መጽናዕቲ 10
ምልውዋጥ ድምጺ
ምሳሌ 8:4, 7
ጽማቝ ሓሳባት፦ መጠንን ቃናን ፍጥነትን ድምጽኻ ብምልውዋጥ፡ ሓሳባት ብንጹር ኣመሓላልፍ፡ ስምዒት እውን ኣለዓዕል።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
መጠን ድምጽኻ ቐያይር። ቀንዲ ነጥብታት ንምጕላሕን ንሰማዕትኻ ንምልዕዓልን መጠን ድምጽኻ ወስኽ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍርድታት ከተንብብ ከለኻ እውን፡ ከምኡ ግበር። ትጽቢት ንምፍጣር፡ ወይ ድማ ፍርሂ ወይ ጭንቀት ንምግላጽ፡ መጠን ድምጽኻ ነኪ።
ቃና ድምጽኻ ቐያይር። ኣብ ቋንቋኻ ግቡእ እንተ ዀይኑ፡ ውዕዉዕ ስምዒት፡ ዓቐን፡ ወይ ርሕቀት ንምግላጽ፡ ቃና ድምጽኻ ኣቕጥኖ። ሓዘን ወይ ጭንቀት ንምግላጽ፡ ቃና ድምጽኻ ኣርጕዶ።
ፍጥነት ድምጽኻ ቐያይር። ውዕዉዕ ስምዒት ንምግላጽ ብፍጥነት ተዛረብ። ኣገዳሲ ነጥብታት ንምግላጽ ፍጥነት ነኪኻ ተዛረብ።