታት ከመይ ጸንሖም፧

  • የሱስ፡ እታ ዝሞተት ቈልዓ ኸም ዝደቀሰት እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ