መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
3-9 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መሳፍንቲ 15-16
“ጥልመት ፍንፉን ተግባር እዩ”
ጥልመት—ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ምልክት
4 ፈለማ፡ ብዛዕባ እታ መታለሊት ዝነበረት ደሊላ እስከ ንርአ። እቲ ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ዝነበረ ሲምሶን ንደሊላ ኣፍቀራ። ሲምሶን ኣብቲ እዋን እቲ፡ ምእንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኢሉ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋጋእ ነበረ። ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ደሊላ ንሲምሶን ካብ ልባ ኸም ዘይተፍቅሮ ስለ ዝፈለጡ እዮም ኪዀኑ ዚኽእሉ፡ ምስጢር ሓይሊ ሲምሶን ንኽትነግሮም እሞ ንኪቐትልዎ ኢሎም፡ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚህብዋ ተመባጽዑላ። እታ ብፍልስጥኤማውያን እተዓስበት ደሊላ ድማ፡ በቲ ዝበልዋ ተሰማምዐት፣ ኰይኑ ግና፡ ሰለስተ ሳዕ እኳ እንተ ፈተነት፡ ንምስጢር ሓይሊ ሲምሶን ክትፈልጦ ኣይከኣለትን። ይኹን እምበር፡ “ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ላሕ ምስ ኣበለቶን ምስ ኣሰቀየቶን፡ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።” ሽዑ፡ ጸጕሩ ተላጽዩ ኸም ዘይፈልጥ፡ እንተ ተላጽዩ ድማ ሓይሉ ኻብኡ ኸም ዚኸይድ ነገራ። ደሊላ ነዚ ምስ ፈለጠት፡ ንሲምሶን ኣብ ኣብራኻ ኣደቂሳ ንጸጕሩ ኣላጸየቶ፣ ዝደለይዎ ምእንቲ ኺገብርዎ ድማ፡ ናብ ጸላእቱ ኣሕሊፋ ሃበቶ። (መሳ. 16:4, 5, 15-21) ከመይ ዝበለ ኽፉእ ተግባር ኰን እያ ገይራ! ብሰሪ ስስዐ፡ ነቲ ዜፍቅራ ሰብኣይ ጠለመቶ።
ካብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ዚጐልሕ ነጥብታት
14:16, 17፣ 16:16 ብብኽያትን ኛኽ ብምባልን ጸቕጢ ምግባር ንርክብ ኬበላሽዎ ይኽእል።—ምሳሌ 19:13፣ 21:19
ጥልመት—ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዚሕብር ምልክት
15 ሰብ ሓዳር ንመጻምድቶም እሙናት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ቃል ኣምላኽ፡ “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ፡” ከምኡውን “ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጐስ ንበር” ይብል፣ እዚ ሓሳባት እዚ፡ ንሰበይቲ እውን ዚምልከት እዩ። (ምሳ. 5:18፣ መክ. 9:9) ሰብ ሓዳር ብዕድመ እናደፍኡ ኣብ ዚኸዱሉ እዋን፡ ኣካላውን ስምዒታውን ‘ርክቦም ንምድልዳል ኪጽዕሩ ኣለዎም።’ ስለዚ፡ ንሓድሕዶም ግቡእ ቈላሕታ ኺገብሩን ሓቢሮም ግዜ ኼሕልፉን ንሓድሕዶም ብዝያዳ ኺቀራረቡን ኣለዎም። ንሓዳሮምን ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብን ኣብ ምዕቃብ ኬተኵሩ ኣለዎም። ኣብዚ መዳይ እዚ ዕዉታት ንኪዀኑ ድማ፡ ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ፡ ብሓባር ናብ ኣገልግሎት ኪኸዱ፡ ከምኡውን የሆዋ ምእንቲ ኺባርኾም ብሓባር ኪጽልዩ ኣለዎም።
ንየሆዋ እሙን ኩን
16 ‘ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ ኣሕሚምካ እተገንሑ’ ኸቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣለዉ። (ቲቶ. 1:13) ገሊኣቶም ብምኽንያት ኣኻይዳኦም ተወጊዶም እዮም። “ነቶም ዝለመድዎ፡” ማለት ነቶም ብእኡ ዝሓለፉ፡ እቲ ዚወሃቦም ተግሳጽ ብመንፈስ ንኺጥዕዩ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። (እብ. 12:11) እተወገደ ዘመድ ወይ ፈታዊ እንተ ኣልዩናኸ፧ ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ ነቲ ሰብ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ይፍተን እዩ። የሆዋ ነቲ ምስ ዝዀነ ይኹን ውጉድ ከይንራኸብ ዝሃበና ትእዛዝ ነኽብሮ እንተ ዄንና ይርኢ እዩ።—1 ቈረንቶስ 5:11-13 ኣንብብ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ሲምሶን ብሓይሊ የሆዋ ተዓወተ!
ሲምሶን ምስ ፍልስጥኤማውያን ንምቅላስ ዝነበሮ ዕላማ ንምፍጻም ቈሪጹ እዩ ተላዒሉ። ኣብ ጋዛ ኣብ ቤት ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዝሓደረ፡ ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ ንኺቃለስ ኢሉ እዩ። ሲምሶን ኣብ ጸላእቲ ዚነብሩላ ኸተማ ኺሓድር ደለየ፡ ኣብ ቤት ኣመንዝራ ኸኣ እዩ መሕደሪ ዝረኸበ። ናብኣ ዝኣተወ ርኹስ ተግባር ኪፍጸም ደልዩ ኣይኰነን። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ ካብ ቤት እታ ሰበይቲ ወጺኡ፡ መዓጹ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱ መንቈሶ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዚርከብ 60 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ከረን ድማ ኣደየቦ። እዚ ብሓይልን ስምረትን ኣምላኽ እዩ ገይርዎ።—መሳፍንቲ 16:1-3
10-16 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መሳፍንቲ 17-19
“ንሕጊ ኣምላኽ ዘይምእዛዝ ጸገማት የስዕብ”
it-2 390-391
ሚካ
1. ኣብ ኤፍሬም ዚነብር ዝነበረ ሰብኣይ። ሚካ ኻብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ነታ ሻምነይቲ ብምጥሓስ (ዘጸ 20:15)፡ 1,100 ብሩር ካብ ኣዲኡ ወሰደ። ኣበሳኡ ተናዚዙ ምስ መለሰላ፡ ንሳ፡ “እዚ ብሩር እዚ፡ ንወደይ ጽሩብ ምስልን ፍሱስ ምስልን ምእንቲ ኺስርሓሉ፡ ካብ ኢደይ ብርግጽ ንየሆዋ ክቕድሶ እየ። ሕጂ ድማ ክመልሰልካ እየ” በለት። ድሕሪኡ፡ 200 ብሩር ወሲዳ ንኣንጠረኛ ሃበቶ፣ ንሱ ኸኣ “ጽሩብ ምስልን ፍሱስ ምስልን” ገበረ፣ ነዚ እውን ኣብ ቤት ሚካ ኣንበርዎ። ሚካ “ቤት ኣማልኽቲ” ነበሮ፣ ኤፎድን ተራፊምን ከኣ ገበረ። ንሓደ ኻብ ደቁ ድማ ካህኑ ኪኸውን ሸሞ። እዚ ተግባሩ እዚ ንየሆዋ ዜኽብር ዚመስል እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ዚኽልክል ትእዛዝ ዚጥሕስ ብምንባሩ ግና ከቢድ ኣበሳ እዩ ነይሩ (ዘጸ 20:4-6)፣ ንማሕደር የሆዋን ንኽህነቱን ዕሽሽ ዚብል እውን እዩ ነይሩ። (መሳ 17:1-6፣ ዘዳ 12:1-14) ድሕርዚ፡ ሚካ ነቲ ሌዋዊ ዝዀነ መንእሰይ ዝነበረ ዮናታን ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ካህን ኪዀኖ ኣብ ቤቱ ኣንበሮ። (መሳ 18:4, 30) ሚካ በዚ ዕግበት ስለ እተሰምዖ፡ “የሆዋ ጽቡቕ ከም ዚገብረለይ ሕጂ ፈለጥኩ” በለ። (መሳ 17:7-13) ዮናታን ግና ካብ ወለዶ ኣሮን ኣይኰነን ነይሩ፣ ስለዚ ድማ፡ ንኣገልግሎት ክህነት ዚበቅዕ ኣይነበረን፣ እዚ ተግባር እዚ፡ ንስሕተት ሚካ ዚውስኸሉ ጥራይ እዩ ነይሩ።—ዘሁ 3:10።
it-2 391 ¶2
ሚካ
ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሚካን ጐረባብቱን ደድሕሪ ዳናውያን ሰዓቡ። ምስ ኣርከብዎም እሞ፡ ንሳቶም ንሚካ እንታይ ከም ዝደለየ ምስ ሓተትዎ፡ “ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይ ወሲድኩምዎም፡ ነቲ ኻህን እውን ወሲድኩምዎ። እንታይዶ ኣትሪፍኩምለይ ኢኹም፧” በሎም። ሽዑ፡ እቶም ዳናውያን ካብ ምስዓቦም እንተ ዘይተመሊሱን መረረኡ እንተ ዘይሓዲጉን ኬጥቅዕዎ ኸም ዚኽእሉ ኣጠንቀቕዎ። ንሱ ድማ ካብኡ ኸም ዚሕይሉ ምስ ረኣየ፡ ናብ ቤቱ ተመልሰ። (መሳ 18:22-26) ድሕርዚ፡ እቶም ዳናውያን ንላይሽ ብሰይፊ ወቒዖም ብሓዊ ኣንደድዋ፣ ኣብቲ ቦታ እውን ከተማ ዳን ሰርሑ። ዮናታንን ደቁን ከኣ ንዳናውያን ካህናቶም ኰኑ፣ “ነቲ ሚካ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ድማ ኣቘምዎ፣ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ሺሎ ኣብ ዝነበረትሉ ዅሉ መዓልትታት ከኣ ኣብኡ ነበረ።”—መሳ 18:27-31።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ህያው ትርጉም ቃል ኣምላኽ
6 ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዕቀብ ከም ዘለዎ ዚድግፍ መርትዖታት እናነከየ ዘይኰነስ፡ እናወሰኸ እዩ ኸይዱ። ኣብቲ ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ እቲ ስም እቲ 7,216 ሳዕ ይርከብ፣ እዚ ድማ ካብቲ ብ1984 ዝወጸ ሕታም ብ6 ይዛይድ። ካብዚ እዚ ስም ዚርከበሉ ተወሳኺ ሽዱሽተ ቦታታት፡ እቲ ሓሙሽተ ኣብ 1 ሳሙኤል 2:25፣ 6:3፣ 10:26፣ 23:14, 16 ይርከብ። ኣብዚ ቦታታት እዚ ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ እተመልሰሉ ምኽንያት፡ እቲ ንጽሑፍ እብራይስጢ ማሶራውያን ብ1,000 ዓመት ዚቕድሞ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ፡ ኣብዘን ፍቕድታት እዚአን ነቲ ስም ሒዙ ስለ እተረኽበ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት እተገብረ ተወሳኺ መጽናዕቲ፡ ኣብ መሳፍንቲ 19:18 ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ ተመሊሱ ኣሎ።
17-23 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መሳፍንቲ 20-21
“ንየሆዋ ብቐጻሊ ሕተቶ”
በዳሂ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ከም ፊንሃስ ክትከውን ትኽእልዶ፧
እቶም ካብ ነገድ ብንያም ዝዀኑ ሰብ ጊብዓ፡ ንሰበይቲ ወሰን ሓደ ሌዋዊ ብዜስካሕክሕ መገዲ ዓሚጾም ምስ ቀተልዋ፡ እቶም ካልኦት ነገዳት ምስ ብንያማውያን ንኺዋግኡ ተሰለፉ። (መሳ. 20:1-11) ውግእ ቅድሚ ምኽፋቶም ናብ የሆዋ እኳ እንተ ጸለዩ፡ ክልተ ግዜ ተሳዕሩ፡ ብዙሓት ድማ ተቐትልዎም። (መሳ. 20:14-25) ድሕርዚ፡ ጸሎቶም ከንቱ ዝነበረ ዀይኑ ድዩ ተሰሚዕዎም፧ የሆዋ በቲ እተገብረ በደል ተላዒሎም ንዝወሰድዎ ስጕምቲ ኽርኢ ብሓቂዶ ተገዳስነት ነይርዎ እዩ፧
በዳሂ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ከም ፊንሃስ ክትከውን ትኽእልዶ፧
ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ኣብ ጉባኤ ገለ ሽግር ኬጋጥም ከሎ፡ ሽማግለታት ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ ተጊሆም ዚጽዕሩን ዚጽልዩን እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ሽግር ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ሽማግለታት ነቲ የሱስ፡ “ለምኑ [ወይ ጸልዩ] ኺውሀበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኺዝክሩ ኣለዎም። (ሉቃ. 11:9) መልሲ ጸሎቶም ዝደንጐየ መሲሉ ኺስምዖም ከሎ እውን ከይተረፈ፡ የሆዋ ኣብ ግዜኡ ምላሽ ከም ዚህበሉ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ትፈልጥዶ፧
ብግዜ ጥንቲ፡ ሰባት ብወንጭፍ ገይሮም ዚዋግኡ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧
ዳዊት ንጎልያድ ንምቕታል ብወንጭፍ እዩ ተጠቒሙ። ንኣጠቓቕማ ወንጭፍ ኪመሃሮ ዝኸኣለ ድማ፡ ጓሳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ሳሙኤል 17:40-50።
ኣብ ስነ ጥበብ ጥንታውያን ግብጻውያንን ኣሶራውያንን፡ ስእሊ ወንጭፍ ይርከብ እዩ። እዚ መሳርያ እዚ፡ ብቘርበት ወይ ብዓለባ እተሰርሐ ዓውዲ ወንጭፍ ዘለዎ፡ ኣብ ክልቲኡ ጫፉ ድማ ምራን ወይ ገመድ እተኣስሮ እዩ። እቲ ነታ ወንጭፍ ዚጥቀመላ ሰብ፡ ካብ 5 ኽሳዕ 7.5 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓተን፡ 250 ግራም ድማ ዝኽብደተን ልሙጻት ወይ ከበብቲ ኣእማን ኣብ ቍርባበሻኡ የቐምጥ። ድሕሪኡ፡ ኣብታ ዓውዲ ወንጭፍ እምኒ ይገብር እሞ፡ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ልዕሊ ርእሱ ብምዛር ብሓይሊ ይውንጭፋ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ እተገብረ ዅዕታ፡ ሰባት ብግዜ ጥንቲ ንውግእ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ብዙሕ ኣእማን ወንጭፍ ተረኺቡ እዩ። ክኢላታት ተዋጋእቲ፡ ንሓንቲ እምኒ ኣብ ሰዓት ካብ 160 ክሳዕ 240 ኪሎ ሜተር ብዚበጽሕ ፍጥነት ይውንጭፍዋ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ምሁራት ብዛዕባ እቲ ወንጭፍን ቀስትን ኪበጽሖ ዚኽእል ርሕቀት ዘይሰማምዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ወንጭፍ ልክዕ ከም ቀስቲ ሓደገኛ እዩ።—መሳፍንቲ 20:16።
24-30 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሩት 1-2
“ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ትሃሉኻ”
ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሆዋ ምሰሎም
5 እዛ ብንእስነታ መበለት ዝዀነት ሩት፡ ቤተ ሰባ ኣብ ሞኣብ እዮም ነይሮም። ናባታቶም እንተ ኸይዳ፡ ኣዲኣን ካልኦት ቤተ ሰባን ከም ዚቕበልዋን ዜድልያ ኸም ዜማልኡላን ክትሓስብ ትኽእል ነይራ እያ። ሞኣብ ከኣ ዓዳ እያ። እቲ ባህሊ ድማ ባህላ፡ እቲ ቛንቋ ኸኣ ቋንቛኣ፡ እቲ ህዝቢ እውን ህዝባ እዩ። ኣብ ቤት-ልሄም ከምዚ ዝበለ ሓለፋታት ከም እትረክብ ናእሚ ቓል ክትኣትወላ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ናእሚ ንሩት ኣብ ሞኣብ ክትጸንሕ እያ ምዒዳታ። ናእሚ ነታ ሰበይቲ ወዳ፡ ሰብኣይ ኰነ ቤት ከይትስእን እዩ ኣፍሪህዋ። እሞኸ ሩት እንታይ ገበረት፧ ኣብ ሞንጎኣን ኣብ መንጎ እታ “ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን” እተመልሰት ዖርጳን ዘሎ ፍልልይ እሞ ነስተብህል። (ሩት 1:9-15) ሩት ናብቶም ብህዝባ ዚምለኹ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኽትምለስ ደልያዶ፧ ኣይደለየትን።
ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውቲ የሆዋ ምሰሎም
6 ሩት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ሰብኣያ ወይ ካብ ናእሚ ፈሊጣ ዝነበረት እያ እትመስል። የሆዋ ኸም ኣማልኽቲ ሞኣብ ኣይኰነን። ሩት ንየሆዋ ኸተፍቅሮን ከተምልኾን ከም ዚግብኣ ፈሊጣ ነበረት። ፍልጠት ንበይኑ ግና እኹል ኣይኰነን። ሩት ውሳነ ኽትገብር ነበራ። ንየሆዋ ኣምላኻ ኪኸውን ትሓርዮ ደዀን ትኸውን፧ ሩት ብጥበብ ሓረየት። ንናእሚ ድማ፡ “ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ” በለታ። (ሩት 1:16) ሩት ንናእሚ ዝነበራ ፍቕሪ ልቢ ዚትንኪ እዩ፣ ንየሆዋ ዝነበራ ፍቕሪ ግና ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዓል መሬት ዝነበረ ቦኣዝ ንሩት፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ የሆዋ ጸግዒ ብምድላያ ንኢድዋ እዩ። (ሩት 2:12 ኣንብብ።) እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ ሓደ ንስሪ ንጫቚቱ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኼዕቍባ ኸሎ የዘኻኽረና ይኸውን። (መዝ. 36:7፣ 91:1-4) የሆዋ ንሩት ከምኡ እዩ ዀይኑላ። ስለቲ እምነታ ዓስባ ሂብዋ እዩ፣ ንውሳነኣ እትጥዓሰሉ ምኽንያት ድማ ከቶ ኣይነበራን።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ መጽሓፍ ሩት ዚጐልሕ ነጥብታት
1:13, 21—የሆዋ ንህይወት ናእሚ መራር ከም እትኸውንን ከም ዚኸፍኣን ገይሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ናእሚውን ንኣምላኽ ብዝዀነ ይኹን በደል ኣይከሰሰቶን። ነቲ ዘጋጠማ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ግን የሆዋ ይጻረራ ኸም ዘሎ ተሰምዓ። በዚ ኸኣ ተመረረትን እትገብሮ ሓርበታን። ብዘይካዚውን ኣብቲ ግዜ እቲ ፍረ ኸርሲ ኸም በረኸት ኣምላኽ ኪቝጸር ከሎ፡ መኻን ምዃን ድማ ከም መርገም ይቝጸር ነበረ። ናእሚ ደቂ ደቂ ስለ ዘይነበርዋን፡ ክልተ ደቃ እውን ስለ ዝሞትዋ፡ የሆዋ ኸም ዘዋረዳ ተሰምዓ።
31 ጥሪ–6 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሩት 3-4
“ጽቡቕ ስም ኣጥርን ዓቅብን”
“ደጊ ሰበይቲ”
እቲ ቦኣዝ ኪዛረብ ከሎ እተጠቕመሉ ልኡምን ህዱእን ቃና ድምጺ፡ ንሩት ኣጸናኒዕዋ ኪኸውን ኣለዎ። “ኣቲ ጓለይ፡ ንድኻታት ኰኑ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪ፡ ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ” በላ። (ሩት 3:10) እቲ ቦኣዝ ዝጠቐሶ “ቐዳማይ” ተግባር፡ ነቲ ሩት ምስ ናእሚ ናብ እስራኤል ብምምላስን ንዕኣ ብምክንኻንን ዘርኣየቶ ተኣማንነት ዝመልኦ ፍቕሪ ዜመልክት እዩ ነይሩ። እቲ “ዳሕራይ” ከኣ፡ ነቲ ሕጂ ዝገበረቶ ተግባር ዜመልክት እዩ ነይሩ። ቦኣዝ፡ ከም ሩት ዝበለት ጐርዞ፡ ብቐሊሉ ደድሕሪ ሃብታማት ኰኑ ድኻታት መንእሰያት ክትከይድ ትኽእል ከም ዝነበረት ገሊጹ ኣሎ። ሩት ግና፡ ንናእሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝሞተ ሰብኣይ ናእሚ እውን እንተ ዀነ ሰናይ ክትገብር እያ እትደሊ ነይራ፣ እወ፡ ስም ኤሊሜሌክ ኣብ ዓዱ ኸም ዚቕጽል ክትገብር እያ እትደሊ ነይራ። ቦኣዝ በቲ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዚንጸባረቖ ተግባር ሩት እንተ ተደነቐ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
“ደጊ ሰበይቲ”
ሩት ነቲ ቦኣዝ ዝበላ ነገራት ክትሓስበሉ ኸላ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኵሉ ሰብ ከም “ደጊ ሰበይቲ” ኸም እትፍለጥ ምስ ሓበራ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሳ ኽትከውን ኣለዋ! ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ስም ኪህልዋ ዝኸኣለ፡ ብምኽንያት እቲ ብዛዕባ የሆዋ ኽትፈልጥን ንዕኡ ኸተገልግልን ዝነበራ ህንጥዮት ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ንናእሚ ንኽትልውሃላን ንኽትርሕርሓላን ኢላ ንዘይትፈልጦ ባህልን ልምድታትን ክትቅበል ፍቓደኛ ዀይና እያ። ንሕና እውን ኣስኣሰር እታ ሩት ዝነበረታ እምነት እንተ ስዒብና፡ ንኻልኦት ሰባት ባህሎምን ልምዶምን ከነኽብረሎም ኢና። ከምኡ እንተ ጌርና ድማ፡ ደግታት ክንከውንን ጽቡቕ ስም ከነጥርን ኢና።
“ደጊ ሰበይቲ”
ቦኣዝ ንሩት ተመርዓዋ። ድሕሪኡ፡ “እግዚኣብሄር . . . ጥንሲ ሀባ፡ ወዲውን ወለደት።” ኣንስቲ ቤት-ልሄም ድማ ንናእሚ ወደሳኣ፣ ሩት ንናእሚ ኻብ ሸውዓተ ወዲ ንላዕሊ ኸም እትበልጻ ብምዝራብ ድማ፡ ንሩት ነኣድኣ። ጸኒሑ፡ ወዲ ሩት ኣቦሓጎ ንጉስ ዳዊት ኰነ። (ሩት 4:11-22) ዳዊት ድማ ኣቦሓጎ የሱስ ክርስቶስ ኰነ።—ማቴዎስ 1:1።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ መጽሓፍ ሩት ዚጐልሕ ነጥብታት
4:6—ሓደ ወራሲ ብምብጃዉ ርስቱ ‘ኼበላሹ’ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ሓደ ዝደኸየ ሰብ ርስቱ እንተደኣ ሸይጡ፡ እቲ ዚብጀዎ ዘመዱ በቲ ኽሳዕ እታ ዓመት እልልታ ዘሎ ግዜ ተጸብጺቡ ዚሽነን ዋጋ ንምኽፋል ገንዘብ ኬውጽእ ነበሮ። (ዘሌዋውያን 25:25-27) ከምዚ ምግባሩ ንዋጋ ርስቱ የሕስረሉ ነበረ። ኣብ ልዕሊኡውን ሩት ወዲ እንተ ወሊዳ፡ እቲ ወዲ እቲ ደኣ እምበር ቀረባ ቤተሰብ እቲ ተበጃዊ ኣይኰነን ነቲ እተዓደገ መሬት ዚወርሶ።
7-13 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 1-2
“ንየሆዋ ልብኻ ብጸሎት ክፈተሉ”
ብጸሎት ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰት
12 ሃና ብጸሎት ዝመጸ፡ ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰናይ ኣብነት ሓዲጋትሎም እያ። የሆዋ ንህዝቡ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ውሉድ ንፈቃር ወላዲኡ ብዛዕባ ዜተሓሳስቦ ጕዳያት ብግልጺ ዚነግሮ፡ ዋላ ሓንቲ ኸይሓብኡ ልቦም ኣብ ቅድሚኡ ኼፍስሱ ጻውዒት የቕርበሎም እዩ። (መዝሙር 62:8፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17 ኣንብብ።) ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ ብዛዕባ እቲ ናብ የሆዋ ዚቐርብ ጸሎት ዚገልጽ ዜጸናንዕ ቃላት ጽሒፉ እዩ። “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ” ድማ በለ።—1 ጴጥ. 5:7።
ሃና ብኸመይ ሰላም ረኸበት፧
ካብዚ ታሪኽ እዚ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ብዛዕባ ዜጨንቐና ነገራት ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ እንታይ ይስምዓና ኸም ዘሎ ኽንገልጸሉን ልባዊ ልመና ኸነቕርብን ንኽእል ኢና። ነቲ ሽግር ንኽንፈትሖ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር እንተ ደኣ ዘየልዩ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ኽንገድፎ ኣሎና። ካብዚ ዝሓሸ መገዲ የለን።—ምሳሌ 3:5, 6
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት
2:10—ሃና ኣብ እስራኤል ሰብኣዊ ንጉስ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን የሆዋ “ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ” ብምባል ዝጸለየት ስለምንታይ እያ፧ እስራኤላውያን ሰብኣዊ ንጉስ ኪህልዎም ምዃኑ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ነይሩ። (ዘዳግም 17:14-18) ያእቆብ እውን ኪመውት ከሎ “ካብ ይሁዳ በትሪ [ምልክት ስልጣን] . . . ኣይዝምብልን” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 49:10) ብዘይካዚውን የሆዋ ብዛዕባ እታ ኣደ እስራኤላውያን ዝዀነት ሳራ “ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ነይሩ። (ዘፍጥረት 17:16) እምበኣር ሃና ብዛዕባ ናይ መጻኢ ንጉስ እያ እትጽሊ ነይራ።
14-20 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 3-5
“የሆዋ ሓላዪ እዩ”
ኵሉ ዚኽእል፡ ግናኸ ሓላዪ
3 ሳሙኤል ገና ንእሽቶ ኸሎ እዩ ‘ንየሆዋ ኼገልግሎ’ ጀሚሩ። (1 ሳሙ. 3:1) ሓደ ለይቲ፡ ሳሙኤል ምስ ደቀሰ፡ ፍልይ ዝበለ ነገር ኣጋጠመ። (1 ሳሙኤል 3:2-10 ኣንብብ።) ብስሙ ዚጽውዖ ድምጺ ሰምዐ። ሳሙኤል ከኣ ድምጺ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኤሊ ዚብሃል ሊቀ ኻህናት ስለ ዝመሰሎ፡ ብተኣዛዝነት ጐይዩ ናብኡ ኸይዱ፡ “ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እነኹ” በሎ። ኤሊ ድማ ከም ዘይጸውዖ ነገሮ። እዚ ነገር እዚ ኽልተ ሳዕ ምስ ተደጋገመ፡ ኣምላኽ ንሳሙኤል ይጽውዖ ኸም ዘሎ ኤሊ ኣስተውዓለ። ስለዚ፡ ንሳሙኤል እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልስ ነገሮ፣ ሳሙኤል ድማ ከምቲ እተባህሎ ገበረ። የሆዋ ንሳሙኤል ብመልኣኽ ኣቢሉ ኣብቲ ቐዳማይ ኣጋጣሚ መንነቱ ዘይገለጸሉ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር መልሲ ዘይህበና እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገራት ግና ንሳሙኤል ካብ ዘለዎ ሓልዮት ተላዒሉ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይእምተልና እዩ። ከመይ ጌርና ኸምኡ ንብል፧
ኵሉ ዚኽእል፡ ግናኸ ሓላዪ
4 ቀዳማይ ሳሙኤል 3:11-18 ኣንብብ። ቈልዑ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ንሹም ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ሕጊ የሆዋ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 22:28፣ ዘሌ. 19:32) ስለዚ፡ ምስ ነግሀ፡ ሳሙኤል ብትብዓት ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ እቲ ኣምላኽ ዝነገሮ ሓያል መልእኽቲ ፍርዲ ምንጋር ቀሊል ኣይነበረን። እቲ ዛንታ እውን፡ “ሳሙኤል ንኤሊ ብዛዕባ እቲ ራእይ ከይነግሮ ፈርሀ” እዩ ዚብል። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንኤሊ፡ ንሳሙኤል ይጽውዖ ኸም ዘሎ ንጹር ገበረሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኤሊ ንሳሙኤል ‘ካብ ኵሉ እቲ እተዛረበካ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይትሕብኣለይ’ በሎ። ሳሙኤል ከኣ ብተኣዛዝነት “ኵሉ ነገሮ።”
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት
3:3—ሳሙኤል ብሓቂ ኣብቲ ቕድስተ ቕዱሳን ድዩ ዚድቅስ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ሳሙኤል ካብቶም ካህናት ዘይኰኑ ቀሃታውያን ዚበሃሉ ሌዋውያን እዩ ነይሩ። (1 ዜና መዋእል 6:33-38) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ናብቲ ‘ቕዱስ ነገር ኪኣቱ’ ኣይተፈቕደሉን። (ዘሁልቍ 4:17-20) ሳሙኤል ኪኣትዎ ዚኽእል ዝነበረ ቦታ ኣጸድ እቲ ማሕደር ጥራይ እዩ። ኣብኡ ድማ እዩ ዚድቅስ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ኤሊ እውን እንተዀነ ኣብቲ ኣጸድ ዚሓድር ዝነበረ እዩ ዚመስል። እቲ “ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ” ዚብል መግለጺ ነቲ ማሕደር ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
21-27 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 6-8
“ንጉስኩም መን እዩ፧”
it-2 163 ¶1
መንግስቲ ኣምላኽ
ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም ሓተቱ። እስራኤላውያን ካብቲ ኻብ ግብጺ ዝወጹሉ ኣስታት 400 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ካብቲ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን ከኣ 800 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ከምቲ ኻልኦት ኣህዛብ ነገስታት ዝነበርዎም፡ ንሳቶም እውን ዚመርሖም ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም ሓተቱ። እዚ ሕቶኦም፡ ንንግስና የሆዋ ኸም ዝነዓቑ ዜርኢ እዩ ነይሩ። (1ሳሙ 8:4-8) ልክዕ እዩ፡ እቶም ህዝቢ ምስቲ ኣምላኽ ንኣብርሃምን ንያእቆብን ዝኣተዎ ቓል ብምስምማዕ፡ መንግስቲ ኽትቀውም ምጽባዮም ግቡእ እዩ ነይሩ። ነዚ መሰረት ዝዀኖም ተወሳኺ ነገራት ከኣ፡ እቲ ያእቆብ ኣብ ኣጋ ሙማቱ ብዛዕባ ይሁዳ እተነበዮ ትንቢት (ዘፍ 49:8-10)፡ እቲ የሆዋ ኻብ ግብጺ ምስ ወጹ እተዛረቦ ቓላት (ዘጸ 19:3-6)፡ እቲ ኣብ ኪዳን ሕጊ ዝሰፈረ ነገር (ዘዳ 17:14, 15)፡ ከምኡ እውን እቲ ኣምላኽ ንነብዪ በላዓም ከም ዚዛረብ ዝገበሮ መልእኽቲ (ዘሁ 24:2-7, 17) ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። እታ እምንቲ ዝነበረት ሃና ኣደ ሳሙኤል፡ ነዚ ተስፋ እዚ ኣብ ጸሎታ ጠቒሳቶ እያ። (1ሳሙ 2:7-10) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዚምልከት “ቅዱስ ምስጢር” ገና ምሉእ ብምሉእ ኣይገለጸን ነይሩ፣ እታ መንግስቲ መዓስ ከም እትቐውም፡ መዋቕራን ኣቃውማኣን ከመይ ከም ዚኸውን፡ ማለት ምድራዊት ድያ ኽትከውን ወይስ ሰማያዊት ኣይሓበረን ነይሩ። ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ ንጉስ ኪነግሶም ብምሕታቶም፡ ይዳፈሩ እዮም ነይሮም።
ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ጸንዐ
ሳሙኤል ብዛዕባ እዚ ምስ ጸለየ፡ የሆዋ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃቦ ኣስተብህል። የሆዋ፡ “ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዅሉ ቓሎም ስማዕ” በሎ። እዚ ንሳሙኤል ዜጸናንዕ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ልዑላዊ ኣምላኽ ምንዓቖም ግን ዓብዪ ጌጋ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም ምሕታቶም ብዙሕ ከም ዜኽፍሎም ብነብዪኡ ኣቢሉ ነገሮም። ሳሙኤል ከምቲ እተባህሎ እኳ እንተ ገበረ፡ ንሳቶም ግን፡ “ኣይፋል፡ . . . ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይኹን” ኢሎም ግዲ በሉ። ሳሙኤል ድማ ንኣምላኽ ተኣዚዙ፡ የሆዋ ዝሓረዮ ንጉስ ኣንገሰሎም።—1 ሳሙኤል 8:7-19።
ኣገዛዝኣ የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ተረጋጊጹ
9 እቲ የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቂ ምዃኑ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ እዩ። እስራኤላውያን ብሰብኣዊ ንጉስ ኪግዝኡ ምስ ጀመሩ፡ ብሕልፊ ኸኣ እቲ ንጉስ እሙን ኣብ ዘይኰነሉ እዋናት፡ ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም ነበረ። ንተመክሮ እስራኤላውያን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበረ ንየሆዋ ብዘይፈልጡ ሰባት ዚምራሕ መንግስትታት ነባሪ ዝዀነ ጽቡቕ ውጽኢት ኬምጽእ ዘይምኽኣሉ ዜገርም ኣይኰነን። ገሊኦም ፖለቲከኛታት፡ ሰላምን ጸጥታን ኬምጽኡ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ ኣምላኽ ኪባርኾም ይልምኑ እዮም፣ ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ነቶም ንኣገዛዝኣኡ ዘይቅበሉ ሰባት ከመይ ገይሩ እዩ ኺባርኾም፧—መዝ. 2:10-12።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ክትጥመቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ለውጢ ምግባር ቅድሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ምጥማቕና ኢዩ ክመጽእ ዘለዎ። እዚ ኸኣ ሓደ ንክርስቶስ የሱስ ክስዕብ ብምሉእ ልቡ ዝወሰነ ሰብ ፈትዩ ዝወስዶ ስጕምቲ ኢዩ። ነዚ ስጕምቲ እዚ ዝወስዱ ውልቀ-ሰባት ነቲ ቕድም ዝመላለሱሉ ዝነበሩ መገዲ ሓዲጎም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ነገር ንኽገብሩ ይውስኑ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተን ንለውጢ ምግባር ዘመልክታ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ምምላስ ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለወን። እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ካብ ግጉይ መገዲ ናብ ኣምላኽ ምምላስ ኢዩ ዘመልክት። (1 ነገስት 8:33, 34) ለውጢ “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ” ምግባር ዝሓትት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 26:20) ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ሓዲግና ምስ ትእዛዛት ኣምላኽ ክንመላለስን ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ክንህቦን ዝሓተና ኢዩ። (ዘዳግም 30:2, 8-10፣ 1 ሳሙኤል 7:3) እዚ ድማ ኣብ ኣተሓሳስባናን ሸቶታትናን ባህርያትናን ለውጢ ዘምጽእ ኢዩ። (ህዝቅኤል 18:31) ነቲ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ጠባያትና ብሓድሽ ሰብነት ምስ ተካእናዮ ኢና ‘እንምለስ።’—ግብሪ ሃዋርያት 3:19፣ ኤፌሶን 4:20-24፣ ቈሎሴ 3:5-14
28 ለካቲት–6 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 9-11
“ሳኦል ኣብ ፈለማ ትሑት እዩ ነይሩ”
ምስ ኣምላኽካ ብትሕትና ተመላለስ
11 ብዛዕባ ንጉስ ሳኦል እስከ ንሕሰብ። ኣብ ፈለማ፡ ትሑት መንእሰይ እዩ ነይሩ። ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፡ ተወሳኺ ሓላፍነት ንምቕባል እውን ተወላዊሉ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 9:21፣ 10:20-22) ጸኒሑ ግና፡ ተዳፋሪ ዀይኑ እዩ። ንጉስ ድሕሪ ምዃኑ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እዚ ሕማቕ ባህርይ እዚ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንነብዪ ሳሙኤል ኪጽበዮ ኸሎ ትዕግስቱ ወዲኡ እዩ። የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ኣብ ክንዲ ዚተኣማመን፡ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘይተፈቕደሉ ኽነሱ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕሪቡ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ሞገስ የሆዋ ኣጥፊኡ፡ ውዒሉ ሓዲሩ እውን ንግስነቱ ስኢኑ እዩ። (1 ሳሙ. 13:8-14) እዚ መለበሚ ኪዀነና ኣለዎ፣ ተዳፈርቲ ኽንከውን የብልናን።
ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዓቅብ
8 ሳኦል ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ጥቕሚ ርእስኻ ጥራይ ናይ ምትኳር መንፈስ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ መለበሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ትሑትን ዓቕሙ ዚፈልጥን እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 9:21) ገለ ኻብ እስራኤላውያን ብዛዕባ ንግስነቱ ሕማቕ ብምዝራብ ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦ ስልጣን እኳ እንተ ኣቃለልዎ፡ ኪቐጽዖም ኣይደለየን። (1 ሳሙ. 10:27) ብዘይካዚ፡ ንመምርሒ መንፈስ ቅዱስ ብምቕባል፡ ንእስራኤላውያን ምስ ዓሞናውያን ኣብ ዝገበርዎ ተኸታታሊ ውግእ መሪሕዎም እዩ። እቲ እተረኽበ ዓወት ካብ የሆዋ ኸም ዝዀነ ድማ ብትሕትና ተዛሪቡ እዩ።—1 ሳሙ. 11:6, 11-13።
ዓሞናውያን—ንሕያውነት ብጽልኢ ዝፈደዩ ህዝቢ
ዓሞናውያን እንደገና ንሕያውነት የሆዋ ብጽልኢ ፈደይዎ። የሆዋ ነዚ ሕሱም ምጕብዕባዕ እዚ ሸለል ኣይበሎን። “ሳኦል ድማ እዚ [ናይ ናሓሽ] ነገር እዚ ምስ ሰምዔ፡ መንፈስ ኣምላኽ ወረዶ፡ ኵራኡ ኸኣ ኣዝዩ ነደደ።” ሳኦል፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ብምዃን፡ 330,000 ተዋጋእቲ ሰብኡት ሓይሊ ጠርኒፉ ‘ኽልተ እኳ ብሓደ ዀይኖም ከይተረፉ ፋሕ ክሳዕ ዝብሉ’ ንዓሞናውያን ፈጺሙ ሰዓሮም።—1 ሳሙኤል 11:6, 11
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት
9:9—እቲ “እዚ ሎሚ ነብዪ ዚበሃል ዘሎ፡ ቀደም ረኣዪ ይበሀል ነበረ” ዚብል መግለጺ እንታይ ትርጕም ነበሮ፧ እዚ መግለጺ እዚ ብግዜ ሳሙኤልን ብግዜ ነገስታትን ነብያት እናበዝሑ ምስ ከዱ፡ እታ “ረኣዪ” እትብል ቃል ብ“ነብዪ” እትብል ቃል ከም እተተክአት እዩ ዚሕብር። ሳሙኤል ካብ ነብያት እቲ ናይ መጀመርታ ጌርካ እዩ ዚቝጸር።—ግብሪ ሃዋርያት 3:24