ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr22 መስከረም ገጽ 1-12
  • “መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን”
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 5-11 መስከረም
  • 12-18 መስከረም
  • 19-25 መስከረም
  • 26 መስከረም–2 ጥቅምቲ
  • 3-9 ጥቅምቲ
  • 10-16 ጥቅምቲ
  • 17-23 ጥቅምቲ
  • 24-30 ጥቅምቲ
  • 31 ጥቅምቲ–6 ሕዳር
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2022
mwbr22 መስከረም ገጽ 1-12

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

5-11 መስከረም

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 9-10

“ንየሆዋ ስለቲ ጥበቡ ወድሶ”

w99 1/7 30 ¶6

ብዙሕ ዓስቢ እተረኽበሉ ምብጻሕ

እታ ንግስቲ ምስ ሰሎሞን ምስ ተራኸበት “ብሕንቅሕንቅሊቶይ” ፈተነቶ። (1 ነገስት 10:1) እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል “ሕንቅሕንቅሊቶይ” ተባሂላ ክትርጐም ትኽእል ኢያ። እዚ ግን እታ ንግስቲ ምስ ሰሎሞን ዘይረብሕ ጸወታ ኢያ ተጻዊታ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዘገርም ኣብ መዝሙር 49:4 ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ሞት፡ ከምኡውን በጅነት ዝምልከት ከበድቲ ሕቶታት ንምሕታት እዛ ናይ እብራይስጢ ቃል እዚኣ ኢያ ኣትያ ዘላ። ስለዚ፡ ንግስቲ ሳባ ንዕምቈት ጥበብ ሰሎሞን ዝፍትን ከበድቲ ኣርእስትታት ዝሓዘ ጕዳይ ከም እተዘራረበት ርዱእ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ኣዛረበቶ” ይብል። ሰሎሞን ከኣ “ኵሉ ዘረባኣ ገለጸላ፡ ዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ ነገር ኣይነበረን።”—1 ነገስት 10:2ለ, 3

w99 1/11 20 ¶6

መንፈስ ልግሲ ክዓስል ከሎ

እታ ንግስቲ በቲ ዝሰምዓቶን ዝረኣየቶን ብምምሳጥ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ስምዒታ ገለጸት፦ “እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዚሰምዑ ገላዉኻ ብጹኣን እዮም።” (1 ነገስት 10:4-8) ገላዉ ሰሎሞን ብልጹግ ናብራ እኳ እንተ ነበሮም፡ እታ ንግስቲ ግን በዚ ምኽንያት እዚ ኣይኰነትን ብጹኣን ከም ዝዀኑ እተዛረበትሎም። ኣብ ክንድኡስ፡ ወርትግ ነቲ ኣምላኽ ንሰሎሞን ዝሃቦ ጥበብ ክሰምዑ ይኽእሉ ብምንባሮም ኢያ ከምኡ ዝበለት። ንግስቲ ሳባ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ በቲ ኻብ ፈጣርን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዝርከብ ጥበብ ዝረውዩ ህዝቢ የሆዋ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለት ሰናይ ኣብነት ኰን ኢያ!

w99 1/7 30-31

ብዙሕ ዓስቢ እተረኽበሉ ምብጻሕ

ንግስቲ ሳባ ብናይ ሰሎሞን ጥበብን ብናይ መንግስቱ ብልጽግናን ኣዝያ ስለ እተገረመት ‘ውኖኣ ተመሰጠ።’ (1 ነገስት 10:4, 5) ገሊኦም ነዛ ሓረግ እዚኣ እታ ንግስቲ “ሃህ ኢላ ተረፈት” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ ይብሉ ኢዮም። አረ ሓደ ምሁርስ ኣእምሮኣ ስሒታ ኢያ ዝብል ሓሳብ ሂቡ ኢዩ! በዚ ይኹን በቲ፡ እታ ንግስቲ በቲ ዝረኣየቶን ዝሰምዓቶን ነገር ተደኒቓ ኢያ። ንኣገልገልቲ ሰሎሞን ጥበብ ናይዚ ንጉስ ክሰምዑ ስለ ዝኽእሉ ሕጕሳት ኢዮም ኢላቶም ኢያ። ንሰሎሞን ኣብ ዝፋን ስለ ዘቐመጦ ኸኣ ንየሆዋ ባሪኻቶ ኢያ። ድሕርዚ ንንጉስ ክቡር ዝዋግኡ ህያብ ሃበቶ፡ እቲ ኣዋርቕ ጥራይ በዚ ናይ ሕጂ ዋጋ ክግመት ከሎ 40,000,000 ዶላር ኣቢሉ ይኸውን። ሰሎሞን እውን ነታ ንግስቲ “ዝለመነቶ ዘበለ ዅሉ ድላያ ሀባ።”—1 ነገስት 10:6-13

መንፈሳዊ ሃብቲ

w08 1/11 22 ¶4-6

ትፈልጥዶ፧

ንጉስ ሰሎሞን ክንደይ ዚኣክል ወርቂ ይውንን ነበረ፧

ሒራም ንጉስ ጢሮስ 4 ቶን ወርቂ ንሰሎሞን ከም ዝለኣኸሉ፡ ንግስቲ ሳባ ድማ ክንድኡ ዚኣክል ወርቂ ኸም ዝሃበቶ፡ ከምኡውን መራኽብ ሰሎሞን 15 ቶን ወርቂ ኻብ ኦፊር ከም ዘምጸኣ ቕዱሳት ጽሑፋት ይነግረና። እቲ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ፡ “ሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዚአትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት” ወይ ልዕሊ 25 ቶን እዩ ነይሩ። (1 ነገስት 9:14, 28፣ 10:10, 14) እዝስ ዚእመን ድዩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ነገስታት ክንደይ ዚኣክል ወርቂ ይእክቡ ነይሮም፧

ብምሁራት ሓቅነቱ እተረጋገጸ ጥንታዊ ጽሑፍ፡ ፈርኦን ግብጺ ዝነበረ ቱትሞሰ ሳልሳይ (ካልኣይ መዋእል ሽሕ ቅ.ክ.) ነቲ ኣብ ካርናክ ዚርከብ ቤተ-መቕደስ ኣሙን-ራ ኣስታት 13.5 ቶን ወርቂ ኸም ዝሃበ ይሕብር። ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ንጉስ ኣሶር ዝነበረ ቲግላት-ጲሌሰር ሳልሳይ ካብ ጢሮስ ልዕሊ 4 ቶን ወርቂ ግብሪ ተቐበለ፡ ሳርጎን ዳግማይ ድማ ክንድኡ ዚኣክል ወርቂ ንኣማልኽቲ ባቢሎን መባእ ሃቦም። ፊሊጶስ ዳግማይ ንጉስ መቄዶንያ (359-336 ቅ.ክ.) ካብቲ ኣብ ትሬስ ዝነበረ ናይ ፓንጌዩም መዐደኒ ቦታታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 28 ቶን ወርቂ ይዕድን ከም ዝነበረ ጸብጻባት ይሕብር።

እቲ ንፊልጶስ ወዱ ዝዀነ እስክንድር እቲ ዓብዪ (336-323 ቅ.ክ.) ነታ ርእሲ ኸተማ ግዝኣት ፋርስ ዝነበረት ሱሳ (ሱሳን) ምስ ሓዛ፡ ኣስታት 1,180 ቶን ዚግመት ወርቂ ኸም ዝወሰደ፡ ዳርጋ 7,000 ቶን ዚኸውን ድማ ካብ ምሉእ ፋርስ ከም ዝወሰደ ይዝረበሉ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ንጉስ ሰሎሞን ዝነበሮ ወርቂ፡ ምስዚ ጸብጻባት ኪነጻጸር ከሎ እተጋነነ ኣይኰነን።

12-18 መስከረም

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 11-12

“መጻምድትኻ ብጥበብ ምረጽ”

w18.07 18 ¶7

“ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝዀነ መን ኣሎ፧”

7 ካብ ንጉስ ሰሎሞን እውን ብዙሕ መለበሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ሰሎሞን መንእሰይ ከሎ፡ መምርሒ የሆዋ ይደሊ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ዓብዪ ጥበብ ሃቦ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣዝያ እተደንቕ ቤተ መቕደስ ኪሃንጽ እውን ሕድሪ ሃቦ። ይኹን እምበር፡ ሰሎሞን ምስ የሆዋ ዝነበሮ ዕርክነት ኣጥፊኡ እዩ። (1 ነገ. 3:12፣ 11:1, 2) ኣብ ሕጊ ኣምላኽ፡ ዝዀነ ይኹን እብራዊ ንጉስ “ልቡ ኸየላግስ . . . ንዕኡ ኣንስቲ ኣየብዝሕ” ዚብል ንጹር ትእዛዝ ተጻሒፉ ነበረ። (ዘዳ. 17:17) ሰሎሞን ግና ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣይሰዓበን፣ እኳ ደኣስ፡ 700 ኣንስቲ ኣእተወ። ካልኦት 300 ኣንስቲ ወሰን ከኣ ወሰኸ። (1 ነገ. 11:3) መብዛሕትአን፡ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኻ እስራኤላውያን ዘይኰነና ኣንስቲ እየን ነይረን። ስለዚ፡ ሰሎሞን ጓኖት ኣንስቲ ብምምርዓዉ ንሕጊ ኣምላኽ ኣይተኣዘዘን።—ዘዳ. 7:3, 4።

w19.01 15 ¶6

ንልብኻ ብኸመይ ትሕልዎ፧

6 ሰይጣን ከምኡ ኽንከውን እዩ ዚደልየና፣ እወ፡ ንመለክዒታት ኣምላኽ ዕሽሽ ዚብሉን ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዚደልዩን ዓለወኛታት ክንከውን እዩ ዚደልየና። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ኽንሓስብን ክንገብርን ኬገድደና ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ሸቶኡ ብኻልእ መገድታት እዩ ኺወቕዖ ዚጽዕር። ንኣብነት፡ ብብልሹዋት ሰባት ከም እንኽበብ ገይሩ ኣሎ። (1 ዮሃ. 5:19) ሕማቕ ዕርክነት ንኣተሓሳስባናን ንተግባርናን ከም ‘ዜበላሽዎ’ እናፈለጥና ምሳታቶም ግዜ ኸነሕልፍ ይደልየና እዩ። (1 ቈረ. 15:33) እዚ ስልቲ እዚ ኣብ ንጉስ ሰሎሞን ዓይዩ እዩ። ሰሎሞን ሓያሎ ኣረማውያን ኣንስቲ ኣእተወ፣ ንሳተን ድማ ውዒለን ሓዲረን “ሓያል ጽልዋ ኣሕደራሉ፡” “በብቝሩብ ልቡ ኣዘንበላኦ፡” ካብ የሆዋ ድማ ኣርሓቓኦ።—1 ነገ. 11:3፣ እ.ጽ.።

w18.07 19 ¶9

“ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዝዀነ መን ኣሎ፧”

9 ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንሓጢኣት ዕሽሽ ኢሉ ኣይሓልፎን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና፦ “የሆዋ ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ የሆዋ . . . ስለ ዝዘንበለ፡ ተቘጥዖ። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ፡ ማለት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይከይድ፡ ኣጠንቂቕዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና ነቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኣይሓለዎን።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሰሎሞን ሞገስን ደገፍን ኣምላኽ ሰኣነ። ዘርኢ ሰሎሞን ከኣ ንብምልእታ መንግስቲ እስራኤል ኪገዝኡ ኣይከኣሉን፣ ንነዊሕ ዘመናት እውን ብዙሕ ጸገማት ኣጋጠሞም።—1 ነገ. 11:9-13።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w18.06 14 ¶1-4

ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ምኸኣለ ነይሩ

ሮብዓም ምስቶም ዓለወኛታት ኪዋጋእ ሰራዊቱ ኣዕጠቐ። የሆዋ ግና ብነብዪ ሸማዕያ ኣቢሉ፡ “ምስ ኣሕዋትኩም እስራኤላውያን ክትዋግኡ ኣይትደይቡ። እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ” በሎም።—1 ነገ. 12:21-24።

እቲ ‘ኣይትዋጋእ’ ዚብል ትእዛዝ ንሮብዓም ክሳዕ ክንደይ ኣጨኒቕዎ ኸም ዝነበረ ኽትሓስቦ ትኽእል ኢኻ! እቲ ንተገዛእቱ “ብጭጕራፍ” ከም ዚቐጽዖም ዜፈራርህ ዝነበረ ንጉስ፡ ነዚ ዜሰምብድ ዕልወት እዚ ስቕ ኢሉ ምስ ዚርእዮ እቲ ህዝቢ ኸመይ ከም ዚስምዖ እሞ ሕሰቦ። (ምስ 2 ዜና መዋእል 13:7 ኣረኣኢ።) ይኹን እምበር፡ ንጉስን ሰራዊቱን “ቃል የሆዋ ተኣዚዞም፡ ከምቲ የሆዋ ዝነገሮም ናብ ቤቶም ተመልሱ።”

ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ንኣምላኽ ምእዛዝ ላግጺ ኼስዕበልና ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ከምኡ ምግባርና ጥበባዊ እዩ። ከመይሲ፡ ንኣምላኽ ምእዛዝ፡ ሞገሱን በረኸቱን ከም እንረክብ ይገብረና እዩ።—ዘዳ. 28:2።

ሮብዓም እንታይ ኣጋጠሞ፧ ንቓል ኣምላኽ ተኣዚዙ ምስቲ ሓድሽ እተመስረተ ህዝቢ ምውጋእ ሓደጎ። የግዳስ፡ ነተን ነጊሱለን ዝነበረ ኣብ ነገዳት ይሁዳን ብንያምን ዚርከባ ኸተማታት ኣብ ምስራሕ ኣተኰረ። ንሓያሎ ኸተማታት ከኣ፡ “ኣዝዩ . . . ኣጽንዐን።” (2 ዜና 11:5-12) ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ንእተወሰነ ግዜ ንሕግታት የሆዋ ስዒቡ እዩ። እታ ኣብ ትሕቲ የሮብዓም ዝነበረት ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል፡ ጣኦት ከተምልኽ ምስ ጀመረት፡ ብዙሓት ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ደው ብምባል ናብ የሩሳሌም ከይዶም “ንሮብዓም . . . ደገፍዎ።” (2 ዜና 11:16, 17) በዚ ኸምዚ፡ ሮብዓም ስለ እተኣዘዘ ንግስናኡ ጸኒዑሉ እዩ።

19-25 መስከረም

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 13-14

“ዕጉብን ትሑትን ክትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧”

w08 15/8 8 ¶4

ብሓደ ልቢ ተኣማንነትካ ሓሉ

4 ድሕሪኡ የሮብዓም ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ “ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ ብላዕ፡ ህያብውን ክህበካ እየ” በሎ። (1 ነገ. 13:7) እቲ ነብዪ እንታይ ኪገብር ነበሮ፧ ናብቲ ንጉስ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ድሕሪ ምብጻሑ፡ ነቲ ዘቕረበሉ እንግዶት ኪቕበሎ ግቡእ ድዩ፧ (መዝ. 119:113) ወይስ እቲ ንጉስ እተጣዕሰ እኳ እንተ መሰለ፡ ነቲ ዕድመ ኪነጽጎ ድዩ ነይርዎ፧ የሮብዓም ንፈተውቱ ኽቡር ህያባት ኪህብ ዚኽእል ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ንስጋዊ ነገራት ብስዉር ትምኒት ኣሕዲሩ እንተ ዚኸውን፡ እቲ ንጉስ ዘቕረበሉ ነገር ከቢድ ፈተና ኪዀኖ ይኽእል ነበረ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ ነብዪ፡ “እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ድማ ኣይትስተ፡ በታ ዝኸድካያ መገዲውን ኣይትመለስ” ኢሉ ኣዚዝዎ ነበረ። ስለዚ እቲ ነብዪ፡ “ፈረቓ ቤትካ እንተ ትህበኒ እኳ፡ ምሳኻስ ኣይአቱን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ እንጌራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን” ኢሉ ብዘየማትእ መገዲ መለሰሉ። ድሕሪኡ ኻብ ቤት-ኤል ብኻልእ መገዲ ኸደ። (1 ነገ. 13:8-10) እቲ ነብዪ ዝገበሮ ውሳነ ብዛዕባ ልባዊ ተኣማንነት እንታይ እዩ ዚምህረና፧—ሮሜ 15:4

w08 15/8 11 ¶15

ብሓደ ልቢ ተኣማንነትካ ሓሉ

15 ካብ ጌጋ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ነብዪ እንታይ ካልእ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ ምሳሌ 3:5 “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ትብል። እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ነብዪ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ ኣብ የሆዋ ኣብ ክንዲ ዚእመን፡ ኣብ ልቦናኡ ተጸግዐ። ብሰንኪ ጌጋኡ ኸኣ፡ ህይወቱን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮ ጽቡቕ ስምን ስኢኑ እዩ። እቲ ተመክሮኡ ንየሆዋ ብትሕትናን ብተኣማንነትን ከነገልግሎ ኸም ዚግባእ የጕልሕ።

w08 15/8 9 ¶10

ብሓደ ልቢ ተኣማንነትካ ሓሉ

10 እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ነብዪ ንውዲት እቲ ኣረጊት ነብዪ ኼስተውዕለሉ ነይርዎ። ‘ስለምንታይ እሞ እዩ የሆዋ ንዓይ ሓድሽ መምርሒ ንምሃብ፡ መልኣኹ ናብ ካልእ ሰብ ዚልእኽ፧’ ኢሉ ኺሓትት ምኸኣለ። እቲ መምርሒ ምእንቲ ኺንጽረሉ ንየሆዋ ኺሓቶ ምኸኣለ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ከምኡ ኸም ዝገበረ ኣይሕብረናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ምስኡ [ምስቲ ኣረጊት ሰብኣይ] ተመልሰ፡ ኣብ ቤቱ ኸኣ እንጌራ በልዔ፡ ማይውን ሰተየ” ዚብል ነንብብ። የሆዋ በዚ ኣይተሓጐሰን። ጸኒሑ እቲ እተታለለ ነብዪ ናብ ይሁዳ ኺምለስ ከሎ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። እዝስ ነቲ ዅሉ ኸም ነብዪ ዀይኑ ዘገልገሎ ዓመታት ከመይ ዝበለ ዜሐዝን መዛዘሚ ዀን እዩ!—1 ነገ. 13:19-25

መንፈሳዊ ሃብቲ

w10 1/7 29 ¶5

ኣብ ጽቡቕ የተኵር

ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ኣብ 1 ነገስት 14:13 ዚርከብ ቃላት፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኣባና ዜተኵረሉ ነገራትን ሓደ ባህ ዜብል ትምህርቲ ይምህረና እዩ። ኣብ ኣቢያ ጽቡቕ ነገር ከም “እተረኽበ” ኣይንረስዕ። የሆዋ ኣብ ልቢ ኣቢያ እተወሰነ ጽቡቕ ነገር ክሳዕ ዚረክብ፡ ሃሰስ ኢሉ ኪኸውን ኣለዎ። ኣቢያ ምስ ቤተሰቡ ኺነጻጸር ከሎ፡ ከምቲ ሓደ ምሁር ዝበሎ፡ “ኣብ ኵምራ ጸጸር፡ ሓደ ሉል” እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ነገር ኣኽቢሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ነዚ ኣባል እኩያት ቤተሰብ ዝነበረ ውልቀ-ሰብ እተወሰነ ምሕረት ገይሩሉ እዩ።

26 መስከረም–2 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 15-16

“ከም ኣሳ ብትብዓት ስጕምቲ ትወስድ ዲኻ፧”

w12 15/8 8 ¶4

“ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ”

እስራኤል ኣብ ክልተ መንግስቲ ኻብ እትምቀል ኣትሒዙ ን20 ዓመት፡ ኵላ ይሁዳ ብኣረማዊ ተግባራት ተባላሽያ ነበረት። ኣሳ ብ977 ቅ.ክ. ንጉስ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ እቲ ቤተ መንግስቲ እውን እንተ ዀነ፡ ብኣምልኾ እቶም ከነኣናውያን ዜምልኽዎም ዝነበሩ ናይ ምፍራይ ኣማልኽቲ ተበላሽዩ ነበረ። ይኹን እምበር፡ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ብዛዕባ ግዝኣት ኣሳ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ “ኣሳ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ዘበለ ገበረ” እዩ ዚብል። እወ፡ ኣሳ “ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን ነቲ በረኽትን ኣፍረሶ፡ ነቲ ኣዕኑድ ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርቴታቱውን ቈራረጾ።” (2 ዜና 14:2, 3) ብዘይካዚ፡ ነቶም ብስም ሃይማኖት ግብረ ሶዶም ዚገብሩ ዝነበሩ “ኣብ ተባዕታይ ዝመንዘሩ” ሰባት ሰጐጎም። በዚ ጥራይ ግና ኣየብቅዐን። ነቶም ህዝቢ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎን ነቲ ሕግን ትእዛዝን ድማ ኪገብርዎን” ኣተባብዖም።—1 ነገ. 15:12, 13፣ 2 ዜና 14:4።

w17.03 19 ¶7

ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ኣገልግሎ

7 ኵላትና ንኣምላኽ ውፉያት ምዃንና ንምርግጋጽ ልብና ኽንምርምር ኣሎና። ስለዚ፡ ‘ንየሆዋ ኸሐጕሶን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽጣበቐሉን ንህዝቡ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ጽልዋ ኺሕሉን ቈሪጸ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት። ኣሳ ነታ ኣብታ ሃገር ‘ከም ኣደ ንጉስ ስልጣን ዝነበራ’ ማዓካ ኺቃወማ ኽሳዕ ክንደይ ትብዓት ከም ዘድለዮ እሞ ሕሰብ። ከም ማዓካ ዝበለ ሰብ ኣይትፈልጥን ትኸውን፡ ኣሳ ንዘርኣዮ ቕንኣት ክትቀድሓሉ እትኽእለሉ ዅነታት ግና ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ሓጢኣት ፈጺሙ ስለ ዘይተነስሐ እንተ ተወጊዱ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ምስቲ ሰብ እቲ ዝነበረካ ርክብ ብምብታኽ ቈራጽ ስጕምቲ ትወስድ ዲኻ፧ ልብኻ እንታይ ክትገብር ምደረኸካ፧

it-1 184-185

ኣሳ

ኣሳ ኣብ ገሊኡ እዋናት ጥበብን መንፈሳዊ ልቦናን ከም ዚጐድሎ እኳ እንተ ኣርኣየ፡ ጽቡቕ ባህርያቱን ካብ ክሕደት ናጻ ምዃኑን ግና ምስ ጌጋታቱ ኺነጻጸር ከሎ፡ ብዝያዳ ጐሊሑ ይርአ እዩ፣ ስለዚ ድማ፡ ሓደ ኻብቶም እሙናት ነገስታት ይሁዳ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። (2ዜና 15:17) እቲ 41 ዓመት ዝወሰደ ዘመነ ንግስና ኣሳ ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ንንግስና ሸሞንተ ነገስታት እስራኤል ዚሽፍን እዩ ነይሩ፣ ንሳቶም ድማ፡ የሮብዓም፡ ናዳብ፡ ባዕሳ፡ ኤላህ፡ ዚምሪ፡ ዖምሪ፡ ቲብኒ (ንዖምሪ እናተጻረሮ እተወሰነ ኽፍሊ እስራኤል ዝገዝአ)፡ ኣከኣብ እዮም። (1ነገ 15:9, 25, 33፣ 16:8, 15, 16, 21, 23, 29) ኣሳ ምስ ሞተ፡ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ።—1ነገ 15:24።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w98 15/9 21-22

ንኣምላኽ ህያው ኣካል ገይርካ ዲኻ እትምልከቶ፧

ንኣብነት፡ ብዛዕባቲ ንያሪኮ እንደገና ምህናጽ ዘስዕቦ መቕጻዕቲ ዝገልጽ ትንቢት ኣንብቦ እሞ ቀጺልካ ኸኣ ፍጻሜኡ መርምሮ። እያሱ 6:26 ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሐለ፤ ነዛ ኸተማ ያሪኮ ኺሰርሓ ኢሉ ዚልዐል፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ብበዅሪ ወዱ ይሰርታ፡ ደጌታታ ድማ በቲ ዝነአሰ ወዱ የቑም።” ድሕሪኡ ገለ 500 ዓመት ጸኒሑ ድማ እዚ ተፈጸመ፡ ከመይሲ ኣብ 1 ነገስት 16:34 ከምዚ ዝብል ነንብብ ኢና፦ “ብዘመኑ [ብዘመን ንጉስ ኣከኣብ] ኸኣ ሒኤል ቤት-ኤላዊ ንያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብእያሱ ወዲ ነዌ እተዛረቦ ድማ ብኣቢራም፡ በቲ በዅሩ ሰረታ፡ ደጌታታ ኸኣ ብሴጉብ፡ በቲ ንእሽቶ ወዱ ኣቘመ።” ከምዚ ዝኣመሰለ ትንቢታት ብመንፈሱ ከጽሕፍን ፍጻሜኡ ክከታተልን ዝኽእል እቲ ህያው ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ።

3-9 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 17-18

“ክሳዕ መዓስ ኢኹም ኣብ መንጎ ኽልተ ርእይቶ እትሕንክሱ፧”

w17.03 14 ¶6

ብእምነት ጥበባዊ ውሳነ ግበር

6 ጥንታውያን እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ፡ ኣዝዩ መሰረታውን ኣገዳስን ምርጫ ኺገብሩ፡ ማለት ንየሆዋ ወይ ከኣ ንኻልእ ኣምላኽ (ወይ ኣማልኽቲ) ኬምልኹ እንተ ዀይኖም ኪሓርዩ ነበሮም። (እያሱ 24:15 ኣንብብ።) እዚ ብቐሊሉ ኺውሰን ዚኽእል ውሳነ ኺመስል ይኽእል እዩ። እቲ ዚገብርዎ ውሳነ ግና ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ እዩ ነይሩ። ብግዜ መሳፍንቲ፡ እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ዘይጥበባዊ ምርጫ ገይሮም እዮም። ንየሆዋ ዝባኖም ሂቦም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣምለኹ። (መሳ. 2:3, 11-23) ነቲ ድሕሪ ሓያሎ እዋናት ህዝቢ ኣምላኽ ውሳነ ኺገብሩ እተገደዱሉ ግዜ እውን ከም ኣብነት ንርአ። ነብዪ ኤልያስ ነቲ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ኽልተ ምርጫ ብንጹር ገለጸሎም፣ ንኣምላኽ ወይ ንናይ ሓሶት ኣምላኽ በዓል ኬምልኹ ኺውስኑ ሓበሮም። (1 ነገ. 18:21) ኤልያስ ነቶም ህዝቢ ተወላወልቲ ብምዃኖም ገንሖም። ንየሆዋ ምግልጋል ወትሩ ጥበባዊ ኸም ዝዀነ ስለ ዚስምዓካ፡ እቲ እስራኤላውያን እተዋህቦም ምርጫ ቐሊል ከም ዝነበረ ትሓስብ ትኸውን። ሓደ ኼመዛዝን ዚኽእል ሰብ፡ ብኣምልኾ በዓል ኪሰሓብ ወይ ናብኡ ኺለግብ ከም ዘይክእል ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ‘ኣብ መንጎ ኽልተ ርእይቶ ይሕንክሱ’ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ኤልያስ ነቲ ብሉጽ ኣምልኾ፡ ማለት ንኣምልኾ የሆዋ ኺሓርዩ ምምዓዱ ጥበባዊ እዩ ነይሩ።

ia 88 ¶15

ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐሉ

15 ካህናት በዓል ዝያዳ ዓበድበድ በሉ፣ “ዓው ኢሎም ከኣ ይጭድሩ፡ ከምቲ ልምዶም ድማ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም ክሳዕ ዚፈስስ ብሽቶልን ብሕላስን ሰብነቶም ይበጥሑ ነበሩ።” እዚ ግና ረብሓ ኣይነበሮን! “ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚምልስ ከኣ ኣይነበረን፡ ዜቕልብ እውን ኣይነበረን።” (1 ነገ. 18:28, 29) ብርግጽ፡ በዓል ኣይነበረን። ንሰባት ካብ የሆዋ ንምርሓቕ ተባሂሉ ብሰይጣን እተኣልመ ምህዞ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ብዘይካ ንየሆዋ፡ ንኻልእ ጐይታ ምምራጽ ናብ ጓህን ውርደትን እዩ ዚመርሓና።—መዝሙር 25:3፣ 115:4-8 ኣንብብ።

ia 90 ¶18

ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐሉ

18 ኤልያስ ቅድሚ ምጽላዩ፡ እቶም ህዝቢ፡ የሆዋ እውን ከም በዓል ናይ ሓሶት ዚኸውን እንተ ዀይኑ ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ እቲ ጸሎት ግና ዜተሓሳስብ ነገር ኣይነበረን። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ሽዑ፡ ሓዊ ኻብ የሆዋ ወረደ፡ ነቲ ዚሓርር መስዋእትን ነቲ ዕንጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ፣ ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይ ከኣ ለሓሶ።” (1 ነገ. 18:38) ከመይ ዝበለ መስተንክር ምላሽ ኰን እዩ! እሞኸ እቶም ህዝቢ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

መንፈሳዊ ሃብቲ

w08 1/4 19፡ ሳጹን

ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየን

እቲ ብግዜ ኤልያስ ዝነበረ ድርቂ ንኽንደይ ዚኸውን ግዜ እዩ ጸኒሑ፧

እቲ ነብዪ የሆዋ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ኤልያስ፡ እቲ ንነዊሕ ዝቐጸለ ድርቂ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም ዜብቅዕ ንኣከኣብ ነገሮ። እዚ ኻብቲ መጀመርያ ኤልያስ ድርቂ ኸም ዚኸውን ዝኣወጀሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ “ሳልሰይቲ ዓመት” ከም ዝዀነ ርዱእ እዩ። (1 ነገስት 18:1) ኤልያስ እዚ ድሕሪ ምዝራቡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ ዝናም ከም ዚዘንም ገበረ። ስለዚ ኸኣ ገሊኦም እቲ ድርቂ ዘብቅዐ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሰለስተ ዓመት ንዚውሕድ እዋን ከም ዝጸንሐ ይድምድሙ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ የሱስን ያእቆብን እቲ ድርቂ፡ “ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን” ከም ዝገበረ እዮም ዚነግሩና። (ሉቃስ 4:25፣ ያእቆብ 5:17) እዝስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ድዩ፧

ኣይፋሉን። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እዋን ዝናም ዘይዘንመሉ ወቕቲ ሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን እዩ ዚጸንሕ ነይሩ። ኤልያስ ንኣከኣብ ድርቂ ኸም ዚኸውን ኪነግሮ ኸሎ፡ እቲ እዋን ዝናም ዘይዘንመሉ ወቕቲ ድሮ ኻብቲ ልሙድ ንላዕሊ ዝነውሐን ጽንኩርን ኰይኑ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ድርቂ ፍርቂ ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ጀሚሩ። እምበኣር፡ ኤልያስ ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርያ ኣዋጁ ኣብታ “ሳልሰይቲ ዓመት” እቲ ድርቂ ኸም ዜብቅዕ ኪእውጅ ከሎ፡ እቲ ድርቂ ድሮ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ገይሩ ነበረ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ እተገብረ ዓብዪ ፈተና ኺርእዩ ኣብ እተኣከቡሉ እዋን “ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን” ሓሊፉ ነበረ።

ብተወሳኺ እቲ ኤልያስ ናብ ኣከኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። እቶም ህዝቢ፡ እቲ “ተወጣሒ ደመናታት” ዚብልዎ በዓል ነቲ እዋን ዝናም ዘይዘንመሉ ወቕቲ ኣብቂዑ ዝናም ከም ዚዘንም ዚገብር ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ወቕቲ ኻብቲ ልሙድ ንላዕሊ ነዊሕ ምስ ኰነ ግን፡ እቶም ህዝቢ፡ ‘በዓል ኣበይ ኣሎ፧ መዓስከ ዝናም ኬዝንም እዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ኤልያስ ክሳዕ ንሱ ዚዛረብ ዝናም ኰነ ኣውሊ ኸም ዘይከውን ምእዋጁ፡ ንኣምለኽቲ በዓል ዓብዪ ጽፍዒት እዩ ነይሩ።—1 ነገስት 17:1

10-16 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 19-20

“መጸናንዒ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ተወከል”

w19.06 15 ¶5

ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኽትከውን ከለኻ፡ ናብ የሆዋ ተጸጋዕ

5 ቀዳማይ ነገስት 19:1-4 ኣንብብ። ይኹን እምበር፡ ንግስቲ ኢዛቤል ንኤልያስ ከም እትቐትሎ ልኡኽ ምስ ለኣኸትሉ፡ ንሱ ፈርሀ። ስለዚ፡ ሃዲሙ ናብ ብኤር-ሸባዕ ከደ። ኣዝዩ ተስፋ ስለ ዝቘረጸ፡ “ኪመውት ለመነ።” ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ተሰሚዕዎ፧ ኤልያስ “ከማና ዝስምዒቱ ሰብ” እዩ ነይሩ። (ያእ. 5:17) ምናልባት እቲ ኸቢድ ጸቕጥን ብርቱዕ ድኻምን ልዕሊ ዓቕሙ ዀይንዎ ይኸውን። ንጹህ ኣምልኾ ንምስፍሕፋሕ ዝገበሮ ጻዕርታት ከንቱ ኸም ዝዀነ፡ ኣብ እስራኤል እተመሓየሸ ነገር ከም ዘየልቦ፡ ካብ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ንሱ በይኑ ኸም ዝተረፈ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ነገ. 18:3, 4, 13፣ 19:10, 14) እዚ እሙን ነብዪ እዚ ኸምዚ ስለ እተሰምዖ፡ ንዓና ይገርመና ይኸውን። የሆዋ ግና ንስምዒቱ ተረዲኡሉ እዩ።

ia 103 ¶13

ብኣምላኹ ተጸናንዐ

13 የሆዋ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ነቲ ዜፍቅሮ ነብዪኡ ኣብቲ በረኻ ኣብ ትሕቲ ኦም ኮፍ ኢሉ ሞት ኪምነ ኺርእዮ ኸሎ እንታይ እተሰምዖ ይመስለካ፧ ብዛዕባ እዚ ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ። ኤልያስ ምስ ደቀሰ፡ የሆዋ መልኣኹ ለኣኸ። እቲ መልኣኽ ከኣ ንኤልያስ ቀስ ኣቢሉ ብምትንካይ ኣበራቢሩ፡ “ተንሲእካ ብላዕ” በሎ። ኤልያስ ድማ፡ ነቲ እቲ መልኣኽ ዘዳለዎ ኣብ ርሱን እምኒ እተሰንከተ ቕጫ በልዖ፡ ነቲ ዘምጸኣሉ ማይ ከኣ ሰተዮ። ንምዃኑኸ ነቲ መልኣኽ ኣመስጊንዎዶ፧ ኣብቲ ጸብጻብ፡ በሊዑን ሰትዩን መሊሱ በጥ ከም ዝበለ ጥራይ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ። ብጭንቀት ስለ እተዋሕጠ ደዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ መልኣኽ ንኤልያስ፡ እንደገና ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ኣበራበሮ። “መገዲ ኺነውሓካ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ብላዕ” ድማ በሎ።—1 ነገ. 19:5-7።

ia 106 ¶21

ብኣምላኹ ተጸናንዐ

21 እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ ኺገልጽ ከሎ፡ የሆዋ ኣብቲ ዜደንቕ ናይ ተፈጥሮ ሓይሊ ኸም ዘይነበረ ይሕብር እዩ። የሆዋ ልክዕ ከምቲ በቶም እተታለሉ ሰባት ከም “ተወጣሒ ደበናታት” ወይ ከም መምጽኢ ዝናም ዚርአ ዝነበረ በዓል ከም ዘይኰነ፡ ንተፈጥሮ ዚቈጻጸር ጽውጽዋያዊ ኣምላኽ እውን ዘይምዃኑ፡ ኤልያስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ናይ ሓቂ ምንጪ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ዜደንቕ ሓይሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብቲ ዝገበሮ ነገራት ንላዕሊ ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ። ግኡዝ ሰማያት እውን ከይተረፈ፡ ንዕኡ ኺሕዞ ኣይክእልን እዩ። (1 ነገ. 8:27) ኰይኑ ግና፡ እዚ ዅሉ ንኤልያስ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧ ኣመና ፈሪሁ ምንባሩ ንዘክር። እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ጐድኒ ኤልያስ ካብ ኰነ፡ ኤልያስ ንኣከኣብን ንኢዛቤልን ዚፈርሃሉ ምኽንያት ኣይነበሮን።—መዝሙር 118:6 ኣንብብ።

ia 106 ¶22

ብኣምላኹ ተጸናንዐ

22 ኤልያስ ደድሕሪ እቲ ሓዊ፡ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” ሰምዐ። እቲ ደሃይ ድማ ንኤልያስ እንደገና ስምዒቱ ኺገልጽ ዓደሞ፣ ንሱ እውን ንኻልኣይ ሳዕ ብዛዕባ ሻቕሎቱ ተዛረበ። ምናልባት ከምኡ ብምግባሩ፡ እፎይታ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ “ህዱእ ትሑት ደሃይ” ቀጺሉ ዝነገሮ ምስ ሰምዐ፡ ብዝያዳ ተጸናንዐ። የሆዋ ንኤልያስ፡ ዘይረብሕ ከም ዘይኰነ ኣረጋገጸሉ። ብኸመይ፧ ብዛዕባ እቲ ንኣምልኾ በዓል ካብ እስራኤል ንምጥፋእ ዘውጸኦ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማ ንኤልያስ ነገሮ። ብንጹር እምበኣር፡ ዕላማ ኣምላኽ ንቕድሚት ይግስግስ ስለ ዝነበረ፡ ዕዮ ኤልያስ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንኤልያስ ዝርዝር መምርሒታት ሂቡ እንደገና ስለ ዝለኣኾ፡ ኤልያስ ገና ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ግደ ነይርዎ እዩ።—1 ነገ. 19:12-17።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w97 1/11 31 ¶1

ናይ ርእሰ-መስዋእትነትን ተኣማንነትን ኣብነት

ሎሚ እውን ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ናይ ርእሰ-መስዋእትነት መንፈስ የርእዩ ኢዮም። ገሊኦም ነቲ ብስራት ናብ ርሑቕ ዞባታት ከይዶም ንምስባኽ ወይ እውን ከም ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኰይኖም ከገልግሉ “ግራቶም፡” መነባብርኦም፡ ሓዲጐም ኢዮም። ካልኦት እውን ኣብቲ ናይ ማሕበር ናይ ህንጻ ፕሮጀክት ንምዕያይ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገራት ከይዶም ኢዮም። ብዙሓት እውን ነቲ ትሑት ክበሃል ዝከኣል ዕዮ ተቐቢሎሞ ኢዮም። ንየሆዋ ዘገልግል ዝዀነ ይኹን ሰብ ግን ዘይረብሕ ኣገልግሎት ዝፍጽም የለን። የሆዋ ነቶም ብፍታው ዘገልግልዎ ሞሳ የርእዮም ኢዩ፡ ነቲ ናይ ርእሰ-መስዋእትነት መንፈሶም ድማ ክባርኾ ኢዩ።—ማርቆስ 10:29, 30

17-23 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ነገስት 21-22

“ነቲ የሆዋ ስልጣኑ ዚጥቀመሉ መገዲ ቕድሓዮ”

it-2 21

የሆዋ ጐይታ ሰራዊት

እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ መልኣኽ ምስ ረኣየ እሞ ኣብ ጐድኖም ወይ ኣብ ጐድኒ ጸላእቶም እንተ ዀይኑ ምስ ሓተቶ፡ “ኣይፋለይን፡ ኣነስ መስፍን ሰራዊት የሆዋ ዀይነ ደኣ መጺአ ኣለኹ” ዚብል ምላሽ እዩ ተዋሂብዎ። (እያ 5:13-15) ነብዪ ሚካያ ንንጉስ ኣከኣብን ንንጉስ ዮሳፋጥን፡ “የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡ ኵሉ ሰራዊት ሰማያት ድማ ኣብ ጥቓኡ፡ ኣብ የማነ ጸጋሙ ቘይሙ ረኣኹ” ኢሉ ኺነግሮም ከሎ፡ ብንጹር ብዛዕባ እቶም መናፍስቲ ዝዀኑ ደቂ የሆዋ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (1ነገ 22:19-21) እቲ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ተባሂሉ ተተርጒሙ ዘሎ መግለጺ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ብብዙሕ ሰፊሩ ምህላዉ ግቡእ ኣገላልጻ እዩ፣ ከመይሲ፡ ሓይልታት መላእኽቲ፡ ኪሩቤልን ሱራፌልን መላእኽትን ተባሂሎም ኣብ ርእሲ ምክፍፋሎም (ኢሳ 6:2, 3፣ ዘፍ 3:24፣ ራእ 5:11)፡ በብጕጅለ እተወደቡ እውን እዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ የሱስ ክርስቶስ፡ “ካብ 12 ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ” ኢሉ ኺዛረብ ክኢሉ እዩ። (ማቴ 26:53) ኣብቲ ህዝቅኤል ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ምህለላ፡ “ኦ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል . . . እትቕመጥ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ብምሳልያዊ መገዲ ንሰማያዊ ዝፋን የሆዋ ዜመልክት ታቦት ኪዳንን ኣብ ልዕሊ መኽደኒኡ ዚርከቡ ኪሩቤልን እዩ ዚእምት ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። (ኢሳ 37:16፣ ምስ 1ሳሙ 4:4፣ 2ሳሙ 6:2 ኣረኣኢ።) ጊልያ ኤልሳእ ምስ ፈርሀ፡ ኣብ ዙርያ እታ ተኸቢባ ዝነበረት ኤልሳእ ዚነብረላ ኸተማ ዘሎ ኣኽራን ብተኣምራዊ ራእይ “ብኣፍራስን ሰረገላታትን ሓዊ መሊኡ” ስለ ዝረኣየ ተጸናኒዑ እዩ፣ ንሳቶም ኽፍሊ ጭፍራ መላእኽቲ የሆዋ እዮም ነይሮም።—2ነገ 6:15-17።

w21.02 4 ¶9

“ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ”

9 ትሕትና። የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ጥበበኛ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንርእይቶ ኣገልገልቱ ይሰምዕ እዩ። (ዘፍ. 18:23, 24, 32) ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዘለዉ፡ ሓሳብ ኬቕርቡ ይፈቕደሎም እዩ። (1 ነገ. 22:19-22) የሆዋ ፍጹም እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ካባና ፍጽምና ኣይጽበን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣገልገልቱ ንዝዀኑ ዘይፍጹማት ሰባት ምእንቲ ኺዕወቱ ይሕግዞም እዩ። (መዝ. 113:6, 7) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ፡ “ረዳኢ” ኸም ዝዀነ ገይሩ ይገልጾ እዩ። (መዝ. 27:9፣ እብ. 13:6) ንጉስ ዳዊት ነቲ እተዋህቦ ዓብዪ ዕዮ ሳላ ትሕትና የሆዋ ጥራይ ኪዓምሞ ኸም ዝኸኣለ ገሊጹ ኣሎ።—2 ሳሙ. 22:36።

it-2 245

ሓሶት

የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ብስራት የሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ዚመርጹ፡ “ንሓሶት ምእንቲ ኺኣምኑ” ኢሎም ሓሶት ዚመርጹ ሰባት “ብዜታልል ጽልዋ” ኺስሕቱ ይሓድጎም እዩ። (2ተሰ 2:9-12) ኣብቲ ዘመናት ኣቐዲሙ ምስ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ብዚተሓሓዝ ዘጋጠመ ጕዳይ፡ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብነት ይኸውን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓሰውቲ ነብያት ንኣከኣብ ምስ ራሞት-ጊልዓድ ተዋጊኡ ኸም ዚዕወት መረጋገጺ ኺህብዎ ኸለዉ፡ ሚካያ ዚብሃል ነብዪ የሆዋ ግና ጥፍኣት እዩ ተነብዩ። ኣብቲ ሚካያ ዝረኣዮ ራእይ፡ የሆዋ ንሓደ መንፈሳዊ ፍጡር ኣብ ኣፍ ነብያት ኣከኣብ “ዜታልል መንፈስ” ኬንብር ፈቐደሉ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ መንፈሳዊ ፍጡር ኣብ ልዕሊ እቶም ነብያት ጽልዋ ስለ ዝገበረ፡ ነቲ ንሳቶም ኪብልዎ ዝደለዩን ኣከኣብ ኪሰምዖ ዝደለዮን ደኣ እምበር፡ ሓቂ ኣይተዛረቡን። ኣከኣብ ድማ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ኼብቅዕ፡ ብሓሶቶም ኪዕሾ ወሰነ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ህይወቱ ኸፈለ።—1ነገ 22:1-38፣ 2ዜና 18።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w21.10 3 ¶4-6

ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ እዩ፧

4 ኣብ መወዳእታ፡ ትዕግስቲ የሆዋ ኣብቅዐ። ንኤልያስ ከኣ፡ ንኣከኣብን ንኢዛቤልን ፍርዶም ኪነግሮም ለኣኾ። ንሱ ድማ ብዘሎ ቤተ ሰቦም ከም ዚጸንት ሓበሮም። ኣከኣብ ነዚ ምስ ሰምዐ ሕማቕ ተሰምዖ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እዚ ዕቡይ ሰብ፡ ‘ርእሱ ኣትሓተ።’—1 ነገ. 21:19-29።

5 ኣከኣብ ኣብቲ እዋን እቲ ርእሱ እኳ እንተ ኣትሓተ፡ ድሕሪኡ ዝነበሮ ኣካይዳ ግና ብሓቂ ኸም ዘይተነስሐ እዩ ዜርኢ። ኣምልኾ በዓል ካብ መንግስቱ ኼርሕቕ ኣይፈተነን። ኣምልኾ የሆዋ እውን ኣየስፋሕፍሐን። በዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብኻልእ መገድታት እውን ከም ዘይተነስሐ ኣርእዩ እዩ።

6 ጸኒሑ ኣከኣብ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስኡ ሓቢሩ ኣንጻር ሶርያውያን ኪዋጋእ ምስ ሓተቶ፡ ዮሳፋጥ ፈለማ ንነብዪ የሆዋ ኺሓትቱ ሓሳብ ሃቦ። ኣብ ፈለማ ኣከኣብ፡ “ገና ብእኡ ኣቢልና ንየሆዋ ኽንሓትቶ እንኽእል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፣ ግናኸ፡ ብዛዕባይ ክፉእ ጥራይ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበይን እዩ እሞ፡ እጸልኦ እየ” ብምባል ነቲ ሓሳብ ነጸጎ። ይኹን እምበር፡ ንነብዪ ሚካያ ሓተትዎ። ከምቲ እተገመተ ድማ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብዛዕባ ኣከኣብ ክፉእ ተዛረበ። ሽዑ፡ ኣከኣብ ብንስሓ ተደሪኹ ኻብ የሆዋ ይቕረታ ኣብ ክንዲ ዚደሊ፡ ነቲ ነብዪ ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበዮ። (1 ነገ. 22:7-9, 23, 27) እቲ ንጉስ ንነብዪ የሆዋ እኳ እንተ ኣሰሮ፡ ነቲ ትንቢት ከይፍጸም ግና ኪዓግቶ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ኣብቲ ዝሰዓበ ውግእ ተቐትለ።—1 ነገ. 22:34-38።

24-30 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ነገስት 1-2

“ስልጠና ዚውሃበሉ ጽቡቕ መገዲ”

w15 15/4 13 ¶15

ሽማግለታት ብኸመይ ከም ዜሰልጥኑ

15 ታሪኽ እቲ ንኤልያስ ዝተክኦ ኤልሳእ፡ ሎሚ ዘለዉ ኣሕዋት ነቶም ምኩራት ሽማግለታት ብኸመይ ኬኽብርዎም ከም ዘለዎም እውን ይሕብር እዩ። ኤልያስን ኤልሳእን ኣብ ያሪኮ ንዝነበሩ እተወሰኑ ነብያት ድሕሪ ምብጻሖም፡ ክልቲኦም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ፡ “ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ድማ ተመቕለ።” ሽዑ፡ ክልቲኦም በቲ ንቑጽ ምስ ተሳገሩ፡ ‘እናተዛራረቡ ይኸዱ ነበሩ።’ ኤልሳእ ኣብቲ ግዜ እቲ ዅሉ ኸም ዚፈልጥ ኰይኑ ኣይተሰምዖን። ክሳዕ እቲ ኤልያስ ካብኡ ተፈልዩ ዝኸደሉ እዋን፡ ንዅሉ እቲ ንሱ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ልቡ ኣሕዲርዎ እዩ። ኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ዓረገ። ድሕሪኡ፡ ኤልሳእ ናብቲ ፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተመልሰ፡ ነቲ ማይ ብባርኖስ ኤልያስ ገይሩ ወቕዖ እሞ፡ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኤልያስ ኣበይ ኣሎ፧’ በለ። እቲ ማይ ከኣ ተመቕለ።—2 ነገ. 2:8-14።

w15 15/4 13 ¶16

ሽማግለታት ብኸመይ ከም ዜሰልጥኑ

16 እቲ ኤልሳእ ንመጀመርታ ግዜኡ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ምስቲ ኤልያስ ንመወዳእታ ግዜ ዝገበሮ ተኣምራት ሕደ ምዃኑስ ኣስተብሂልካዶ፧ እዚ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ኤልሳእ፡ ሓላፍነት ስለ እተረከበ፡ ካብቲ ኤልያስ ዚዓይየሉ ዝነበረ መገዲ ብእተፈልየ ኣገባብ ኪዓዪ ኸም ዘለዎ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኤልያስ ኣገልግሎቱ ዚፍጽመሉ ዝነበረ መገዲ ብምስዓብ፡ ንኣሰልጣኒኡ ኸም ዜኽብሮ ኣርኣየ፣ ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ ነቶም ካልኦት ነብያት ኣብኡ ምትእምማን ኬሕድሩ ሓጊዝዎም እዩ። (2 ነገ. 2:15) ጸኒሑ ግና፡ ኣብቲ ኤልሳእ ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለሉ 60 ዓመት፡ የሆዋ ኻብቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዝበዝሐ ተኣምራት ንኺፍጽም ሓጊዝዎ እዩ። ከም ሰልጣኒ መጠን፡ እዚ ንዓኻ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዜመሓላልፈልካ፧

መንፈሳዊ ሃብቲ

w05 1/8 9 ¶1

ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት

2:11—ኤልያስ “ብህቦብላ ንፋስ” ናብ ኣየናይ “ሰማይ” እዩ ዓሪጉ፧ እዚ “ሰማይ” ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ርሑቕ ዚርከብ ክፋል ዩኒቨርስ ወይ እቲ ኣምላኽን መላእኽቱን ዚነብሩሉ መንፈሳዊ መንበሪ ኣይኰነን። (ዘዳግም 4:19፣ መዝሙር 11:4፣ ማቴዎስ 6:9፣ 18:10) የግዳስ፡ ኤልያስ ናብቲ ኣብ ከባቢ ምድሪ ዘሎ “ሰማይ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሃዋሁ እዩ ዓሪጉ። (መዝሙር 78:26፣ ማቴዎስ 6:26) እቲ ሰረገላ ሓዊ ብሃዋሁ ምድሪ ኣቢሉ ናብ ካልእ ቦታ ምድሪ እዩ ወሲድዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ንእተወሰነ እዋን ይነብር ነበረ። ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ኤልያስ ንዮራም ንጉስ ይሁዳ ደብዳበ ጽሒፉሉ እዩ።—2 ዜና መዋእል 21:1, 12-15

31 ጥቅምቲ–6 ሕዳር

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ነገስት 3-4

“ወድኺ ኣልዕሊ”

w17.12 4 ¶7

“ከም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ”

7 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሰ ኻልኣይ ትንሳኤ፡ እቲ ንኤልያስ ዝተክኦ ነብዪ ኤልሳእ ዝፈጸሞ እዩ ነይሩ። ኣብ ሹነም እትነብር ዝነበረት ምርእይቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ ንኤልሳእ ጽቡቕ ገይራ ብግሽነት ተቐበለቶ። ኣምላኽ ከኣ በቲ ነብዪ ኣቢሉ ነዛ መኻን ዝነበረት ሰበይቲ እዚኣን ነቲ ኣሪጉ ዝነበረ ሰብኣያን ውሉድ ኪወልዱ ብምሕጋዝ ባረኾም። ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ግና እቲ ቘልዓ ሞተ። እታ ኣደ ኽሳዕ ክንደይ ብሓዘን ከም እተደቝሰት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሽዑ፡ ንሰብኣያ ናብ ኤልሳእ ክትከይድ ከም እትደሊ ነገረቶ። ኣስታት 30 ኪሎ ሜተር ተጓዒዛ ድማ፡ ናብቲ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ዝነበረ ኤልሳእ ከደት። እቲ ነብዪ ኸኣ፡ ንጊልያኡ ገሓዚ ቐዲምዎም ናብ ሹነም ኪኸይድ ለኣኾ። ገሓዚ ግና ነቲ ዝሞተ ቘልዓ ኼተንስኦ ኣይከኣለን። ድሕሪኡ፡ እታ ሓዘንተኛ ሰበይቲ ምስ ኤልሳእ ኰይና ናብ ሹነም ተመልሰት።—2 ነገ. 4:8-31።

w17.12 4 ¶8

“ከም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ እየ”

8 ኣብ ሹነም ከኣ፡ ኤልሳእ ኣብ ጥቓ እቲ ምዉት ቈልዓ ዀይኑ ጸለየ። እቲ ዝሞተ ቘልዓ ድማ ብተኣምራዊ መገዲ ህያው ኰነ፣ ኣዲኡ ምስ ረኣየቶ ድማ ኣዝያ ተሓጐሰት። (2 ነገስት 4:32-37 ኣንብብ።) እታ ኣደ ብዛዕባ እታ መኻን ዝነበረት ሃና ዝጸለየቶ ጸሎት ሓሲባ ኽትከውን ትኽእል እያ። ሃና ነቲ ብተኣምራዊ መገዲ ዝወለደቶ ሳሙኤል ኣብ ማሕደር ኬገልግል ምስ ወሰደቶ፡ “የሆዋ . . . ናብ መቓብር የውርድ፡ የተንስእ ከኣ” ኢላ ጸልያ ነበረት። (1 ሳሙ. 2:6) እወ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሹነም ዝሞተ ቘልዓ ቓል ብቓሉ ኣተንሲእዎ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንሰባት ኬተንስእ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-2 697 ¶2

ነብዪ

“ደቂ ነብያት።” ብመሰረት እቲ ገሰንዩስ ሄብሪው ግራመር (ኦክስፎርድ፡ 1952፡ ገጽ 418)፡ እታ ብእብራይስጢ በን (ወዲ) ወይ በነህ (ደቂ) እትብል ቃል፡ “ንኣባልነት ማሕበር (ወይ ነገድ፡ ወይ ሓደ ውሱን ጕጅለ)” ኸተመልክት ትኽእል እያ። (ምስ ነህ 3:8 ኣረኣኢ፣ እቲ ኣብኡ “ሓደ ኻብቶም ቀመምቲ ቕብኢ” እተባህለ፡ ቃል ብቓሉ “ወዲ ቐመምቲ ቕብኢ” እዩ ዚብሃል።) ስለዚ፡ “ደቂ ነብያት” ዚብል መጸውዒ፡ ናብዚ ዕዮ እዚ እተጸውዑ ዘበሉ ንዚምሃሩሉ ቤት ትምህርቲ ወይ ንማሕበር ምትሕግጋዝ ነብያት ኬመልክት ይኽእል እዩ። እዞም ጕጅለታት ነብያት ኣብ ቤት-ኤልን ያሪኮን ጊልጋልን ከም ዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ። (2ነገ 2:3, 5፣ 4:38፣ ምስ 1ሳሙ 10:5, 10 ኣረኣኢ።) ሳሙኤል ነቶም ኣብ ራማ ዝነበሩ ጕጅለ ይመርሖም ነይሩ እዩ (1ሳሙ 19:19, 20)፡ ኤልሳእ እውን ብግዜኡ ተመሳሳሊ ሓላፍነት ዝነበሮ እዩ ዚመስል። (2ነገ 4:38፣ 6:1-3፣ ምስ 1ነገ 18:13 ኣረኣኢ።) መንበሪኦም ከም ዝሰርሑን ናይ ልቓሕ ንዋት ከም እተጠቕሙን ተመዝጊቡ ስለ ዘሎ፡ እዚ ነገር እዚ ቐሊል ናብራ ይነብሩ ምንባሮም ዚእምት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሓባር ይነብሩን ይበልዑን እኳ እንተ ነበሩ፡ ብውልቂ ግና ኪንበዩ ተልእኾ ይውሃቦም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1ነገ 20:35-42፣ 2ነገ 4:1, 2, 39፣ 6:1-7፣ 9:1, 2።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ