በዳሂ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ከም ፊንሃስ ክትከውን ትኽእልዶ፧
ኣብ ጉባኤ ሽማግለ ዄንካ ምግልጋል ፍሉይ መሰል እዩ። ይኹን እምበር፡ ቃል ኣምላኽ፡ ሽማግለታት በዳሂ ዅነታት ከም ዜጋጥሞም ይገልጽ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣበሳ ኺፍጸም ከሎ፡ ንየሆዋ ወኪሎም ይፈርዱ እዮም። (2 ዜና 19:6) ወይ ከኣ ሓደ ሽማግለ ሓደ መዝነት ኪወሃቦ ኸሎ ኸምቲ ሙሴ እተሰምዖ ዘይብቑዕ ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ሙሴ ሓደ መዝነት ምስ ተዋህቦ፡ ‘ናብ ፈርኦን ዝኸይድከ ኣነ መን እየ፧’ ኢሉ ብትሕትና ሓቲቱ እዩ።—ዘጸ. 3:11።
እቲ ብመሪሕነት እቲ ንሽማግለታት ዝሾመ መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ንፈተናታት ብዓወት ዝሰገሩ ሓለውቲ ኸም ዘለዉ ይገልጽ እዩ። ፊንሃስ፡ ወዲ ኣልኣዛርን ወዲ ወዱ ንኣሮንን እዩ ነይሩ፡ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ድማ ፍሉይ መሰል ነበሮ። እቲ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ሰለስተ ፍጻመታት፡ ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን በዳሂ ዅነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ብትብዓትን ብምስትውዓልን ኣብ የሆዋ ብምውካልን ኪሰግርዎ ኸም ዚኽእሉ ዜጕልሕ እዩ።
“ተንስኤ”
ፊንሃስ ኣብቲ እስራኤላውያን ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ሰፊሮምሉ ዝነበሩ እዋን፡ መንእሰይ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ህዝቢ ኸኣ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ። . . . በልዔ፡ ንኣማልኽተን ድማ ሰገደ” ይብል። (ዘሁ. 25:1, 2) የሆዋ ነቶም ኣበሰኛታት መዓት ኣውረደሎም። ፊንሃስ ብዛዕባ እቲ ኣበሳን ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ እቲ ኣበሳ ዝወረደ መዓትን ምስ ሰምዐ፡ እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ሕሰብ።
እቲ ታሪኽ ቀጺሉ፡ “እንሆ ኸኣ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢሎም ኪበኽዩ ኸለዉ፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽኤ” ይብል። (ዘሁ. 25:6) እቲ ኻህን ዝነበረ ፊንሃስከ እንታይ ገበረ፧ ሽዑ፡ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ብዕድመ ንእሽቶ እዩ ነይሩ፡ እቲ ኣበሰኛ እስራኤላዊ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ኣምልኾ ዚመርሕ ሹም እዩ ነይሩ።—ዘሁ. 25:14።
ይኹን እምበር፡ ፊንሃስ ንሰባት ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እዩ ዚፈርህ ነይሩ። ነቶም ክልተ ሰባት ምስ ረኣዮም፡ ብኡንብኡ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ደድሕሪ እቲ ሰብኣይ ናብቲ ድንኳን ኣተወ፡ ንኽልቲኦም ከኣ ወግኦም። የሆዋ ነቲ ፊንሃስ ዘርኣዮ ትብዓትን ቈራጽነትን ብኸመይ ተመልከቶ፧ ነቲ መዓት ብኡንብኡ ደው ኣበሎ፡ ንፊንሃስ ከኣ ክህነት ኣብ ዘርኡ ንዘለኣለም ኪቕጽል ኪዳን ብምሃብ ባረኾ።—ዘሁ. 25:7-13።
ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ሰብ ከም ዘይቀትሉ ፍሉጥ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ከም ፊንሃስ ቈራጻትን ተባዓትን ንምዃን ድሉዋት ኪዀኑ ይግባእ። ንኣብነት፡ ጊልየርመ፡ ኣብ ኮሚተ ፍርዲ ኼገልግል ኪሕተት ከሎ፡ ሽማግለ ዀይኑ ኻብ ዜገልግል ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ገይሩ ነይሩ። እቲ ኣበሳ ዝፈጸመ ሓው ከኣ እቲ ንጊልየርመ ንእሽቶ ኸሎ ዝሓገዞ ሽማግለ እዩ ነይሩ። ጊልየርመ፡ “ነዚ ሓላፍነት እዚ ኽስከም ከም ዘይበቅዕ ኰይኑ ተሰምዓኒ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “ለይቲ ድቃስ ኣበየኒ። መንፈሳዊ ኣረኣእያይ ብስምዒተይ ከይተዓብለለ ኸመይ ገይረ ነቲ ጉዳይ ክሕዞ ኸም ዝኽእል ድማ ክሓስብ ጀመርኩ። ንሓያሎ መዓልትታት ጸለኹ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከኣ መርመርኩ” ብምባል ሓሳባቱ ገለጸ። ከምኡ ብምግባሩ ድማ፡ ነቲ ፍሉይ ኵነታት ብትብዓት ብምሓዝ፡ ነቲ እተጋገየ ሓዉ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪገብረሉ ኽኢሉ እዩ።—1 ጢሞ. 4:11, 12።
ሽማግለታት፡ ኣብ ጉባኤ ኸምዚ ዓይነት ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ብትብዓትን ብቘራጽነትን ስጕምቲ ብምውሳድ ተኣማንነቶም የርእዩ እዮም። እቶም ካልኦት ኣባላት እውን፡ ከቢድ ኣበሳ ኸም እተፈጸመ እንተ ደኣ ፈሊጦም፡ ብትብዓት ንሽማግለታት ክነግሩ ይግባእ። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ምስ ሓደ እተወገደ ዓርክኻ ወይ ዘመድካ ዝነበረካ ምሕዝነት ምቍራጽ እውን፡ ተኣማንነት ዚሓትት እዩ።—1 ቈረ. 5:11-13።
ሳላ ምስትውዓል፡ ውግእ ናብ ሰላም ተቐየረ
ፊንሃስ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ዝወሰደ፡ መንእሰይ ስለ ዝዀነ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ካልእ እዋን ሓደ ወረ ምስ ሰምዐ፡ ብኸመይ ብምስትውዓል ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ እስከ ንመርምር። ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፡ ኣብ ጥቓ ርባ ዮርዳኖስ መሰውኢ ምስ ሰርሑ፡ እቶም ካልኦት ነገዳት እስራኤል፡ ነዚ መሰውኢ እዚ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንምክያድ ከም ዝዀነ ገይሮም ስለ ዝሓሰብዎ፡ ውግእ ኪኸፍቱ ተዳለዉ።—እያ. 22:11, 12።
ፊንሃስ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ምስ ሹማምቲ እስራኤል ሓቢሩ ብምኻድ፡ ምስቶም ነቲ መሰውኢ ዝሰርሕዎ ነገዳት፡ ብምስትውዓል ተመያየጠ። እቶም እተኸስሱ ነገዳት ድማ፡ ነቲ መሰውኢ እቲ፡ ‘ንየሆዋ ንምግልጋል’ ኢሎም ከም ዝሰርሕዎ ብምግላጽ ነቲ ዅነታት ኣነጸርዎ። በዚ ኸምዚ እቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ውግእ ናብ ሰላም ተቐየረ።—እያ. 22:13-34።
ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ሓደ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝዀነ ብጻዩ፡ ክሲ ወይ ኣሉታዊ ወረ ምስ ዚሰምዕ፡ ንፊንሃስ ኪመስሎስ ክንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ! ምስትውዓል፡ ንኸይንቕየም ወይ ብዛዕባ ኣሕዋትና ኣሉታዊ ነገራት ንኸይንነዝሕ ይሕግዘና።—ምሳ. 19:11።
ምስትውዓል፡ ንሽማግለታት ከምቲ ፊንሃስ ዝወሰዶ ዓይነት ስጕምቲ ንኺወስዱ ኺሕግዞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ሓው ሃይመይ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ሓው እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ሓደ ኣስፋሒ፡ ምስ ካልእ ሰብ ብዛዕባ ዜጋጠሞ ዘይምስምማዕ ኣልዒሉ ኺዛረበኒ ኸሎ፡ ናብ ሓዲኦም ከይወገንኩ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንኺህብ የሆዋ ንኺሕግዘኒ ብኡንብኡ እየ ዝጽሊ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ሓብቲ፡ ሓደ ኣብ ካልእ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ከም ዝበደላ ብምግላጽ ብዛዕባ ናይ ብሕቲ ጸገማ ኣካፈለትኒ። እቲ ሓው ዓርከይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ክንዳኡ ዀይነ ኽዛረብ ቀሊል እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣነን እታ ሓብትን እተወሰነ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መርመርና፡ እታ ሓብቲ፡ ቅድም ቀዳድም፡ ባዕላ ነቲ ሓው ክትዛረቦ ኸም ዘለዋ ተሰማምዐት። (ማቴ. 5:23, 24) ብኡንብኡ፡ ሰላም ስለ ዘይተፈጥረ ኻልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ክትምርምር ኣተባባዕክዋ። ብዛዕባ እቲ ዅነታት እቲ እንደገና ኽትጽልን ይቕረ ንምባል ክትጽዕርን ከኣ ወሰነት።”
ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ሃይመይ፡ “ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ እታ ሓብቲ ኣዘራረበትኒ። እቲ ሓው ጸኒሑ ብዛዕባ እቲ እተዛረቦ ኸም እተጣዕሰን ምስኣ ናብ ኣገልግሎት ኪኸይድ መደብ ከም ዝገበረን ሞሳኡ ኸም ዝገለጸላን ነገረትኒ። እቲ ጕዳይ ተፈትሐ። ኣብቲ ኸም ዘሻረኹ ኬቝጽረኒ ዚኽእል ዝነበረ ጕዳይ፡ ብዘየድሊ ኢደይ ኣእትየ ነይረ እንተ ዚኸውን፡ ካብዚ ዝሓሸ ውጽኢት ከምጽእ ምኸኣልኩዶ፧” ብምባል የዘንቱ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ተቐላጢፍካ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይትኺድ” ዚብል ምኽሪ ይህብ። (ምሳ. 25:8፡ ትርጕም 1990) መስተውዓልቲ ሽማግለታት ነቶም ኣብ ንሓድሕዶም ዘይምስምማዕ ዜጋጥሞም ክርስትያናት፡ ሰላም ምእንቲ ኼስፍኑ፡ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ የተባብዕዎም እዮም።
ንየሆዋ ሓተቶ
ፊንሃስ ነቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ካህን ኰይኑ ንኼገልግሎም፡ ፍሉይ መሰል ተዋሂብዎ ነበረ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ ድማ፡ ብተዛማዲ ንእሽቶ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ብሉጽ ትብዓትን ምስትውዓልን ነበሮ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዜጋጥሞ ዝነበረ በዳሂ ዅነታት ብዓወት ኪሰግሮ ዝኸኣለ፡ ኣብ የሆዋ ይውከል ስለ ዝነበረ እዩ።
እቶም ካብ ነገድ ብንያም ዝዀኑ ሰብ ጊብዓ፡ ንሰበይቲ ወሰን ሓደ ሌዋዊ ብዜስካሕክሕ መገዲ ዓሚጾም ምስ ቀተልዋ፡ እቶም ካልኦት ነገዳት ምስ ብንያማውያን ንኺዋግኡ ተሰለፉ። (መሳ. 20:1-11) ውግእ ቅድሚ ምኽፋቶም ናብ የሆዋ እኳ እንተ ጸለዩ፡ ክልተ ግዜ ተሳዕሩ፡ ብዙሓት ድማ ተቐትልዎም። (መሳ. 20:14-25) ድሕርዚ፡ ጸሎቶም ከንቱ ዝነበረ ዀይኑ ድዩ ተሰሚዕዎም፧ የሆዋ በቲ እተገብረ በደል ተላዒሎም ንዝወሰድዎ ስጕምቲ ኽርኢ ብሓቂዶ ተገዳስነት ነይርዎ እዩ፧
እቲ ሽዑ ሊቀ ኻህናት እስራኤል ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ፊንሃስ፡ ኣብዚ ግዜ እውን ብየሆዋ ኸም ዚተኣማመን ኣርኣየ። “መሊሰዶ ኸም ብሓድሽ ምስ ደቂ ሓወይ ብንያም ክዋጋእ ክወጽእ ወይስ ክሐድጎ፧” ኢሉ ድማ ጸለየ። የሆዋ፡ ጸሎት ፊንሃስ ሰሚዑ ንብንያማውያን ኣብ ኢድ እስራኤላውያን ኣሕሊፉ ሃቦም፡ ጊብዓ ኸኣ ብሓዊ ነደደት።—መሳ. 20:27-48።
ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ኣብ ጉባኤ ገለ ሽግር ኬጋጥም ከሎ፡ ሽማግለታት ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ ተጊሆም ዚጽዕሩን ዚጽልዩን እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ሽግር ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ሽማግለታት ነቲ የሱስ፡ “ለምኑ [ወይ ጸልዩ] ኺውሀበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኺዝክሩ ኣለዎም። (ሉቃ. 11:9) መልሲ ጸሎቶም ዝደንጐየ መሲሉ ኺስምዖም ከሎ እውን ከይተረፈ፡ የሆዋ ኣብ ግዜኡ ምላሽ ከም ዚህበሉ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ንኣብነት፡ ኣብ ኣይርላንድ፡ ሓንቲ ጉባኤ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰርሕ እኳ እንተ ኣድልያ፡ እቲ ሓላፊ ውጥን እቲ ኸባቢ ነቶም ኣሕዋት ኣይተሓባበሮምን። ንዅሉ እቲ ኣሕዋት ኣብቲ ቦታ እቲ ንምህናጽ ዘቕረቡሉ ውጥናት ከኣ ነጸጎ። ነቲ ውጥናት ኬጽድቖ ዚኽእል ብዓል ስልጣን፡ እቲ ናይ ምሉእ ሃገር ቀንዲ ሓላፊ ውጥን ጥራይ ኰይኑ እዩ ተራእይዎም። እሞኸ፡ ጸሎት፡ ከምቲ ንፊንሃስ ዝሓገዞ፡ ሓጊዝዎም ደዀን ይኸውን፧
ኣብቲ ኸባቢ ዚነብር ሓደ ሽማግለ ኸምዚ በለ፦ “ብዙሕ ጸሎትን ልማኖን ምስ ኣቕረብና፡ ናብቲ ቐንዲ ሓላፊ ውጥን ከድና። ነቲ ቐንዲ ሓላፊ ንኽንረኽቦ ሰሙናት ኪወስድ ከም ዚኽእል ድማ ተነግረኒ። ይኹን እምበር፡ ዝገበርና ጌርና ንሓሙሽተ ደቒቕ ኣዘራረብናዮ። እቲ ሓላፊ ነቲ እንደገና እተሳእለ ውጥን ምስ ረኣዮ፡ ዕዮና ኽንቅጽል ፈቐደልና፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ከኣ እቲ ናይቲ ኸባቢ ሓላፊ ውጥን እውን ይተሓባበረና ነበረ። እዚ ተመክሮ እዚ፡ ጸሎት ክሳዕ ክንደይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኸም እንግንዘብ ገይሩና እዩ።” እወ፡ የሆዋ ነቲ ሽማግለታት ኣብኡ ብምውካል ዜቕርብዎ ልባዊ ጸሎት ምላሽ ይህበሉ እዩ።
ፊንሃስ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ከቢድ ሓላፍነት እኳ እንተ ነበሮ፡ ነቲ በዳሂ ዅነታት እቲ፡ ብትብዓትን ብምስትውዓልን ኣብ ኣምላኽ ብምውካልን ብዓወት ኪዋጽኣሉ ኽኢሉ እዩ። ንጉባኤ ኣምላኽ ብትግሃት ይሓሊ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ስምረት የሆዋ ረኺቡ እዩ። ድሕርዚ፡ ኣስታት 1,000 ዓመት ጸኒሑ፡ እዝራ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ቀደም ከኣ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፡ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ከኣ ምስኡ ነበረ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዜና 9:20) ሎሚ እውን ንዅሎም እቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ መሪሕ ግደ ዘለዎም ኰነ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ከምኡ ኺበሃለሎም ትምኒትና እዩ።