ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ—ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018 | ቍ. 1
    • ሓገዝ ረኺባ እያ። ኣብተን ዚስዕባ ሰለስተ ዓንቀጻት ከም እንርእዮ፡ ብዙሓት ካልኦት እውን ጸገማቶም ንምፍታሕ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓልዎ ብዜደንቕ መገዲ ሓጊዝዎም እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ ሓወልቲ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ። ካብቲ ዚበልን ግዜ ዚሓልፎን ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍቲ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ከምዚ ዝዀነ ግና፡ ብፍሉይ መገዲ ስለ እተዳለወ ደዀን ይኸውን፧ ብሓቂዶ ሓሳባት ሰብ ዘይኰነስ፡ ሓሳባት ኣምላኽ ዝሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧—1 ተሰሎንቄ 2:13።

      ንስኻ እውን ህይወት ሓጻርን ጸገማት ዝመልኣን ኰይና ረኺብካያ ትኸውን። ጸገማት ኪዕብልለካ ኸሎ፡ ካበይ ኢኻ ምጽንናዕን ደገፍን ዜተኣማምን ምኽርን ክትረክብ እትጽዕር፧

      መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ብግብሪ ኺጠቕመካ ዚኽእለሉ ሰለስተ ቐንዲ መገዲ እስከ ንርአ፦

      1. ብእተኻእለ መጠን ብኸመይ ካብ ጸገማት ከም እትርሕቕ።

      2. ጸገማት ኪልዓል ከሎ ብኸመይ ከም እትፈትሖ።

      3. ክትቅይሮ ንዘይትኽእል ኵነታት ብኸመይ ብዓወት ከም እትዋጽኣሉ።

      እዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት ብዛዕባ እዚ ሰለስተ መዳያት እዚ ኺገልጻ እየን።

  • ግዜኡ ዝሓለፎዶ ወይስ ቅድሚ ግዜኡ ዜፍልጥ፧
    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018 | ቍ. 1
    • መድሃኒት

      መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕክምና መምሃሪ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ልዑል ፍልጠት ጥዕና ዜንጸባርቕ ስርዓታት ሒዙ ኣሎ።

      ንሕሙማት ምውሻብ።

      ሕጊ ሙሴ፡ ሕማም ደዌ ዘለዎም ሰባት ካብ ካልኦት ኪፍለዩ ይእዝዝ ነበረ። ሓካይም ነዚ ሎሚ እውን ውጽኢታዊ ዝዀነ ስርዓት እዚ ኺዓይዩሉ ዝጀመሩ ግና፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን ለብዒ ምስ ኣጋጠመ እዩ።—ዘሌዋውያን ምዕራፋት 13ን 14ን።

      ሬሳ ድሕሪ ምትንካይ፡ ኢድካ ምሕጻብ።

      ክሳዕ መወዳእታ 19 ዘመን፡ ሓካይም ሬሳ ሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኢዶም ከይተሓጽቡ ሕሙማት ይሕክሙ ነበሩ። ብሰሪ እዚ ልምዲ እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ሞቱ። ሕጊ ሙሴ ግና ሬሳ ዝተንከየ ዘበለ ሰብ ከም ዚረክስ ይገልጽ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ሰብ ማይ ብምሕጻብ ኪነጽህ ይእዝዝ ነበረ። እዚ ሃይማኖታዊ ልምዲ እዚ ጥዕናዊ ረብሓታት እውን ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን እዩ።—ዘሁልቍ 19:11, 19።

      ምውጋድ ቀልቀል።

      በብዓመቱ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ቈልዑ ብሰንኪ ውጽኣት ይሞቱ እዮም፣ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ኸኣ ብግቡእ ንዘይተወገደ ቐልቀል ሰብ ስለ ዚቃልዑ እዩ። ሕጊ ሙሴ ግና ቀልቀል ሰብ፡ ሰባት ካብ ዚነብሩሉ ሰፈር ኣብ ዝረሓቐ ቦታ ኺውገድን ኪቕበርን ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ እዩ።—ዘዳግም 23:13።

      ሕጻን ዚግዘረሉ ግዜ።

      ሕጊ ኣምላኽ፡ ወዲ ምስ ተወልደ ኣብ ሻምነይቲ መዓልቱ ኺግዘር ይእዝዝ ነበረ። (ዘሌዋውያን 12:3) ገና ኣብ እተወልዱ ሕጻናት፡ ደም ብንቡር ደረጃ ኺረግእ ዚጅምር፡ ድሕሪ እታ ቐዳመይቲ ሰሙን ከም ዝዀነ እዩ ዚእመን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ኣብቲ ምዕቡል ሕክምና ዘይነበረሉ ግዜ፡ ሕጻን ንምግዛር ልዕሊ ሰሙን ምጽባይ፡ ጥበባውን ዕቝባ ዚኸውንን እዩ ነይሩ።

      ኣብ መንጎ ስምዒታዊ ጥዕናን ኣካላዊ ጥዕናን ዘሎ ምትእስሳር።

      ተመራመርቲ ሕክምናን ስነ ፍልጠትን፡ ከም ሓጐስን ተስፋን ሞሳን ይቕረ ምባልን ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ባህርያት፡ እተወሰነ ጥዕናዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ይገልጹ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፣ ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ” ይብል።—ምሳሌ 17:22።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ